ንሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣኽቢርካ እትርእያ፧
“ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ።”—ዮሃንስ 8:32
1. ጲላጦስ ነታ “ሓቂ” እትብል ቃል እተጠቕመላ መገዲ ኻብቲ ናይ የሱስ እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
“ሓቂ እንታይ ኢዩ፧” ጲላጦስ ከምዚ ኽብል ከሎ: ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሓቂ ዝሓትት ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን የሱስ ኣቐዲሙ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” ኢልዎ ነበረ። (ዮሃንስ 18:37, 38) የሱስ ከም ጲላጦስ ዘይኰነስ ብዛዕባ እታ መለኮታዊት ሓቂ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ።
ዓለም ብዛዕባ ሓቂ ዘለዋ ኣረኣእያ
2. እንታይ የሱስ እተዛረቦ ኢዩ ሓቂ ዘለዋ ዋጋ ዘርእየና፧
2 ጳውሎስ “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን” በለ። (2 ተሰሎንቄ 3:2) ሓቂ እውን ከምኡ ኢያ። ብዙሓት ሰባት ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ሓቂ ኽፈልጥዋ ኣጋጣሚ ተኸፊትሎም ክነሱ ኰነ ኢሎም ዕሽሽ ይብልዋ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ሓቂ ክሳዕ ክንደይ ኰን ክብርቲ ኢያ! የሱስ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በለ።—ዮሃንስ 8:32
3. ነየናይ ብዛዕባ መታለሊ ትምህርትታት እተዋህበና መጠንቀቕታ ኢና ኽንስዕቦ ዘሎና፧
3 ሃዋርያ ጳውሎስ ሓቂ ኣብ ናይ ሰብ ፍልስፍናታትን ልማዳትን ክትርከብ ከም ዘይትኽእል ገሊጹ ኢዩ። (ቈሎሴ 2:8) እወ: ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርትታት መታለሊ ኢዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ንፍልስፍናታትን ልማዳትን ሰብ እንተ ኣሚኖም: ከምቶም ‘ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው ዝድፍኡን ዝኽብከቡን’ ብመንፈስ ቈልዑ ከም ዝዀኑ ገለጸ። (ኤፌሶን 4:14) ሎሚ “ምጥባር ሰብ” በቶም ንመለኮታዊ ሓቂ ዝጻረሩ ሰባት ዘስፋሕፍሕዎ ፕሮፓጋንዳ ኣቢሉ ኢዩ ዝዝርጋሕ ዘሎ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ነታ “ፕሮፓጋንዳ” እትብል ቃል “ንእምነት: ኣረኣእያ: ወይ ተግባር ካልእ ሰብ ንምቍጽጻር ብብልሓት ዝግበር ጻዕሪ” ብምባል ተርጒምዋ ኣሎ። እዚ ፕሮፓጋንዳ እዚ ንሓቂ ናብ ሓሶት ይጠውዮ: ንሓሶት ድማ ሓቂ ገይሩ የቕርቦ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላሕታዊ ጸቕጢ ንሓቂ ኽንረኽባ እንተደኣ ዄንና ንቕዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት ክንምርምር ኣሎና።
ክርስትያናትን ዓለምን
4. ነታ ሓቂ ንኽረኽብዋ ኣጋጣሚ ተኸፊትሎም ዘሎ መን ኢዮም: እቶም እተቐበልዋኸ እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎም፧
