መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
3-9 ሰነ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ገላትያ 4-6
“ንዓና ትርጉም ዘለዎ ‘ምሳልያዊ ዛንታ’”
(ገላትያ 4:24, 25) እዚ ኸም ምሳልያዊ ዛንታ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ፣ ከመይሲ፡ እዘን ኣንስቲ እዚአን ንኽልተ ኺዳን እየን ዜመልክታ፣ እታ ንባርነት እትወልድ ካብ ከረን ሲና ዝዀነት፡ ንሳ ኣጋር እያ። 25 ኣጋር ነቲ ኣብ ምድሪ ዓረብ ዘሎ ኸረን ሲና እያ እተመልክት፣ ንሳ ኣምሳል እታ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ትሕቲ ባርነት ዘላ የሩሳሌም እያ።
it-1 1018 ¶2
ኣጋር
ብመሰረት ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣጋር ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ንስጋዊ ህዝቢ እስራኤል እተመልክት እያ። እቶም ህዝቢ ድማ በቲ ኣብ ከረን ሲና ዝቘመ ኪዳን ሕጊ ኣቢሎም ምስ የሆዋ ኪዳን ተኣታትዮም ነይሮም እዮም። እቲ ኺዳን ከኣ ‘ንባርነት ከም ዚውለዱ’ እዩ ገይሩ። እቶም ህዝቢ ሓጥኣን ብምዃኖም፡ ነቲ ኺዳን ኪሕልውዎ ኣይከኣሉን። ኣብ ትሕቲኡ ድማ፡ እስራኤላውያን ሞት ዚግብኦም ሓጥኣን ኰይኖም ደኣ እዮም ተዀኒኖም እምበር፡ ሓራ ኣይወጹን፣ ስለዚ፡ ባሮት እዮም ነይሮም። (ዮሃ 8:34፣ ሮሜ 8:1-3) እታ ንስጋውያን እስራኤላውያን እትውክል ርእሰ ኸተማ ዝዀነት የሩሳሌም ምስ ደቃ ኣብ ትሕቲ ባርነት ብምንባራ፡ እታ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበረት የሩሳሌም ምስ ኣጋር ሕደ እያ። ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ግና ደቂ እታ “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ወይ ደቂ እታ ምሳልያዊት ሰበይቲ ኣምላኽ እዮም። እዚ የሩሳሌም እዚኣ ኸም ሳራ ጭዋ እያ፡ ኣብ ትሕቲ ባርነት እውን ኣትያ ኣይትፈልጥን እያ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ እስማኤል ንይስሃቅ ዝሰጐጎ፡ ደቂ እታ ኣብ ባርነት እትርከብ የሩሳሌም እውን ነቶም ብወዲ ሓራ ዝወጹ ደቂ እታ “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ሰጒጎምዎም እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣጋርን ወዳን ከይወርሱ ተሰጒጎም እዮም፣ እዚ ኸኣ የሆዋ ንስጋውያን እስራኤላውያን ከም ህዝቢ ኸም ዝደርበዮም የመልክት።—ገላ 4:21-31፣ ዮሃ 8:31-40 እውን ርአ።
(ገላትያ 4:26, 27) እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና፡ ጭዋ እያ፣ ንሳ ኸኣ ኣዴና እያ። 27 ከመይሲ፡ “ደቂ እታ በይና ዘላ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይትወልዲ መኻን፡ ተሓጐሲ፣ ኣቲ ቕልውላው ዘይብልኪ እልል በሊ” ዚብል ጽሑፍ እዩ።
ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድልድልቲ እምነት ትሃሉኻ
እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን፡ ዘርኢ ኣብርሃም ምድሪ ተስፋ ኺወርሱ ኸለዉ ቓል ብቓሉ እኳ እንተ ተፈጸመ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ኺዳን መንፈሳዊ ፍጻመ ኸም ዘለዎ እውን ይገልጽ እዩ። (ገላ. 4:22-25) ኣብዚ ዝዓበየ ፍጻመ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተመሪሑ ኸም ዝገለጾ፡ እቲ ቐዳማይ ክፋል ዘርኢ ኣብርሃም፡ ክርስቶስ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ክፋል እቲ ዘርኢ ድማ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ 144,000 እዮም። (ገላ. 3:16, 29፣ ራእ. 5:9, 10፣ 14:1, 4) እታ ነቲ ዘርኢ እትወልድ ሰበይቲ፡ እታ ብእሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ንሰማያዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ እተመልክት “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” እያ። (ገላ. 4:26, 31) እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ከም ዚሕብሮ፡ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ንደቂ ሰብ በረኸት ዜምጽእ እዩ።
(ገላትያ 4:28-31) ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ከም ይስሃቅ፡ ደቂ ተስፋ ኢኹም። 29 ግናኸ፡ ከምቲ እቲ ብንቡር እተወልደ ነቲ ብመንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂ እውን ከምኡ እዩ። 30 ይኹን እምበር፡ ቅዱስ ጽሑፍ እንታይ ድዩ ዚብል፧ “ወዲ እታ ገረድ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኸቶ ኣይኪወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ገረድን ንወዳን ስጐጎም።” 31 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ገረድ ዘይኰንናስ፡ ደቂ እታ ጭዋ ኢና።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ገላትያ 4:6) ውሉዳት ስለ ዝዀንኩም፡ ኣምላኽ ነቲ፡ “ኣባ፡ ኣቦ!” ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ልኢኽዎ እዩ።
ትፈልጥዶ፧
የሱስ ኣብ ጸሎቱ ንየሆዋ፡ “ኣባ፡ ኣቦይ” ኢሉ ዝጸውዖ ስለምንታይ እዩ፧
እታ ኣባ እትብል ናይ ኣረማይስጢ ቓል፡ “ኣቦ” ወይ “ዎ ኣቦ” ማለት ክትከውን ትኽእል እያ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ እትርከበሉ ሰለስቲኡ ኣጋጣሚታት፡ ክፍሊ ጸሎት ኰይና ተጠቒሳ ኣላ፣ ነቲ ሰማያዊ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ተመልክት። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን እንታይ ትርጕም እያ እተመሓላልፍ ነይራ፧
ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ኣብቲ ብግዜ የሱስ ዚዝውተር ዝነበረ ልሙድ ዘረባ፡ ኣባ እትብል ቃል ብቐዳምነት ውሉዳት ንኣቦታቶም ቅርበቶምን ኣኽብሮቶምን ዚገልጹላ ኣጸዋውዓ እያ ነይራ” በለ። ፍቕሪ ንምግላጽ ዚጥቀሙላ ቓል እያ ነይራ፣ ሓንቲ ኻብተን ሓደ ሕጻን ብቐዳምነት ዚመሃረን ቃላት ድማ እያ ነይራ። የሱስ ነታ ቓል እቲኣ፡ ንኣቦኡ ኣጽኒዑ ኺልምኖ ኸሎ እዩ ተጠቒሙላ። ካብታ ዝሞተላ እተወሰነ ሰዓታት ኣቐዲሙ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ ንየሆዋ፡ “ኣባ፡ ኣቦይ” ኢሉ ጸውዖ።—ማርቆስ 14:36።
እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መወከሲ ጽሑፍ፡ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “ንኣምላኽ ክትዛረብ ከለኻ ኣባ እትብል ቃል ምጥቓም፡ ኣብቲ ብግዜ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ዝነበረ ስነ-ጽሑፋት ኣመና ዘይልሙድ እዩ ነይሩ፣ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ንኣምላኽ በዚ ልሙድ ስያመ እዚ ምጽዋዕ፡ ብዘይ ጥርጥር ኣኽብሮት ከም ዚንኪ ጌርካ ይርአ ብምንባሩ እዩ።” ይኹን እምበር፡ “የሱስ ነዚ ስያመ እዚ . . . ምጥቃሙ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ቅርበት ከም ዘለዎ እተዛረቦ ነገር፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ዜራጕድ እዩ ነይሩ።” “ኣባ” እትብል ቃል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከበሉ ኻልኦት ክልተ ቦታታት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዝጸሓፈን ጽሑፋት ዚርከባ ዀይነን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ነታ ቓል ኣብ ጸሎቶም ይጥቀሙላ ኸም ዝነበሩ ይሕብራ።—ሮሜ 8:15፣ ገላትያ 4:6።
(ገላትያ 6:17) ኣነ ባርያ የሱስ ምዃነይ ዚሕብር ዕላመት ኣብ ሰብነተይ እጸውር ስለ ዘለኹ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ኣየሸግረኒ።
ትፈልጥዶ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስጋኡ ዝነበረ “ዕላመት የሱስ” ኪዛረብ ከሎ ንምንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧—ገላትያ 6:17።
▪ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰማዕቲ ጳውሎስ፡ ንቓላቱ ብእተፈላለየ መገዲ ኺርድእዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ብግዜ ጥንቲ ንምሩኻትን ንሰረቕቲ ቤተ መቕደስን ንዝሃደሙ ባሮትን ብዝረሰነ ሓጺን ምልክት ይግበረሎም ነበረ። ኣብ ሰባት ዚግበር ዝነበረ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላመት፡ ከም ምልክት ውርደት እዩ ዚቝጸር ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ዕላመት፡ ወትሩ ብኣሉታዊ ዓይኒ ኣይኰነን ዚርአ ነይሩ። ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ከም መለለዪ ዓሌቶም ወይ ሃይማኖቶም ገይሮም ይጥቀሙሉ ነበሩ። ንኣብነት፡ ቲኦሎጂካል ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ተስታመንት ከም ዝገለጾ፡ “ሶርያውያን ነቶም ሃዳድን ኣታርጋቲስን ዚበሃሉ ኣማልኽቶም ኣዝዮም ውፉያት ምዃኖም ንምርኣይ፡ ኣብ ጉምቦ ኢዶም ወይ ኣብ ክሳዶም ምልክት ይገብሩ ነበሩ። . . . እሙናት ሰዓብቲ ዲዮናይሰስ እውን ዕላመት ተኽሊ ሓረግ ይገብሩ ነበሩ።”
ብዙሓት ዘመናውያን ወሃብቲ ርእይቶ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮኡ ብምኽንያት ዘጋጠሞ እተፈላለየ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዝወጾ በሰላ ይዛረብ ከም ዝነበረ እዮም ዚሕብሩ። (2 ቈረንቶስ 11:23-27) ይኹን እምበር፡ ምናልባት ብዛዕባ ቓል ብቓሉ ምልክት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኸም ክርስትያን መጠን ዚልለየሉ ዝነበረ ናብራ ህይወቱ ይዛረብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ገላትያ 4:1-20) ኣነ እብል ኣለኹ፦ ወራሲ ብግዜ ሕጻንነቱ፡ ዋላ እኳ ጐይታ ዅሉ እንተ ዀነ፡ ካብ ባርያ ፈሊኻ ኣይርአን እዩ፣ 2 የግዳስ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደባ መዓልቲ እትኣክል፡ ኣብ ትሕቲ ኣለይትን ኣመሓደርቲ ቤትን እዩ። 3 ከምኡ ድማ፡ ንሕና ሕጻናት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ብመባእታዊ ነገራት ዓለም ባሮት ኴንና ኔርና። 4 ኰይኑ ግና፡ እቲ ተወሲኑ ዝነበረ እዋን ምስ ኣብቅዐ፡ ኣምላኽ ነቲ ኻብ ሰበይቲ እተወልደን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝዀነን ወዱ ልኢኽዎ እዩ፣ 5 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ዓዲጉ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም እሞ፡ ንሕና ውሉድነት ምእንቲ ኽንረክብ እዩ። 6 ውሉዳት ስለ ዝዀንኩም፡ ኣምላኽ ነቲ፡ “ኣባ፡ ኣቦ!” ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ልኢኽዎ እዩ። 7 ስለዚ፡ ደጊም ውሉድ ደኣ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን፣ ውሉድ ካብ ኰንካ ኸኣ፡ ኣምላኽ እውን ወራሲ ገይሩካ እዩ። 