‘ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚጽዕሩ ኣኽብርዎም’
“ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚጽዕሩ ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ከተኽብርዎም ንልምነኩም ኣሎና።” —1 ተሰ. 5:12፡ ትርጕም 1990።
1, 2. (ሀ) ጳውሎስ ነታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ጉባኤ፡ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ኺጽሕፈላ ኸሎ፡ እታ ጉባኤ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እያ ነይራ፧ (ለ) ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣተባቢዕዎም፧
ኣባል እታ ኻብተን ኣብ ኤውሮጳ ዝቘማ ቐዳሞት ጉባኤታት ዝዀነት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ተሰሎንቄ ኸም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣቐዲሙ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋት ንምህናጽ፡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ኣሕሊፉ ነበረ። ከምቲ ኣብ ካልኦት ጉባኤታት ዝገበሮ፡ ነታ ጉባኤ ዚመርሑ ሽማግለታት ሸይሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 14:23) ኰይኑ ግን፡ እታ ጉባኤ ምስ ተመስረተት፡ ኣይሁድ ናዕቢ ስለ ዘላዓሉ፡ ጳውሎስን ሲላስን ካብታ ኸተማ ወጹ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ዝተረፉ ክርስትያናት፡ እተጠንጠኑ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ይኸውን፡ ምናልባት እውን ፈሪሆም ይዀኑ።
2 ጳውሎስ ካብ ተሰሎንቄ ምስ ወጸ፡ ብዛዕባ እታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ጉባኤ ኣተሓሳሰቦ። ኪምለስ እኳ እንተ ፈተነ፡ ‘ሰይጣን ግን ዓገቶ።’ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነታ ጉባኤ ምእንቲ ኼተባብዓ፡ ንጢሞቴዎስ ለኣኾ። (1 ተሰ. 2:18፣ 3:2) ጢሞቴዎስ ጽቡቕ ወረ ሒዙ ምስ ተመልሶ፡ ንሰብ ተሰሎንቄ መልእኽቲ ኺጽሕፈሎም ተደረኸ። ሓደ ኻብቲ ሽዑ ዝሃቦም መተባብዒ፡ ‘ነቶም ዚመርሕዎም ኪፈልጥዎም’ ወይ ‘ኬኽብርዎም’ (ትርጕም 1990) ነበረ።—1 ተሰሎንቄ 5:12, 13 ኣንብብ።
3. ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም ሽማግለታት ንኬኽብርዎም እንታይ ምኽንያታት ነበሮም፧
3 እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዚመርሕዎም ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ከም ጳውሎስን ከምቶም መጋይሽቱን ምኩራት ኣይነበሩን፣ ከምቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት እውን ሓቂ ኻብ ዚቕበሉ ነዊሕ ኣይገበሩን። እታ ጉባኤ እውን እንተ ዀነት፡ ካብ እትምስረት ዓመት ኣይገበረትን። ኰይኑ ግን፡ ኣባላት እታ ጉባኤ ነቶም “ዚጽዕሩን” ኣብታ ጉባኤ ‘ዚመርሑን’ ንኣሕዋት ‘ዚምዕዱን’ ዝነበሩ ሽማግለታት ኣኽቢሮም ዚርእዩሉ ምኽንያት ነበሮም። እወ፡ ‘ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኬኽብርዎም’ ነበሮም። ጳውሎስ ከምኡ ኺገብሩ ድሕሪ ምምካሩ፡ “ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ” በሎም። ኣብ ተሰሎንቄ እንተ ትነብር ኔርካ፡ ንዕዮ እቶም ሽማግለታት መማሰኻሉዶ፧ ነቶም ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝሃበካ ኣብ ጉባኤኻ ዚርከቡ “ውህበት፡” ብኸመይ ኢኻ እትርእዮም፧—ኤፌ. 4:8።
