መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን-ግንቦት 2019
6-12 ግንቦት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ቈረንቶስ 4-6
“ኣይንሕለልን ኢና”
(2 ቈረንቶስ 4:16) ስለዚ፡ ኣይንሕለልን ኢና፣ ግናኸ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እኳ እንተ ማህመነ፡ እቲ ናይ ውሽጢ ሰብና መዓልቲ መዓልቲ ይሕደስ ኣሎ።
ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና፡ ብመንፈስ ግን ኣይንደክምን ኢና
ልክዕ እዩ፡ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ምክንኻን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ኣለዎ። ምስ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ እንተ ሃልዩና፡ ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና፡ ንዕኡ ብምምላኽ ግን ከቶ ኣይንደክምን ኢና። የሆዋ “ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።” (ኢሳይያስ 40:28, 29) ንሓቅነት እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ህይወቱ ዝረኣየ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ቈረንቶስ 4:16።
ነታ “ኣብ ጸጽባሕ” እትብል መግለጺ እሞ ኣስተብህለላ። እዛ መግለጺ እዚኣ ኻብቲ የሆዋ ዝገበረልና ምድላው መዓልታዊ ኽንጥቀም ከም ዘሎና እያ እተመልክት። ሓንቲ ን43 ዓመት ብተኣማንነት ዘገልገለት ሚስዮናዊት፡ ኣካላዊ ድኻምን ተስፋ ምቝራጽን ዘጋጠማ እዋናት ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግን፡ በዚ ኣይተሓለለትን። “ዝዀነ ይኹን ዕዮ ቕድሚ ምጅማረይ ናብ የሆዋ ንምጽላይን ቃሉ ንምንባብን ግዜ ምእንቲ ኽረክብ ኣንጊሀ ናይ ምትንሳእ ልማድ ኣሎኒ። እዚ መዓልታዊ ልማድ ክሳዕ ሕጂ ጸኒዐ ክቕጽል ኣኽኢሉኒ” በለት። ኣዘውቲርና ወይ “ኣብ ጸጽባሕ” ናብ የሆዋ ንጽሊ፡ ብዛዕባ እቲ ኽብ ዝበለ ባህርያቱን መብጽዓታቱን ከኣ ነስተንትን እንተደኣ ዄንና፡ ብሓይሉ ገይሩ ኸም ዜጽንዓና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።
(2 ቈረንቶስ 4:17) ከመይሲ፡ ጸበባና ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን እኳ እንተ ዀነ፡ እናዓበየ ዚኸይድ ናይ ዘለኣለም ክብሪ የምጽኣልና እዩ።
it-1-E 724-725
ተጻዋርነት
ብዘይ ሓጢኣት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ክርስትያናዊ ተስፋ እውን ከቶ ኺርሳዕ የብሉን። ዋላ እውን ሰጐጕትና እንተ ቐተሉና፡ ነዛ ተስፋ እዚኣ ኼፍሽልዋ ኣይክእሉን እዮም። (ሮሜ 5:4, 5፣ 1ተሰ 1:3፣ ራእ 2:10) ሕጂ እነሕልፎ መከራ ምስ ፍጻመ እቲ ዓብዪ ተስፋ ኺወዳደር ከሎ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። (ሮሜ 8:18-25) ዝዀነ መከራ ንግዜኡ ብርቱዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ዘለኣለም ኪነጻጸር ከሎ ግና “ቀልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን” እዩ። (2ቈረ 4:16-18) ፈተናታት ግዜያዊ ምዃኑ ዚዝክርን ንክርስትያናዊ ተስፋኡ ኣጽኒዑ ዚሕዝን ሰብ፡ ተስፋ ኣይቀብጽን እዩ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እውን ዘይእሙን ኣይከውንን እዩ።
(2 ቈረንቶስ 4:18) እቲ ዚርአ ንግዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዚርአ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(2 ቈረንቶስ 4:7) ግናኸ፡ እቲ ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣሎና።
“ንየሆዋ ኣሐጕስዎ”
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ዴቪድ ስፕለይን፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዘርእስቱ ቕዱስ ጽሑፋዊ መደረ ኣቕረበ። (2 ቈረንቶስ 4:7) እቲ መዝገብ እንታይ እዩ፧ ፍልጠት ወይ ጥበብ ድዩ፧ እቲ ተዛራባይ ኪምልስ ከሎ፡ “ኣይፋልን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚዛረበሉ ዝነበረ መዝገብ፡ ‘ነቲ ብዛዕባ ሓቂ ዚገልጽ ኣገልግሎት’ እዩ ዜመልክት” በለ። (2 ቈረንቶስ 4:1, 2, 5) ሓው ስፕለይን ነቶም ተመሃሮ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዚወሃቦም ፍሉይ ዕዮ ዜዳልዎም ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ስልጠና ኸም ዝወሰዱ ኣዘኻኸሮም። እቲ ዕዮ ኸኣ፡ ኣዝዩ ኽቡር እዩ።
እቲ ተዛራባይ፡ “ኣቕሓ መሬት” ንስጋና ኸም ዜመልክት ገለጸ። ኣብ መንጎ እቲ ኻብ ሓመድ እተሰርሐ ኣቕሓን ኣብ መንጎ እቲ ኻብ ወርቂ እተሰርሐ ኣቕሓን ብዛዕባ ዘሎ ፍልልይ ከኣ ሓበረ። ኣቕሓ ወርቂ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣይዕየየሉን እዩ። ኣቕሓ መሬት ግና፡ ኪዕየየሉ ተባሂሉ እዩ ዚስራሕ። ንሓደ መዝገብ ኣብ ኣቕሓ ወርቂ እንተ ኣቐሚጥናዮ፡ ኣብቲ መዝገብ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣቕሓ ወርቂ ኢና እነተኵር። ሓው ስፕለይን ነቶም ተመሃሮ፡ “ናብ ርእስኹም ኣቓልቦ ኽትስሕቡ የብልኩምን። ሚስዮናውያን ከም ምዃንኩም መጠን፡ ንሰባት ናብ የሆዋ ኽትመርሕዎም ኣሎኩም። ከመይሲ፡ ትሑት ኣቕሓ መሬት ኢኹም” በሎም።
(2 ቈረንቶስ 6:13) ከም ምላሹ ኸኣ፡—ከም ንውሉደይ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡—ንስኻትኩም እውን ልብኹም ጋህ ኣብሉ።
ፍቕሪ ሕውነትና ነዕቢ