8 ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸለኹም፡ ባሮት እቶም ናይ ሓቂ ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ኢኹም ኔርኩም። 9 ሕጂ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳ እውን ኣምላኽ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ጌርኩም ናብቲ ድኹምን ድርባይን መባእታዊ ነገራት ትምለሱን ከም ብሓድሽ ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩን ኣለኹም፧ 10 መዓልትታትን ኣዋርሕን ወቕትታትን ዓመታትን ተጠንቂቕኩም ትሕልዉ ኣለኹም። 11 ምናልባት ንኸንቱ ጽዒረልኩም ከይከውን፡ እፈርሃልኩም ኣለኹ። 12 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸማኻትኩም ስለ ዝነበርኩ፡ ከማይ ክትኰኑ እልምነኩም ኣለኹ። ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን። 13 ግናኸ፡ ብስጋ ብምሕማመይ እየ ነቲ ብስራት ክነግረኩም ንፈለማ ግዜ ኣጋጣሚ ዝረኸብኩ። 14 ሽዑ፡ ሕማመይ ፈተና እኳ እንተ ዀነኩም፡ ኣይነዓቕኩምንን ወይ ኣይተጸየፍኩምንን፣ የግዳስ፡ ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምኒ። 15 እቲ ዝነበረኩም ሓጐስ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ዚከኣል እንተ ዚኸውን ነይሩስ፡ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም ከም እትህቡኒ እምስክረልኩም እየ። 16 እሞ ደኣ፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢኹም ኰይነ እየ፧ 17 ንጽቡቕኩም ዘይኰነስ፡ ካባይ ኪፈልዩኹም እሞ፡ ተሃንጢኹም ምእንቲ ኽትስዕብዎም ኢሎም እዮም ብወገኖም ኪገብሩኹም ብቕንኣት ዚጽዕሩ ዘለዉ። 18 ኰይኑ ግና፡ ኣነ ምሳኻትኩም ከለኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ንጽቡቕ ኢሉ ብቕንኣት ዚደልየኩም እንተሎ ሰናይ እዩ፣ 19 ደቀየ፡ ክርስቶስ ክሳዕ ዚቕረጸልኩም፡ ከም ብሓድሽ ብቕልውላው ተታሒዘልኩም ኣለኹ። 20 ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉን ብእተፈልየ መገዲ ኽዛረበኩምን ምደለኹ።
10-16 ሰነ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤፌሶን 1-3
“ምምሕዳር የሆዋን ዕዮኡን”
(ኤፌሶን 1:8, 9) ነዚ ጸጋ እዚ ብዅሉ ጥበብን ኣእምሮን ኣባና ኣዕዚዝዎ እዩ፣ 9 ማለት ቅዱስ ምስጢር ፍቓዱ ኣፍሊጡና እዩ። ከምቲ ብፍታዉ ንሱ ባዕሉ ዝዓለሞ፡
it-2 837 ¶4
ቅዱስ ምስጢር
መሲሓዊት መንግስቲ። ጳውሎስ ኣብ ጽሑፋቱ ብዛዕባ ግልጸት ቅዱስ ምስጢር ክርስቶስ ምሉእ ርእይቶ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ኤፌሶን 1:9-11፡ ኣምላኽ “ቅዱስ ምስጢር” ፍቓዱ ከም ዝፈለጠ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ከምቲ ብፍታዉ ንሱ ባዕሉ ዝዓለሞ፡ እቲ ምዱብ ግዜያት ምስ ኣኸለ ንምምሕዳር፡ ማለት ኣብ ሰማያት ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕልል እዩ። እወ፡ ብእኡ፡ እቶም ከም ዕላማ እቲ ንዅሉ ኸም ፍቓዱ ዚውስኖ ኣቐዲምና ስለ እተመደብና፡ ምስኡ ብዘሎና ሓድነት ከም ወረስቲ እተመደብና” ኢሉ ኣሎ። እዚ “ቕዱስ ምስጢር” እዚ ንመንግስቲ፡ ማለት ንመሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ የጠቓልል እዩ። እቲ ጳውሎስ “ኣብ ሰማያት ዘሎ” ዝበሎ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ ወረስቲ ሰማያት መንግስቲ ኪዀኑ ትጽቢት ዚግበረሎም የመልክት። እቲ “ኣብ ምድሪ ዘሎ” እተባህለ ኸኣ፡ ነቶም ምድራውያን ተገዛእቲ እታ መንግስቲ የመልክት። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንዓኻትኩም፡ እቲ ቕዱስ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ተዋሂቡኩም ኣሎ” ብምባል፡ እቲ ቕዱስ ምስጢር ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚተሓሓዝ ሓቢርዎም እዩ።—ማር 4:11።
(ኤፌሶን 1:10) እቲ ምዱብ ግዜያት ምስ ኣኸለ ንምምሕዳር፡ ማለት ኣብ ሰማያት ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕልል እዩ። እወ፡ ብእኡ፡
“ሓደ የሆዋ” ንስድራ ቤቱ ይእክቦም
የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ” በሎም። (ዘዳ. 6:4፡ NW) የሆዋ ምስ ዕላማኡ ተሰማሚዑ እዩ ዚዓዪ። ስለዚ ድማ፡ “እቲ ምዱብ እዋናት ምስ ኣኸለ፡” ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ብሓደ ምእንቲ ኼሕብሮም ዚሕግዝ “ምምሕዳር” ከም ዚህሉ ገበረ። (ኤፌሶን 1:8-10፡ NW ኣንብብ።) እዚ ምምሕዳር እዚ ኽልተ ኽፍሊ እዩ ዘለዎ። ቀዳማይ፡ ኣምላኽ ነቶም ንቕቡኣት ክርስትያናት ምስቲ መንፈሳዊ ርእሶም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ምእንቲ ኺሓብሩ ዚገብሮ ዘሎ ምድላው እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብ33 ድ.ክ. የሆዋ ነቶም ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ኣብ ሰማይ ዚነግሱ ሰባት ኪእክቦም ከሎ እዩ ጀሚሩ። (ግብ. 2:1-4) እቶም ቅቡኣት ብመሰረት እቲ ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት፡ ጻድቃን ስለ እተቘጽሩ፡ “ውሉድ ኣምላኽ” ምዃኖም ይፈልጡ እዮም።—ሮሜ 3:23, 24፣ 5:1፣ 8:15-17።
