ክርስትያናት ብተስፋ ዝደልደሉ ብፍቕሪ እተደረኹ ክዀኑ ይግባእ
“እምነት: ተስፋ: ፍቕሪ: እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ: ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:13
1. ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝህበና፧
እምነትና ልክዕ ከም መርከብ ክትስበር ከም እትኽእል ሃዋርያ ጳውሎስ ኣጠንቂቑና ኣሎ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕልናኦም ደርብዮም ናይ እምነት መርከብ ስለ እተሰበረቶም ‘እምነትን ሰናይ ሕልናን ምሓዝ’ ከም ዘድሊ ተዛሪቡ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:19) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን መራኽብ ካብ ዕንጨይቲ ኢየን ዝስርሓ ነይረን። እቲ ዝህብኦ ናይ ባሕሪ ኣገልግሎት ከኣ ኣብቲ ዝስርሓሉ ዓይነት ዕንጨይትን ውሕሉል ኣሰራርሓን እተመርኰሰ ነበረ።
2. እታ ናይ እምነት መርከብና ብጽቡቕ ክትህነጽ ዘለዋ ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ ካባና እንታይ ኢዩ ዝሓትት፧
2 ናይ እምነት መርከብና ኣብ ማእከል እዚ ብዝናወጽ ባሕሪ ተመሲሉ ዘሎ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ጸምበለል ምባል ክትቅጽል ክትክእል ኣለዋ። (ኢሳይያስ 57:20፣ ራእይ 17:15) ስለዚ ኸኣ ብግቡእ እተሃንጸት ክትከውን ኣለዋ: እዚ ድማ ኣባና እተመርኰሰ ኢዩ። እቲ ናይ ኣይሁዳውያንን ሮማውያንን “ባሕሪ” ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሸጋሪ ምስ ኰኖም ይሁዳ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንስኻትኩም ግና: ኣቱም ፍቁራተይ: በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም: ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም: ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ: ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።” (ይሁዳ 20, 21) ይሁዳ ብዛዕባ እታ “ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት” እውን ተዛሪቡ ስለ ዘሎ እቲ ‘ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነት’ ዝብል ኣገላልጻ ነቲ ናይ ምድሓን ብስራት እውን ሓዊስካ ንብምሉኡ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ይሁዳ 3) ክርስቶስ መሰረት ናይታ እምነት እቲኣ ኢዩ። ኣብታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት እምነት ክንጠብቕ እንተድኣ ዄንና ብርትዕቲ እምነት ተድልየና ኢያ።
ነቲ ከም ማዕበል ዝዀነ “ኣንቈራ ዝፈጥሮ ስግኣት” ጸኒዕካ ምቅዋሙ
3. ገሊኣቶም ነታ “ኣንቈራ ዝፈጥሮ ስግኣት” እትብል ብኸመይ ኢዮም ዝጥቀሙላ፧
3 ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ተደጋጋሚ ዝዀነ ጃምላዊ ርእሰ-ቕትለት: ምስ ንኣሽቱ ኣንቈራታት እተተሓሓዘ ናይ ፈጠርቲ ራዕዲ መጥቃዕትታት ተራእዩ ኢዩ። ቅኑዓት ፖለቲካውያን መራሕቲ እውን ሓዊስካ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ንንጹሃት ሰባት ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ካብዚ ሓደገኛ ኣንቈራታት እዚ ብኸመይ ከም ዘዕቝብዎም ይሓስቡ ኢዮም። ብድሕሪ እዚ ጽዩፍ ዓመጽ እዚ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ከም ዘሎ ዘጠራጥር ነገር ኣይኰነን። ነቲ ገሊኣቶም ኣንቈራ ዝፈጥሮ ስግኣት ዝብልዎ ከም ዘስፋሕፋሕ ብምግባር ኣንጻር ህዝቢ የሆዋ ይጥቀመሉ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ ራእይ 12:12) ገሊኣቶም ኣንጻር ዕዮና ምጽራር ንኸለዓዕሉ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ንሰባት ካብ “ሓደገኛ ኣንቈራታት” ምክልኻል ዝብል ቅሉዕ ወፈራ ኣካይዶም ኢዮም። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብጌጋ ከምኡ ኢሎም ብምጽዋዕ ኣስዳዕቲ ከም ዝዀንና ገይሮም ከሲሶምና ኢዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ገለ ናይ ኣውሮጳ ሃገራት ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ኣሸጋሪ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ: ገሊኣቶም ምሳና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩ ዝነበሩ ኸኣ ብሰንኪ እዚ ከም ዘቋርጹ ኰይኖም ኢዮም። እዚ ድማ ብግዴኡ ኣብ ገለ ኣሕዋት ኣሉታዊ ጽልዋ ገይሩ ኢዩ።
4. ምጽራር ተስፋ ከቝርጸና ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ይኹን እምበር: ምጽራር ተስፋ ኣብ ክንዲ ዘቝርጸና ናይ ሓቂ ክርስትና ንስዕብ ብምህላውና ነቲ ዘሎና እምነት ከደልድሎ ይግባእ። (ማቴዎስ 5:11, 12) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ከም ኣስዳዕቲ ኣንቈራ ይረኣዩ: ኣብ ኵሉ ቦታ ኸኣ ‘ይጻረርዎም’ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:5፣ 28:22) ሃዋርያ ጴጥሮስ ግን ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ኣጸናንዖም:- “ኣቱም ፍቁራተይ: በቲ ንምፍታን ዝረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ: ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም: ኣይትገረሙ። ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ: ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ: ተሐጐሱ ደኣ።” (1 ጴጥሮስ 4:12, 13) ብተመሳሳሊ ሓደ ኣባል ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣሕዋተየ: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ: ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ: እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።” (ያእቆብ 1:2-4) ልክዕ ከምቲ ብርቱዕ ንፋስ ባሕሪ ንብቕዓት ናይ ሓንቲ መርከብ ዝፍትኖ: ናይ ምጽራር ማዕበል እውን ኣብ ናይ እምነት መርከብና ዘሎ ድኽመት እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ኢዩ።
ጸበባ ምጽማም ከም እተጥሪ ይገብር
5. ጸበባ ከጋጥም ከሎ እምነትና ድልድልቲ ምዃና ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧
5 ክርስትያናት ከም ዝጽመሙን እምነቶም ድልድልቲ ምዃናን ርግጸኛታት ክዀኑ ዝኽእሉ ናይ ጸበባ ማዕበል ድሕሪ ምጽዋሮም ጥራይ ኢዩ። እቲ እነርእዮ ምጽማም ኣብቲ ማዕበል ዝበዝሖ ባሕሪ “ፍጹም ግብሪ” ዝህልዎ: ድልድልቲ እምነት እውን ወሲኽካ ‘ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልና ፍጹማትን ምሉኣትን’ ምስ እንኸውን ኢዩ። ጳውሎስ “ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና እምበር: ብብዙሕ ትዕግስቲ: ብመከራ: ብጭንቀት: ብጸበባ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ።—2 ቈረንቶስ 6:4
6. ‘ብጸበባ እንሕጐስ’ ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ ንተስፋና ብኸመይ ኢዩ ዘደልድሎ፧
6 እቲ ሓድሓደ እዋን ዘጋጥመና ብርቱዕ ህቦብላ: ናይ እምነት መርከብና ጥዕይትን ድልድልትን ምዃና ንምርግጋጽ ከም ዝጠቕመና ገይርና ክንወስዶ ይግባእ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ [“ንተሓጐስ:” NW ] እምበር: እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና: በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን: እቲ ምፍታንውን ተስፋ: . . . እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።” (ሮሜ 5:3-5) ኣብ ትሕቲ ፈተና ጽኑዕ ምዃን ስምረት የሆዋ ዘውህብ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብግዴኡ ንተስፋና የደልድሎ።
