ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ብመሪሕነት መንፈሱ ዘጽሓፎ ብኸመይ ኢዩ፧
ርክብ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ ታሪኽ እተራእየ ካልእ ግዝያት ዝያዳ መሳጢ ኰይኑ ዘሎ ሎሚ ኢዩ። ብተለፎን: ናይ ፋክስ ማሽን: ኮምፒዩተራት ተጠቒምካ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ዓለም መልእኽትታት ብቕጽበት ክትበጻጻሕሲ ዓመታት ይገብር መን ክግምት ይኽእል ነበረ፧
ዝያዳ መሳጢ ዝዀነ ናይ ርክብ ዓይነት ግን ወድሰብ ክበጽሖ ዘይክእል ማለት መለኮታዊ ናይ መንፈስ ኣመራርሓ ኢዩ። የሆዋ ንገለ 40 ዝዀኑ ሰባት ነቲ እተጻሕፈ ቃሉ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ከዳልዉ ብመንፈሱ መሪሕዎም ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ሎሚ ሰባት ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ርክብ መገድታት ዘለዎም: የሆዋ እውን ንቕዱሳት ጽሑፋት ንኸጽሕፍ እተፈላለየ ኣገባባት ተጠቒሙ ኢዩ።
ብቓሉ እናተዛረበ ከም ዝጸሓፍ ምግባር። ኣምላኽ: ነቲ ጸኒሑ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገብ ዝሰፈረ ፍሉይ መልእኽትታት ናብ ሰባት ኣመሓላሊፉ ኢዩ።a ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ንሕጊ ኪዳን ዘቘመ መምርሒታት ርአ። የሆዋ ንሙሴ “በዚ ቓላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን አትየ እየ እሞ: እዚ ቓላት እዚ ንኣኻ ጽሐፎ” በሎ። (ዘጸኣት 34:27) እቲ “ብኢድ መላእኽቲ እተመሓላለፈ” “ቓላት” ብሙሴ ተቐዲሑ ስለ ዝዀነ ሕጂ ኣብተን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ዝዀና ዘጸኣት: ዘሌዋውያን: ዘሁልቍ: ከምኡውን ዘዳግም ክርከብ ይከኣል ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:53 NW
ኢሳይያስ: ኤርምያስ: ህዝቅኤል: ኣሞጽ: ናሆም: ከምኡውን ሚክያስ ሓዊስካ ብዙሓት ካልኦት ነብያት ብመላእኽቲ ኣቢሎም ካብ ኣምላኽ ፍሉይ መልእኽትታት ተቐቢሎም ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኣዋጃቶም “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል” ብዝብል ሓረግ ኢዮም ጀሚሮምዎ። (ኢሳይያስ 37:6፣ ኤርምያስ 2:2፣ ህዝቅኤል 11:5፣ ኣሞጽ 1:3፣ ሚክያስ 2:3፣ ናሆም 1:12) ድሕርዚ ነቲ ኣምላኽ ዝበሎ ብመልክዕ ጽሑፍ ኣስፈርዎ።
ትርኢታት: ሕልምታት: ከምኡውን ተመስጦታት። ትርኢት መብዛሕትኡ ግዜ ብልዕለ ባህርያዊ መገዲ ኣብ ኣእምሮ ናይ ሓደ ነቒሑ ዘሎ ሰብ ዝመጽእ ምስሊ: መልክዕ: ወይ መልእኽቲ ማለት ኢዩ። ንኣብነት ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን “ምስ ተባራበሩ” ናይቲ ተለዊጡ ዝነበረ የሱስ ትርኢት ረኣዩ። (ሉቃስ 9:28-36፣ 2 ጴጥሮስ 1:16-21) ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ እቲ ተቐባሊ ደቂሱ ኸሎ ብመልክዕ ሕልሚ ወይ ከኣ ብናይ ለይቲ ትርኢት ኣብቲ ዝባዕዘዘ ኣእምሮኡ ከም ዝሰኣል ብምግባር መልእኽቲ ይመሓላለፍ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ዳንኤል “እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ዝርኤኽዎ ራእይ ርእሰይ”—ወይ ከኣ ከምቲ ሮናልድ ኤ. ኖክስ ዝተርጐሞ “ብሕልመይ እናጠመትኩ ከሎኹ”—ብምባል ዝጸሓፈ።—ዳንኤል 4:10
