ጥኪቆስ እቲ ሕድሪ እተዋህቦ መዓይይቲ
ጥኪቆስ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ተጓዒዙ ኢዩ: ከም ልኡኹ ዀይኑ ድማ ኣገልጊሉ ኢዩ። ገንዘብን ናይ ምዕዛብ ሓላፍነታትን ብሕድሪ ክዋሃቦ ዝኸኣለ ልኡኽ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዅሎም ክርስትያናት ክህልዎም ዘድሊ ሕድሪ ናይ ምጽናዕ ባህሪ ከም ዝነበሮ ቅዱሳት ጽሑፋት ስለ ዘጕልሕ: ብዛዕብኡ ዝያዳ ክትፈልጥ ትደሊ ትኸውን።
ጳውሎስ ንጥኪቆስ ‘ፍቁር ሓውን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መዓይይትን’ ብምባል ገለጾ። (ቈሎሴ 4:7) እቲ ሃዋርያ ከምዚ ገይሩ ክምልከቶ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ናይ ረድኤት ተልእኾ
ዳርጋ ብ55 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ስጋዊ ሓገዝ ኣድለዮም። ጳውሎስ ብሓገዝ ናይተን ኣብ ኣውሮጳን ንእሽቶ እስያን ዝነበራ ጉባኤታት: ንዓታቶም ንምሕጋዝ ገንዘብ ዝእከበሉ መገዲ ኣመሓደረ። እቲ ናይ ትውልዲ ቦትኡ ኣውራጃ እስያ ዝነበረ ጥኪቆስ ኣብቲ ናይ ረድኤት ተልእኾ ግደ ነበሮ።
ጳውሎስ እዚ ውጽኢት እዚ ብኸመይ ከም ዝግበር መምርሒታት ምስ ሃበ: ሕድሪ ዘጽንዑ ሰብኡት ነቲ እተኣከበ ገንዘብ ብምሓዝ ናብ የሩሳሌም ክለኣኹ ወይ ድማ ምስኡ ክኸዱ ምዃኖም ሓበረ። (1 ቈረንቶስ 16:1-4) በቲ ካብ ግሪኽ ናብ የሩሳሌም ዝወስድ ነዊሕ መገዲ ጕዕዞ ምስ ጀመረ: ሓያሎ ሰብኡት ምስኡ ሓቢሮም ከዱ: ሓደ ካብኣቶም ድማ ጥኪቆስ ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:4) ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ሰባት ከሰንይዎ ዘድለየሉ ምኽንያት ሓያሎ ጉባኤታት ብሕድሪ ዝሃብኦም ገንዘብ ሒዞም ስለ ዝነበሩ ኢዩ። ከተርቲ በቲ ቦታ ብደሓን ንኸይትሓልፍ ስግኣት ይፈጥሩ ስለ ዝነበሩ: ሓለዋ ምግባር ኣዝዩ ተደላዪ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 11:26
ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ ከሎ ኣርስጠርኮስን ጥራፊሞስን ኣሰንየሞ ስለ ዝነበሩ: ገሊኦም ጥኪቆስን ካልኦትን እውን ኣሰንየሞ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም ኢሎም ይግምቱ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:29፣ 24:17፣ 27:1, 2) ጥኪቆስ ኣብዚ ናይ ረድኤት መደብ እዚ እቱው ስለ ዝነበረ: ነቲ ምእካብ ገንዘብ ንምትዕርራይ ምስ ቲቶስ ኰይኑ ኣብ ግሪኽ ዝሰርሐ ከምኡውን ‘በቲ ጸጋ ንሱ [ምስ ጳውሎስ] ኺዘውር ኢለን: እተን ማሕበራት ዝሓረያኦ’ “ሓው” ተባሂሉ ዘሎ ንሱ ኢዩ ብምባል ርእይቶ ዝህቡ ሰባት እውን ኣለዉ። (2 ቈረንቶስ 8:18, 19፣ 12:18) እቲ ጥኪቆስ ዝፈጸሞ ናይ መጀመርታ መዝነት ከቢድ ሓላፍነት እንተድኣ ነይሩ: እቲ ኻልኣይ መዝነቱ ካብኡ ዘይንእስ ኢዩ ነይሩ።
ካብ ሮሜ ናብ ቈሎሴ