ናይ ገሊኣቶም መርከብ እትስበረሉ ምኽንያት
7. (ሀ) ካብ ቃላት ጳውሎስ ክንርድኦ ከም እንኽእል ገሊኣቶም መንፈሳዊ ምስባር መርከብ ዘጋጠሞም ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሎሚ ገሊኣቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ብኸመይ ኢዮም፧
7 ጳውሎስ “መርከብ ተሰቢራቶም” ኢሉ ከጠንቅቕ ከሎ: ብዛዕባ እቶም ነቲ ጽቡቕ ሕልንኦም ‘ደርብዮም’ እምነቶም ዘጥፍኡ ሰባት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:19) ካብ መንጎ እዚኦም እቶም ካብ ሓቂ ወጺኦም: ብዛዕብኣ ኸኣ ሕማቕ ብምዝራብ ኣብ ክሕደት ዝወደቑ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን ይርከብዎም። (1 ጢሞቴዎስ 1:20 NW እግረ-ጽሑፍ፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:17, 18) ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ሓቂ ዝወጹ ከሓድቲ: ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብቓላት ይዘብጥዎ ኢዮም: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነታ ብመንፈሳዊ መገዲ ዘዀለሰቶም ኢድ ይነኽሱ ኣለዉ። ገሊኣቶም ከኣ ነቲ “ኽፉእ ባርያ” ብምምሳል ብግልጺ “ጐይታይ ይድንጕ እዩ” ይብሉ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:44-49፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:14, 15) መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ምቕራቡ ይኽሕዱ: ነቲ ብመንፈስ ንቑሕ ዝዀነ ክፍሊ እቲ ባርያ ኸኣ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ከም ዝህሉ ብምግባሩ ይነቕፍዎ። (ኢሳይያስ 1:3) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ከሓድቲ ንገሊኣቶም መንፈሳዊ ምስባር እምነት ከም ዘጋጥሞም ብምግባር “እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ አለዉ።”—2 ጢሞቴዎስ 2:18
8. ገሊኣቶም ናይ እምነት መርከቦም ከም እትስበር ወይ ናብ ምጥሓል ገጻ ከም እትኸይድ ዝገበሩ ብኸመይ ኢዮም፧
8 ገሊኣቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ከኣ ሕልንኦም ደርብዮም ደድሕሪ እቲ ቀይዲ ዘይብሉ ናይዛ ዓለም ደስታን ጾታዊ ርኽሰትን ብምጕያዮም ነታ ናይ እምነት መርከቦም ከም እትስበር ገይሮምዋ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 2:20-22) ካልኦት ከኣ እቲ ከም ወደብ ተመሲሉ ዘሎ ዘዕርፍሉ ሓድሽ ኣገባብ ካብ ማዕዶ ክረኣዮም ስለ ዘይከኣለ ነታ ናይ እምነት መርከቦም የጥሕልዋ ኣለዉ። ገለ ትንቢታት ብልክዕ ዝፍጸመሉ እዋን ቈጺሮም ክረኽብዎ ስለ ዘይከኣሉ: ‘ንመዓልቲ ጐይታ’ ኸኣ ካብ ኣእምሮኦም ስለ ዘርሓቕዋ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ጠንጢኖምዎ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:10-13፣ 1 ጴጥሮስ 1:9) ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ድነ ናይዚ ሽግር ዝመልኦ ኣገባብ እዚ ኣእተውዋ። (ኢሳይያስ 17:12, 13፣ 57:20) ገለ ካብቶም ምስታ ክርስትያናዊት ማሕበር ዝነበሮም ርክብ ዘቋረጹ ሰባት እታ ማሕበር ሓቀኛ ሃይማኖት ምዃና ይኣምኑ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ምምጻእ ናይታ የሆዋ ኣምላኽ እተማባጽዓ ሓዳስ ዓለም ንምጽባይ ዘድሊ ትዕግስትን ምጽማምን ኢዮም ስኢኖም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ገነት ዝህሉ ናብራ ከምቲ ዝሓሰብዎ ቀልጢፉ ኣይመጸሎምን።