እቲ የሆዋ ከም ዝምሰጥ ዝገበሮ ሰብ እንተወሓደ ብኸፊሉ ንቑሕ እኳ እንተዀነ ኣብ ዓሚቝ ምስትንታን ምሉእ ብምሉእ ኢዩ ዝጥሕል ነይሩ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 10:9-16 ኣረኣእዮ።) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ተመሰጠ” (ኤክ ʹስታ·ሲስ ) ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ‘ብኣእምሮ ገሸ ወይ ስምዒቱ ናብ ካልእ ተሳሕበ’ ማለት ኢያ። ነቲ ልሙድ ኵነታት ኣእምሮ ብኻልእ ምትካእ ዝብል ሓሳብ ከኣ ኢያ እተመሓላልፍ። ስለዚ እምበኣር ሓደ እተመሰጠ ሰብ ናብቲ ትርኢት ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘቕልብ ኣብ ከባቢኡ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ምንም ኣይፈልጥን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ናብ ገነት ክዝረፍን ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ዘይንገር ዘረባ ክሰምዕን’ ከሎ ምናልባት ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ምምሳጥ ኢዩ ነይሩ ዝኸውን።—2 ቈረንቶስ 12:2-4
እቶም ትርኢታትን ሕልምታትን እተቐበሉ ወይ ከኣ ናይ ምምሳጥ ተመክሮ ዘሕለፉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ምስቶም ኣምላኽ ብቓሉ እናተዛረበ መልእኽቱ ከም ዝጽሕፉ ዝገበሮም ሰባት ክነጻጸሩ ከለዉ ነቲ ዝረኣይዎ ነገር ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ገይሮም ናይ ምጽሓፍ ናጽነት ነበሮም። ኣንባቆም እዚ ዝስዕብ ተነግረ:- “ብጕያ ኺንበብሲ: ነቲ ራእይ ጽሐፎ: ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ።”—ኣንባቆም 2:2
እዚ ኽበሃል ከሎ ግን: እቲ በዚ ኣገባብ እዚ እተጻሕፈ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታት ከምቲ ብቓል እናተዘርበ እተጻሕፈ ገይሩ መንፈስ ኣይነፈሶን ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ሓሳባት ሰብ ዘይኰነስ ሓሳባት ኣምላኽ ምእንቲ ክመሓላለፍ: የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ንመልእኽቱ ኣብ ኣእምሮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጸሓፊ ከም ዝትከል ገይሩ ኢዩ። የሆዋ ነቲ ጸሓፊ ግቡእ ቃላት ክመርጽ ከፍቅደሉ ከሎ: ዝዀነ ይኹን ኣድላዪ ሓበሬታ ምእንቲ ከየትርፍን ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ቓላት ብግቡእ ከም ናይ ኣምላኽ ገይርካ ምእንቲ ክርአን ንኣእምሮን ልብን ናይቲ ጸሓፊ መሪሕዎ ኢዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:13
መለኮታዊ ራእይ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ናይ ወድሰብ ናይ ምርዳእ ክእለት ንላዕሊ ዝዀነ ትንቢት—ኣቐዲሙ እተገልጸን እተጻሕፈን ታሪኽ—ሒዙ ኣሎ። ሓደ ኣብነት ድማ ምትንሳእን ምውዳቕን ናይቲ “ንጉስ ዮናኒ [“ግሪኽ:” NW ]” ዝዀነ ኣለክሳንደር ዓቢ ኢዩ: እዚ ድማ 200 ዓመታት ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነበረ! (ዳንኤል 8:1-8, 20-22) መጽሓፍ ቅዱስ ብኣዒንቲ ሰባት ዘይተራእየ ፍጻመታት እውን ይገልጽ ኢዩ። ናይ ሰማይን ምድርን ኣፈጣጥራ ሓደ ኣብነት ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:1-27፣ 2:7, 8) ብዘይዚውን ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተመዝጊቡ ዘሎ ዝኣመሰለ ኣብ ሰማይ እተፈጸመ ዝርርባት ኣሎ።—እዮብ 1:6-12፣ 2:1-6