ጳውሎስ ብድሕሪኡ ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ዓመት ጸኒሑ (60-61 ከ.ኣ.ዘ.) ካብቲ ኣብ ሮሜ ተኣሲርዎ ዝነበረ ቀዳማይ ማእሰርቱ ክፍታሕ ይጽበ ነበረ። ጥኪቆስ ብኣማእታት ዝቝጸር ኪሎ ሜተራት ካብ ገዝኡ ርሒቑ ምስ ጳውሎስ ነበረ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ናብ እስያ ይምለስ ነበረ። እዚ ድማ ጳውሎስ ነተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ክርስትያን ጉባኤታት መልእኽትታት ንኽልእከለንን ነቲ ኦኔሲሞስ ዝስሙ ሃዲሙ ዝነበረ ናይ ፊልሞን ባርያ ናብ ቈሎሴ ንኽመልሶን ኣኽኣሎ። ጥኪቆስን ኦኔሲሞስን እንተወሓደ ነተን ሕጂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ኰይነን ዘለዋ ናብ ሰብ ኤፌሶንን ናብ ሰብ ቈሎሴን ናብ ፊልሞንን እተላእካ ሰለስተ መልእኽትታት ሒዞም ነበሩ። ካልእ መልእኽቲ ናብታ ካብ ቈሎሴ 18 ኪሎ ሜተር ዝኣክል ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሎዲቅያ ዘላ ጉባኤ እውን በጺሑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ኤፌሶን 6:21፣ ቈሎሴ 4:7-9, 16፣ ፊልሞን 10-12
ጥኪቆስ መልእኽቲ ዘበጻጽሕ ሰብ ጥራይ ኣይነበረን። ሕድሪ ዘጽንዕ ናይ ጳውሎስ ልኡኽ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጥኪቆስ: እቲ ፍቁር ሓውን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መዓይይተይን: ከመይ ኢለ ኸም ዘሎኹ: ኬፍልጠኩም እዩ። ብዛዕባ ህልዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹምውን ኬህድእን እየ ንእኡ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ።”—ቈሎሴ 4:7, 8
ኢ. ራንዶልፍ ሪቻርድስ እተባህለ ምሁር: ሓደ መልእኽቲ ዘብጽሕ ሰብ “ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ጽሑፍ መራኸቢ: መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ጸሓፍን ነቲ ተቐባልን ዘራኽብ ኢዩ ነይሩ። . . . ሓደ ሕድሪ ዘጽንዕ መልእኽቲ ዘብጽሕ ሰብ ዘድልየሉ [ቀዳማይ ምኽንያት] መብዛሕትኡ ግዜ ተወሳኺ ሓበሬታ ይሕዝ ስለ ዝነበረ ኢዩ። እቲ መልእኽቲ: ናይቲ ጸሓፊ ሃለዋት ንዝምልከት ኵነታት ኣሕጽር ኣቢሉ ክገልጽ ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን እቲ መልእኽቲ ዘብጽሕ ሰብ ኵሉ እቲ ዝርዝር ነቲ ተቐባሊ ብሰፊሑ ክገልጸሉ ትጽቢት ይግበረሉ ነበረ” ኢሉ ገለጸ። ሓደ መልእኽቲ ትምህርትታትን ህጹጽ ጕዳያትን ክገልጽ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ተወሳኺ ሓበሬታ ግን በቲ ሕድሪ እተዋህቦ ልኡኽ ብቓል ይግለጽ ነይሩ ኢዩ።
እተን ናብ ሰብ ኤፌሶንን ሰብ ቈሎሴን ፊልሞንን እተጻሕፋ መልእኽትታት: ጳውሎስ ከመይ ከም ዝነበረ ብዙሕ ኣይገልጻን ኢየን። ስለዚ ኸኣ: ጥኪቆስ ውልቃዊ ሓበሬታ ከመሓላልፍ: ኵነታት ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ከመይ ከም ዝነበረ ክገልጽ: ከምኡውን ነተን ጉባኤታት ከተባብዐን ምእንቲ ክኽእል ነቲ ዅነታተን ጽቡቕ ገይሩ ክርድኦ ነበሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽትታትን ሓላፍነታትን ብሕድሪ ዝዋሃቦም ዝነበረ ነቶም ነቲ ለኣኺ ብተኣማንነት ክውክሉ እምነት ክግበረሎም ዝኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ጥኪቆስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ነበረ።