“ዚጽዕሩ”
4, 5. ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ሽማግለታት ንጉባኤኦም ንኺምህሩ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ሎሚ እውን ከምኡ ዝበለ ጻዕሪ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧
4 ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ሽማግለታት ንጳውሎስን ንሲላስን ናብ ቤርያ ምስ ሰደድዎም፡ “ዚጽዕሩ” ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ ኣብነት ጳውሎስ ብምቕዳሕ፡ ነታ ጉባኤ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይምህርዋ ኸም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ‘ንምዃኑ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ንቓል ኣምላኽ ኣኽቢሮም ይርእይዎዶ ነይሮም፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰብ ቤርያ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። . . . ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ” ይብል እዩ። (ግብ. 17:11) ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ንጽጽር፡ ምስቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ብሓፈሻ ደኣ እዩ እምበር፡ ምስቶም ክርስትያናት ኣይኰነን። እቶም ዝኣመኑ፡ ‘ንቓል ኣምላኽ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ኣይተቐበልዎን።’ (1 ተሰ. 2:13) እቶም ሽማግለታት ነቶም ኣመንቲ ብመንፈስ ንምምጋብ ጽዒሮም ኪዀኑ ኣለዎም።
5 ሎሚ፡ እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ንመጓሰ ኣምላኽ “ምግቦም በብጊዜኡ” ይህቦም ኣሎ። (ማቴ. 24:45) ሽማግለታት ጉባኤ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ባርያ ዀይኖም ንኣሕዋቶም ብመንፈስ ንምምጋብ ይጽዕሩ ኣለዉ። ኣባላት ጉባኤ ኣኺሉ ዚተርፍ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኣለዎም። ብገሊኡ ቛንቋታት ድማ፡ ከም ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ፡ ዎችታወር ላይብረሪ ኣብ ሲዲ-ሮም ዝኣመሰለ ናውቲ ተዳልዩ ኣሎ። ሽማግለታት ንጉባኤኦም ብመንፈስ ዜድልያ ዘበለ ምእንቲ ኼማልኡ፡ ንእተመደበሎም ክፍሊ ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ ንኬቕርብዎ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ይዳለዉ እዮም። ነቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ዜቕርብዎ ኽፍሊ ንኺዳለዉ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዜሕልፉ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧
6, 7. (ሀ) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ሽማግለታት፡ እንታይ ኣብነት ሓደገሎም፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ኣብነት ጳውሎስ ምስዓብ ኪኸብዶም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
