ንኻልኦት ኣኽብሩ
‘ንሓድሕድኩም ብምክብባር ተቐዳደሙ።’—ሮሜ 12:10
1, 2. (ሀ) ትሕትና ንምርኣይ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ነታ “ክብሪ” እትብል ቃል ብኸመይ ኢዩ ዝጥቀመላ: ክብሪ ምርኣይ ዝቐለሉኸ ንመን ኢዩ፧
እዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ነቲ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ” ዝብል ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምኽሪ ኣጕሊሓትልና ኢያ። (1 ጴጥሮስ 5:5) ሓደ ካብቲ ትሕትና ክንዕጠቐሉ እንኽእል መገዲ ንኻልኦት ብምኽባር ኢዩ።
2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ክብሪ” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንኻልኦት ሰባት ክንህቦም ዝግብኣና ግምትን ሓልዮትን ኢያ እተመልክት። ንኻልኦት ሰባት ከነኽብሮም እንኽእል ሕያውነት ብምርኣይ: ኣረኣእይኦም ብምስማዕ: ነቲ ዝሓቱና ምኽንያታዊ ነገራት ንምፍጻም ድሉዋት ብምዃን ኢዩ። እቶም ትሑታት ብዙሕ ግዜ ነዚ ነገራት እዚ ምግባር ኣይከብዶምን ኢዩ። እቶም ዕቡይ ልቢ ዘለዎም ግን ናይ ሓቂ ክብሪ ከርእዩ ይኸብዶም ይኸውን: ናይ ሻሕራ ቃላት ብምዝራብ ድማ ደገፍ ወይ ጥቕሚ ክረኽቡ ይፍትኑ ይዀኑ።
የሆዋ ንሰባት የኽብር ኢዩ
3, 4. የሆዋ ንኣብርሃም ክብሪ ዘርኣዮ ብኸመይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧
3 ክብሪ ናይ ምርኣይ ኣብነት ዝዀነና የሆዋ ባዕሉ ኢዩ። ንሰባት ናጻ ድሌት ዘለዎም ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም: ከም ሮቦት ገይሩ ድማ ኣይርእዮምን ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:16) ንኣብነት: ሶዶም ብምኽንያት ከቢድ ሓጢኣታ ከም እትጠፍእ ንኣብርሃም ክነግሮ ከሎ: ኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ሓተቶ:- “ነቲ ጻድቕከ ምስቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ፧ ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ እዮም እሞ: ተጥፍኦምዶ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፧” የሆዋ ድማ ምእንቲ እቶም 50 ጻድቃን ነታ ከተማ ከም ዝንሕፋ መለሰሉ። ኣብርሃም ብትሕትና ምልማን ቀጸለ። እቶም ኣብኣ ዘለዉ ጻድቃን 45፣ 40፣ 30፣ 20፣ 10 ምስ ዝዀኑኸ፧ የሆዋ ድማ ዓሰርተ ጻድቃን እንተድኣ ተረኺቦም ንሶዶም ከም ዘየጥፍኣ ኣረጋገጸሉ።—ዘፍጥረት 18:20-33
4 የሆዋ ኣብ ሶዶም ዓሰርተ ጻድቃን እውን ከም ዘየለዉ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን ናይ ኣብርሃም ኣረኣእያ ብምስምዑን ምስኡ ብምዝርራቡን ንኣብርሃም ከም ዘኽብሮ ኣርእዩ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝገበረ፧ ምኽንያቱ ኣብርሃም ‘ብእግዚኣብሄር ኣመነ: ንሱ ድማ ንጽድቂ ቖጸረሉ።’ ኣብርሃም “ፍቁር ኣምላኽውን” ተባሂሉ ኢዩ። (ዘፍጥረት 15:6፣ ያእቆብ 2:23) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብርሃም ንኻልኦት ከም ዘኽብር የሆዋ ተዓዚብዎ ኢዩ። ኣብ መንጎ ጓሶቱን ጓሶት ወዲ ሓዉ ሎጥን ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ: ሎጥ መጀመርታ ክመርጽ ብምፍቃዱ ኣብርሃም ንሎጥ ኣኽቢርዎ ኢዩ። ሎጥ ነቲ ዝበለጸ ኰይኑ እተራእዮ መሬት መረጸ: ኣብርሃም ድማ ናብ ካልእ ከደ።—ዘፍጥረት 13:5-11
5. የሆዋ ንሎጥ ዘኽበሮ ብኸመይ ኢዩ፧
5 ብተመሳሳሊ: የሆዋ ነቲ ጻድቕ ዝነበረ ሎጥ ኣኽቢርዎ ኢዩ። ሶዶም ቅድሚ ምጥፍኣ: ናብ ኣኽራን ንኽሃድም የሆዋ ንሎጥ ነጊርዎ ነበረ። ይኹን እምበር: ሎጥ ኣብኡ ክኸይድ ከም ዘይደሊ: ዞኣር ካብተን ዝጠፍኣ ከተማታት እኳ እንተ ነበረት ቀረባ ብምዃና ናብኣ ምህዳም ከም ዝመርጽ ንየሆዋ ነገሮ። የሆዋ ድማ ንሎጥ “ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ኸይግልብጣስ: እንሆ: በዚ ነገርዚውን ሕራይ ኢለካ እየ” በሎ። የሆዋ ነቲ ሎጥ ዝሓተቶ ብምፍጻም ነዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ከም ዘኽበሮ ኣርኣየ።—ዘፍጥረት 19:15-22፣ 2 ጴጥሮስ 2:6-9