4 የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ናብ የሆዋ ኽጽሊ ኸሎ “በቲ ሓቂ ቐድሶም: ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 17:17) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንየሆዋ ንኸገልግልዎ ከምኡውን ንስሙን መንግስቱን ንኸፍልጡ ተባሂሎም ይቕደሱ ወይ ካብ ካልእ ይፍለዩ ኢዮም። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14) እታ ናይ የሆዋ ሓቂ ዅሉ ሰብ ዝረኽባ እኳ እንተ ዘይኰነት: ንዅሎም እቶም ዝደልይዋ ግን ዜግነቶም: ዓሌቶም: ወይ ባህሎም ብዘየገድስ ብናጻ ንኽረኽብዋ ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
5. ክርስትያናት መብዛሕትኡ ግዜ መስጐጕቲ ዘጋጥሞም ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ክርስትያናት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንሰባት የካፍሉ ኢዮም: እንተዀነ ግን ኵሉ ኣይኰነን ዝቕበሎም። የሱስ “ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትልኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:9) ብ1817 ኣየርላንዳዊ ካህን ጆን ኣር. ኮተር ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “[ክርስትያናት] ብስብከቶም ገይሮም ንኣነባብራ ደቅሰብ ንምቕያር ዝገብርዎ ጻዕሪ: እቶም ሰባት ኣብ ክንዲ ዘመስግኑሉ ነቲ እኩይ ተግባራቶም ስለ ዘቃልዖም ከም ዝጸልእዎምን ዘሳጕጕዎምን ኢዩ ዝገብሮም።” ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰጐጕቲ ‘ንምድሓኖም ዝኸውን ፍቕሪ ሓቂ ኣይቅበሉን’ ኢዮም። ስለዚ ኸኣ “እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር: ንሓቂ ዘይአምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ: ኣምላኽ: ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑ: ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም።”—2 ተሰሎንቄ 2:10-12
6. ሓደ ክርስትያን እንታይ ትምኒታት ኢዩ ኸማዕብል ዘይብሉ፧
6 ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ኣብዛ ተጻባኢት ዓለም ዝነብሩ ክርስትያናት ከምዚ በሎም:- “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። . . . ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።” (1 ዮሃንስ 2:15, 16) ዮሃንስ “ኵሉ” ብምባሉ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣየትረፈን። በዚ ምኽንያት እዚ: ነቲ ኻብ ሓቂ ኸውጽኣና ዝኽእል እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንምነዮ የብልናን። ንምኽሪ ዮሃንስ ምስዓብ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ጽልዋ ኽገብረልና ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧
7. ፍልጠት ሓቂ ቕኑዕ ንዝልቦም ሰባት ዝድርኽ ብኸመይ ኢዩ፧
7 ኣብ 2001 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ውልቀ-ሰባትን ጕጅለታትን ኣብ ህይወቶም ከማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ብምምሃር ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖምሎም ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ 263,431 ሰባት ተጠሚቖም። እዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ብርሃን ሓቂ ኣኽቢሮም ስለ ዝርእይዎ ንሕማቕ ዕርክነትን ነቲ ኣብዛ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ንኣምላኽ ዘሕስር ዘይስነ-ምግባራዊ ኣነባብራን ገዲፎሞ ኢዮም። ካብ ዝጥመቑ ኣትሒዞም ምስቲ የሆዋ ንዅሎም ክርስትያናት ክኸውን ኢሉ ዘቘሞ ስርዓታት ተሰማሚዖም ንኽመላለሱ ጽዒሮም ኢዮም። (ኤፌሶን 5:5) ንሓቂ ኽሳዕ ክንድዚ ዲኻ ኣኽቢርካ እትርእያ፧