6 ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ሽማግለታት፡ ነቲ ጳውሎስ ንመጓሰ ኣምላኽ ብምጕሳይ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ኣይረስዕዎን። ጳውሎስ ንክርስትያናት ኪበጽሖም ከሎ፡ ንማለቱ ኣይኰነን ዚገብሮ ዝነበረ። ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ‘ከምታ ውሉዳ እትሓቍፍ መጥበዊት ርሕሩሕ ነበረ።’ (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8 ኣንብብ።) ‘ገዛእ ነፍሱ እውን ከይተረፈ ኼካፍል’ ፍቓደኛ ነበረ። እቶም ሽማግለታት ኪጓስዩ ኸለዉ፡ ንዕኡ ኺመስልዎ ነበሮም።
7 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ጓሶት ነቲ መጓሰ ኣኽቢሮም ብምርኣይ፡ ኣብነት ጳውሎስ ይስዕቡ እዮም። ገሊአን ኣባጊዕ ብተፈጥሮአን ሕዉሳትን ብቐሊሉ ዚቕረባን ከይኰና ይኽእላ እየን። ኰይኑ ግን፡ ሽማግለታት ኣብተን ኣባጊዕ “ሰናይ” ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኬቕልቡ ይጽዕሩ እዮም። (ምሳ. 16:20) ፍጹም ሽማግለ ስለ ዘየልቦ፡ ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ ዅሉ ሰብ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልዎ ጻዕሪ የድልዮ ይኸውን። ግናኸ፡ ንዅሉ ሰብ ብርሕራሐ ንምሓዝ፡ ዚከኣሎ ዘበለ ኺገብር ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ንፉዕ ጓሳ ኪኸውን ብዚገብሮ ጻዕሪ ኺነኣድ ኣይግብኦንዶ፧
8, 9. ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ‘ምእንቲ ነፍሳትና ነቒሖም ዚሕልዉ’ ብኸመይ እዮም፧
8 ኵላትና ንሽማግለታት ‘እንግዝኣሉ’ ምኽንያት ኣሎና። ከመይሲ፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ፡ ‘ምእንቲ ነፍሳትና ነቒሖም ይሕልዉ እዮም።’ (እብ. 13:17) እዚ መግለጺ እዚ፡ ንመጓሰኡ ንኼዕቍብ ኢሉ ኸይደቀሰ ንዚሓድር ጓሳ እዩ ዜዘኻኽረና። ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን፡ ብዛዕባ እቶም ዝሓመሙን ስምዒታዊ ወይ መንፈሳዊ ጸገማት ዘለዎምን ኪሓስቡ፡ ድቃስ ይስእኑ ይዀኑ። ንኣብነት፡ ኣባላት ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ፡ ለይቲ ምስ ሕክምና እተተሓሓዘ ጸገም ምስ ዚለዓል፡ ካብ ድቃሶም ይትንስኡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ምስ ሕክምና እተተሓሓዘ ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንዚህቡና ኣገልግሎት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።
9 ኣብ ኮሚተ ኸባብያዊ ህንጸትን ኮሚተ ረድኤትን ዚዓዩ ሽማግለታት፡ ንኣሕዋት ንምሕጋዝ ስለ ዚጽዕሩ፡ ብምሉእ ልብና ኽንድግፎም ኣሎና። ብ2008 ናርጊስ ዚበሃል ህቦብላ ንምያንማር ምስ ኣዕነዋ ብዛዕባ እተገብረ ዕዮ ረድኤት እስከ ንርአ። ሓንቲ ጕጅለ ረድኤት ነቲ ብዝጨነወ ሬሳ መሊኡ ዝነበረ ዝዓነወ ኸባቢ ሓሊፋ፡ ናብታ ኣብ ደልታ ኢራዋዲ፡ ኣብ ቦንቲጎን ዝነበረት ጉባኤ በጽሐት። እቶም ኣሕዋት ነታ ምስ ናይ ቀደም ሓላው ወረዳኦም ብሓባር ናብ ቦንቲጎን ዝመጸት ቀዳመይቲ ጕጅለ ረድኤት ምስ ረኣዩ፡ “እውይ፡ ሓላው ወረዳና! የሆዋ ኣድሒኑና!” በሉ። ነቲ ሽማግለታት መዓልትን ለይትን ዚዓይዎ ዕዮ ኣኽቢርካ ትርእዮ ዲኻ፧ ገሊኦም ሽማግለታት ንኸቢድ ፍርዳዊ ጕዳያት ምእንቲ ኺከታተሉ፡ ኣብ ፍሉይ ኮሚተታት ይሽየሙ እዮም። እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም፡ በቲ ዝገበርዎ ኣይንየቱን እዮም፣ እቶም ካብ ሓገዞም ዚጥቀሙ ሰባት ግን፡ ነቲ ኣገልግሎቶም የማስዉሉ እዮም።—ማቴ. 6:2-4።
10. ሽማግለታት እንታይ ብዙሕ ዘይፍለጥ ዕዮ እዮም ዚዓዩ፧