ሽሕኳ ኣምላኽ ብቐጥታ ነቲ ጸሓፊ እንተ ዘይገለጸሉ: እዚ ፍጻመታት እዚ ክፍሊ ናይ ኣፈ-ታሪኽ ወይ ከኣ ናይ ጽሑፍ ታሪኽ ምእንቲ ክኸውን ገለ ሰብ ከም ዝፈልጦ ይገብር እሞ: ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ክሳዕ ዝኸውን ከኣ ካብ ሓደ ወለዶ ናብቲ ዝቕጽል ይመሓላለፍ። (ነታ ኣብ ገጽ 7 ዘላ ሳጹን ርአ።) እቲ ይኹን እቲ ግን: የሆዋ ምንጪ ናይ ኵሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ከም ዝዀነ ነቶም ጸሓፍቲ ኸኣ ጸብጻባቶም ርጡብ ብዘይኰነ ነገራት: ምግናን: ወይ ብጽውጽዋይ ምእንቲ ኸይብከል ከም ዝመርሖም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ጴጥሮስ ብዛዕባ ትንቢት “ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ” ብምባል ጸሓፈ።b—2 ጴጥሮስ 1:21
ጥንቃቐ ዘለዎ ጻዕሪ ኣድለየ
እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም” እኳ እንተነበሩ: ብወገኖም ብጥንቃቐ ክሓስቡ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ሰሎሞን “ብዙሕ ምስላታት ምእንቲ ክሰርዕ: ኣስተንተነ: መርመረ። [ንሱ] ባህ ዘብል ቃላትን ናይ ቅኑዕ ቃላት ሓቂ ጽሑፍን ደለየ።”—መክብብ 12:9, 10 NW
ገሊኦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ጽሑፋቶም ንኽምዝግቡ ሰፊሕ ምርምር ክገብሩ ነበሮም። ንኣብነት: ሉቃስ ብዛዕባ ናይ ወንጌሉ ጸብጻብ “ንዅሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ: . . . በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረአየኒ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። ልክዕ ኢዩ: ርጡብ ታሪኻዊ ሰነዳት ክረክብን ነቶም ብህይወት ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን ኣደ የሱስን ዝኣመሰሉ ዘተኣማምኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከኣ ቃለ-መጠይቕ ክገብረሎምን ብምድራኽ መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ናይ ሉቃስ ጻዕርታት ባሪኽዎ ኢዩ። ድሕሪኡ ኸኣ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ነቲ ሓበሬታ ብልክዕ ንኽምዝግብ ክመርሖ ነበሮ።—ሉቃስ 1:1-4
እቲ ናይ ዮሃንስ ወንጌል ምስቲ ናይ ሉቃስ ክነጻጸር ከሎ: ድሕሪ ሞት የሱስ 65 ዓመታት ጸኒሑ እተጻሕፈ ብምዃኑ ብናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ እተደገፈ ጸብጻብ እተመርኰሰ ኢዩ። እቲ ናይ ዮሃንስ ተዘክሮ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ምእንቲ ከይሃስስ መንፈስ የሆዋ ከም ዘበራበሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ የሱስ ንሰዓብቱ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ: መንፈስ ቅዱስ: ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም: ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” ብምባል እተመባጽዓሎም መብጽዓ ዝሰማማዕ ኢዩ።—ዮሃንስ 14:26
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ካብቲ ኣብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ተመርኲሱ ብናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ እተዳለወ ጽሑፋት ወሲዶም ኢዮም: ኵሉ እዚ ጽሑፋት እዚ ኣይኰነን ብመሪሕነት መንፈስ ተጻሒፉ። ኤርምያስ ነቲ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ነገስት ዝበዝሐ ክፍሊ በዚ ኣገባብ እዚ ገይሩ ኢዩ ጽሒፍዎ። (2 ነገስት 1:18) እዝራ ንቐዳማይን ካልኣይን ዜና መዋእል ዝኸውን ሓሳባት ንምጥርናፍ: “መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ንጉስ ዳዊት” ከምኡውን “መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን” ሓዊስካ እንተወሓደ 14 ዝዀኑ ብመሪሕነት መንፈስ ዘይተጻሕፉ ምንጭታት ተወኪሱ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 27:24፣ 2 ዜና መዋእል 16:11) ሙሴ ካብ “መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር”—ብዛዕባ ውግእ ህዝቢ ኣምላኽ ርጡብ ጸብጻብ ከም ዝሓዘ ዝመስል መጽሓፍ—እውን ከይተረፈ ጠቒሱ ኢዩ።—ዘሁልቍ 21:14, 15
ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ነቲ ደሓር ክፍሊ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ዘተኣማምን ጽሑፍ ጥራይ ምእንቲ ክመርጹ መንፈስ ቅዱስ ንጡፍ ግደ ነይርዎ ኢዩ።
ጠቓሚ ምኽሪ ዝርከብ ካብ መን ኢዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ብንቕሓት እተገብረ ብሕታዊ ትዕዝብትታት እተመርኰሰ ብዙሕ ጠቓሚ ምኽርታት ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት: ሰሎሞን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈ:- “ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ።” (መክብብ 2:24) ጳውሎስ “ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ” እኳ እንተበለ: እቲ ንመርዓ ዝምልከት ምኽሩ ‘ከም ሓሳቡ’ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:25, 39, 40) ሃዋርያ ጴጥሮስ ከም ዝጠቐሶ: እቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ “በቲ እተዋህቦ ጥበብ” ስለ ዝዀነ: ጳውሎስ ብርግጽ መንፈስ ኣምላኽ ነይርዎ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:15, 16 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ እምበኣር ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ሓሳባቱ ሂቡ ማለት ኢዩ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ብሕቶም ምርዳእ ክገልጹ ከለዉ መጽናዕቲ ይገብሩን ነቲ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጥቀሙን ነበሩ። ጽሑፋቶም ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ከም ዝሰማማዕ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ዝመዝገብዎ ኸኣ ክፍሊ ናይ ቃል ኣምላኽ ኰነ።
ልክዕ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ናይቶም ግጉይ ኣተሐሳስባ ዝነበሮም ገለ ሰባት ሒዙ ኣሎ። (እዮብ 15:15 ምስ 42:7 ኣረኣእዮ።) ኣብ ርእሲ እዚውን: ስለምንታይ ከምኡ ከም እተሰምዖም ዝሕብር ኵሉ ዝርዝራት እኳ እንተ ዘይገለጸ: ነቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ከቢድ ናይ ጭንቀት ስምዒታት ዝገልጽ ሒደት መግለጺታት ሒዙ ኣሎ።c እቲ ጸሓፊ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕታዊ መግለጺታት ክህብ ከሎ: ግጉይ ምርዳእ ፈሊኻ ንምፍላጥን ንምቕላዕን ዝሓገዘ ርጡብ ጸብጻብ ንኸቕርብ ገና ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ንዝዀነ ይኹን ኣመዛዚኑ ዝሓስብ ኣንባቢ: ናይቲ ጸሓፊ ኣተሓሳስባ ቅቡል እንተዀይኑ ንምንጻር ይሕግዞ ኢዩ።