የሆዋ ይሓልየልና ኢዩ
8. የሆዋ ንወፈያና ብኸመይ ኢዩ ዝቕበሎ: ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ’ ጥበባዊ ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ዘይፍጹማት ክነስና የሆዋ ንወፈያና ብምሕረት ይቕበሎ ኢዩ: ናብኡ ንኸቕርበና ኸኣ ብምሳልያዊ መገዲ ትሕት ይብል ኢዩ። በዚ ኸምዚ ንሸቶታትናን ባህግታትናን ክብ ከነብል ይምህረና። (መዝሙር 113:6-8) ጐድኒ ጐድኒ እዚ ድማ ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ንኽንገብር ይፈቕደልና: ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተደኣ ደሊና’ ኸኣ ከም ዝሓልየልና ተመባጺዑልና ኣሎ። ከምዚ እንተደኣ ገይርናን ብመንፈሳዊ መገዲ ርእስና እንተ ሓሊናን “እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ብምባል ቃል ኣትዩልና ኢዩ።—ማቴዎስ 6:33
9. እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” መን ኢዩ: የሆዋ በዚ “ባርያ” እዚ ገይሩኸ ብኸመይ ኢዩ ዝሓልየልና፧
9 የሱስ ክርስቶስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ብምምራጽ መሰረት ናይታ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂላ እተጸውዐት ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣንበረ። (ገላትያ 6:16፣ ራእይ 21:9, 14) እዛ ጉባኤ እዚኣ ጸኒሓ “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ” ተባሂላ ኢያ። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) የሱስ ንኣባላት እታ ጉባኤ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ከምኡውን “እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ” ብምባል ጸዊዕዎም ኣሎ። እዚ እሙን ባርያ እዚ ንክርስትያናት “ቀለቦም በብጊዜኡ” ናይ ምሃብ ሓላፍነት ከም ዘለዎ የሱስ ገሊጹ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:3, 45-47፣ ሉቃስ 12:42) መግቢ እንተ ዘይረኺብና ብጥሜት ንመውት ኢና። ብተመሳሳሊውን መንፈሳዊ መግቢ እንተ ዘይረኺብና ብመንፈሳዊ መዳይ ደኺምና ንመውት። ስለዚ: “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ምህላዉ የሆዋ ኸም ዝሓልየልና ዘርኢ ኻልእ መርትዖ ኢዩ። እምበኣር እዚ “ባርያ” እዚ ንዘዳልወልና ክቡር መንፈሳዊ መግቢ ወርትግ ነማስወሉ።—ማቴዎስ 5:3 NW
10. ስርዓታውያን ኴንና ኣብ ኣኼባታት ክንካፈል ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