ንሕናኸ ፍቕሪ ሕውነት ብምርኣይ ዝመጸ ‘ልብና ኸነግፍሕ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ተመሳሳሊ ዕድመ ወይ ዓሌታዊ መበቈል ዘለዎም ሰባት ንሓድሕዶም ይቀራረቡ እዮም። እቶም ተመሳሳሊ ዓይነት መዘናግዒ ዚመርጹ ሰባት እውን ሓቢሮም ብዙሕ ግዜ የሕልፉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ምስ ገሊኦም ክርስትያናት ዜቀራርበና ነገራት ካብ ካልኦት ዜርሕቐና እንተ ዀይኑ፡ ‘ልብና ኸነግፍሕ’ ኣሎና። ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ምሕታትና ጥበባዊ እዩ፦ ‘ሓድሓደ ግዜ ኻብቶም ዝቐርቦም ሰባት ወጻኢ ምስ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣገልግሎትን ማሕበራዊ ንጥፈታትን እካፈል ድየ፧ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነቶም ሓደስቲ ሰባት ተበግሶ ወሲደ ባዕለይ እቐርቦም ድየ ወይስ ንሳቶም ክሳዕ ዝቐርቡኒ እየ ዝጽበ፧ ኣብታ ጉባኤ ንዘለዉ ዓበይትን ንኣሽቱን ሰላም እብሎም ድየ፧’
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(2 ቈረንቶስ 4:1-15) ስለዚ፡ በቲ እተገብረልና ምሕረት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኻብ ረኸብና፡ ኣይንሕለልን ኢና። 2 እኳ ደኣስ፡ ነታ ሓቂ እናኣግሃድና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕልና ዅሉ ሰብ ብዚማርኽ መገዲ ርእስና ነርኢ ኣለና እምበር፡ ብጕርሒ ኸይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽ እውን ከይበከልና፡ ነቲ ዜሕፍር ሕቡእ ነገር ነጺግና ኢና። 3 እቲ እነበስሮ ብስራት እተጋረደ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተጋረደ፣ 4 ንዓታቶም እውን፡ ብርሃን እቲ ኽቡር ብስራት ክርስቶስ፡ ንሱ ድማ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎም፡ ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ ንኣእምሮ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዕዊርዎ ኣሎ። 5 ከመይሲ፡ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ምእንቲ የሱስ ባሮትኩም ከም ዝዀንና እምበር፡ ብዛዕባ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘለና። 6 እቲ፡ “ካብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለስ ኣምላኽ እዩ፣ ንብርሃን እቲ ኽቡር ፍልጠት ኣምላኽ ድማ ብገጽ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብሪህዎ ኣሎ። 7 ግናኸ፡ እቲ ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣሎና። 8 ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ምንቅስቓስ ክሳዕ እንስእን ኣይጸበናን፣ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ መዋጽኦ ዘይብልና ኣይኰንናን፣ 9 ንስጐጕ፡ ግናኸ እተራሕራሕና ኣይኰንናን፣ ተወቒዕና ንወድቕ፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። 10 ህይወት የሱስ ኣብ ሰብነትና ምእንቲ ኽትግሃድ፡ ኵሉ ሳዕ ከምቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ናብ ሞት ዜብጽሕ መከራ ኣብ ሰብነትና ንጸውር ኣለና። 11 ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘለና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ምስ ሞት ገጽ ንገጽ ንጋጠም ኣለና። 12 ስለዚ፡ ሞት ኣባና ይዓዪ ኣሎ፣ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ ኣላ። 13 ከምቲ፡ “ኣሚነ፣ ስለዚ፡ ተዛሪበ” ዚብል እተጻሕፈ ዓይነት መንፈስ እምነት ስለ ዘሎና፡ ንሕና እውን ንኣምን፡ ስለዚ ኸኣ ንዛረብ ኢና፣ 14 ከምኡ እንገብር ድማ፡ እቲ ንየሱስ ዘተንስኦ፡ ንዓና እውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ፡ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቕርበና ስለ እንፈልጥ ኢና። 15 ብዙሓት ተወሰኽቲ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ብምቕራቦም ብዝሒ እቲ ጸጋ ብዝያዳ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኵሉ እዚ ምእንታኹም እዩ።
13-19 ግንቦት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ቈረንቶስ 7-10
“ኣገልግሎት ረድኤትና”
(2 ቈረንቶስ 8:1-3) ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉባኤታት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ክትፈልጡ ንደሊ ኣለና። 2 ብጸበባ ብዙሕ ኣብ እተፈተኑሉ እዋን፡ እቲ ብዙሕ ሓጐሶምን እቲ ሕሉፍ ድኽነቶምን ንሃብቲ ልግሶም ኣዕዚዝዎ እዩ። 3 ከመይሲ፡ ከም ዓቕሞም፡ አረ ሓለፋ ዓቕሞም እውን
“ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ”
ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ መጀመርታ ብዛዕባ እቶም ረድኤት ኣብ ምእካብ ብቕልጣፈኦም ኣብነት ዝነበሩ መቄዶናውያን ነገሮም። ጳውሎስ “ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም: ሓለፉ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ” ብምባል ጸሓፈ። እቶም መቄዶናውያን ንኽህቡ ምድፍፋእ ኣየድለዮምን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ: ጳውሎስ ‘ነዚ ጸጋ እዚ ንምርካብ ብብዙሕ ልማኖ ለመኑና’ ኢሉ ጸሓፈ። እቶም መቄዶናውያን ንባዕሎም ‘ኣብ ጥልቂ ዝዀነ ድኽነት’ ከም ዝነበሩ ክንሓስቦ ኸሎና: እቲ ብሓጐስ ዝገበርዎ ልግሲ ኣዝዩ ፍሉይ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝገልጸልና።—2 ቈረንቶስ 8:2-4