6. የሆዋ ንሙሴ ዘኽበሮ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ንህዝቢ የሆዋ ካብ ባርነት መሪሑ ምእንቲ ከውጽኦምን ፈርኦን ንኽሰዶም ምእንቲ ክዛረቦን የሆዋ ንሙሴ ናብ ግብጺ ክምለስ ለኣኾ። እንተዀነ ግን ሙሴ “ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን” በለ። የሆዋ ድማ “ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ: እቲ እትዛረቦ ኽምህረካ እየ” በሎ። ሙሴ ግን ሰጋእ መጋእ በለ። ሽዑ ድማ የሆዋ ንኣሮን ሓዉ ኣፈኛ ክዀኖ ምስኡ ብምስዳድ ንሙሴ ከም ዝድግፎ ኣረጋገጸሉ።—ዘጸኣት 4:10-16
7. የሆዋ ንኻልኦት ከኽብር ፍቓደኛ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ኣብ ኵሉ እዚ ኵነታት እዚ የሆዋ ንኻልኦት ብፍላይ ድማ ነቶም ዘገልግልዎ ከኽብር ፍቓደኛ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። እቲ ዝሓትዎ ዝነበሩ ካብቲ ንሱ መጀመርታ ዝሓሰቦ እተፈልየ እኳ እንተ ዀነ: ንዕላምኡ ዘይግህስ ክሳዕ ዝዀነ ንሕትኦም ይሰምዖን ይትግብሮን ነበረ።
የሱስ ንኻልኦት ኣኽቢሩ ኢዩ
8. የሱስ ንሓንቲ ኣጸቢቓ ሓሚማ ዝነበረት ሰበይቲ ዘኽበራ ብኸመይ ኢዩ፧
8 የሱስ ንኻልኦት ኣብ ምኽባር ንየሆዋ ቀዲሕዎ ኢዩ። ሓደ ግዜ ኣብ ማእከል እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ን12 ዓመታት ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ነበረት። ሓካይም ከሕውይዋ ኣይከኣሉን። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ከም ዘይንጽህቲ ኢያ ትርአ ነይራ: ምስቲ ህዝቢ ክትሕወስ እውን ግቡእ ኣይነበረን። ብድሕሪ የሱስ መጸት: ክዳኑ ተንኪፋ ድማ ሓወየት። የሱስ በቲ ዝገበረቶ ብምግናሕ ኣብ ዝርዝር ናይቲ ሕጊ ኣየኽረረን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው “ጓለየ: እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ: ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ” ብምባል ኣኽበራ።—ማርቆስ 5:25-34፣ ዘሌዋውያን 15:25-27
9. የሱስ ንሓንቲ ካብ ኣህዛብ ዝዀነት ሰበይቲ ዘኽበራ ብኸመይ ኢዩ፧
9 ካልእ ግዜ ድማ ሓንቲ ፊንቄ ዝዓዳ ሰበይቲ ንየሱስ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት: ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ: ምሐረኒ” በለቶ። የሱስ ናብ ህዝቢ እስራኤል እምበር ናብ ኣህዛብ ከም ዘይተላእከ ስለ ዝፈልጥ “እንጌራ ውሉድ [እስራኤል] ኣልዒልካ ነኽላባት [“ነኽላባት ገዛ:” NW ] [ኣህዛብ] ምሃብ ኣይግባእን እዩ” በላ። እታ ሰበይቲ “ኣኽላባት [“ኣኽላባት ገዛ:” NW ] ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለቶ። ብድሕርዚ የሱስ “ኣቲ ሰበይቲ: እምነትኪ ዓባይ ኢያ: ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ” ብምባል መለሰላ። ጓላ እውን ሓወየት። የሱስ ነዛ ካብ ኣህዛብ ዝነበረት ሰበይቲ ብምኽንያት እምነታ ኣኽበራ። ኣብ ክንዲ ኣኽላባት ጽርግያ ዝብል “ኣኽላባት ገዛ” (NW ) ምባሉ ነቲ ነገር ከም ዝልስልስ ዝገብርን ነቲ ዝነበሮ ድንጋጽ ዘመልክትን ኢዩ።—ማቴዎስ 15:21-28
10. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ጽቡቕ ትምህርቲ ኢዩ ዝማሃሮም: እዚ ኣድላዪ ዝነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እቲ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ስለ ዘየጥፍእዎ: ብዛዕባ ኣድላይነት ትሑት ምዃንን ንኻልኦት ምኽባርን ብቐጻሊ ኢዩ ዝምህሮም ነይሩ። ሓደ ግዜ ክከራኸሩ ድሕሪ ምጽንሖም የሱስ “እትዛራረቡሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “ንሓድሕዶም: መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሀሉ ነበሩ” እሞ ኣጽቀጡ። (ማርቆስ 9:33, 34) ኣብታ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ለይቲ እውን እንተዀነ ‘መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዝርኤ: ኣብ ማእከሎም ክርክር’ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 22:24) ስለዚ ድማ ኣብቲ በዓል ፋስጋ ዘብዓሉሉ ምሸት የሱስ ‘ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ: ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሐጽብ’ ጀመረ። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ትምህርቲ ኰን ኢዩ! የሱስ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ: ኣብ ብዘሎ ኣድማስ ከኣ ብዘይካ የሆዋ ካብኡ ዝዓቢ ዋላ ሓደ የለን። ይኹን እምበር: ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ብምሕጻብ ጽቡቕ ትምህርቲ ኢዩ ኣመሓላሊፉሎም። “ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” በሎም።—ዮሃንስ 13:5-15
ጳውሎስ ንኻልኦት ኣኽበረ
11, 12. ጳውሎስ ክርስትያን ምስ ኰነ እንታይ ኢዩ እተማህረ: ነዚ ትምህርቲ እዚኸ ኣብ ፊልሞን ብኸመይ ኣብ ተግባር ኣውዓሎ፧
11 ከም ሰዓቢ ክርስቶስ መጠን ሃዋርያ ጳውሎስ ንኻልኦት ኣኽቢሩ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:1) ከምዚ ድማ በለ:- “ካብ ሰብሲ ኽብሪ ኣይደሌናን። ኣብ ማእከልኩምሲ: ከምታ ውሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ: ርሕሩሓት ነበርና።” (1 ተሰሎንቄ 2:6, 7) ሓንቲ መጥበዊት ንውሉዳታ ትግደሰሎም ኢያ። ጳውሎስ ክርስትያን ምስ ኰነ ትሑት ክኸውን ተማሂሩ: ንክርስትያናት ብጾቱ ሕያውነት ብምርኣይ ድማ ኣኽቢርዎም ኢዩ። ኣብ ሮሜ እሱር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝዀነ ሓደ ፍጻመ ከም ዝሕብሮ ኸኣ: ክሓልየሎም ከሎ ነቲ ዝነበሮም ናጻ ድሌት እውን የኽብሮ ነይሩ ኢዩ።
12 ሓደ ኦኔሲሞስ እተባህለ ካብ ጐይትኡ ዝሃደመ ባርያ: ነቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ ዝነበረ ትምህርቲ ሰምዐ እሞ ክርስትያን ኰነ ምስ ጳውሎስ ድማ ተዓራረኸ። ጐይታ እቲ ባርያ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነብር ፊልሞን እተባህለ ክርስትያን ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ኣብታ ናብ ፊልሞን ዝሰደዳ ደብዳበ ኦኔሲሞስ ኣዝዩ ይጠቕሞ ከም ዘሎ ብምግላጽ “ንርእሰይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ” ኢሉ ጸሓፈ። ይኹን እምበር ጳውሎስ ንኦኔሲሞስ ናብ ፊልሞን ሰዲድዎ ኢዩ: ከመይሲ “እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር: ከም ብግዲ ምእንቲ ኸይከውን: ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይፈቶኹን” ኢሉ ጽሒፉሉ ኢዩ። ጳውሎስ ሃዋርያ ብምንባሩ ነቲ ኣጋጣሚ ክብለጸሉ ኣይደለየን: ንኦኔሲሞስ ኣብ ሮሜ ምስኡ ምእንቲ ከትርፎ ኢሉ ብዘይ ምሕታቱ ንፊልሞን ከም ዘኽብሮ ኣርእዩ ኢዩ። ብተወሳኺ እውን ጳውሎስ ንኦኔሲሞስ ‘ኻብ ባርያ ዝበለጸ: ከም ፍቁር ሓው’ ርኣዮ ብምባሉ ፊልሞን ንኦኔሲሞስ ምእንቲ ከኽብሮ ኣተባቢዕዎ ኢዩ።—ፊልሞን 13-16
ክብሪ ምርኣይ ኣብዚ ግዜና
13. ሮሜ 12:10 እንታይ ክንገብር ኢያ ትነግረና፧
13 ቃል ኣምላኽ ‘ንሓድሕድኩም ብምክብባር ተቐዳደሙ’ ብምባል ይመክር። (ሮሜ 12:10) እዚ ማለት ድማ ቅድም ካልኦት ከኽብሩና ክንጽበ የብልናን: ኣብ ክንድኡስ ንኸነኽብሮም ባዕልና ተበግሶ ክንወስድ ይግብኣና። “ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።” (1 ቈረንቶስ 10:24፣ 1 ጴጥሮስ 3:8, 9) ስለዚ ድማ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኣባላት ስድራቤቶም: ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ክርስትያናት ብጾቶም: ካብ ጉባኤ ወጻኢ ንዘለዉ ሰባት እውን ከይተረፈ ክብሪ ዘርእዩሉ ኣጋጣሚ ኢዮም ዝደልዩ።
14. ሰብኣይን ሰበይትን ብኸመይ ክከባበሩ ይኽእሉ፧
14 መጽሓፍ ቅዱስ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ: ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ” ኢዩ ይብል። (1 ቈረንቶስ 11:3) ሰብኣይ ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ኣብ ማሕበሩ ዘለዎ ኣረኣእያ ገይሩ ንሰበይቱ ክርእያ የሆዋ ይእዝዝ ኢዩ። ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:7 ሰብኣይ ንሰበይቱ ‘ከም ድኽምቲ ፍጥረት ገይሩ ከኽብራ’ መምርሒ ተዋሂብዎ ኢዩ። ነዚ ክገብሮ ዝኽእል ድማ ብቕንዕና ብምስማዕን ነቲ በዓልቲ ቤቱ እትህቦ ሓሳባት ኣብ ግምት ብምእታውን ኢዩ። (ዘፍጥረት 21:12) ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ዘይጋጮ ኣጋጣሚታት ንምርጫታታ ቀዳምነት ክህብ: ክሕግዛ: ብሕያውነት ክርእያ ይኽእል ኢዩ። “እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ።” (ኤፌሶን 5:33) ነቲ ዝብላ እትሰምዕ: ኵሉ ግዜ ድማ ከምቲ ንሳ ትደልዮ ክኸውን ዘይትጽዕር: ዘይተናእሶ ወይ ምኒን ዘይትብል ክትከውን ይግባእ። ብገለ ገለ መዳያት ካብ ሰብኣያ ዝበልጽ ክእለታት ምስ ዝህልዋ እውን ከይተረፈ ንሰብኣያ ክትዕብልሎ ብዘይምፍታና ትሕትና ተርኢ።
15. ንኣረጋውያን እንታይ ሓልዮት ኢዩ ዝግበረሎም: ንሶምከ ብኸመይ ኢዮም መልሰ-ግብሪ ዘርእዩ፧
15 ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከም ኣረጋውያን ዝኣመሰሉ ፍሉይ ክብሪ ዝግብኦም ሰባት ኣለዉ። “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ: ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር።” (ዘሌዋውያን 19:32) እዚ ብፍላይ ነቶም ንየሆዋ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገልዎ ሰባት ዝግባእ ኢዩ: ምኽንያቱ “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ።” (ምሳሌ 16:31) ሽማግለታት ነቶም ካብኦም ዝዓብዩ ክርስትያናት ብጾቶም ልዑል ግምት ብምሃብ ኣብነት ክዀኑ ኣለዎም። ርግጽ ኢዩ: እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እውን ነቶም ካብኦም ዝንእሱ ብፍላይ ነቶም ናይ ጕስነት ሓላፍነት ዘለዎም ግቡእ ክብሪ ከርእዩ ኣለዎም።—1 ጴጥሮስ 5:2, 3
16. ወለድን ውሉዳትን ብኸመይ ኢዮም ዝከባበሩ፧
16 ቈልዑ ድማ “ኣቱም ውሉድ: እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ: ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር: ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ: እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ” ስለ እተባህለሎም ንወለዶም ከኽብሩ ኣለዎም። እቶም ወለዲ እውን ብግዲኦም ንደቆም የኽብርዎም ኢዮም: ከመይሲ “ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ተባሂሎም ኣለዉ።—ኤፌሶን 6:1-4፣ ዘጸኣት 20:12
17. እቶም “ዕጽፊ ኽብሪ” ዝግብኦም መን ኢዮም፧