ኣብቲ እተመደበሉ ርሑቕ ሃገር ተዓዛቢ ምዃን
ጳውሎስ ካብቲ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ገዛ ምስ ተፈትሐ: ንጥኪቆስ ወይ ድማ ንኣርጤማስ ናብቲ ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ዝነበረ ቲቶስ ክልእኮም ሓሰበ። (ቲቶስ 1:5፣ 3:12) ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንኻልኣይ ግዚኡ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን (ዳርጋ ኣብ 65 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝኸውን): ነቲ ኣብ ጐድኒ ጳውሎስ ንኽኸውን ሽዑ ክጓዓዝ ዝኸኣለ ጢሞቴዎስ ንኽትክእ ኢሉ ክኸውን ይኽእል ንጥኪቆስ እንደገና ናብ ኤፌሶን ለኣኾ።—2 ጢሞቴዎስ 4:9, 12
ጥኪቆስ ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ቅሬጥስን ናብ ኤፌሶንን ይኺድ ኣይኺድ እተገልጸ ነገር የለን። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ መወከሲታት ክሳዕ እተን መወዳእታ ዓመታት ኣገልግሎት ናይቲ ሃዋርያ ካብቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ጳውሎስ ሓደ ከም ዝነበረ ሓሳባት ይህቡ ኢዮም። ጳውሎስ ሓላፍነት ብምሃብን ምናልባትውን ንጢሞቴዎስን ቲቶስን ብምትካእ ኣጸጋሚ ተልእኾ ንኽፍጽምን ክልእኮ ይሓስብ እንተድኣ ነይሩ: ጥኪቆስ ብሱል ክርስትያን ተዓዛቢ ዀይኑ ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። (ምስ 1 ጢሞቴዎስ 1:3፣ ቲቶስ 1:10-13 ኣረኣእዮ።) ንኽጓዓዝን ኣብቲ እተመደበሉ ርሑቕ ሃገር ንኸገልግልን ወለንተኛ ብምዃኑ ንጳውሎስን ንብምልእታ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ጠቓሚ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ።
ሎሚውን: ርእሰ-መስዋእቲ ዘርእዩ ክርስትያናት ኣብተን ኣብ ከባቢኦም ዝርከባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ብፍታው ንኣምላኽ የገልግሉ: ወይውን ንረብሓታት እታ መንግስቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ንምድንፋዕ ገዛእ ርእሶም የዳልዉ ኢዮም። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ከም ሚስዮናውያን: ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ከምኡውን ኣብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ዓለም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ካብቲ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ኣብ ናይ ምህናጽ ፕሮጀክትታት ከም ኣህጉራውያን ኣገልገልቲ ኴንካ ናይ ምዕያይ መዝነታት ብሓጐስ ተቐቢሎሞ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ጥኪቆስ ዝነበሮ እዚኣቶምውን ብኻልኦት ክረኣዩ ዝደልዩ ኣይኰኑን: ኣብ ክንድኡስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍቱዋት ከምኡውን ከም ሕድሪ ዘጽንዑ ‘ብጐይታ መዓይይቲ’ መጠን ብኻልኦት ክርስትያናት ዝፍቀሩ ‘እሙናት ኣገልገልቲ’ ዝዀኑ ጻዕረኛታት ኢዮም።