ኣገልግሎት ረድኤት
እዋኑ 46 ድ.ክ. ኣቢሉ ነበረ፣ ኣብ ይሁዳ ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ኣብታ ዓዲ ዚነብሩ ኣይሁድ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ነቲ ኸቢሩ ዝነበረ እኽሊ ኺዕድጉ ዜኽእሎም ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ጠምዮም እዮም ነይሮም፣ እዚ ጥሜት ናብ ዓጸቦ ኸይቅየር እውን ሰጊኦም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ርእዮምዎ ብዘይፈልጡ መገዲ፡ ኢድ የሆዋ ብኸመይ ከም እተዕቍቦም ረኣዩ። እሞኸ እንታይ እዩ ዀነ፧
(2 ቈረንቶስ 8:4) ምእንቲ ኺልግሱን ኣብቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ኣገልግሎት ረድኤት ምእንቲ ኺካፈሉን፡ ብተበግሶኦም ብዙሕ ከም ዝለመኑና እምስክረሎም እየ።
ኣገልግሎት ረድኤት
ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ክርስትያናት ክልተ ኽፋል ዘለዎ ኣገልግሎት ከም ዘለዎም ገለጸ። መልእኽቲ ጳውሎስ ናብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እኳ እንተ ነበረት፡ ቃላቱ ነቶም ሎሚ ዘለዉ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ክርስቶስ እውን ይምልከቶም እዩ። (ዮሃ. 10:16) ሓደ ኽፋል እቲ ኣገልግሎት፡ “ኣገልግሎት ዕርቂ፡” ማለት ናይ ምምሃርን ምስባኽን ዕዮ እዩ። (2 ቈረ. 5:18-20፣ 1 ጢሞ. 2:3-6) እቲ ኻልኣይ ክፋል እቲ ኣገልግሎት ድማ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና እንህቦ ኣገልግሎት እዩ። ጳውሎስ ድማ፡ እዚ ንክርስትያናት ብጾት ዚግበር ‘ልግስን ኣገልግሎትን’ ከም ዝዀነ ወይ ብመሰረት እተኸለሰ ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ “ኣገልግሎት ረድኤት” ከም ዝዀነ ጠቒሱ ኣሎ። (2 ቈረ. 8:4) ኣብተን “ኣገልግሎት ዕርቂ” ዀነ “ኣገልግሎት ረድኤት” ዚብላ ቓላት፡ እታ ኣብ ክልቲአን ዘላ “ኣገልግሎት” እትብል ቃል፡ ዲያኮኒያ ኻብ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እያ ተተርጒማ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ጳውሎስ ንኽልቲኡ ንጥፈታት ሕደ ናይ ግሪኽኛ ቓል ብምጥቃም፡ ንዕዮ ረድኤት ምስቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚግበር ካልእ ዓይነት ኣገልግሎት ኣብ ሓደ መዲብዎ እዩ። ኣቐዲሙ፡ “በበይኑ ኣገልግሎት . . . ኣሎ፡ ጐይታ ግና ሓደ እዩ፣ በበይኑ ተግባራት ኣሎ፡ . . . ንዅሉ እዚ ተግባራት እዚ ግና፡ እቲ ሓደ መንፈስ እቲ . . . እዩ ዚዕድሎ” በለ። (1 ቈረ. 12:4-6, 11) ጳውሎስ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚግበር በበይኑ ኣገልግሎት ‘ንኣምላኽ ምስ ዚቐርብ ኣገልግሎት’ ኣተኣሳሲርዎ እዩ። (ሮሜ 12:1, 6-8) ገለ ኻብ ግዜኡ፡ “ነቶም ቅዱሳት ከገልግል” ኢሉ ምምዳቡ እምበኣር ግቡእ እዩ ነይሩ።—ሮሜ 15:25, 26።
ጳውሎስ ነቶም ሰብ ቈረንቶስ፡ ዕዮ ረድኤት ክፍሊ ኣገልግሎትን ንየሆዋ ዚቐርብ ኣምልኾን ምዃኑ ኣረዲእዎም እዩ። ብዛዕባ እዚ ኼረድኦም ከሎ፡ ረድኤት ዚህቡ ክርስትያናት፡ ነቲ “ብስራት ክርስቶስ ተገዛእቲ” ብምዃኖም ከም ዚገብርዎ እዩ ገሊጹ። (2 ቈረ. 9:13) ስለዚ፡ ክርስትያናት፡ ትምህርትታት ክርስቶስ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኻብ ዘለዎም ድሌት ተላዒሎም፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም ኪረድኡ ይድረኹ እዮም። እቲ ንኣሕዋቶም ንምጥቃም ዚገብርዎ ሰናይ ተግባር፡ ብሓቂ “ሓለፍ ዝበለ ጸጋ ኣምላኽ” ምዃኑ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (2 ቈረ. 9:14፣ 1 ጴጥ. 4:10) ስለዚ፡ ናይ 1 ታሕሳስ 1975 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እቲ ዕዮ ረድኤት ዜጠቓልል ንእተሸገሩ ኣሕዋት ናይ ምሕጋዝ ተግባር፡ “የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ብሓቂ ኣገዳሲ ገይሮም ከም ዚርእይዎ ኽንጠራጠር የብልናን” በለት። እወ፡ ዕዮ ረድኤት ሓደ ኣገዳሲ መዳይ እቲ ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣገልግሎት እዩ።—ሮሜ 12:1, 7፣ 2 ቈረ. 8:7፣ እብ. 13:16።
(2 ቈረንቶስ 9:7) ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ።
ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚምወለሉ መገዲ
ቀዳማይ፡ ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮን “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ባህ ዜብሎ” ኽንገብር ስለ እንደልን ኢና ብፍታው ውጽኢታት እንገብር። (1 ዮሃ. 3:22) የሆዋ በቲ ኻብ ልቡ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኺኡ ይሕጐስ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ልግሲ እተዛረቦ ቓላት እስከ ንመርምር። (2 ቈረንቶስ 9:7 ኣንብብ።) ናይ ሓቂ ክርስትያን ብጓሂ ወይ ብግዲ ኣይኰነን ዚህብ። የግዳስ፡ “ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ” እዩ ዚህብ። እዚ ማለት ከኣ፡ ደገፍ ከም ዜድሊ ድሕሪ ምሕሳቡ፡ ነቲ ዜድሊ ደገፍ ኬማልእ ኢሉ እዩ ዚገብሮ። “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ” ኸምዚ ዝበለ ወሃቢ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይፍቶ እዩ። ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሓረግ እዚኣ፡ “ኣምላኽ ነቶም ምሃብ ዚፈትዉ ሰባት ይፈትዎም” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(2 ቈረንቶስ 9:15) ስለቲ ኺግለጽ ዘይከኣል ናጻ ውህበቱ፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ።