ንምጥቕላል ዝኣክል እምበኣር: ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ምዃኑ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ብርግጽ እኳ ድኣ: የሆዋ ኵሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳባት ምስ ዕላምኡ ዝሰማማዕ ምዃኑን ነቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባት ዝኸውን ኣድላዪ ሓበሬታ ኸኣ ምሓዙን ኣረጋጊጹ ኢዩ።—ሮሜ 15:4
ሰብኣውያን ጸሓፍቲ ዘድለዩ ስለምንታይ ኢዮም፧
የሆዋ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ ሰባት ምጥቃሙ እቲ ዓቢ ጥበቡ ኢዩ ዘርኢ። ነዚ ዝስዕብ ሕሰበሉ:- ኣምላኽ ነቲ ናይ ምጽሓፍ መሰል ንመላእኽቲ ሂብዎም ነይሩ እንተ ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ሕጂ ዘለዋ ተቐባልነትዶ ምረኸበት፧ ልክዕ ኢዩ: ንባህርያት ኣምላኽን ተግባራቱን ካብ ናይ ሓደ መልኣኽ ኣመላኻኽታ ምንባቡ ከሐጕስና ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ወድሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጽሓፍ ፈጺሙ ግደ እንተ ዘይህልዎ ነይሩ: ነቲ መልእኽቲ መሊእና ንምርድኡ ምጸገመና።
ንመረድኢ:- መጽሓፍ ቅዱስ ንጉስ ዳዊት ዝሙትን ቅትለትን ፈጺሙ ድሕሪኡ ኸኣ ተናሲሑ ዝብል ጸብጻብ ጥራይ ከቕርብ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ግናኸ ዳዊት ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃላት ገይሩ ነቲ ተግባር እቲ ብምፍጻሙ እተሰምዖ ልቢ ዝዅምትር ጭንቀት ብምግላጹን ካብ የሆዋ ሕድገት ሓጢኣት ክረክብ ምልማኑን ዝሓዘ ጸብጻብ ክንረክብሲ ክንደይ ኣዝዩ ዝበለጸ ኰን ኢዩ! “ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። . . . ዎ ኣምላኽ: ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” ብምባል ጸሓፈ። (መዝሙር 51:3, 17) ስለዚ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሰብኣዊ ባህርያት ዝርከብ መቐረትን በብዓይነቱ ኣቀራርባን ማራኽነትን ኣለዎ።
እወ: የሆዋ ቃሉ ንኽህበና እቲ ዝበለጸ መገዲ መሪጹ ኢዩ። ድኽመታትን ጕድለታትን ዘለዎም ሰባት እኳ እንተ ተጠቕመ: ኣብ ጽሑፋቶም ጌጋ ምእንቲ ከይርከብ ብመንፈስ ቅዱሱ መሪሕዎም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ዝለዓለ ዋጋ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ዝህቦ ምኽሪ ርጡብ ኢዩ: እቲ ብዛዕባ መጻኢት ገነት ዝዛረብ ትንቢታቱ ኸኣ ትውክልቲ ዝግበሮ ኢዩ።—መዝሙር 119:105፣ 2 ጴጥሮስ 3:13
መዓልቲ መዓልቲ ሓደ ክፋል ናይ ቃል ኣምላኽ ምንባብ ልማድካ ዘይትገብሮ፧ ጴጥሮስ “ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ: . . . ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:2) ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ስለ ዝዀነ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: . . . ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም” ምዃኑ ክትረኽቦ ኢኻ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
[እግረ-ጽሑፋት]
a እንተወሓደ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: እዚ ኸኣ ናይተን ዓሰርተ ትእዛዛት: እቲ ሓበሬታ ብቐጥታ “በጻብዕ እግዚኣብሄር” ኢዩ ተጻሒፉ። ድሓር ሙሴ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ብራናታት ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ነገራት ቀዲሕወን ጥራይ ኢዩ።—ዘጸኣት 31:18፣ ዘዳግም 10:1-5