ካልኣይ፡ ኣምላኽ ነቶም ብመሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዚመሓደሩ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ዚነብሩ ሰባት ንምእካብ ዚገብሮ ዘሎ ምድላው እዩ። መጀመርታ ኣብ ገነት ዚነብሩ፡ እቶም “ብዙሓት ሰብ” እዮም። (ራእ. 7:9, 13-17፣ 21:1-5) ኣብቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ከኣ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ተንሲኦም ምስኣቶም ኪሓብሩ እዮም። (ራእ. 20:12, 13) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ትንሳኤ እውን ሓድነትና እነርእየሉ ተወሳኺ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና። ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት፡ እቲ “ኣብ ምድሪ ዘሎ” ናይ መወዳእታ ፈተና ኼጋጥሞ እዩ። እቶም እሙናት ዘበሉ ድማ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ “ደቂ ኣምላኽ” ኪዀኑ እዮም።—ሮሜ 8:21፣ ራእ. 20:7, 8።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ኤፌሶን 3:13) ስለዚ፡ እዚ ንዓኻትኩም ክብሪ እዩ እሞ፡ ስለቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባ ኸይትሕለሉ እልምነኩም ኣለኹ።
ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ክብረት ንኸይትረክብ ኪዓግተካ ኣይትፍቀድ
ጸኒዕና ፍቓድ ኣምላኽ ምስ እንገብር፡ ንኻልኦት ሰባት እውን ክብረት ንኺረኽቡ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ነታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ፡ “እዚ ንዓኻትኩም ክብሪ እዩ እሞ፡ ስለቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባ ኸይትሕለሉ እልምነኩም ኣለኹ” ኢሉ ጸሓፈላ። (ኤፌ. 3:13) እቲ ንጳውሎስ ዝበጽሖ ጸበባ ንሰብ ኤፌሶን “ክብሪ” ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ጳውሎስ ፈተናታት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ንዓታቶም ኬገልግል ፍቓደኛ ምዃኑ፡ እቲ ኸም ክርስትያናት መጠን ዝረኸብዎ መሰላት ኣገዳሲ ኸም ዝነበረ፡ ብሉጽ ዋጋ ድማ ከም ዝነበሮ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ጸባባ ምስ ኣጋጠሞ እንተ ዚሕለል ነይሩ፡ እቶም ኣሕዋት፡ እቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ፡ ኣገልግሎቶም፡ ኰነ ተስፋኦም ክሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ገይሮም ኣይምሓሰቡንዶ፧ ጳውሎስ ብተጻዋርነቱ፡ ክርስትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኴንካ ንምቕጻል ከኣ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኽትከፍለሉ ኸም ዚግባእ ኣርኣየ።
(ኤፌሶን 3:19) ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ክትፈልጥዋ ኢኹም፣ ስለዚ ኸኣ፡ ብዅሉ እቲ ኣምላኽ ዚህበና ምልኣት ክትመልኡ ኢኹም።
‘ንፍቕሪ ክርስቶስ ምፍላጣ’
እታ ‘ምፍላጥ’ እተተርጐመት ናይ ግሪኽ ቃል ‘ብተመክሮ ወይ ብግብራዊ መገዲ’ ምፍላጥ ዝብል ትርጕም እዩ ዘለዋ። ንኻልኦት ሰባት ግዜናን ጕልበትናን ከይበቐቕና ብምስዋእ፡ ብድንጋጽ ዘድልዮም ነገራት ብምሃብ፡ ካብ ልብና ይቕረ ብምባል ከምቲ የሱስ ዘርኣዮ ዓይነት ፍቕሪ ምስ እነርእዮም ንስምዒታቱ ብሓቂ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ‘ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ’ ብግብሪ ንፈልጣ ኣሎና ማለት እዩ። ንክርስቶስ እናመሰልናዮ ብዝኸድና መጠን ናብቲ የሱስ ምሉእ ብምሉእ ዝቐድሖ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ እናቐረብና ከም እንኸይድ ፈጺምና ኣይንረስዕ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ኤፌሶን 1:1-14) ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቕዱሳትን ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦ 2 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 3 እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ብዘሎና ሓድነት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይወደስ፣ 4 ምኽንያቱ፡ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳትን ብዘይ ኣበርን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ምስኡ ሓድነት ኪህልወና ሓርዩና እዩ። 5 ከመይሲ፡ ከም ፍታዉን ከም ፍቓዱን ብየሱስ ክርስቶስ ውሉድነት ረኺብና ኸም ውሉዳቱ ኽንከውን ኣቐዲሙ መዲቡና እዩ፣ 6 እዚ ኸኣ ንውዳሰ እቲ በቲ ፍቑር ወዱ ብለውሃት ዝሃበና ኽቡር ጸጋኡ እዩ። 7 ብእኡ፡ ብደሙ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ከም ሃብቲ ጸጋኡ ኣበሳና ተሓዲጉልና ኣሎ። 8 ነዚ ጸጋ እዚ ብዅሉ ጥበብን ኣእምሮን ኣባና ኣዕዚዝዎ እዩ፣ 9 ማለት ቅዱስ ምስጢር ፍቓዱ ኣፍሊጡና እዩ። ከምቲ ብፍታዉ ንሱ ባዕሉ ዝዓለሞ፡ 10 እቲ ምዱብ ግዜያት ምስ ኣኸለ ንምምሕዳር፡ ማለት ኣብ ሰማያት ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕልል እዩ። እወ፡ ብእኡ፡ 11 እቶም ከም ዕላማ እቲ ንዅሉ ኸም ፍቓዱ ዚውስኖ ኣቐዲምና ስለ እተመደብና፡ ምስኡ ብዘሎና ሓድነት ከም ወረስቲ እተመደብና፡ 12 ብቐዳምነት እውን ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፡ ንውዳሰ ኽብሩ ምእንቲ ኸነገልግል እዩ። 13 ንስኻትኩም እውን ቃል ሓቂ፡ ማለት ብስራት ድሕነትኩም፡ ምስ ሰማዕኩም፡ ብእኡ ተስፋ ጌርኩም ኢኹም። ምስ ኣመንኩም ከኣ፡ በቲ እተተስፈወ መንፈስ ቅዱስ ተሓቲምኩም ኢኹም፣ 14 እዚ ኸኣ ጥሪት ኣምላኽ በጃ ምእንቲ ኪኽፈለሉ፡ ንውዳሰ ኽብሩ ዚኸውን ዕርቡን ርስትና እዩ።