10 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሽማግለታት፡ ምስ ወረቐት ዚተሓሓዝ ዕዮ እውን ይዓዩ እዮም። ንኣብነት፡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት፡ መደብ ሰሙናዊ ኣኼባታት የውጽእ እዩ። ጸሓፊ ጉባኤ፡ ወርሓውን ዓመታውን ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ የዳሉ እዩ። ሓላው ቤት ትምህርቲ፡ ንመደባት እቲ ቤት ትምህርቲ ብጥንቃቐ ይከታተሎ እዩ። ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ፡ ሕሳብ ጉባኤ ይምርመር እዩ። ሽማግለታት ነቲ ናብ “ሕብረት እምነት” ዜብጽሕ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚለኣኸሎም ደብዳበታት ኣንቢቦም፡ ንዚወሃቦም መምርሒታት ኣብ ግብሪ የውዕሉ እዮም። (ኤፌ. 4:3, 13) ብጻዕሪ እዞም ትጉሃት ሽማግለታት፡ ‘ኵሉ ብስርዓትን ብኣጋባብን ይኸውን’ እዩ።—1 ቈረ. 14:40።
“ዚመርሑኹም”
11, 12. ንጉባኤ ዚመርሑ መን እዮም፧ እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧
11 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ጻዕራማት ሽማግለታት፡ ነታ ጉባኤ ኸም “ዚመርሑ” ገይሩ ገሊጽዎም ኣሎ። እታ “ዚመርሑ” ተባሂላ ዘላ ቓል፡ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ፡ “ኣብ ቅድሚት ደው ዚብሉ” ዚብል ሓሳብ ኣለዋ። (1 ተሰ. 5:12፡ NW እግረ-ጽሑፍ) ጳውሎስ ነቶም ሽማግለታት እቲኣቶም፡ ከም “ዚጽዕሩ” ገይሩ እውን ገሊጽዎም ኣሎ። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ብዛዕባ ዅሎም ሽማግለታት ጉባኤ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ሎሚ፡ መብዛሕትኦም ሽማግለታት ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ደው ኢሎም ኣኼባታት ይመርሑ እዮም። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ “ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት” ዚብል መጸውዒ ንኽንጥቀም እተገብረ ምትዕርራይ፡ ንዅሎም ሽማግለታት ከም ኣባላት ሓደ ኣካል ጌርና ንኽንርእዮም ይሕግዘና እዩ።
12 ንጉባኤ ‘ምምራሕ’ ኪበሃል ከሎ፡ ካብ ምምሃር ንላዕሊ የጠቓልል እዩ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:4 እውን ትርከብ እያ። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ ሓላዊ፡ “ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን” ኪኸውን ከም ዚግባእ፡ ጳውሎስ ገሊጹ እዩ። ኣብዚ እታ “ዜስተናብር” እትብል ቃል፡ ንውሉዳት ምምሃር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንስድራ ቤት ምምራሕን ‘እዙዛት ውሉድ ምህላውን’ ከም እተጠቓልል ርዱእ እዩ። እወ፡ ሽማግለታት ንኣባላት ጉባኤኦም፡ ንየሆዋ ንኺግዝእዎ ብምሕጋዝ ይመርሕዎም እዮም።—1 ጢሞ. 3:5።
13. ኣብ ኣኼባ ሽማግለታት ዚግበር ውሳነ፡ ዝያዳ ግዜ ኺወስድ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
13 ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ጽቡቕ ገይሮም ምእንቲ ኼስተናብሩ ወይ ኪመርሑ፡ ንጉባኤኦም ብዛዕባ ዜድልያ ነገራት ይመያየጡ እዮም። ሓደ ሽማግለ ንዅሉ ነገራት እንተ ዚውስኖ፡ ምናልባት ቅልጡፍ ውሳነታት ኪግበር ምተኻእለ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ሎሚ ዘለዉ ኣካላት ሽማግለታት፡ ኣብነት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ብምስዓብ፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ተመርኲሶም፡ ጕዳዮም ብናጻ ይዘራረቡ እዮም። ዕላማኦም፡ ንጉባኤኦም ዜድልያ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ፡ ቅዱሳት ጽሑፋትን እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዝለኣኾ መምርሒታትን መርሚሩ ብዚግባእ ተዳልዩ እንተ መጺኡ፡ ውጽኢታዊ ኣኼባ ኺግበር ይከኣል እዩ። ከምኡ ምግባር፡ ግዜ ኸም ዚወስድ ዚከሓድ ኣይኰነን። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ንግዝረት ኣብ ዚምልከት ጕዳይ እተፈላለየ ርእይቶ ዝነበሮ፡ ሎሚ እውን እተፈላለየ ርእይቶ ኺህሉ ኸሎ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ውሳነ ምእንቲ ኺግበር፡ ዝያዳ ግዜን ምርምርን ኬድሊ ይኽእል እዩ።—ግብ. 15:2, 6, 7, 12-14, 28።
14. ንሓድነት ኣካል ሽማግለታት ተድንቖዶ፧ ስለምንታይከ ኸምኡ ይስምዓካ፧
14 ሓደ ሽማግለ፡ ዝበሎ ኪዀነሉ ግዲ እንተ ኢሉ ወይ ሓሳቡ ዜቐድም እንተ ዀይኑ፡ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ወይ ከኣ ሓደ ክርስትያን ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ድዮትሬፌስ፡ ምፍልላይ ዚዘርእ እንተ ዀይኑኸ፧ (3 ዮሃ. 9, 10) ብምልእታ እታ ጉባኤ እያ እትጕዳእ። ሰይጣን ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ሕንፍሽፍሽ ኬእትወላ ኻብ ፈተነ፡ ሎሚ እውን ንሰላም ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺዘርጎ ኸም ዚደሊ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዚገብረሉ መገዲ፡ ኪማርኸና ዚኽእል ሕማቕ ሰብኣዊ ዝንባለ ብምጥቃም እዩ። ንኣብነት፡ ምርኡይ ቦታ ናይ ምድላይ ዝንባለና ኺጥቀም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሽማግለታት ትሕትና ኼማዕብሉን ከም ሓደ ኣካል ኰይኖም ብስኒት ኪዓዩን ኣለዎም። ነቲ እቶም ከም ሓደ ኣካል ኰይኖም ዚዓዩ ሽማግለታት ዜርእይዎ ትሕትና ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።
“ዚምዕዱኹም”
15. ሽማግለታት ንሓው ወይ ንሓብቲ ኺምዕዱ ኸለዉ፡ ካብ ምንታይ ተላዒሎም እዮም ዚምዕዱ፧
15 ጳውሎስ ቀጺሉ ነቲ ንሽማግለታት እተዋህቦም፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ናይ ምምዓድ ኣጸጋሚ ግን ከኣ ኣገዳሲ ዕዮ ኣጕልሐ። ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ጳውሎስ ጥራይ እዩ ነታ “ዚምዕዱኹም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል እተጠቕመላ። ንሓያል ምኽሪ ኸተመልክት እትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ ንተጻብኦ ግን ኣይተመልክትን እያ። (ግብ. 20:31፣ 2 ተሰ. 3:15) ንኣብነት፡ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ፡ “እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ከሕፍረኩም ኢለ ኣይኰንኩን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 4:14) ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እዩ ምዒድዎም።
16. ሽማግለታት ንኻልኦት ኪምዕዱ ኸለዉ፡ እንታይ እዮም ኪርስዑ ዘይብሎም፧
16 ሽማግለታት፡ ንኻልኦት ዚምዕዱሉ መገዲ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይርስዕዎን እዮም። ሕያዎትን ፈቃራትን ደገፍትን ብምዃን፡ ንጳውሎስ ኪመስልዎ ይጽዕሩ እዮም። (1 ተሰሎንቄ 2:11, 12 ኣንብብ።) ‘በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕዱ እውን፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጸንዑ እዮም።’—ቲቶ. 1:5-9።