b እታ ኣብዚ “ተመሪሖም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ፌʹሮ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 27:15, 17 ንሓንቲ ብንፋስ እትዅብኰብ ዝነበረት መርከብ ንምግላጽ ብኻልእ መልክዕ ውዒላ ኣላ። ስለዚ እምበኣር መንፈስ ቅዱስ ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ‘ኣብ መገዶም መሪሕዎም’ ማለት ኢዩ። ሓቅነት ዘይብሉ ሓበሬታ ኽነጽጉ ጭቡጥ ዝዀነ ጥራይ ከኣ ክጽሕፉ ደሪኽዎም ኢዩ።
c ንኣብነት: 1 ነገስት 19:4 ምስ ቍጽሪ 14ን 18ን ኣረኣእዮ፣ እዮብ 10:1-3፣ መዝሙር 73:12, 13, 21፣ ዮናስ 4:1-3, 9፣ ኣንባቆም 1:1-4, 13።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ሙሴ ሓበሬታኡ ካበይ ኢዩ ረኺብዎ፧
ነታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነት ዘፍጥረት ዝጸሓፋ ሙሴ ኢዩ: ግናኸ ኵሉ እቲ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ቅድሚ ምውላዱ ኢዩ ተፈጺሙ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ድኣ እሞ ከበይ ኢዩ ረኺብዎ፧ ብቐጥታ ብኣምላኽ ተገሊጽሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ወይ ከኣ እቲ ናይ ገሊኡ ፍጻመታት ፍልጠት ካብ ሓደ ወለዶ ናብቲ ቀጺሉ ዘሎ ብቓል እናተመሓላለፈ በጺሕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጥንታውያን ሰባት ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ መብዛሕትኡ ካብቲ ሙሴ ኣብ ዘፍጥረት መዝጊብዎ ዘሎ ጸብጻብ ካብ ኣዳም ናብ ሙሴ ክበጽሕ ዝኸኣለ: ብሓሙሽተ ሰባት ንሳቶም ከኣ ማቱሳላ: ሴም: ይስሃቅ: ሌዊ: ከምኡውን ኣምራም ኣቢሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ብተወሳኺውን ሙሴ እተጻሕፈ መዛግብቲ ተወኪሱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ዝምልከት: ሙሴ ንስም ናይቲ ክዝረበሉ ዘለዎ ሰብ ቅድሚ ምርቍሑ ብተደጋጋሚ “ታሪኽ ” ዝብል ቃል ምጥቃሙ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ኢዩ። (ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘፍጥረት 6:9፣ 10:1፣ 11:10, 27፣ 25:12, 19፣ 36:1, 9 ከምኡውን 37:2 ርአ።) ገሊኦም ምሁራት እታ ኣብዚ “ታሪኽ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል: ቶህ ·ሌ ·ዶት ʹ: ነቲ ሙሴ ከም ናይ ጽሑፉ ምንጪ እተጠቕመሉ ድሮ ዝነበረ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ዝነበረ ታሪኻዊ ሰነድ ኢያ እተመልክት ይብሉ። ርግጽ ኢዩ: እዚ ከም ናይ መደምደምታ ሓሳባት ገይርካ ክትጠቕሶ ኣይከኣልን ኢዩ።
እቲ ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ: ብዅሉ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰለስተ ኣገባባት: ማለት ገሊኡ ብቐጥታዊ ራእይ: ገሊኡ ብቓል ብምትሕልላፍ: ገሊኡ ኸኣ እተጻሕፈ መዛግብቲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ግን መንፈስ የሆዋ ንሙሴ ምምርሑ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እቲ ዝጸሓፎ ዘበለ ኵሉ ብልክዕ ከም ቃል ኣምላኽ ገይርካ ኢዩ ዝርአ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣምላኽ ብእተፈላለየ መገድታት ገይሩ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጽሕፉ ብመንፈስ መሪሕዎም ኢዩ