ሮሜ
7 ኣሕዋተየ፡ (ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡) ሰብ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ፡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 2 ንኣብነት፡ ምርዕውቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ፣ ሰብኣያ እንተ ሞይቱ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ።+ 3 እምበኣር፡ ሰብኣያ ብህይወት ከሎስ፡ ናይ ካልእ ሰብኣይ እንተ ዀይና፡ ዘማዊት እያ እትብሃል።+ ሰብኣያ እንተ ሞይቱ ግና፡ ካብ ሕጉ ሓራ እያ እሞ፡ ናይ ካልእ ሰብኣይ እንተ ዀይና፡ ዘማዊት ኣይኰነትን።+
4 እምበኣር፡ ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም እውን ናይ ካልእ፡ ማለት ናይቲ ንኣምላኽ ክንፈሪ+ ኢሉ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ምእንቲ ኽትኰኑ፡+ ብሰብነት ክርስቶስ ኣቢልኩም ንሕጊ ምዉታት ኴንኩም ኢኹም። 5 ብስጋ ኣብ ዝነበርናሉ እዋንሲ፡ ሞት ምእንቲ ኽንፈሪ፡ እቲ ብሕጊ እተጋህደ ሓጥእ ፍትወት ኣብ ሰብነትና* ይዓዪ ነይሩ እዩ።+ 6 ሕጂ ግና ብኣረጊት መገዲ ብጽሑፍ ሕጊ ዘይኰነስ፡+ ብሓድሽ መገዲ ብመንፈስ ባሮት ክንከውን፡+ ነቲ ቐዪዱና ዝነበረ ሕጊ ብሙማትና፡ ካብቲ ሕጊ ተፈቲሕና ኢና።+
7 እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን! ብዘይ እቲ ሕግስ ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።+ ንኣብነት፡ እቲ ሕጊ፡ “ኣይትተምነ” እንተ ዘይብልሲ፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።+ 8 ግናኸ፡ ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት በቲ ትእዛዝ ኣጋጣሚ ረኺቡ፡ ኵሉ ዓይነት ትምኒት ኣሕዲሩለይ።+ 9 ሓደ እዋን ብዘይ ሕጊ ህያው ነይረ። እቲ ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ከም ብሓድሽ ህያው ኰይኑ፡ ኣነ ኸኣ ሞይተ።+ 10 እቲ ናብ ህይወት ዚመርሕ ትእዛዝ ድማ፡+ ናብ ሞት ዚመርሕ ኰይኑ ረኺበዮ። 11 ከመይሲ፡ ሓጢኣት በቲ ትእዛዝ ኣጋጣሚ ረኺቡ፡ ኣስሒቱኒ፡ ብእኡ እውን ቀቲሉኒ። 12 እምበኣር፡ እቲ ሕግስ ቅዱስ እዩ፣ እቲ ትእዛዝ እውን ቅዱስን ቅኑዕን ሰናይን እዩ።+
13 እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንዓይ ሞት ዝዀነኒ፧ ያእ ኣይፋሉን! ሓጢኣት በቲ ሰናይ ኣቢሉ ሞት ከም ዜምጽእ ኪርአስ፡+ ሓጢኣት በቲ ትእዛዝ ኣቢሉ ኣዝዩ ሓጥእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ።+ 14 እቲ ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑስ ንፈልጥ ኢና፣ ኣነ ግና ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ።+ 15 ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። 16 ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰማምዓሉ ኣለኹ። 17 ሕጂ ግና እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።+ 18 ሰናይ ክገብር ድሌት ደኣ ኣሎኒ እምበር፡ ክእለት የብለይን እሞ፡ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘይሓድር እፈልጥ እየ።+ 19 ከመይሲ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። 20 ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብሮስ፡ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።
21 እምበኣር፡ ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ ከም ዘሎ፡ እዚ ሕጊ ዀይኑኒ ረኸብክዎ።+ 22 ብውሽጠይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ደስ ይብለኒ እዩ፣+ 23 ግናኸ፡ ኣብ ሰብነተይ* ምስ ሕጊ ኣእምሮይ ዚዋጋእን+ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ* ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኸንን+ ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ። 24 እዋይ ኣነ መከረኛ ሰብ! ካብዚ ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት እዝስ መን ኬናግፈኒ እዩ፧ 25 ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን! እምበኣር፡ ብኣእምሮይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት ባርያ እየ።+