በቲ ‘ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበት ኣምላኽ’ ንደረኽ
ምኽንያቱ፡ ጳውሎስ፡ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ዓበይቲ ነገራት በቲ ፍጹም መስዋእቲ ክርስቶስ ውሑስ ከም ዚኸውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:20 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ “ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበቱ” ንዅሉ እቲ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ዚገብረልና ሰናይን ብተኣማንነት ዜርእየና ፍቕርን የጠቓልል። እቲ ውህበት እቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ምሉእ ብምሉእ ብሰባት ኪግለጽ ኣይከኣልን እዩ። ከምዚ ዝበለ ዜደንቕ ውህበት ምቕባልና እንታይ ጽልዋ ኼሕድረልና ይግባእ፧ ረቡዕ 23 መጋቢት 2016 ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንምብዓል ክንዳሎ ኸለና፡ እዚ ውህበት እዚ ኣብ ምንታይ ግብራዊ መገድታት ድራኸ ኺገብረልና ኣለዎ፧
(2 ቈረንቶስ 10:17) “ግናኸ፡ እቲ ዚምካሕ፡ ብየሆዋ ይመካሕ።”
g99-E 8/7 20-21
ምሕባን ጌጋ ድዩ፧
ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እታ “ምምካሕ” ተባሂላ እተተርጐመት ካዉካማይ እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ኣሉታውን ኣወንታውን ትርጉም ኣለዋ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ፡ “ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽ እውን ንተሓጐስ” ኢሉ እዩ። ብተወሳኺ እውን፡ “እቲ ዚምካሕ፡ ብየሆዋ ይመካሕ” ኢሉ ተማሕጺኑ እዩ። (ሮሜ 5:2፣ 2ቈረ 10:17) እዚ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽና ብምዃኑ ንሕበን፡ ወይ በቲ ጽቡቕ ስሙ ንሕጐስ ማለት እዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(2 ቈረንቶስ 7:1-12) እምበኣር፡ ፍቑራተየ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ሃለወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ናብ ፍጹም ቅድስና እናበጻሕና፡ ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ። 2 ኣብ ልብኹም ቦታ ሃቡና። ንሓደ እኳ ኣይበደልናን፡ ንሓደ እኳ ኣየበላሸናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን። 3 ምሳና ንሙማትን ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘለኹምሲ፡ ኣቐዲመ ኢለ ኣለኹ እሞ፡ ክዅንነኩም ኢለ ኣይኰንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ። 4 ንዓኻትኩም ብብዙሕ ትብዓት ክዛረበኩም እኽእል እየ። ብኣኻትኩም ብዙሕ እምካሕ እየ። ብምጽንናዕ ተመሊአ፡ ኣብ ኵሉ ጸበባና ኸኣ ኣዝየ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ። 5 ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና እኳ፡ ኣብ ወጻኢ ቓልሲ፡ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሂ ስለ ዝነበረና፡ ብዅሉ ደኣ ጸቢቡና ነይሩ እምበር፡ ዕረፍትስ ኣይረኸብናን። 6 እቲ ንእተደቝሱ ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና፡ ቲቶስ ኣብዚ ኸም ዚህሉ ብምግባር፡ ኣጸናኒዑና እዩ፣ 7 ንሱ ብዛዕባ እቲ ናፍቖትኩምን ሓዘንኩምን ንዓይ ዘሎኩም ብዙሕ ሓልዮትን ደሃይ ሒዙ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ እውን እምበር፡ ኣብዚ ብምህላዉ ጥራይ ኣይኰንናን እተጸናናዕና፣ ስለዚ፡ ኣዝየ ተሓጒሰ እየ። 8 በታ ደብዳበይ ኣጕህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡ ኣይጥዓስን እየ። ኣብ ፈለማ እኳ እንተ ተጥዓስኩ፡ (እታ ደብዳበ እቲኣ፡ ንግዜኡ ጥራይ ደኣ እዩ እምበር፡ ከም ዘጕሃየትኩም እርኢ ኣለኹ እሞ፡) 9 ሕጅስ ስለ ዝጐሃኹም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንንስሓ ስለ ዝጐሃኹም እሕጐስ ኣለኹ። ከመይሲ፡ ብኣና ብገለ ምእንቲ ኸይትጕድኡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጐሃኹም። 10 ማለት፡ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ናብ ድሕነት ዚመርሕ ዘይትጥዓሰሉ ንስሓ እዩ ዜፍሪ፣ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜፍሪ። 11 እንሆ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይኩም፡ ክንደይ ጸዓት፡ ክንደይ ምጽራይ ርእስኹም፡ ክንደይ ቍጥዓ፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መአረምታ እዩ ኣምጺኡልኩም! በዚ ነገር እዚ፡ ብዅሉ ንጹሃት ምዃንኩም ኣርኢኹም ኢኹም። 12 እንተ ጸሓፍኩልኩም እኳ፡ ስሌና እትጽዕትዎ ጸዓት ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሃድ እምበር፡ ስለ በዳሊ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ።
20-26 ግንቦት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ቈረንቶስ 11-13
“ንጳውሎስ ‘ኣብ ስጋኡ እተዋህቦ እሾዅ’”
(2 ቈረንቶስ 12:7) ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእያት፡ ሓደ እኳ ኣብሊጹ ኣይርኣየኒ። ምእንቲ ኸይዕበ፡ ኣብ ስጋይ እሾዅ ተዋሂቡኒ፣ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪጸፋፍዓኒ ተዋሂቡኒ።
ድኽመታት እናሃለወካ ኽነሱ ምብርታዕ
ካልእ እሙን ኣገልጋሊ፡ ነቲ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ’ ማለት ነቲ ወግሐ ጸብሐ ዜጨንቖ ዝነበረ ጸገም ኬርሕቐሉ ንየሆዋ ሓተቶ። ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ዝነበሮ ጸገም ኪውገደሉ ንኣምላኽ ሰለስተ ሳዕ ለመኖ። እቲ ጸገም እንታይ ከም ዝነበረ ብዘየገድስ፡ ልክዕ ከም ግራጭ ኰይኑ ነቲ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝነበሮ ሓጐስ ከም ዚስእን ገይርዎ እዩ። ነዚ ኸኣ ብቐጻሊ ምስ ምስቓይ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። መልሲ የሆዋ፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይአኽለካ” ዚብል ነበረ። የሆዋ ነቲ ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ ኣየርሓቐሉን። ጳውሎስ ምስቲ ጸገም ይቃለስ እኳ እንተ ነበረ፡ “ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ኢሉ ተዛረበ። (2 ቈረ. 12:7-10) እንታይ ማለቱ እዩ፧
(2 ቈረንቶስ 12:8, 9) እዚ ኻባይ ምእንቲ ኺርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለሚነዮ። 9 ንሱ ግና፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ፍጹም ዚኸውን እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ” ኢሉኒ። እምበኣር፡ ሓይሊ ክርስቶስ ከም ድንኳን ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብዛዕባ ድኻመይ ብብዙሕ ታሕጓስ ክምካሕ እየ።
የሆዋ ‘ንዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ይህብ’
ኣምላኽ ነቲ ጳውሎስ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይአኽለካ” ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ከኣ፡ “ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ [“ከም ድንኳን፡” NW] ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ” በለ። (2 ቈረንቶስ 12:9፣ መዝሙር 147:5) ጳውሎስ ብክርስቶስ ኣቢሉ፡ እቲ ሓያል ዕቝባ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ድንኳን ኰይኑ ኸም እተዘርግሐ ተሰሚዕዎ እዩ። ሎሚ፡ የሆዋ ንጸሎትና ብተመሳሳሊ መገዲ ይምልሶ እዩ። ንዕቝባኡ ኸም መዕቀሊ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቱ ይዝርግሖ እዩ።
ልክዕ እዩ፡ ሓደ ድንኳን ዝናም ከም ዘይዘንም ወይ ንፋስ ከም ዘይነፍስ ኣይገብርን እዩ፡ ኰይኑ ግን ካብዚ ነገራት እዚ እተወሰነ ዕቝባ ይኸውን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ “ሓይሊ ክርስቶስ” ዚህበና ዕቝባ፡ ፈተናታት ንኸየጋጥመና ወይ ጸገማት ንኸየጓንፈና ዚዓግት ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ካብቲ ኻብዛ ዓለም እዚኣን ካብ ገዛኢኣን ዚምንጭ ጐዳኢ ነገራት መንፈሳዊ ዕቝባ ይዀነና እዩ። (ራእይ 7:9, 15, 16) ስለዚ፡ ምስ ሓደ ‘ካባኻ ዘይርሕቕ’ ፈተና ትቃለስ እኳ እንተ ኣለኻ፡ የሆዋ ንቓልስኻ ኸም ዚፈልጦን ‘ንብኽያትካ’ ምላሽ ከም ዚህበሉን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። (ኢሳይያስ 30:19፣ 2 ቈረንቶስ 1:3, 4) ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።”—1 ቈረንቶስ 10:13፣ ፊልጲ 4:6, 7።
(2 ቈረንቶስ 12:10) ስለዚ፡ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ፡ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብስእነት፡ ብመስጐጕትን ብጸገምን ባህ ይብለኒ እዩ።
“ንድኹም ሓይሊ . . . ይህብ”
ኢሳይያስ 40:30 ኣንብብ። ዋላ እውን ብዙሕ ክእለት እንተ ሃለወና፡ ብብርታዐና ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ግና ድሩት እዩ። ኵላትና ነዚ ኽንርስዕ የብልናን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዙሕ ክእለት እኳ እንተ ነበሮ፡ ዝደለዮ ኺገብር ዜኽእሎ ዓቕሚ ግና ኣይነበሮን። ብዛዕባ እዚ ንኣምላኽ ምስ ነገሮ ድማ፡ ኣምላኽ፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ፍጹም ዚኸውን” በሎ። ጳውሎስ ንትርጉም እዘን ቃላት እዚአን ተረዲእዎ ነበረ። “ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ድማ በለ። (2 ቈረ. 12:7-10) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
ጳውሎስ ብዘይ ሓገዝ ዝለዓለ ምንጪ ኺገብሮ ዚኽእል ነገራት ድሩት ምዃኑ ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ምስ ዚደክም፡ መንፈስ ኣምላኽ ዜድልዮ ዘበለ ብርታዐ ኺህቦ ይኽእል ነበረ። ብዘይካዚ፡ ባዕሉ ኺገብሮ ዘይክእል ነገራት ኪገብር ዜኽእሎ ብርታዕ እውን ኪህቦ ይኽእል ነበረ። ንዓና እውን ከምኡ ኺገብረልና ይኽእል እዩ። የሆዋ ምስ ዜሐይለና፡ ብሓቂ ብርቱዓት ኢና እንኸውን!