9. ውሑዳት ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት እንታይ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ: እዚ ረቛሒታት እዚኸ ብዛዕባ እንታይ ከም እንሓስብ ኢዩ ክገብረና ዘለዎ፧
9 ኣብ ገለ ክፍሊ ዓለም ዘለዉ ሓድሓደ ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ከኣ ነቲ ብናይ እምነት መርከቦም ዝጓዓዝሉ ቦታታት ዘጽበብዎ ኢዩ ዝመስል። መርከቦም ገና ትንሳፈፍ ኣላ: እንተዀነ ግን ብምሉእ እምነት ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ዝግስግሱ: ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒቶም ኣዝሒሎምዎ ኢዮም። ገሊኣቶም “ድሕሪ ሓጺር እዋን ገነት ክትመጽእ ኢያ” ተባሂሎም ናብ ኣምላኽ ስለ ዝቐረቡ: ነዚ ተስፋ እዚ ምእንቲ ክረኽቡ ኣብ ኣገልግሎት ቀናኣት: ኣብ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ከኣ ስርዓታውያን ኰይኖም ይካፈሉ ነይሮም ኢዮም። ሕጂ ግን ምግላጽ ተስፋኦም ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ዝደንጐየ ኰይኑ ስለ እተሰምዖም ነቲ ክኸፍልዎ ድልዋት ዝነበሩ መስዋእትታት ካብ ምፍጻም ዝሓጥሓጥ በሉ። እዚ ኸኣ ካብቲ ናይ ቀደም ዝተሓተ ናይ ስብከት ንጥፈታት: ኣብ ኣኼባታት ዘይስርዓታዊ ምዃን: ከምኡውን ገለ ክፍልታት ናይ ኣሰምብሊ ወይ ዓበይቲ ኣኼባታት ክሓልፎም ሸለል ብምባሎም ተራእዩ ኢዩ። ካልኦት ከኣ ኣብ መዘናግዕን ስጋዊ ደስታ ኣብ ምርካብን ብዙሕ ግዜ የሕልፉ። እዚ ረቛሒታት እዚ ምስቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ ብምስምማዕ ኣብ ህይወትና ደራኺ ሓይሊ እንታይ ምዃኑ ከም እንምርምር ዝገብረና ኢዩ። እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ቅንኢ ኣብቲ “ድሕሪ ሓጺር እዋን ገነት ክትመጽእ ኢያ” ዝብል ሓሳብ እተመርኰሰ ክኸውን ድዩ ዝግባእ፧
እታ ብመልህቅ ተመሲላ ዘላ ተስፋ
10, 11. ጳውሎስ ንተስፋና ብምንታይ ኢዩ መሲልዋ ዘሎ: እዚ ምምስሳል እዚ ዝሰማማዕ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
10 የሆዋ ብኣብርሃም ኣቢሉ በረኸት ክህብ ከም እተማባጽዐ ጳውሎስ ኣመልኪቱ ኣሎ። ድሕርዚ እቲ ሃዋርያ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ኣምላኽ . . . ብማሕላ ኣብ መንጎ አተወ: በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከአል ክልተ ዘይልወጣ ነገር [ቃሉን ማሕላኡን] ጌርና: ንሕና: ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሀዲምና ዝወጻእና: ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ: ድልድልትን ጽንዕትን እያ።” (እብራውያን 6:17-19፣ ዘፍጥረት 22:16-18) ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ተነቢሩሎም ዘሎ ተስፋ ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ምርካብ ኢዩ። ሎሚ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም። (ሉቃስ 23:43) ብዘይ እዛ ተስፋ እዚኣ እምነት ክህልዎ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን።
11 መልህቅ ንሓንቲ መርከብ ኣብ ቦታኣ ጸኒዓ ደው ክትብል: ብንፋስ ከይትእለ ዝሕግዛ ሓያል ናይ መድሕን መሳርሒ ኢዩ። ብዘይ መልህቅ ካብ ወደብ ዝብገስ ዋላ ሓደ ባሕረኛ የለን። ጳውሎስ ብዙሕ ግዜ ናይ መርከብ ምስባር የጋጥሞ ስለ ዝነበረ: ህይወት ባሕረኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መልህቅ እታ መርከብ እተመርኰሰ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 27:29, 39, 40፣ 2 ቈረንቶስ 11:25) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበራ መራኽብ እቲ ካፒታኖ ከም ድላዩ ክጠዋውየን ዘኽእሎ ሞተር ኣይነበረንን። እተን ብመቕዘፍ ዝምርሓ መራኽብ ውግእ እንተ ዘይኰይነን: ካልኦት ጕዕዞአን ንኽቕጽላ ብቐንዱ ኣብ ምንቅስቓስ ንፋስ እተመርኰሳ ኢየን ነይረን። እታ መርከብ ናብ ከውሒ ኣቢላ ምስ እትኸይድ: ካብቲ ማዕበል ንምድሓን እቲ ካፒታኖ ክገብሮ ዝኽእል እንኮ ነገር መልህቅ ምድርባይ ጥራይ ኢዩ። ከምዚ ዝገብረሉ ምኽንያት ከኣ እቲ መልህቅ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝርከብ መሬት ምንቕ ከም ዘይብል እምንቶ ብምግባር ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ንተስፋ ናይ ሓደ ክርስትያን “ከም መልህቅ ነፍሲ: ድልድልትን ጽንዕትን” ብምባል ኣመሳሲሉዋ ዘሎ። (እብራውያን 6:19) ብናይ ምጽራር ማዕበል መጥቃዕቲ ክወርደና ኸሎ ወይ ካልእ ፈተናታት ምስ ዘጋጥመና: እምነትና ናብቲ ሓደገኛ ዝዀነ ዕምቈት ዘይብሉ ምጥርጣር ወይ ከም ኣኻውሕ ተመሲሉ ዘሎ ኣዕናዊ ዝዀነ ክሕደት ምእንቲ ከይትኸይድ እታ ድንቂ ዝዀነት ተስፋና ልክዕ ከም መልህቅ ብምዃን ህያዋን ነፍሳት ገይራ ተጽንዓና።—እብራውያን 2:1፣ ይሁዳ 8-13
12. ካብ የሆዋ ንኸይንርሕቕ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
12 ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት “ኣቱም ኣሕዋተየ . . . ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይአምን ልቢ ኸይህሉ: ተጠንቀቑ” በሎም። (እብራውያን 3:12) እታ “ዜርሕቕ” ተባሂላ ዘላ ኣብቲ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ ቃል ብቓሉ “ምዕላው:” ምኽሓድ ማለት ኢያ። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ምስባር መርከብ ከየጋጥመና ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና። እምነትን ተስፋን ኣብ ግዜ ከቢድ ፈተና እውን ከይተረፈ ኣብ የሆዋ ከም እንለግብ ክገብራና ይኽእላ ኢየን። (ዘዳግም 4:4፣ 30:19, 20) እምነትና ብናይ ከሓድቲ ትምህርቲ ናብዝን ናብትን እትላኻዕ ኣይክትከውንን ኢያ። (ኤፌሶን 4:13, 14) ንተስፋና ከም መልህቅ ብምግባር ድማ ነቲ ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ዘጓንፈና ማዕበል ጸኒዕና ክንዋጽኣሉ ክንክእል ኢና።
ብፍቕርን መንፈስ ቅዱስን እተደረኽና
13, 14. (ሀ) ናይ ተስፋና መልህቅ ንበይኑ ኣኻሊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንየሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ከነቕርበሉ ከሎና እቲ ቀንዲ ዝድርኸና ሓይሊ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ: ስለምንታይከ፧
13 ሓደ ክርስትያን ንየሆዋ ከገልግል ዝድርኾ ነገር ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዝብል ጥራይ እንተድኣ ኰይኑ ናብ ሓዳስ ዓለም ገጹ ክግስግስ ኣይክእልን ኢዩ። ነታ ከም መልህቅ ኰይና ዘላ ተስፍኡ ኣጽኒዑ እናሓዘ: ኣብ ርእሲኣን ኣብ ርእሲ እምነቱን ደራኺት ሓይሊ ዝዀነት ፍቕሪ ክውስኽ ኣለዎ። ጳውሎስ “ሕጂ ግና እምነት: ተስፋ: ፍቕሪ: እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ: ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ረቛሒ እዚ ኣጕሊሕዎ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 13:13
14 ንየሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ከነቕርበሉ ዝድርኸና ሓይሊ ንዕኡ ዘሎና ልባዊ ፍቕሪ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ መልሲ ናይቲ ንሱ ዝገለጸልና እዚ ዘይበሃል ፍቕሪ ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ: እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽ: ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ: እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ: ንሕናውን ነፍቅር ኢና።” (1 ዮሃንስ 4:8, 9, 19) ንየሆዋ ሞሳ ስለ ዘሎና እቲ ቀንዲ ዘገድሰና ነገር ብሕታዊ ድሕነት ምርካብ ዘይኰነስ ብዛዕባ ምቕዳስ ክቡር ስሙን ምርግጋጽ ጽድቃዊ ሉዓላውነቱን ኢዩ።
15. እቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ምስቲ ናይ ሉዓላውነት ሕቶ ዝተሓሓዝ ብኸመይ ኢዩ፧
15 የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኽና ከነገልግሎ ድኣ እምበር ኣብ ገነት ንምእታው ጥራይ ኢልና ከነገልግሎ ኣይደልየናን ኢዩ። እቲ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ a ዝብሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “የሆዋ ሉዓላውነቱን እቲ ፍጡራት ንሉዓላውነቱ ዘለዎም ደገፍን ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ምስ ዝኸውን ኣጸቢቑ ይሕጐስ ኢዩ። ነቶም በቲ ሰናይ ባህርያቱን ጽድቁን ተደሪኾም ሉዓላውነቱ ዘፍቅሩ: ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር ንላዕሊ ድማ ሉዓላውነቱ ዝመርጹ ሰባት ጥራይ ኢዩ ዝደልዮም። (1 ቈረ. 2:9) ኣብ ክንዲ ብገዛእ ርእሶም ክኸዱ ዝደልዩ ኣብ ትሕቲ ሉዓላውነቱ ኰይኖም ከገልግልዎ ኢዮም ዝደልዩ። ከምዚ ዝገብሩ ኸኣ ብዛዕብኡ: ብዛዕባ ፍቕሩ: ፍትሑ: ጥበቡ ስለ ዝፈልጡ: በዚ መዳይ እዚ ኸኣ ንሱ ከም ዝበልጾም ስለ ዝግንዘቡ ኢዮም። (መዝ. 84:10, 11)”—ጥራዝ 2 ገጽ 275
16. እቲ ንየሱስ ዘሎና ፍቕሪ ኣብ ህይወትና ደራኺ ሓይሊ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧
16 ከም ክርስትያናት መጠን የሱስ እውን ፍቕሩ ስለ ዘርኣየና ነፍቅሮ ኢና። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ሃበ:- “እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ: ስለዚ ዅላቶም ሞቱ: ካብ እንብልሲ: ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ . . . ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) ክርስቶስ መንፈሳዊ ህይወትና: እምነትና: ከምኡውን ተስፋና እተሃንጸሉ መሰረት ኢዩ። እቲ ንክርስቶስ የሱስ ዘሎና ፍቕሪ ብፍላይ ከም ማዕበል ዝዀነ ፈተና ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ንተስፋና የደልድላ: ንእምነትና ኸኣ የበርትዓ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 3:11፣ ቈሎሴ 1:23፣ 2:6, 7
17. የሆዋ እንታይ ብርቱዕ ሓይሊ ኢዩ ኣዳልዩልና ዘሎ: ኣገዳስነቱኸ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ከምኡውን ኤፌሶን 3:16 ብኸመይ ተራእዩ ኣሎ፧
17 ከም ክርስትያናት መጠን ናይ ህይወትና ቀንዲ ደራኺ ሓይሊ እቲ ንኣምላኽን ንወዱን ዘሎና ፍቕሪ እኳ እንተዀነ: የሆዋ ካልእ ዝድርኸና: ዘሐይለና: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ንቕድሚት ከም እንቕጽል ዝገብረና ካልእ ነገር ኣዳልዩልና ኣሎ። እዚ ኸኣ እቲ መስለጢ ሓይሉ ወይ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። እተን “መንፈስ” ተተርጒመን ዘለዋ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ብመሰረቱ ነቲ ከም ንፋስ ዝኣመሰለ ሓያል ምንቅስቓስ ኣየር ኢየን ዘመልክታ። ከምተን ጳውሎስ ዝጓዓዘለን ዝነበራ ዝኣመሰላ መራኽብ ኣብቲ ዝደለያኦ ንኽበጽሓ ኣብቲ ዘይርአ ሓይሊ ናይ ንፋስ ኢየን ዝምርኰሳ ነይረን። ብተመሳሳሊ: እታ ናይ እምነት መርከብና ኣብቲ ናይ የሆዋ ኣገልግሎት ንቕድሚት ምእንቲ ከተቐጽለና ፍቕርን ደገፍ ናይቲ ዘይርአ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽን የድልየና ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ ኤፌሶን 3:16
ናብ ፍጻመ ገጽና ንገስግስ!