17-23 ሰነ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤፌሶን 4-6
“ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ልበሱ”
(ኤፌሶን 6:11-13) ንፍሕሶ ድያብሎስ ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ልበሱ፣ 12 ምኽንያቱ፡ ቅልስና ምስ መንግስትታትን ምስ ስልጣናትን ምስ ናይዚ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ኣብ ሰማያት ምስ ዘለዉ እኩያት መናፍስትን እዩ እምበር፡ ምስ ደምን ስጋን ኣይኰነን። 13 ስለዚ፡ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩም እውን ጸኒዕኩም ምእንቲ ኽትቈሙስ፡ ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ኣልዕሉ።
ኣቱም መንእሰያት፡ ንድያብሎስ ተቓወምዎ
ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናዊ ህይወት ምስ ህይወት እቶም ኢድ ብኢድ ዚቃለሱ ወተሃደራት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ውግእና መንፈሳዊ ደኣ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ናይ ሓቂ ጸላእቲ ኣለዉና። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ነዊሕ ተመክሮ ዘለዎም ክኢላታት ተዋጋእቲ እዮም። ኣብ ፈለማ፡ ኣብዚ ውግእ ንምዕዋት፡ ተስፋ ዘይብልና ንመስል ንኸውን። ምናዳ ኸኣ መንእሰያት ክርስትያናት ብቐሊሉ ዚስዓሩ ይመስል ይኸውን። እሞ ደኣ ምስቶም ካብ ሰባት ዚሕይሉ እኩያት መናፍስቲ ተዋጊኦም ኪስዕሩ ይኽእሉ ድዮም፧ እወ፡ ኪስዕሩ ይኽእሉ እዮም፣ ይስዕሩ እውን ኣለዉ! ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ‘ብጐይታ ይብርትዑ’ ኣለዉ። ኰይኑ ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰኑን ዚረኽቡ ዘለዉ። ነቲ ውግእ ዜድልዮም እውን ለቢሶም ኣለዉ። እወ፡ ኣጸቢቖም ከም ዝሰልጠኑ ወተሃደራት፡ “ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር” ለቢሶም ኣለዉ።—ኤፌሶን 6:10-12 ኣንብብ።
(ኤፌሶን 6:14, 15) እምበኣር፡ ሕቘኹም ብዕጣቕ ሓቂ ተዓጢቕኩም፡ ድርዒ ጽድቂ እውን ተኸዲንኩም ጸኒዕኩም ቁሙ፣ 15 ኣብ ኣእጋርኩም ከኣ ነቲ ብስራት ሰላም ንምብሳር ዘሎኩም ድሉውነት ከም ኣሳእን ውደዩ።
ኣቱም መንእሰያት፡ ንድያብሎስ ተቓወምዎ
ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንምሃሮ ሓቂ፡ ካብቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ዜምጽኦ መንፈሳዊ ጕድኣት የዕቍበና እዩ። (ዮሃ. 8:31, 32፣ 1 ዮሃ. 4:1) ንመለኮታዊ ሓቅታት ብዝያዳ ብዝፈቶናዮ መጠን ድማ፡ ነቲ “ድርዒ” ንምጻር፡ ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ በቲ ቕኑዕ ስርዓታት ኣምላኽ ንምምልላስ ብዝያዳ እዩ ዚቐልለና። (መዝ. 111:7, 8፣ 1 ዮሃ. 5:3) ብተወሳኺ ኸኣ፡ ንሓቅታት ቃል ኣምላኽ ብንጹር ንርድኦ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ዚጻረሩ ሰባት ኬጋጥሙና ኸለዉ ኣብ መትከልና ጸኒዕና ኽንቀውምን ክንጣበቐሉን ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 3:15።
እዚ ኸኣ የሆዋ ዘቘሞ ስርዓታት ጽድቂ ንምሳልያዊ ልብና ኸም ዚከላኸለሉ ዜርኢ ጽቡቕ ምሳሌ እዩ። (ምሳ. 4:23) ከምቲ ሓደ ወተሃደር ነቲ ብሓጺን እተገብረ ድርዒ፡ ብዝሓመቐ ዓይነት ብረት ምስ እተሰርሐ ድርዒ ዘይልውጦ፡ ንሕና እውን ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ቕኑዕ ዘውጽኦ ስርዓታት ብናትና ስርዓታት ክንቅይሮ ኣይንደልን ኢና። ናይ ምምዝዛን ክእለትና ጕድለት ስለ ዘለዎ፡ ንልብና ኼዕቍቦ ኣይክእልን እዩ። (ምሳ. 3:5, 6) ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ የሆዋ ዝሃበና “ድርዒ” ወትሩ ንልብና ይከላኸለሉ ኸም ዘሎ ኸነረጋግጽ ኣሎና።
እቲ ወተሃደራት ሮሜ ዚወድይዎ ዝነበሩ ነዊሕ ሳእኒ ናብ ውግእ ኪኸዱ የኽእሎም ነይሩ እዩ፣ እቲ ክርስትያናት ዚወድይዎ ምሳልያዊ ሳእኒ ድማ መልእኽቲ ሰላም ኬብጽሑ የኽእሎም እዩ። (ኢሳ. 52:7፣ ሮሜ 10:15) ይኹን እምበር፡ ኣጋጣሚታት ኪፍጠር ከሎ ንምዝራብ ትብዓት የድሊ እዩ። ቦ ዝስሙ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ፡ “ንደቂ ኽፍለይ ምምስካር የፍርሃኒ ነይሩ እዩ። የሕፍረኒ ነይሩ ይመስለኒ። ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም እተሰምዓኒ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ፡ ንመዛኖይ ምምስካር የሐጕሰኒ እዩ” ይብል።
(ኤፌሶን 6:16, 17) ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ፡ ነቲ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት እቲ እኩይ ከተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዓብዪ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። 17 ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ ድማ ኣእትዉ፣ ናይ መንፈስ ሰይፊ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ እውን ሓዙ፣
ኣቱም መንእሰያት፡ ንድያብሎስ ተቓወምዎ