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(2 ቈረንቶስ 12:2-4) ቅድሚ 14 ዓመት፡ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎ ሰብ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተመንዝዐ እፈልጥ እየ፣ ብስጋ ይኹን ወይስ ካብ ስጋ ወጻኢ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። 3 ከምዚ ዝበለ ሰብ እፈልጥ እየ፣ ብስጋ ይኹን ወይስ ብዘይ ስጋ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፣ 4 ንሱ ናብ ገነት ተመንዚዑ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ዘይንገር ቃላት እውን ሰሚዑ።
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:2 ተጠቒሱ ዘሎ “ሳልሳይ ሰማይ” ነቲ የሱስ ክርስቶስን እቶም 144,000ን ዝገዛእቱ “ሓድሽ ሰማያት” ዜመልክት ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ።—2 ጴጥ. 3:13።
“ሳልሳይ ሰማይ” እተባህለ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብሉጽን ልዑልን ዓይነት ኣገዛዝኣ ስለ እትገዝእ እዩ።
እታ ጳውሎስ ብራእይ “ተመንዚዑ” ዝኸዳ “ገነት” ድማ፡ (1) ነታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ቓል ብቓሉ ገነት፡ (2) ነታ ሽዑ እትህሉ ኻብዚ ሕጂ ዘሎ መንፈሳዊ ገነት እውን ኣመና እትሰፍሕ መንፈሳዊት ገነት፡ ከምኡ ድማ (3) ነታ ኣብ ግዜ ሓዳስ ዓለም ኣብ ሰማይ እትህሉ “ገነት ኣምላኽ” እተመልክት ክትከውን ኣለዋ።
(2 ቈረንቶስ 13:12) ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ።
it-2-E 177
ምስዓም
“ቅዱስ ምስዓም።” ኣብ መንጎ ቐዳሞት ክርስትያናት፡ “ቅዱስ ምስዕዓም (ምስዓም)” (ሮሜ 16:16፣ 1ቈረ 16:20፣ 2ቈረ 13:12፣ 1ተሰ 5:26) ወይ “ናይ ፍቕሪ ምስዕዓም” (1ጴጥ 5:14) ዚብሃል ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ሕደ ጾታ ዘለዎም ሰባት ዚገብርዎ ምስዕዓም ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝነበረ ዓይነት ሰላምታ፡ ምስቲ ናይ ጥንቲ እብራውያን ብምስዕዓም ሰላምታ ዚህብሉ መገዲ ዚመሳሰል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ “ቕዱስ ምስዕዓም” ወይ “ናይ ፍቕሪ ምስዓም” ብዙሕ ዝርዝር ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ጥዑይ ፍቕርን ሓድነትን ዜንጸባርቕ ኪኸውን ኣለዎ።—ዮሃ 13:34, 35።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(2 ቈረንቶስ 11:1-15) ገለ ቝሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደለኹ። ወረግ፡ ትዕገሱኒ ኣለኹም! 2 ከመይሲ፡ ከም ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ሓጽየኩም እየ እሞ፡ ብኣምላኻዊ ቕንኣት እቐንኣልኩም እየ። 3 ግናኸ፡ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሓታ፡ ኣእምሮኹም ተባላሽዩ ኻብቲ ንክርስቶስ ዚግባእ ግርህነትን ንጽህናን ከይርሕቕ እፈርህ ኣለኹ። 4 ስለምንታይሲ፡ ሓደ መጺኡ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ ኻልእ የሱስ እንተ ሰቢኹ፡ ወይ ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ኣምጺኡ፡ ወይ ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ ብስራት እንተ ኣምጺኡ፡ ስቕ ኢልኩም ትዕገስዎ ኣለኹም። 5 ኣነስ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያትኩም ብሓንቲ እኳ ዝሓምቕ ኣይመስለንን። 6 ግናኸ፡ ብዘረባ እኳ ኽኢላ እንተ ዘይኰንኩ፡ ብፍልጠትሲ ዚጐድለኒ የብለይን፣ እወ፡ ብዅሉን ኣብ ኵሉን ነግህደልኩም ኢና። 7 ወይስ ንስኻትኩም ልዕል ምእንቲ ኽትብሉ፡ ርእሰይ ኣትሒተ ነቲ ብስራት ብናጻ ስለ ዝሰበኽኩልኩምዶ ሓጢአ እየ፧ 8 ንዓኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ፡ ካብ ካልኦት ጉባኤታት ሓገዝ ብምቕባለይ ወጺዐየን እየ። 9 ምሳኻትኩም ከለኹ ኸኣ፡ ምስ ሰኣንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት ዜድልየኒ ዘበለ ኣማሊኦምለይ እዮም እሞ፡ ንሓደ እኳ ጾር ኣይኰንኩን። ብዅሉ ድማ ጾር ምእንቲ ኸይኰነኩም ተጠንቂቐ እየ፡ ክጥንቀቕ እውን እየ። 10 ከምቲ ሓቂ ክርስቶስ ብርግጽ ኣባይ ዘሎ፡ ብዛዕባ ዞባታት ኣካይያ ኻብ ምምካሕ ኣየቋርጽን እየ። 11 ስለምንታይ፧ ስለ ዘየፍቅረኩም ድየ፧ ከም ዘፍቅረኩምሲ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ። 12 ግናኸ፡ ነቶም በቲ ዚምክሑሉ ነገራት ማዕረና ኪዀኑ ምኽንያት ዚደልዩ፡ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ዘለኹ ኽገብሮ እየ። 13 እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉስ፡ ናይ ሓሶት ሃዋርያት፡ ዜታልሉ ዓየይቲ፡ ንርእሶም ከም ሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። 14 ሰይጣን እኳ፡ ንርእሱ ኸም መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። 15 እምበኣር፡ እቶም ኣገልገልቱ፡ ንርእሶም ከም ኣገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሲሎም፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን። መወዳእታኦም ግና፡ ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።