10 መንፈሳዊ መግቢ ምምጋብ ክበሃል ከሎ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ። ብተወሳኺውን ምስ ካልኦት ክርስትያናት ምሕባርን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምክፋልን ዘጠቓልል ኢዩ። ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ወይ ቅድሚ ሽዱሽተ ሰሙን ዝበላዕካዮ መግቢ ብልክዕ ትዝክሮዶ፧ ምናልባት ኣይትዝክሮን ትኸውን። እንተዀነ ግን: እቲ ዝበላዕካዮ መግቢ ብህይወት ንኽትጸንሕ ኣኽኢሉካ ኢዩ። ምናልባት ብድሕሪኡ እውን ተመሳሳሊ መግቢ በሊዕካ ትኸውን ኢኻ። እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ዝቐርብ መንፈሳዊ መግቢ እውን ከምኡ ኢዩ። ኣብ ኣኼባታት እንታይ ከም ዝሰማዕና ብዝርዝር ኣይንዝክሮን ንኸውን። ተመሳሳሊ ትምህርቲ እውን ተደጋጊሙ ይቐርብ ይኸውን። ይኹን እምበር: እዚ ንጥዕናና ኣድላዪ ዝዀነ መንፈሳዊ መግቢ ኢዩ። ኣብ ኣኼባታትና ብህይወት ንምንባር ዘድልየና ጽቡቕ መንፈሳዊ መግቢ በብግዚኡ ይቐርብ ኢዩ።
11. ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንካፈል ከሎና እንታይ ሓላፍነታት ኢዩ ዘሎና፧
11 ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ሓላፍነት እውን የሰክመና ኢዩ። ክርስትያናት ንኣባላት ጉባኤኦም “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” እናኣነቓቕሑ ‘ንሓድሕዶም ኽመዓዓዱ’ ኢዮም ተነጊሮም። ንዅሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተዳሊና ኼድና ምስ እንሳተፍ እምነትና ትድልድ: ንኻልኦት ከኣ ነተባብዕ። (እብራውያን 10:23-25) ገሊኣቶም ከምቶም መግቢ ዘማርጹ ቘልዑ ስለ ዝዀኑ: መንፈሳዊ መግቢ ንምምጋብ ቀጻሊ ምትብባዕ የድልዮም ኢዩ። (ኤፌሶን 4:13) እዞም ሰባት እዚኣቶም ከምቲ ጳውሎስ “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ” ኢሉ እተዛረበሎም ብሱላት ክርስትያናት ምእንቲ ክዀኑ: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ምትብባዕ ምስ እንህቦም ፍቕራዊ ኢዩ።—እብራውያን 5:14
ንርእስና ብመንፈሳዊ መገዲ ምክንኻን
12. ኣብ ሓቂ ብዛዕባ ምምልላስና ዝመጸ ብቐዳምነት ሓላፍነት ዝስከም መን ኢዩ፧ ግለጽ።
12 በዓል ኪዳንና: በዓልቲ ኪዳንና: ወይ ወለድና ብመገዲ ሓቂ ንኽንመላለስ ከተባብዑና ይኽእሉ ኢዮም። ብተመሳሳሊ: ናይ ጉባኤ ሽማግለታት እውን ኣብ ትሕቲ መጓስኦም ዘሎና ኣባጊዕ ከም ምዃንና መጠን ክጓስዩና ይኽእሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) እንተዀነ ግን: ኣብ መገዲ ሓቂ ብዛዕባ ምምልላስና ዝመጸ ብቐዳምነት ሓላፍነት ዝስከም መን ኢዩ፧ እዚ ሓላፍነት እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ኢዩ ዝወድቕ። እዚ ኸኣ ኣብ ምቹእ ግዜ ዀነ ኣብ ጽንኩር ግዜ ኣይቅየርን ኢዩ። ነዚ ዝቕጽል ፍጻመ እሞ ሕሰበሉ።
13, 14. በዚ ንሓንቲ ዕየት ዘጋጠማ ፍጻመ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: እቲ ዘድልየና መንፈሳዊ ሓገዝ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧
13 ኣብ ስኮትላንድ ገለ ዕያውቲ ብሓባር ሳዕሪ እናበልዓ ኸለዋ ሓንቲ ዕየት ናብ ገምገም እቲ ጸድፊ ገጻ ኸደት እሞ ኣብቲ ጸድፊ ውጥውጥ ኢሉ ናብ ዝወጸ ቦታ ኣንደልሂጻ ወደቐት። ምንም ጕድኣት እኳ እንተ ዘይወረዳ: ሰንቢዳ ስለ ዝነበረት ግን ናብቲ ዝነበረቶ ክትሓኵር ኣይከኣለትን። ስለዚ ብዘሕዝን ደሃይ እምቤዕ ክትብል ጀመረት። ኣዲኣ ነዚ ሰምዐት እሞ ንሳውን እቲ ጓሳ መጺኡ ነታ ዕየት ክሳዕ ዘድሕና እምቤዕ ክትብል ጀመረት።