17, 18. ሓደ ሽማግለ እንተ ምዒዱካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትዝክር ዘሎካ፧
17 ሽማግለታት ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ጸኒሑ ዜጣዕሶም ዘረባ ይዛረቡ ይዀኑ። (1 ነገ. 8:46፣ ያእ. 3:8) መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶም ምኽሪ ኪቕበሉ ኸለዉ፡ ‘ጓሂ እምበር፡ ሓጐስ’ ከም ዘየምጽኣሎም እውን ይፈልጡ እዮም። (እብ. 12:11) ስለዚ፡ ሓደ ሽማግለ ንኻልእ ቅድሚ ምምዓዱ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣጸቢቑ ይሓስብን ይጽልን እዩ። እንተ ተማዒድካ፡ ነቲ እቲ ሽማግለ ዘርኣየካ ሓልዮት ተማስወሉዶ፧
18 ንምፍላጡ ዜሸግር ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢሙካ ንበል። ድሕሪኡ፡ ሓደ ሓኪም ነቲ ጸገምካ ብልክዕ ኣለልዩ፡ እንታይ ምዃኑ ምስ ነገረካ፡ ምቕባሉ ኸቢዱካ። ነቲ ሓኪም፡ ሕማምካ ስለ ዝነገረካ ምተቐየምካዮዶ፧ ኣይፋልካን። ዋላ እውን መጥባሕቲ ኽትገብር እንተ ዚእዝዘልካ፡ ንጥቕምኻ ምዃኑ ኣሚንካ፡ ነቲ ሕክምና ምተኸታተልካዮ። ኣዘራርባ እቲ ሓኪም ንስምዒትካ ኺጸልዎ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግን ኣብ ውሳነኻ ጽልዋ መሕደረዶ፧ ምናልባት ኣይመሕደረን። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋን የሱስን ብመንፈስ ርእስኻ ንኽትሕግዝ ወይ ንኽትሕሉ ዚጠቕሙኻ ኣሕዋት ካብ ሾሙ፡ ዋላ እውን ነቲ እቶም ኣሕዋት ዚህቡኻ ማዕዳ እንተ ዘይፈተኻዮ፡ ስምዓዮም።
ነቲ የሆዋ፡ ሽማግለታት ብምሃብ ዝገበረልና መሰናድዎ ኣማስወሉ
19, 20. ነቶም “ውህበት” ዝዀኑ ሽማግለታት ብኸመይ ሞሳኻ ኽትገልጸሎም ትኽእል፧
19 ብፍላይ ንዓኻ ተባሂሉ እተዳለወ ውህበት እንተ ዚወሃበካ፡ እንታይ ምገበርካ፧ ሞሳኻ ንምግላጽ፡ ነቲ ውህበት እቲ ኣይምተጠቐምካሉንዶ፧ የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝሃበና ሽማግለታት እውን “ውህበት” እዮም። ነዞም ውህበት እዚኣቶም ምስጋናኻ ኸተርእየሉ እትኽእል ሓደ መገዲ፡ ነቲ ብሽማግለታት ዚቐርብ መደረታት ጽን ኢልካ ብምስማዕን ነቲ ዚጠቕስዎ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን እዩ። ኣብ ኣኼባታት ትርጕም ዘለዎ ሓሳባት ብምሃብ እውን፡ ሞሳኻ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኸም ኣገልግሎት ወፍሪ ዝኣመሰለ፡ ሽማግለታት ዚመርሕዎ ንጥፈታት ደገፍካ ሃብ። ካብ ሓደ ሽማግለ ብእተዋህበካ ምኽሪ እንተ ተጠቒምካ፡ ከም ዝጠቐመካ ስለምንታይ ዘይትነግሮ፧ ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ንኣባላት ስድራ ቤት ሽማግለታት ስለምንታይ ሞሳኻ ዘይትገልጸሎም፧ ሓደ ሽማግለ ኣብ ጉባኤ ኣበርቲዑ ንኺዓዪ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ምስኡ ዜሕልፍዎ ግዜ ይስውኡ እዮም።
20 እወ፡ ነቶም ኣብ ማእከልና ዚጽዕሩን ዚመርሑናን ዚምዕዱናን ሽማግለታት ንኸነመስግኖም እኹል ምኽንያት ኣሎና። እዞም “ውህበት” እዚኣቶም፡ ብሓቂ የሆዋ ዝገበረልና ፍቕራዊ መሰናድዎ እዮም!
ትዝክሮዶ፧
• ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም ዚመርሕዎም ኣሕዋት ንኼማስዉሎም እንታይ ምኽንያታት ነይርዎም፧
• ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት ብኸመይ እዮም ዚጽዕሩልካ፧
• ካብቶም ዚመርሑኻ ሽማግለታት ብኸመይ ትጥቀም፧
• ሓደ ሽማግለ እንተ ምዒዱካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትርስዕ ዘይብልካ፧
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ሽማግለታት ንጉባኤ ዚጓስዩሉ ሓያሎ መገድታት ተማስወሉ ዲኻ፧