ገለ ኻብቲ ሰይጣን ዚውርውረልካ “ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት፡” ብዛዕባ የሆዋ ዚነዝሖ ሓሶት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ኸም ዘይሓልየልካን ዜፍቅረካ ኸም ዘይብልካን ገይሩ ኼእምነካ ይፍትን እዩ። ኢዳ ዝስማ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ ዘይትረብሕ ከም ዝዀነት ኰይኑ ይስምዓ ነይሩ እዩ። ስምዒታ ኽትገልጽ ከላ፡ “የሆዋ ቐረባይ ከም ዘይኰነን ዓርከይ ኪኸውን ከም ዘይደልን ኰይኑ ተሰሚዑኒ ይፈልጥ እዩ” ትብል። እሞ ደኣ ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ብኸመይ መኪታቶ፧ ነዚ ኽትምልስ ከላ፡ “ኣኼባታት ንእምነተይ ብዙሕ ይውስኸለይ እዩ። ኣነ ዝብሎ ኺሰምዕ ዚደሊ ሰብ ከም ዘየሎ ይመስለኒ ስለ ዝነበረ፡ ኣብኡ ኾፍ እብል እምበር፡ ሓሳብ ኣይህብን እየ ነይረ። ሕጂ ግና ንኣኼባታት እዳሎ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ሳዕ ከኣ ክምልስ እፍትን እየ። ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምስ ዝገብር ግና ጽቡቕ እዩ ዚስምዓኒ። ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ብዙሕ የተባብዑኒ እዮም። ኵሉ ሳዕ ኣብ ኣኼባታት ድሕሪ ምእካበይ የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ ይስምዓኒ እዩ” ትብል።
ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንሓንጐል ወተሃደር ዚከላኸለሉ ዝነበረ፡ “ተስፋ ድሕነት” እውን ንኣእምሮና፡ ማለት ንምምዝዛንና ይሕልዎ እዩ። (1 ተሰ. 5:8፣ ምሳ. 3:21) ተስፋ ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ነገራት ከም እነተኵር ይገብረና፡ ብዛዕባ ጸገማት ድማ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልወና ይሕግዘና እዩ። (መዝ. 27:1, 14፣ ግብ. 24:15) ኰይኑ ግና፡ “ቍራዕ ርእስና” ኺከላኸለልና እንተ ደሊና፡ ኣብ ርእስና ኽንገብሮ ደኣ እምበር፡ ብኢድና ኽንስከሞ የብልናን።
ጳውሎስ ንቓል ኣምላኽ ምስቲ የሆዋ ዝሃበና ሰይፊ ኣመሳሲልዎ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ንእምነትና ንምጥባቕ ወይ ንኣተሓሳስባና ንምዕራይ፡ ከመይ ጌርና ነቲ ሰይፊ ብምልከት ከም እንጥቀመሉ ኽንምሃር ኣሎና። (2 ቈረ. 10:4, 5፣ 2 ጢሞ. 2:15) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኽእለትካ ኸተመሓይሽ እትኽእል፧ ሰባስትያን ዝስሙ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ፡ “ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ መምዕራፍ ሓሓደ ፍቕዲ እጽሕፍ እየ። ዝርዝር ዝፈትዎ ፍቕድታት ከኣ ጠርኒፈ ኣለኹ። በዚ ኸምዚ፡ ምስ ሓሳብ የሆዋ ብዝያዳ እተሳነኹ ዀይኑ ይስምዓኒ” ይብል። ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ዳንኤል ከኣ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ፡ ኣብ ኣገልግሎት ንሰባት ይሕግዝ ኢለ ዝኣመንኩሉ ጥቕስታት እሓሪ እየ። ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም እትፈትዎን ንምሕጋዞም ዚከኣለካ ትገብር ኸም ዘለኻን ምስ ረኣዩ፡ ጽቡቕ ምላሽ ይህቡ እዮም” ይብል።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ኤፌሶን 4:30) ነቲ ንእትብጀዉላ መዓልቲ እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ።
it-1 1128 ¶3
ቅድስና
መንፈስ ቅዱስ። እቲ ንጡፍ ሓይሊ ወይ መንፈስ የሆዋ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር የሆዋ እዩ፡ ወትሩ እውን ዕላማ የሆዋ እዩ ዚፍጽም። ብዘይካዚ፡ ንጹህን ቅዱስን እዩ፣ ኣምላኽ ንጽቡቕ ኪጥቀመሉ እተፈልየ እውን እዩ። ስለዚ፡ “መንፈስ ቅዱስ” “መንፈስ ቅድስና” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (መዝ 51:11፣ ሉቃ 11:13፣ ሮሜ 1:4፣ ኤፌ 1:13) ኣብ ሰብ ዚዓዪ መንፈስ ቅዱስ፡ ንቕድስና ወይ ንንጽህና ሓይሊ ይህብ ወይ ይድርኽ እዩ። ዝዀነ ርኹስ ወይ ግጉይ ተግባር፡ ነቲ መንፈስ እቲ ይጻረሮ ወይ ‘የጕህዮ።’ (ኤፌ 4:30) መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ዘይሓስብ እኳ እንተ ዀነ፡ መግለጺ ቕዱስ ባህርይ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ከም ‘ዚጕሂ’ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ሓደ ሰብ ብመገዲ ኣበሳ እንተ ተመላሊሱ፡ ‘ሓዊ መንፈስ የጥፍእ’ እዩ። (1ተሰ 5:19) እዚ ተግባር እዚ እንተ ቐጺሉ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ‘ይጕሂ፡’ በዚ ኸምዚ እውን ኣምላኽ ነቶም ዝዓለዉ ጸላኢኦም ኪኸውን ይኽእል። (ኢሳ 63:10) ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕሂ ሰብ፡ ክሳዕ ጸርፊ ኺበጽሕ ይኽእል እዩ፣ እዚ ሓጢኣት እዚ ዚገብር ከኣ ኣብዚ ስርዓት ኰነ ኣብቲ ዚመጽእ ከም ዘይሕደገሉ የሱስ ክርስቶስ ገሊጹ እዩ።—ማቴ 12:31, 32፣ ማር 3:28-30፣ ኣብ መንፈስ ርአ።
(ኤፌሶን 5:5) ከመይሲ፡ ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ ኣምላኺ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ትፈልጡን ተስተውዕሉን ኢኹም።
it-1 1006 ¶2
ስስዐ
ብግብሪ ይግሃድ። ስስዐ ንግጉይን ንዘይግቡእን ትምኒት ብዜቃልዕ መገዲ ብቕሉዕ ተግባራት ይግሃድ እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ፡ ግጉይ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ከም እትወልዶ ገሊጹ ኣሎ። (ያእ 1:14, 15) ስለዚ፡ ስሱዕ ሰብ ብተግባራቱ ኺልለ ይከኣል እዩ። ስሱዕ ሰብ፡ ኣምላኺ ጣኦት ከም ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (ኤፌ 5:5) ስሱዕ ሰብ ንትምኒቱ ኻብቲ ንፈጣሪኡ ዜቕርበሉ ኣገልግሎትን ኣምልኾን ኣብሊጹ ብምስራዕ ኣምላኹ ይገብሮ እዩ።—ሮሜ 1:24, 25።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ኤፌሶን 4:17-32) እምበኣር፡ ከምቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ሓሳቦም ዚመላለሱ ምእንቲ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብልን ብጐይታ እምስክርን ኣለኹ። 18 ንሳቶም፡ ብሰሪ ድንቍርናኦምን ብሰሪ ትሪ ልቦምን፡ ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ህይወት ከኣ ርሒቖም እዮም። 19 ሕልናኦም ደንዚዙ፡ ብስስዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ድማ ንንውርምና ርእሶም ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም። 20 ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን፣ 21 እወ፡ ከምታ ኣብ የሱስ ዘላ ሓቂ ጌርኩም፡ ብርግጽ ሰሚዕኩምዎን ብእኡ ተማሂርኩምን እንተ ትዀኑ ኔርኩምሲ፡ ከምኡ ኣይተመሃርኩምዎን። 22 እምበኣር፡ ነቲ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣነባብራኹም ዝዀነ ብዜታልል ትምኒቱ ዚበላሾ ኣረጊት ስብእና ኽትቅንጥጡ ተማሂርኩም ኢኹም። 23 ብኣተሓሳስባኹም ከኣ ብቐጻሊ ተሓደሱ፣ 24 ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና ድማ ልበሱ። 25 ስለዚ፡ ምትላል ካብ ኣርሓቕኩም፡ ኣካላት ሓድሕድ ስለ ዝዀንና፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ። 26 ተቘጥዑ፡ ግናኸ ኣይትሕጥኡ፣ ተቘጢዕኩም ከለኹም፡ ጸሓይ ኣይትዕረብኩም፣ 27 ንድያብሎስ እውን ኣጋጣሚ ኣይትሃብዎ። 28 እቲ ዚሰርቕ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ሰናይ እናገበረ ደኣ ብኣእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ። 29 ንሰማዕቱ ምእንቲ ኺጠቅምሲ፡ ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል እምበር፡ ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። 30 ነቲ ንእትብጀዉላ መዓልቲ እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ። 31 ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ይርሓቕ። 32 ግናኸ፡ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ።
24-30 ሰነ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ፊልጲ 1-4
“ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ”
(ፊልጲ 4:6) ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣
“እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ”
ብዛዕባ ገለ እኳ ኸይንጭነቕን “ሰላም ኣምላኽ” ክንረክብን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ዘሎ ቓላት፡ ጸሎት ፈውሲ ጭንቀት ምዃኑ ይሕብር እዩ። ስለዚ፡ ክንጭነቕ ከለና፡ ብጸሎት ኣቢልና ጭንቀትና ኽንገልጽ ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7 ኣንብብ።) የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን፡ ናብኡ ንጸሊ። እቲ ናብኡ እነቕርቦ ጸሎት፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ብምዝካር፡ “ምስ ምስጋና” ኪኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ “ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኽእል” ምዃኑ ምስ እንዝክር፡ ኣብኡ ዘሎና ምትእምማን ኪድልድል እዩ።—ኤፌ. 3:20።
(ፊልጲ 4:7) እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።
“እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ”
እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት ነታ ጳውሎስ ዝለኣኻ መልእኽቲ ምስ ኣንበቡ፡ ንጳውሎስ እንታይ ኣጋጢምዎ ኸም ዝነበረ፡ የሆዋ ኸኣ ብዘይተጸበይዎ መገዲ ብኸመይ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ ዘኪሮም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ርዱእ እዩ። ጳውሎስ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፈሎም ነይሩ፧ ብሓጺሩ፡ ከይጭነቑ እዩ ዚነግሮም ነይሩ። እንተ ጸልዮም፡ ሰላም ኣምላኽ ከም ዚረኽቡ ድማ ገሊጹሎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም” ከም ዝበለ ኣስተብህል። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ገሊኦም ተርጐምቲ ነዚ ሓሳብ እዚ፡ “ካብ ኵሉ ሕልምታትና ዚበልጽ” ወይ “ካብ ኵሉ ውጥናት ሰብ ዚበልጽ” ኢሎም ተርጒሞምዎ ኣለዉ። እወ፡ ጳውሎስ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ካብ እንሓስቦ ንላዕሊ ዜደንቕ ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ስለዚ፡ ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ጸገማትና መዋጽኦ ዘይብሉ ዀይኑ ኺስምዓና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግና ዘይተጸበናዮ ነገር ኪገብር ይኽእል እዩ።—2 ጴጥሮስ 2:9 ኣንብብ።
“እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ”
“እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ምስ ዚህልወና፡ እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧ እታ ጥቕሲ፡ “ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ትብል። (ፊል. 4:7) እታ “ኺሕልዎ” ተባሂላ እትትርጐም ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ዘላ ቓል ድማ፡ ኣብ ዓውዲ ውትህድርና እትዝውተር ቃል እያ። ብግዜ ጥንቲ ንሓንቲ እተዓርደት ከተማ ኺሕልዉ ንዚምደቡ ጕጅለ ወተሃደራት ድማ ተመልክት። ፊልጲ እውን እተዓርደት ከተማ እያ ነይራ። ሰብ ፊልጲ ኣፍ ደገ ኸተማኦም ብወተሃደራት ከም ዚሕሎ ስለ ዚፈልጡ፡ ለይቲ ቐሲኖም ይድቅሱ ነበሩ። ብተመሳሳሊ፡ “ሰላም ኣምላኽ” እንተ ኣልዩና፡ ልብናን ኣእምሮናን ይቐስን እዩ። የሆዋ ኸም ዚሓልየልናን ኪሰልጠና ኸም ዚደልን ንፈልጥ ኢና። (1 ጴጥ. 5:10) እዚ ፍልጠት እዚ ኸኣ፡ ብጭንቀት ወይ ብተስፋ ምቝራጽ ከይንወሓጥ ይሕልወና እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ፊልጲ 2:17) ግናኸ፡ ኣብቲ ብእምነትኩም ተደሪኽኩም እትገብርዎ መስዋእትን ቅዱስ ኣገልግሎትን ከም መስዋእቲ መስተ እፈስስ እኳ እንተ ኣለኹ፡ ባህ ይብለንን ምስ ኵላትኩም እሕጐስን እየ።
it-2 528 ¶5
መስዋእቲ
መስዋእቲ መስተ። መስዋእቲ መስተ ምስ መብዛሕትኡ ኻልእ መስዋእቲ ይቐርብ ነይሩ እዩ፣ ምናዳ ድማ እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ሰፈሩ እዮም ዜቕርብዎ ነይሮም። (ዘሁ 15:2, 5, 8-10) ወይኒ (“ኣልኮላዊ መስተ”) እዩ መስዋእቲ መስተ ዀይኑ ዚቐርብ ነይሩ፣ ኣብ መሰውኢ እውን ይክዖ ነይሩ። (ዘሁ 28:7, 14፣ ምስ ዘጸ 30:9 ኣረኣኢ፣ ዘሁ 15:10) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ኣብቲ ብእምነትኩም ተደሪኽኩም እትገብርዎ መስዋእትን ቅዱስ ኣገልግሎትን ከም መስዋእቲ መስተ እፈስስ እኳ እንተ ኣለኹ፡ ባህ ይብለንን ምስ ኵላትኩም እሕጐስን እየ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። ኣብዚ ኸኣ ጥቕሚ ርእሱ ኣብ ክንዲ ክርስትያን ብጾቱ ኺውፊ ፍቓደኛ ምዃኑ ንምግላጽ ንመስዋእቲ መስተ ብምሳልያዊ መገዲ እዩ ተጠቒሙሉ። (ፊል 2:17) ቀቅድሚ ሞቱ ድማ ንጢሞቴዎስ፡ “ኣነስ ድሮ ኸም መስዋእቲ መስተ እፈስስ ኣለኹ፣ እታ ናጻ ዝዀነላ ግዜ እውን ቀሪባ እያ” ኢሉ ጽሒፉሉ እዩ።—2ጢሞ 4:6።
(ፊልጲ 3:11) ብገለ እውን ናብቲ ዝቐደመ ትንሳኤ ምዉታት እንተ በጻሕኩ እዩ።
“እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ”—ሕጂ ይካየድ ኣሎ!
ድሕሪኡ፡ ቅቡኣት ኣባላት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ‘ንሓዋሩ ምስኡ ዚነብሩሉ’ ሰማያዊ ኽብሩ ኺሓብርዎ ኣለዎም። (ገላትያ 6:16፣ 1 ተሰሎንቄ 4:17) እቲ ፍጻመ እቲ “ዝቐደመ ትንሳኤ” ወይ “ቐዳማይ ትንሳኤ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ፊልጲ 3:10, 11 NW፣ ራእይ 20:6) እቲ ትንሳኤ እቲ ምስ ኣብቅዐ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ሒዞም ኣብ ምድሪ ኺትንስኡ እዮም። ስለዚ፡ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ ኣብቲ “ቐዳማይ ትንሳኤ” ዓብዪ ተገዳስነት ኣሎና። እዚ እንታይ ዓይነት ትንሳኤ እዩ፧ መዓስ እዩ ዚፍጸም፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ፊልጲ 4:10-23) ሕጂ ኣብ መወዳእታ ኸም ብሓድሽ ትሓስቡለይ ብምህላውኩም፡ ብዙሕ እሕጐስ እየ። ብዛዕባይ ትሓስቡ እኳ እንተ ነበርኩም፡ ነዚ ኸተርእዩ ግና ኣጋጣሚ ኣይነበረኩምን። 11 ኣነስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘለኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ። 12 ዋሕድን ብዝሕን እፈልጥ እየ። ኣብ ኵሉን ብዅሉ ዅነታትን ናይ ጽጋብን ጥሜትን፡ ናይ ርኽበትን ስእነትን ምስጢር እፈልጥ እየ። 13 በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ። 14 መኻፍልቲ ጸበባይ ብምዃንኩም ግና፡ ጽቡቕ ኢኹም ጌርኩም። 15 ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ብስራት ድሕሪ ምፍላጥኩም፡ ኣነ ኻብ መቄዶንያ ምስ ነቐልኩ፡ ኣብ ምሃብን ምቕባልን፡ ብዘይካ ንስኻትኩም በይንኹም፡ ሓንቲ ጉባኤ እኳ ምሳይ ከም ዘይሓበረት ትፈልጡ ኢኹም፣ 16 ምኽንያቱ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እውን፡ ሓደ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክልተ ሳዕ ዜድልየኒ ሰዲድኩምለይ ኢኹም። 17 ኣነስ እቲ ፍረ ብዝያዳ ምእንቲ ኺጽብጸበልኩም ደልየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን። 18 ግናኸ፡ ዜድልየኒ ዘበለ ዅሉ ኣሎኒ፡ ምስ ትርፉ እውን ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኽኩምለይ ምዑዝ ሽታ፡ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ፡ ካብ ኤጳፍሮዲጦስ ብምቕባለይ፡ ዚጐድለኒ የብለይን። 19 ኣምላኸይ ከኣ ከም መጠን እቲ ኽቡር ሃብቱ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ ዜድልየኩም ዘበለ ዅሉ ኺምልኣልኩም እዩ። 20 ንኣምላኽናን ኣቦናን ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 21 ንዅሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም ቅዱሳት ሰላም በሉለይ። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት እውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22 ኵሎም እቶም ቅዱሳት፡ ምናዳ ኸኣ እቶም ካብ ቤተ ሰብ ቄሳር ዘበሉ፡ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 23 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን።