ንኣገልግሎት የሆዋ ኸተቐድም ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
“ኣፈይ ጽድቅኻን ምድሓንካን ኵሉ መዓልቲ ኼዘንቱ እዩ።”—መዝ. 71:15።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ኖህን ሙሴን ኤርምያስን ጳውሎስን ኣብ ህይወቶም ንየሆዋ ቐዳምነት ዝሃብዎ ስለምንታይ እዮም፧
ንህይወትካ ብኸመይ ክትጥቀመላ ኸም ዘሎካ ንኽትውስን እንታይ እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧
ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት ንኽትህቦ ዝወሰንካ ስለምንታይ ኢኻ፧
1, 2. (ሀ) ርእስኻ ምውፋይ እንታይ እዩ ዜምልክት፧ (ለ) ነቲ ኖህን ሙሴን ኤርምያስን ጳውሎስን ዝገበርዎ ምርጫታት ብምምርማር ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧
ርእስኻ ወፊኻ ብምጥማቕ ሰዓቢ የሱስ ኣብ እትዀነሉ እዋን፡ ኣብ ህይወትካ እቲ ዝዓበየ ውሳነ ኢኻ እትገብር። በዚ ኸምዚ ንየሆዋ፡ ‘ጐይታይ ክትከውን እየ ዝደልየካ። ኣነ ባርያኻ እየ። ንግዜይ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ፡ እንታይ ቀዳምነት ኪህብ ከም ዘለኒ፡ ከምኡውን ንኽእለተይን ንጥሪተይን ብኸመይ ኪጥቀመሉ ኸም ዘሎኒ ኽትውስነለይ እደሊ እየ’ ትብሎ ኸም ዘሎኻ እዩ ዚቝጸር።
2 ርእስኻ ዝወፈኻ ክርስትያን እንተ ደኣ ዄንካ፡ ንየሆዋ ኸምኡ ኢልካ ኢኻ ተመባጺካሉ። እዚ ቕኑዕን ጥበባውን ውሳነ ብምዃኑ፡ ክትነኣድ ይግብኣካ እዩ። ንየሆዋ ኸም ጐይታኻ ጌርካ ኻብ ተቐበልካዮ፡ ንግዜኻኸ ብኸመይ ኢኻ እትጥቀመሉ፧ ኣብነት ኖህን ሙሴን ኤርምያስን ሃዋርያ ጳውሎስን በዚ መዳይ እዚ ዅነታትና ንኽንምርምር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ነፍሲ ወከፎም ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሶም ኣገልጊሎምዎ እዮም። ኵነታትና እውን ምስ ኵነታቶም ይመሳሰል እዩ። ንኣምልኾ የሆዋ ቐዳምነት ብምሃብ ዝገበርዎ ውሳነታት፡ ንግዜና ብኸመይ ንጥቀመሉ ኸም ዘለና ንኽንምርምር ኬተባብዓና ይኽእል እዩ።—ማቴ. 28:19, 20፣ 2 ጢሞ. 3:1።
ቅድሚ ማይ ኣይሂ
3. ግዜና ምስ ግዜ ኖህ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
3 የሱስ ግዜ ኖህን ግዜናን ዚመሳሰለሉ ዅነታት ሓቢሩ ኣሎ። ንሱ፡ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ” በለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት፡ “ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።” (ማቴ. 24:37-39) ሎሚ እውን መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚህብዎም መጠንቀቕታታት ኣየቕልቡሉን እዮም። ኣብ ህጹጽ ግዜ ንነብር ምህላውና ኣየገድሶምን እዩ። አረ መብዛሕትኦምሲ፡ ልክዕ ከምቲ እቶም ብዘመን ኖህ ዝነበሩ ሰባት ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ኢዱ ኼእቱ ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳባት የላግጹሉ እዮም። (2 ጴጥ. 3:3-7) ይኹን እምበር፡ ኖህ፡ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት እኳ እንተ ዘይሰምዕዎ፡ ንግዜኡ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሉ፧
4. ኖህ ካብ የሆዋ መዝነት ምስ ተቐበለ ንግዜኡ ብኸመይ ተጠቕመሉ፧ ስለምንታይከ፧
4 ኣምላኽ ንዅሎም እኩያት ኬጥፍኦም ምዃኑ፡ ንኖህ ነገሮ፡ ፍሉይ መዝነት ድማ ሃቦ። ኖህ ከኣ ሰባትን እንስሳታትን እተድሕን መርከብ ሰርሐ። (ዘፍ. 6:13, 14, 22) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኺወርድ ዝነበሮ ፍርዲ የሆዋ ኣዊጁ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” ኢሉ ሰምይዎ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኖህ ንጐረባብቱ ንርዝነት እቲ ዅነታት ኬረድኦም ይጽዕር ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:5 ኣንብብ።) ኖህን ስድራ ቤቱን ንግዶም ንኼማዕብሉ፡ ነቶም ኣብ ግዜኦም ዝነበሩ ሰባት ንኪቕድምዎም፡ ወይ ከኣ ምሾት ዘለዎ ናብራ ንኺነብሩ እንተ ዚጽዕሩዶ ኣይምሓሸን ነይሩ፧ ፈጺሙ ኣይምሓሸን! እንታይ ከም ዚመጽእ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ኻብ ዕዮኦም ኪዓናቕፎም ዚኽእል ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣወጊዶምዎ እዮም።
ሓደ ግብጻዊ መስፍን ዝገበሮ ምርጫ
5, 6. (ሀ) እቲ ሙሴ ዝቐሰሞ ትምህርቲ ንምንታይ እዩ ዜዳልዎ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ለ) ሙሴ ነቲ ኣብ ግብጺ ተኸፊቱሉ ዝነበረ ኣጋጣሚታት ዝራሕርሖ ስለምንታይ እዩ፧
5 ቀጺልና፡ ኣብነት ሙሴ ንርአ። ሙሴ ኣብ ቤተ መንግስቲ ግብጺ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ኰይኑ እዩ ዓብዩ። ከም ወዲ ነገስታት መጠን ድማ፡ “ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ።” (ግብ. 7:22፣ ዘጸ. 2:9, 10) እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፈርኦን ንዚወሃቦ ዕዮ ዜዳልዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብታ ሽዑ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት መንግስቲ ግብጺ ምርኡይ ኪኸውን ምኸኣለ ነይሩ። ምሾትን መሰላትን ተድላን እውን ምረኸበ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ድዩ ባህ ኪብሎ ዚደሊ ነይሩ፧
6 ሙሴ ኣብ ግዜ ቝልዕነቱ ኻብቶም ዝወለድዎ ወለዱ ስልጠና ይረክብ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ኣባሓጐታቱ ዝዀኑ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እተማባጽዓሎም ነገራት ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ መብጽዓታት ይኣምን ነይሩ እዩ። ብዛዕባ መጻኢኡን ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነትን ተጠንቂቑ ሓሲቡሉ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ግብጻዊ መስፍን ወይ እስራኤላዊ ባርያ ኪኸውን ዝመርጸሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ እንታይ መረጸ፧ “ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ።” (እብራውያን 11:24-26 ኣንብብ።) ጸኒሑ ኸኣ፡ ነቲ የሆዋ ንህይወቱ ብኸመይ ኪጥቀመላ ኸም ዘለዎ ዝሃቦ መምርሒ ሰዓቦ። (ዘጸ. 3:2, 6-10) ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ይኣምን ስለ ዝነበረ እዩ። ኣብ ግብጺ ዜተኣማምን መጻኢ ኸም ዘይህልዎ ይፈልጥ ነበረ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እታ ሃገር እቲኣ ኻብ ኣምላኽ ብዝወረደ ዓሰርተ መዓት ተቐጺዓ እያ። ሎሚ፡ ርእስና ዝወፈና ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብዚ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ኣብ ሞያ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ተድላ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ክንዲ እነተኵር፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ኣገልግሎቱን ከነተኵር ኣሎና።
ኤርምያስ እንታይ ከም ዚመጽእ ይፈልጥ ነበረ
7. ኵነታት ኤርምያስ ምስ ኵነታትና ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
7 ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት ዝሃበ ኻልእ ሰብ ከኣ፡ ነብዪ ኤርምያስ እዩ። የሆዋ ንኤርምያስ ነብዪኡ ኪኸውን ብምምራጽ፡ ነተን ከሓድቲ ዝዀና የሩሳሌምን ይሁዳን መልእኽቲ ፍርዲ ኺእውጀለን መዘዞ። ኤርምያስ፡ “ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት” እዩ ዚነብር ነይሩ። (ኤር. 23:19, 20) እቲ ዚነብረሉ ዝነበረ ስርዓት ከም ቀደሙ ኸም ዘይቅጽል ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
8, 9. (ሀ) ባሩኽ ኣተሓሳስባኡ ኼዕሪ ዜድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መደባት ከነውጽእ ከለና፡ ኣብ ኣእምሮና እንታይ ኢና ኽንሕዝ ዘሎና፧
8 ኤርምያስ እቲ ስርዓት እቲ ኸም ዚጠፍእ ይኣምን ብምንባሩ፡ እንታይ ንኺገብር እዩ ዘይተደረኸ፧ ኣብቲ ዚጠፍእ ስርዓት ንመጻኢ ዝዀኖ መደባት ኬውጽእ ኣይፈተነን። ከምኡ እንተ ዚገብር ነይሩ፡ ከም ዕሽነት ምተቘጽረ። እቲ ጸሓፊኡ ዝነበረ ባሩክ ግና፡ ካብቲ ናቱ እተፈልየ ኣመለኻኽታ ነበሮ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንኤርምያስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ንባሩኽ ኪእርሞ ነገሮ፦ “እንሆ፡ ነቲ ዝሰራሕክዎ ኤፍርሶ፡ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸኣ እምንቍሶ አሎኹ፡ እዚውን ኣብ ኵላ እታ ሃገር ክገብሮ እየ። ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ። እንሆ፡ መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዅሉ ኸውርድ እየ። ነፍስኻ ግና ኣብ እትኸዶ ዅሉ ቦታ ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ።”—ኤር. 45:4, 5።
9 ባሩኽ ንርእሱ እንታይ “ዓብዪ ነገር” ይደሊ ኸም ዝነበረ ርግጸኛታት ኴንና ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና።a ነባሪ ዘይኰነ ነገራት፡ ማለት እቲ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ኪስዕርዋ ኸለዉ ዝጠፍአ ነገራት ምዃኑ ግና ንፈልጥ ኢና። እዚ ንዓና እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፈልና፧ ንህይወት ዜድሊ ነገራት ንኽንረክብ፡ ንመጻኢ ዝዀነና መደባት ከነውጽእ ኣሎና። (ምሳ. 6:6-11) ይኹን እምበር፡ ነባሪ ንዘይኰነ ነገራት ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ከነጥፍኣሉስ ጥበባዊ ድዩ፧ ውድብ የሆዋ ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ህንጻታት ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ንምህናጽ ኰነ ኻልእ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክትታት ንምጅማር ዚኸውን መደባት ተውጽእ እያ። እዚ ግና፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዜደንፍዕ ብምዃኑ እተፈልየ እዩ። ኵሎም ርእሶም ዝወፈዩ ህዝቢ የሆዋ መደባት ኬውጽኡ ኸለዉ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ቀዳምነት ኪህቡ ግቡእ እዩ። እሞኸ፡ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ትደሊዶ’ ኣሎኻ፧—ማቴ. 6:33።
“ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ”
10, 11. (ሀ) ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ ምንታይ እዩ ዜተኵር ነይሩ፧ (ለ) ዕላማ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ እተቐየረ ስለምንታይ እዩ፧
10 ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ኣብነት ጳውሎስ ንርአ። ጳውሎስ ናብ ክርስትና ቕድሚ ምቕያሩ፡ ዜተኣማምን መጻኢ ዝነበሮ ይመስል ነበረ። ብሓደ ኻብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ውሩያት መምህራን ሕጊ ኣይሁድ ተማሂሩ ነይሩ እዩ። ካብ ሊቀ ኻህናት ኣይሁድ ስልጣን ተቐቢሉ ነበረ። ካብ ብዙሓት መሳቶኡ ብኣይሁድነት ሓለፍ ዝበለ ነበረ። (ግብ. 9:1, 2፣ 22:3፣ 26:10፣ ገላ. 1:13, 14) ኣይሁድ ብደረጃ ህዝቢ ብየሆዋ ኸም እተነጽጉ ምስ ፈለጠ ግና፡ ህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ተቐየረት።
11 ጳውሎስ ኣብ ስርዓት ኣይሁድ ዝነበረ ሞያ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ኸም ዘይነበሮ ተገንዘበ። ከመይሲ፡ ህዝቢ ኣይሁድ ጥፍኣት እዩ ዚጽበዮም ነይሩ። (ማቴ. 24:2) እዚ ቐደም ፈሪሳዊ ዝነበረ ሰብ፡ ነቲ ኣገዳሲ ገይሩ ዝሓስቦ ዝነበረ ነገራት ምስቲ ደሓር ዝረኸቦ ሓድሽ ፍልጠት፡ ማለት ምስ ዕላማ ኣምላኽን ምስቲ ኽቡር መሰል ክርስትያናዊ ኣገልግሎትን ብምንጽጻር፡ “ከም ጐሓፍ” ገይሩ ቘጸሮ። ንዅሉ እቲ ኣብ ኣይሁድነት ዚስዕቦ ዝነበረ ንጥፈታቱ ኣቋሪጹ ኸኣ ነቲ ዝተረፈ ዓመታት ምድራዊ ህይወቱ ብስራት ንምስባኽ ተጠቕመሉ።—ፊልጲ 3:4-8, 15 ኣንብብ፣ ግብ. 9:15።
ነቲ ቐዳምነት እትህቦ ነገራት መርምሮ
12. የሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ ኣብ ምንታይ እዩ ዜተኵር ነይሩ፧
12 ኖህን ሙሴን ኤርምያስን ጳውሎስን ሓያሎ ኻልኦትን ንመብዛሕትኡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት እዮም ኣሕሊፎምዎ። ንዓና ኸኣ ሰናይ ኣብነት እዮም ዚዀኑና። ካብ ኵሎም ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓለፍ ዝበለ ግና፡ የሱስ እዩ። (1 ጴጥ. 2:21) የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ነቲ ዝተረፈ ዓመታት ምድራዊ ህይወቱ ብስራት ንምስባኽን ንየሆዋ ንምኽባርን ተጠቕመሉ። ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን፡ የሆዋ ጐይታኡ ኸም ዝዀነ ዚግንዘብ እንተ ዀይኑ፡ ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ኪህቦ ይግባእ። ንስኻኸ ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት ትህቦ ዲኻ፧ ነቲ ዜድሊ ስጋዊ ንጥፈታትካ እናገበርካ ንቲኦክራስያዊ ሸቶታትካ ኽትስዕብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧—መዝሙር 71:15፣ 145:2 ኣንብብ።
13, 14. (ሀ) ኵሎም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ብዛዕባ እንታይ ኪምርምሩ እዮም ተተባቢዖም፧ (ለ) ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ዕግበት እዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ፧
13 ውድብ የሆዋ ንክርስትያናት፡ ፈለምቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ብጸሎት ኵነታቶም ኪምርምሩ ብተደጋጋሚ ኼተባብዖም ጸኒሑ እዩ። ንገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ዕዮ ስብከት ኣብ ወርሒ ብገምጋም 70 ሰዓታት ኬሕልፉ ዅነታቶም ኣይፈቕደሎምን እዩ። እዚ ሕማቕ ስምዒት ኪፈጥረሎም የብሉን። (1 ጢሞ. 5:8) ንዓኻኸ፧ ፈላምነት ብሓቂዶ ኻብ ዓቕምኻ ንላዕሊ እዩ፧
14 ነቲ ሓያሎ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ እዛ ዓመት እዚኣ ዘሕለፍዎ ሓጐስ እሞ ሕሰበሉ። ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ንኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብምርጫኦም፡ ማለት ኣብ ኣገልግሎት 30 ወይ 50 ሰዓታት ብምሕላፍ ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ዜኽእሎም ፍሉይ መሰናድዎ ተገብረሎም። (መዝ. 110:3) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም፣ ጉባኤታት ከኣ ፍሉይ ሓጐስ ኣንጸባሪቐን እየን። ንስኻኸ ንሓያሎ ኣዋርሕ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምእንቲ ኸተገልግል መደባትካ ኸተተዓራሪ ምኸኣልካዶ፧ ሓደ እተጠምቀ ክርስትያን ፈላሚ ዀይኑ ምስ ዜገልግል፡ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብዙሕ ዕግበት ስለ ዚረክብ፡ “የሆዋ፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ዝከኣለኒ ገይረ እየ” ኺብል ይኽእል እዩ።
15. ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ብዛዕባ ዓለማዊ ትምህርቲ እንታይ ዕላማ እዩ ኺህልዎ ዘለዎ፧
15 ትምህርቲ ኽትውድእ ዝቐረብካ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ምሉእ ጥዕና ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ብዙሕ ሓላፍነት ድማ ዘይብልካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እሞኸ፡ ስሩዕ ፈላሚ ንኽትከውን ኣርዚንካ ሓሲብካሉዶ፧ ኣማኸርቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንመጻኢኻ ጽቡቕ መደብ ንኺህልወካ ዝለዓለ ትምህርቲ ኻብ ምክትታል ዚበልጽ ነገር ከም ዘየለ እዮም ዚኣምኑ። ነባሪ ኣብ ዘይኰነ ነገራት፡ ማለት ኣብ ውድባት ደቂ ሰብን ኣብ ገንዘብን ድማ እዮም ዚውከሉ። ንስኻ ግና፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት እንተ ተጸሚድካ፡ ንግዜኻ ብግቡእ ኢኻ እትጥቀመሉ፡ ነባሪ መጻኢ ኸኣ ይህልወካ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ፍጹም ዝዀነ ኣብነት የሱስ ትስዕብ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበባዊ ውሳነ ሕጉስ ከም እትኸውን እዩ ዚገብረካ። ኬዕቝበካ ድማ እዩ። ብዘይካዚ፡ ምስቲ ርእስኻ ወፊኻ ንየሆዋ ንኸተገልግል ዝኣተኻዮ መብጽዓ ተሰማሚዕካ ኽትነብር ከም ዝቘረጽካ ዜርኢ እዩ።—ማቴ. 6:19-21፣ 1 ጢሞ. 6:9-12።
16, 17. ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕን ካልእ ሸቶታትን እንታይ ሕቶታት እዩ ዚለዓል፧
16 ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንስድራ ቤቶም ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ንኺምእርሩ ብዙሕ ሰዓታት ይሰርሑ እዮም። ኰይኑ ግና ገሊኣቶም ካብቲ ዜድልዮም ንላዕሊ ይሰርሑ ይዀኑ። (1 ጢሞ. 6:8) ዓለም ንዅሉ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዝቐረበ ሓደስቲ ነገራት እንተ ዘይዓዲግና ኽንነብር ከም ዘይንኽእል ከተእምነና እያ እትጽዕር። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግና እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ነቲ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ኪህብዎ ዘለዎም ነገራት ክትውስነሎም ኣይደልዩን እዮም። (1 ዮሃ. 2:15-17) እቶም ካብ ዓለማዊ ስራሕ ጥሮታ ዝወጹ ሰባትከ፧ ንሳቶም እውን ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት ብምሃብ ፈለምቲ ዀይኖም ብምግልጋል እዮም ንግዜኦም ብግቡእ ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ።
17 ኵሎም እቶም ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሎም ንርእሶም ኪውከስዋ ይኽእሉ እዮም፦ ኣብ ህይወተይ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ እንታይ እዩ፧ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ድየ ዘቐድም ዘለኹ፧ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ አርኢ ድየ፧ ነቲ የሱስ ወትሩ ንኽንስዕቦ ዝሃበና ምኽሪኸ እእዘዞ ድየ፧ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኸሕልፍ፡ መደባተይ አተዓራሪ ድየ፧ ኵነታተይ ንግዜኡ ኣገልግሎተይ ንምስፋሕ ዘይፈቕደለይ እኳ እንተ ዀነ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ አማዕብልዶ ኣለኹ፧
“ድሌትን ግብርን”
18, 19. ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትጽሊ እትኽእል፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ንየሆዋ ዜሐጕሶኸ ስለምንታይ እዩ፧
18 እቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜርእይዎ ቕንኢ፡ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። ይኹን እምበር፡ ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ፡ ኵነታቶም እኳ ዚፈቕደሎም እንተ ዀነ፡ ፈለምቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ ወይ ብቕዓት ዘለዎም ኰይኑ ኣይስምዖምን እዩ። (ዘጸ. 4:10፣ ኤር. 1:6) ንስኻኸ ኸምዚ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ብዛዕባ እዚ ናብ የሆዋ ዘይትጽሊ፧ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ” ብምባል፡ የሆዋ ኺሕግዘና ኸም ዚደሊ ሓበሮም። (ፊል. 2:13) ንስኻ እውን ኣገልግሎትካ ንኸተስፍሕ ባህጊ ዘይብልካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ የሆዋ ባህጊ ኼሕድረልካ፡ ክእለት ድማ ኪህበካ ለምኖ።—2 ጴጥ. 3:9, 11።
19 ኖህን ሙሴን ኤርምያስን ጳውሎስን የሱስን ውፉያት እዮም ነይሮም። ንግዜኦምን ንጕልበቶምን ነቲ መጠንቀቕታ ዝሓዘ መልእኽቲ የሆዋ ንምእዋጅ እዮም ተጠቒሞምሉ። ብዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ዕዮኦም ኪተዓናቐፉ ኣይፈቐዱን። መወዳእታ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ቐሪቡ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ርእስና ንኣምላኽ ዝወፈና ዘበልና፡ ነዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶምልና ዘለዉ ብሉጻት ኣብነታት ብእተኻእለና መጠን ንኽንስዕቦም ወትሩ ኽንጽዕር ይግባእ። (ማቴ. 24:42፣ 2 ጢሞ. 2:15) ከምዚ እንተ ጌርና፡ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ፡ በረኸቱ ኸኣ ክንዓጽድ ንኽእል ኢና።—ሚልክያስ 3:10 ኣንብብ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብታ ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 104-106 ርአ።
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ሰባት ነቲ ኖህ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ኣየቕለቡሉን
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ስሩዕ ፈላሚ ንኽትከውን ኣርዚንካ ሓሲብካሉዶ፧