17 እቶም ኣብ ጉባኤ ንምግልጋል ኣበርቲዖም ዝጽዕሩ እውን ክብሪ ይግብኦም ኢዩ። “ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽምግሌታት: ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ: ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:17) ከነኽብሮም እንኽእለሉ ሓደ መገዲ ነቲ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን” ዝብል ኣብ እብራውያን 13:17 ዘሎ ኣብ ተግባር ብምውዓል ኢዩ።
18. ነቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ብኸመይ ኢና ክብሪ እነርእዮም፧
18 ነቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ከነኽብር ይግብኣናዶ ኢዩ፧ እወ: ይግብኣና ኢዩ። ንኣብነት “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ” ዝብል መምርሒ ተዋሂብና ኢና። (ሮሜ 13:1) እዚኣቶም እቶም መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትትክኦም ኣምላኽ ክቕጽሉ ዘፍቀደሎም ዓለማውያን ሰበ-ስልጣን ኢዮም። (ዳንኤል 2:44) ስለዚ ኸኣ “ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ: ተጎ ንዚግብኦ ተጎ: ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት: ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት: ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ” ኢና ንህብ። (ሮሜ 13:7) ‘ንዅሉ ሰብ ኢና እነኽብር።’—1 ጴጥሮስ 2:17
19. ንኻልኦት ‘ሰናይ ክንገብርን’ ከነኽብሮምን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
19 ነቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ እውን ከነኽብር ዝግብኣና እኳ እንተዀነ: ነቲ ቃል ኣምላኽ “ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ብምባል ዘጕልሖ ሓሳባት ኣስተብህለሉ። (ገላትያ 6:10) ርግጽ ኢዩ: ንኻልኦት ‘ሰናይ ክንገብር’ እንኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ ነቲ ብመንፈሳዊ ዘድልዮም ነገር ምዅስኳስን ምዕጋብን ኢዩ። (ማቴዎስ 5:3) ነዚ ድማ ነቲ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ መዘኻኸሪ ብምስዓብ ኢና እንገብሮ። ‘ኣገልግሎትና ብምምላእ’ ንዅሉ እቲ እንረኽቦ ኣጋጣሚታት ንምምስካር ምስ እንጥቀመሉ: ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንገብር ኣሎና ጥራይ ዘይኰነስ ነኽብሮም ኣሎና ማለት እውን ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 2:15፣ 4:5
ንየሆዋ ምኽባር
20. ንፈርኦንን ሰራዊቱን እንታይ ኣጋጠሞም: ስለምንታይከ፧
20 የሆዋ ንፍጥረታቱ የኽብሮም ኢዩ። ንሕና እውን ብግዴና ንዕኡ ከነኽብሮ ምኽንያታዊ ኢዩ። (ምሳሌ 3:9፣ ራእይ 4:11) ቃል የሆዋ “ኣነስ ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም: እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሐስሩ እዮም እሞ: እዝስ ካባይ ይርሐቕ” ይብል። (1 ሳሙኤል 2:30) ናይ ግብጺ ፈርኦን ንህዝቢ ኣምላኽ ክሰዶም ምስ ተነግሮ ብትዕቢት ‘እቲ ቓሉ ዝሰምዖ እግዚኣብሄር መን ኢዩ፧’ በለ። (ዘጸኣት 5:2) ፈርኦን ሰራዊቱ ንእስራኤላውያን ከጥፍኡዎም ምስ ሰደደ: የሆዋ ንህዝቡ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቒሉ ኣሕለፎም። እቶም ግብጻውያን ስዒቦሞም ምስ ኣተዉ ግን የሆዋ እቲ ማያት ከም ዝምለስ ገበረ። የሆዋ “ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።” (ዘጸኣት 14:26-28፣ 15:4) ስለዚ ፈርኦን ብትዕቢት ንየሆዋ ምኽባር ምእባዩ ናብ ጥፍኣት መርሖ።—መዝሙር 136:15
21. የሆዋ ኣንጻር ቤልሻጽር ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ: ሳዕቤኑኸ እንታይ ኰነ፧
21 እቲ ናይ ባቢሎን ንጉስ ዝነበረ ቤልሻጽር ንየሆዋ ምኽባር ኣበየ። ሓደ ግዜ ድግስ ገይሮም ምስ ሰኸሩ በቲ ካብ ናይ የሩሳሌም ቤት መቕደስ እተወስደ ቅዱስ ኣቝሑ ወርቅን ብሩርን ገይሩ ወይኒ ብምስታዩ ንየሆዋ ኣሕሰሮ። ከምዚ ክገብር ከሎ ድማ ነቶም ኣረማውያን ኣማልኽቱ ወደሰ። እቲ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ዳንኤል ግን “ልብኻ ኣየትሐትካን። ነቲ ጐይታ ሰማይ ርእስኻ ኣልዐልካሉ” በሎ። በታ ለይቲ እቲኣ ቤልሻጽር ተቐትለ: መንግስቱ ድማ ካብኡ ተወስደት።—ዳንኤል 5:22-31
22. (ሀ) ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እስራኤልን ህዝቦምን ዝወረደ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንመን ኢዩ ዝደገፈ: ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧
22 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ንጉስ ሄሮድስ ክዛረብ ኣብ ህዝቢ ቀረበ: ንሳቶም ድማ “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር: ድምጺ ሰብ ኣይኰነን” ኢሎም ጨደሩ። እቲ ዕቡይ ንጉስ ነዚ ኣይነጸጎን ኣብ ክንድኡስ ከኽብርዎ ደለየ። ሽዑ ኸኣ “መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀዘፎ: ሐሲኹውን ሞተ።” (ግብሪ ሃዋርያት 12:21-23) ሄሮድስ ንየሆዋ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ኢዩ ኣኽቢሩ: ተቐዚፉ ድማ ሞተ። እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ድማ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ንምቕታል ውዲት ብምእላሞም ንኣምላኽ ኣሕሲሮሞ ኢዮም። ገለ መኳንንቲ: የሱስ ሓቂ ከም ዝምህር ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም: “ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ” ግን ኣይሰዓብዎን። (ዮሃንስ 11:47-53፣ 12:42, 43) እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ንየሆዋ ወይ ነቲ ወኪሉ ዝዀነ የሱስ ኣየኽበርዎን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ የሆዋ እቶም ህዝብን ቤት መቕደሶምን ክጠፍእ ስቕ ኢሉ ብምርኣይ ካብ ምኽባሮም ኣቋረጸ። ነቶም ንዕኡን ንወዱን ዘኽብሩ ግን ኣድሓኖም።—ማቴዎስ 23:38፣ ሉቃስ 21:20-22
23. ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንምንባር እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ (መዝሙር 37:9-11፣ ማቴዎስ 5:5)
23 ኵሎም እቶም እዚ ኣገባብ እዚ ምስ ጠፍአ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት: ንኣምላኽን ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ከኽብርዎምን ክእዘዝዎምን ኣለዎም። (ዮሃንስ 5:22, 23፣ ፊልጲ 2:9-11) እቶም ከምዚ ዝበለ ክብሪ ዘየርእዩ “ካብ ምድሪ . . . ኺምንቈሱ እዮም።” በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቶም ንኣምላኽን ክርስቶስን ዘኽብሩን ዝእዘዙን ሰባት ‘ኣብ ምድሪ ኢዮም ዝተርፉ።’—ምሳሌ 2:21, 22
ንድግማ
◻ ንኻልኦት ምኽባር እንታይ ማለት ኢዩ: የሆዋኸ ነዚ ብኸመይ ይገብሮ፧
◻ የሱስን ጳውሎስን ንኻልኦት ዘኽበሩ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ኣብዚ ግዜና ክብሪ ዝግብኦም መን ኢዮም፧
◻ ንየሆዋን ንየሱስን ከነኽብሮም ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ነቲ ዝልምኖ ዝነበረ ብምስምዑ ንኣብርሃም ኣኽቢርዎ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ዕዉት ሓዳር ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ይከባበሩ