18. ዝዀነ ይኹን ኣብ መጻኢ ንእምነትና ዘጋጥማ ፈተናታት ንኽንጽመም ዘኽእለና እንታይ ኢዩ፧
18 ኣብቲ ሓድሽ ኣገባብ ቅድሚ ምብጻሕና እምነትናን ፍቕርናን ኣጸቢቐን ክፍተና ይኽእላ ኢየን። የሆዋ ግን ‘ድልዱልን ጽኑዕን’ ዝዀነ መልህቅ ማለት ዘደንቕ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። (እብራውያን 6:19፣ ሮሜ 15:4, 13) በታ መልህቅ ዝዀነት ተስፋና ኣጸቢቕና እንተድኣ ደልዲልና ምጽራር ወይ ካልእ ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ ክንጽመም ንኽእል ኢና። ሓደ ፈተና ሓሊፍና እቲ ሓደ ቅድሚ ምጅማሩ ንተስፋና ከነጽንዕን እምነትና ከነደልድልን ንቝረጽ።
19. ነታ ናይ እምነት መርከብና ጕዕዝኣ ከም እትቕጽል ገይርና ብምሓዝ ኣብ ወደብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ከም እተብጽሓና ክንገብራ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
19 ጳውሎስ ነታ “መልህቅ ነፍሲ” ቅድሚ ምጥቃሱ ከምዚ በለ:- “ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር: ድንዙዛት ከይትዀኑስ: ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት [“ቅልጣፈ:” NW እግረ-ጽሑፍ] እዚ ኼርኢ: ንደሊ አሎና።” (እብራውያን 6:11, 12) በቲ ንየሆዋን ንወዱን ዘሎና ፍቕሪ ተደሪኽና: ብመንፈስ ቅዱስ ከኣ ሓይሊ ረኺብና: ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ወደብ ሓዳስ ዓለም ክሳዕ እንበጽሕ ነታ ናይ እምነት መርከብና ንቕድሚት ከም እትቕጽል ንግበራ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ።
ድግማ
◻ ጳውሎስ ብዛዕባ እምነትና እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧
◻ ገሊኣቶም መንፈሳዊ ምስባር መርከብ ዘጋጠሞም ብኸመይ ኢዩ: ካልኦትከ ብኸመይ ኢዮም ዝዘሓሉ፧
◻ ምስ እምነትና ክተሓሓዝ ዘለዎ ካልእ ኣምላኻዊ ባህርይ እንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ወደብ ሓዳስ ዓለም ንምብጻሕ ዘኽእለና እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ማዕበል ምእንቲ ክንዋጽኣሉ ናይ እምነት መርከብና ብጽቡቕ እተሃንጸት ክትከውን ኣለዋ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ናይ እምነት መርከብና ክትስበር ትኽእል ኢያ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ተስፋ ኣብቲ ከም ክርስትያናት መጠን እነሕልፎ ህይወት መልህቅና ኢያ