14 ነዚ ተኸታታሊ ፍጻመታት ኣስተብህለሉ። እታ ዕየት ሓገዝ ክግበረላ ተዳህየት: ኣዲኣ ድማ ነዚ ወሰኸትሉ: ድሕርዚ እቲ ጓሳ ነቲ ዘጋጠመ ነገር ብምፍላጡ ንምድሓና ቕልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። ሓንቲ ንእሽቶ እንስሳን ኣዲኣን ሓደጋ ኸጋጥም ከም ዝኽእል ፈሊጠን ሓገዝ ክረኽባ ካብ ተዳህያ: ብመንፈሳዊ መዳይ ክንዕንቀፍ ከሎና ወይ ካብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘይተጸበናዮ ሓደጋ ኸጋጥመና ኸሎ ሓገዝ ክንሓትትዶ ኣይግብኣናን፧ (ያእቆብ 5:14, 15፣ 1 ጴጥሮስ 5:8) ብፍላይ ንኣሽቱ ወይ ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ብምዃንና ተመክሮ ዝጐድለና እንተደኣ ዀይኑ ኸምኡ ኽንገብር ኣሎና።
መለኮታዊ መምርሒ ምስዓብ ሓጐስ የምጽእ
15. ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ክትካፈል ምስ ጀመረት ከመይ ተሰምዓ፧
15 ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ምኽኣል ዘለዎ ዋጋን እቶም ንኣምላኽ ሓቂ ዘገልግሉ ዝረኽብዎ ኣእምሮኣዊ ሰላምን እሞ ሕስብ ኣብሎ። መዋእላ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እንግሊዝ እትመላለስ ዝነበረት ሓንቲ ጓል 70 ዓመት ሰበይቲ: ብሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ናይ ብሕቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክምርሓላ ተሰማምዐት። ነዊሕ ከይጸንሐት ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ፈለጠት: ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ንዝቐረበ ልባዊ ጸሎት ከኣ “ኣሜን” በለት። ብውዕዉዕ ስምዒት ድማ ከምዚ በለት:- “ንኣምላኽ ብሰባት ዘይቅረብ ገይርኩም ዘይኰነስ: ልክዕ ኣብ መንጎና ኸም ዘሎ ፍቑር ፈታዊ ገይርኩም ኢኹም እተቕርብዎ። ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን።” እዛ ተገዳሲት እዚኣ ነቲ ሓቂ ኣብ ፈለማ ዘሕደረላ ጦብላሕታ ፈጺማ ኸም ዘይትርስዖ ፍሉጥ ኢዩ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ መጀመርታ ሓቂ ኽንቅበል ከሎና ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ንርእያ ምንባርና ኣይንረስዕ።
16. (ሀ) ገንዘብ ምርካብ ቀንዲ ሸቶና እንተ ገይርናዮ እንታይ ኢዩ ኸጋጥመና ዝኽእል፧ (ለ) ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧
16 ብዙሓት ሰባት ዝያዳ ገንዘብ እንተ ረኺቦም: ዝያዳ ሓጐስ ዝረኽቡ ኢዩ ዝመስሎም። ይኹን እምበር: ገንዘብ ምርካብ ናይ ህይወትና ቐንዲ ሸቶ እንተደኣ ገይርናዮ “እዚ ዘይበሃል ኣእምሮኣዊ ጭንቀት” ከነምጽእ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 6:10 ፊሊፕስ ) ብዙሕ ገንዘብ ኽንረክብ ብዝብል ሕልሚ ናይ ሎተሪ ቲከት ዝዕድጉ: ኣብ መጣልዒ ቦታታት ገንዘቦም ዘጥፍኡ: ወይ ኣብ ዕዳጋታት ኣክስዮን ዝጸናጸኑ ሰባት ክንደይ ምዃኖም እሞ ሕስብ ኣብሉ። ነቲ ዝምነይዎ ገንዘብ ዝረኽቡ ግን ኣዝዮም ሒደት ኢዮም። ንዓታቶም እውን እንተዀነ እቲ ብሃንደበት ዝረኽብዎ ሃብቲ ዝበዝሕ ግዜ ሓጐስ ኣየምጽኣሎምን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ነባሪ ሓጐስ ክርከብ ዝከኣል ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እናተመራሕካን ብመላእኽቱ እናተሓገዝካን ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓቢርካ ብምዕያይ ፍቓድ ኣምላኽ ምስ እትገብር ኢዩ። (መዝሙር 1:1-3፣ 84:4, 5፣ 89:15) ከምኡ ኽንገብር ከሎና ዘይተጸበናዮ በረኸታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሓቂ ኣብ ህይወትካ ኸምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ከተምጽእ እትኽእል ክብርቲ ነገር ገይርካ ዲኻ እትርእያ፧