27 ግንቦት–2 ሰነ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ገላትያ 1-3
“ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ”
(ገላትያ 2:11-13) ይኹን እምበር፡ ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ፡ ብንጹር በዳሊ ዀይኑ ስለ እተረኽበ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። 12 ከመይሲ፡ ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ቅድሚ ምምጻኦም፡ ምስ ኣህዛብ ይበልዕ ነይሩ፣ ንሳቶም ምስ መጹ ግና፡ ነቶም ሰብ ግዝረት ስለ ዝፈርሀ፡ ከምኡ ምግባር ሓዲጉ፡ ርእሱ ፈልዩ። 13 እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ እውን ምስኡ ተገቢዞም፣ በርናባስ እኳ ብግብዝናኦም ተለኪሙ።
ብዛዕባ ፍትሒ፡ ኣረኣእያ የሆዋ ድዩ ዘሎካ፧
ገላትያ 2:11-14 ኣንብብ። ጴጥሮስ ብፍርሂ ሰብ እዩ ተሰኒፉ። (ምሳ. 29:25) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ብዓይኑ ርእዩ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ዝመጹ እተገዝሩ ኣይሁድ ከይዕዘብዎ ፈሪሁ ነበረ። እቲ ኣብቲ ብ49 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እተኻየደ ኣኼባ ተኻፊሉ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ፡ ንግብዝና ጴጥሮስ ብግህዶ ኣቃልዖ። (ግብ. 15:12፣ ገላ. 2:13) እሞኸ እቶም በቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ዘይፍትሓዊ ተግባር እተጸልዉ ኻብ ኣህዛብ ዝዀኑ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧ ብተግባር ጴጥሮስ ኪዕንቀፉ ነይርዎምዶ፧ ጴጥሮስከ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ጌጋ ነቲ ዝነበሮ ፍሉይ መሰላት ኪስእኖ ይግባእ ነይሩ ድዩ፧
(ገላትያ 2:14) ምስ ሓቂ እቲ ብስራት ተሰማሚዖም ይመላለሱ ኸም ዘየለዉ ምስ ረኣኹ፡ ንኬፋ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ከም ኣይሁድ ዘይኰነስ፡ ከም ኣህዛብ ትነብር ካብ ኰንካ፡ ንኣህዛብ ብመሰረት ልምዲ ኣይሁድ ኪነብሩ ስለምንታይ ትግድዶም ኣለኻ፧” ኢለዮ።
ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ‘ዜዐንቅፎም የልቦን’
ጴጥሮስ ብሰንኪ ፍርሂ ሰብ እተዓንቀፈሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንየሱስን ንየሆዋን እሙን ነበረ። ንኣብነት፡ ንጐይታኡ፡ ሓንሳእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከሓዶ። (ሉቃ. 22:54-62) ጸኒሑ ድማ፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ኣመንቲ ኻብቶም ክርስትያናት ዝዀኑ እተገዝሩ ኣይሁድ ከም ዚትሕቱ ገይሩ ስለ ዝረኣዮም፡ ዘይክርስትያናዊ ባህርይ ኣንጸባረቐ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግና፡ ደርባዊ ኣፈላላይ ወይ ኣድልዎ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቦታ ኸም ዘይብሉ ብንጹር ተረዲኡ ነበረ። ኣረኣእያ ጴጥሮስ ግጉይ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣካይዳ ጴጥሮስ ነቲ ክርስትያናዊ ሕውነት ቅድሚ ምብካሉ፡ ጳውሎስ ስጕምቲ ወሰደ፣ ንጴጥሮስ ድማ ብግህዶ ገጽ ንገጽ መኸሮ። (ገላ. 2:11-14) እሞኸ ጴጥሮስ ብትዕቢት ተወጢሩ ነቲ ንህይወት ዚገብሮ ቕድድም ኣቋሪጽዎዶ፧ ኣይፋሉን። ንምኽሪ ጳውሎስ ኣርዚኑ ብምርኣይ ኣብ ግብሪ ኣውዓሎ፣ ጕያኡ ኸኣ ቀጸለ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ገላትያ 2:20) ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ እየ። እቲ ምሳይ ብሓድነት ዚነብር ክርስቶስ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ። እወ፡ እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት፡ በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
“ብዙሕ ጸበባ” እናሃለወ፡ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልግሎ
ብዛዕባ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ንኣብነት፡ ነቲ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት ብኸመይ ከነሰንፎ ንኽእል፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽንገብር ዚሕግዘና ብሉጽ መገድታት፡ ብዛዕባ በጃ ምስትንታን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ እዩ ገይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ምግዱር ከም ዝዀነ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ግናኸ ጳውሎስ፡ ክርስቶስ ንፍጹማት ሰባት ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን ከም ዝሞተ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ከኣ ሓደ ኻብቶም ሓጥኣን እዩ ነይሩ። “በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ [ዝነብር] ዘለኹ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (ገላ. 2:20) እወ፡ ጳውሎስ ነቲ በጃ ተቐቢልዎ እዩ። ከመይሲ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንዕኡ እውን ከም ዚዓዪ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ማለት በጃ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንዓኻ እተዋህበ ውህበት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርካ ምርኣይ ኣጸቢቑ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ተስፋ ምቝራጽ ብኡብኡ ይጠፍእ ማለት ኣይኰነን። ገሌና ነዚ ሰላሕታዊ መጥቃዕቲ እዚ፡ ሓዳስ ዓለም ክሳዕ እትመጽእ በብግዜኡ ኽንቃለሶ የድልየና ይኸውን። ግናኸ፡ ዓስቢ ዚረኽቡ እቶም ዘይሕለሉ ሰባት ምዃኖም ኣይትረስዕ። ናብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰላም እተስፍነሉን ንዅሎም እሙናት ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና እተበጽሓሉን ዜሐጕስ እዋን ኣጸቢቕና ቐሪብና ኢና። ብብዙሕ ጸበባ እውን እንተ ዀነ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንኣቱ ቘራጽነት ንግበር።
(ገላትያ 3:1) ኣቱም ዓያሹ ሰብ ገላትያ፡ ኣቱም የሱስ ክርስቶስ ከም እተሰቕለ ዀይኑ ብንጹር እተሳእለልኩም፡ መን ደኣ ኣታሊሉኩም፧
it-1-E 880
ገላትያ፡ መልእኽቲ ናብ ሰብ
ጳውሎስ፡ “ኣቱም ዓያሹ ሰብ ገላትያ” ዚብል ኣንክሮኣዊ ቓላት ኪጥቀም ከሎ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኽፍሊ ገላትያ ንዚርከቡ ኻብ ዘርኢ ጎል ንዝምንጮም ገሊኦም ዓሌት ጥራይ ይሓስብ ከም ዝነበረ ዚሕብር መርትዖ የልቦን። (ገላ 3:1) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ጉባኤታት ንዝነበሩ ገሊኦም ሰባት በቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ተሓለቕቲ ኣይሁድነት ስለ እተጸልዉ እዩ ዚገንሖም ነይሩ፣ እቶም ኣይሁድ ከኣ ኣብ ክንዲ እቲ ብሓድሽ ኪዳን እተዋህበ ‘ብእምነት ዚኸውን ጽድቂ’ ብስርዓት ሙሴ ኣቢሎም ናቶም ጽድቂ ኺምስርቱ ይጽዕሩ ነይሮም እዮም። (2:15–3:14፣ 4:9, 10) ኣብተን ጳውሎስ ዝጸሓፈለን “ጉባኤታት ገላትያ” (1:2) ዝነበሩ ሰባት፡ ኣይሁድን ዘይኣይሁድን ዝዓሌቶም እዮም ነይሮም፣ እቶም ዘይኣይሁድ ከኣ፡ እተገዝሩ ጵሮሴሊታትን ዘይተገዝሩ ኣህዛብን እዮም ነይሮም፣ ገሊኦም ድማ ካብ ዘርኢ ከልት ምንባሮም ኣየጠራጥርን እዩ። (ግብ 13:14, 43፣ 16:1፣ ገላ 5:2) እቲ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቦታ ገላትያ ተባሂሉ ይጽዋዕ ብምንባሩ ኸኣ፡ ብሓፈሻ ንክርስትያናት ሰብ ገላትያ እዩ ተጻሒፉሎም። ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እታ ጳውሎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ደቡባዊ ኽፋል እዛ ኣውራጃ ሮሜ ዚርከቡ ንሱ ኣጸቢቑ ዚፈልጦም ሰባት ደኣ እዩ ነይሩ እምበር፡ ነቶም በጺሕዎም ዘይፈልጥ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ዚርከቡ ጠሪሱ ዘይፈልጦም ሰባት ኣይኰነን።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ገላትያ 2:11-21) ይኹን እምበር፡ ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ፡ ብንጹር በዳሊ ዀይኑ ስለ እተረኽበ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። 12 ከመይሲ፡ ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ቅድሚ ምምጻኦም፡ ምስ ኣህዛብ ይበልዕ ነይሩ፣ ንሳቶም ምስ መጹ ግና፡ ነቶም ሰብ ግዝረት ስለ ዝፈርሀ፡ ከምኡ ምግባር ሓዲጉ፡ ርእሱ ፈልዩ። 13 እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ እውን ምስኡ ተገቢዞም፣ በርናባስ እኳ ብግብዝናኦም ተለኪሙ። 14 ምስ ሓቂ እቲ ብስራት ተሰማሚዖም ይመላለሱ ኸም ዘየለዉ ምስ ረኣኹ፡ ንኬፋ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ከም ኣይሁድ ዘይኰነስ፡ ከም ኣህዛብ ትነብር ካብ ኰንካ፡ ንኣህዛብ ብመሰረት ልምዲ ኣይሁድ ኪነብሩ ስለምንታይ ትግድዶም ኣለኻ፧” ኢለዮ። 15 ንሕና ብትውልዲ ኣይሁድ ዘበልና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ እውን ዘይኰንና፡ 16 ሰብ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ከም ዚጸድቕ ንፈልጥ ኢና። እምበኣር፡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ ዋላ ሓደ ስለ ዘየልቦ፡ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ምእንቲ ኽንጸድቕ፡ ብክርስቶስ የሱስ ኣሚንና ኣለና። 17 ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደለና ኸለና፡ ሓጥኣን ኴንና እንተ ተረኺብና፡ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን! 18 ነቲ ዘፍረስክዎ ኸም ብሓድሽ ዝሃንጾ እንተ ዀይነ፡ ኣባሲ ምዃነይ እየ ዘርኢ። 19 ኣነስ፡ ንኣምላኽ ህያው ምእንቲ ክኸውን፡ በቲ ሕጊ ኣቢለ፡ ነቲ ሕጊ ምዉት ኰይነ እየ። 20 ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ እየ። እቲ ምሳይ ብሓድነት ዚነብር ክርስቶስ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ። እወ፡ እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት፡ በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ። 21 ንጸጋ ኣምላኽ ኣይነጽጎን እየ፣ ከመይሲ፡ ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ ክርስቶስ ንኸንቱ ሞይቱ ማለት እዩ።