17. ጴጥሮስ ምስ ስምኦን ፈሓቝ ቈራብቲ ብምቕማጡ እንታይ ኣመለኻኽታ ኸም ዝነበሮ ኢዩ ዘርኢ፧
17 ንሃዋርያ ጴጥሮስ ዘጋጠሞ ተመክሮ ንርአ። ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ናብ ጐላጕል ሳሮን ሚስዮናዊ ጕዕዞ ገበረ። ኣብ ልዳ ምስ በጽሐ ንሓደ ኤንያ ዝስሙ መጻጕዕ ኣሕወዮ: ብድሕሪኡ ናብ ወደብ ዮጴ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ ንዶርቃስ ካብ ሞት ኣተንስኣ። ድሕሪኡ ግብሪ ሃዋርያት 9:43 “ሓያሎ መዓልቲ ምስ ስምኦን: ፈሓቝ ቈራብቲ ኣብ ዮጴ ተቐመጠ” ትብለና። እዚ ሓጺር ጸብጻብ እዚ ጴጥሮስ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ሰባት ከገልግል ከሎ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ መንፈስ ከም ዘይነበሮ የርኢ። ብኸመይ፧ ፍረደሪክ ዳብሊው. ፋራር ዝበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ በለ:- “ነቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ [ሕጊ ሙሴ] ብጥብቅን ብጽኑዕን ዝስዕብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ቤት ሓደ ፈሓቝ ቈራብቲ ኽቕመጥ ኢሉ ኣይምሓሰበን። እዚ ሞያ እዚ መዓልቲ መዓልቲ ቘራብትን ገንቢ ናይ ብዙሓት እንስሳታትን ንኽትትንክፍ ዘገድደካ ብምዃኑን እቲ ኣብዚ ዕዮ ዝጥቀሙሉ ነገራትን ኣብ ቅድሚ እቶም ጽኑዓት ደገፍቲ እቲ ሕጊ ዘይንጹህን ዘፈንፍንን ገይርካ ኢዩ ዝርአ ነይሩ።” እታ “ኣብ ገምገም ባሕሪ” ዝነበረት ቤት ስምኦን ጥቓ እቲ ቘራብቲ ዝፍሕቘሉ ቤት ዕዮኡ እውን ኣይትንበር: ስምኦን ግን ‘ነቶም ዝዓይዎ ከም ዝነዓቑ ዝገብሮም ዘፍንፈን ሞያ ኢዩ ነይርዎ’ ብምባል ፋራር ገለጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:6
18, 19. (ሀ) ጴጥሮስ በቲ ዝረኣዮ ራእይ እተገረመ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጴጥሮስ እንታይ ዘይተጸበዮ በረኸት ኢዩ ዝረኸበ፧
18 እቲ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይ ዘይነበሮ ጴጥሮስ ነቲ ስምኦን ዝገበረሉ እንግዶት ተቐበሎ። ኣብኡ ኸኣ ዘይተጸበዮ መለኮታዊ መምርሒ ተቐበለ። ብራእይ ድማ ብሕጊ ኣይሁድ ከም ዘይንጹሃት ዝቝጸሩ እንስሳታት ንኽበልዕ ትእዛዝ ተዋህቦ። ንሱ ግን “ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዔ ኣይፈልጥን እየ” ብምባል ኣበየ። እንተዀነ ግን ሰለስተ ሳዕ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ: ንስኻ ኣይተርክሶ” ብምባል ተነግሮ። እምበኣር “ጴጥሮስ እቲ ዝረአዮ ራእይ፤ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢሉ ብልቡ [እንተ ተገረመ]” ዘደንቕ ኣይኰነን።—ግብሪ ሃዋርያት 10:5-17፣ 11:7-10
19 ጴጥሮስ ድሮ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ 50 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ቂሳርያ ሓደ ኻብ ኣህዛብ ዝዀነ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ እውን ራእይ ከም ዝረኣየ ኣይፈለጠን። መልኣኽ የሆዋ ንቆርኔሌዎስ ገላዉኡ ልኢኹ ንጴጥሮስ ካብ ቤት ስምኦን እቲ ፈሓቝ ቈራብቲ ኸምጽኦ ኣዘዞ። ቆርኔሌዎስ ንገላዉኡ ናብ ቤት ስምኦን ለኣኾም: ጴጥሮስ ከኣ ምስኦም ናብ ቂሳርያ ወረደ። ኣብኡ ኸኣ ንቆርኔሌዎስን ንኣዝማዱን ንፈተውቱን ሰበኸሎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እዚኣቶም ካብቶም ከይተገዝሩ ዝኣመኑ ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ንፈለማ ግዜ መንፈስ ቅዱስ እተቐበሉ ኣህዛብ ኰኑ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘይተገዝሩ እኳ እንተ ነበሩ: ኵሎም እቶም ጴጥሮስ ንዘቕረቦ ዝርርብ ዝሰምዑ ተጠምቁ። እዚ ድማ ነቶም ብኣይሁድ ከም ዘይንጹሃት ዝረኣዩ ዝነበሩ ኣህዛብ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኽዀኑ መገዲ ኸፈተሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:1-48፣ 11:18) ጴጥሮስ ንሓቂ ኣኽቢሩ ስለ ዝረኣያ ከምኡውን ካብ የሆዋ ንዝመጾ መምርሒ ንኽስዕብን ብእምነት ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎን ስለ ዝመርሓቶ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን ኢዩ ረኺቡ!
20. ንሓቂ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ እንተደኣ ሂብናያ እንታይ መለኮታዊ ሓገዝ ኢና እንረክብ፧
20 ጳውሎስ “ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዐብና: ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ” ኢሉ ተማሕጺኑ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:15 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ንሓቂ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ እንተደኣ ሂብናያን የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ንስጕምትታትና ኽመርሖ እንተደኣ ኣፍቂድናን: መዳርግቲ ዘይብሉ ሓጐስ ከተምጽኣልና ኢያ። ብተወሳኺውን ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ናይ ቅዱሳት መላእኽቲ ደገፍ ከም ዘሎና ኣይትረስዕ። (ራእይ 14:6, 7፣ 22:6) ኣብዚ የሆዋ ዝመዘዘና ዕዮ ኸምዚ ዝኣመሰለ ደገፍ ብምርካብናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን ኢዩ! ንጽህናና ምስ እንሕሉ: ነቲ ኣምላኽ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ንዘለኣለም ናይ ምምስጋን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ። ካብዚ ዝዓቢ ነገር ፈጺሙ የለን።—ዮሃንስ 17:3
እንታይ ተማሂርና፧
• ብዙሓት ንሓቂ ዘይቅበሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
• ክርስትያናት ነዚ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ነገራት ብኸመይ ክርእይዎ ኣለዎም፧
• ንኣኼባታት ዘሎና ኣረኣእያ ኸመይ ክኸውን ኣለዎ: ስለምንታይከ፧
• ንመንፈሳውነትና ንምክንኻን እንታይ ሓላፍነት ኣሎና፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]
ዓ ብ ዪ ባ ሕ ሪ
ጐላጕል ሳሮን
ቂሳርያ
ዮጴ
ልዳ
የሩሳሌም
[ስእሊ]
ጴጥሮስ መለኮታዊ መምርሒ ብምስዓቡ ዘይተጸበዮ በረኸት ረኸበ
[ምንጪ ስእሊ]
Map: Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ንሓቂ መስከረ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ከምቲ ስጋዊ መግቢ: መንፈሳዊ መግቢ እውን ንጥዕናና ኣድላዪ ኢዩ