ፊልሞንን ኦኔሲሞስን ብክርስትያናዊ ሕውነት ሓበሩ
ሓንቲ ካብተን መለኮታዊ መንፈስ ዝነፈሰን መልእኽትታት ጳውሎስ: ንኽልተ ሰብኡት ዝምልከት ጥንቃቐ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ዘድልዮ ዝነበረ ግድል እትገልጽ ኢያ። እቲ ሓደ ፊልሞን: እቲ ሓደ ድማ ኦኔሲሞስ ኢዩ ነይሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧ ጳውሎስ በቲ ዅነታቶም ንኽግደስ ዘለዓዓሎኸ እንታይ ኢዩ፧
ፊልሞን: እቲ ተቐባሊ ናይታ ደብዳበ: ኣብ ቈሎሴ: ንእሽቶ እስያ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ብዙሓት ካልኦት ክርስትያናት ፍልይ ዘብሎ: ፊልሞን ብምኽንያት እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበሮ ዕዮ ስብከት ብስራት ተቐቢሉ ስለ ዝነበረ ምስኡ ጽቡቕ ሌላ ነይርዎ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:1፣ 2:1) ጳውሎስውን ‘ፍቑር መዓይይቲ’ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝፈልጦ ነይሩ። ፊልሞን ኣብነት እምነትን ፍቕርን ኢዩ ነይሩ። ተቐባል ጋሻ: ነቶም ክርስትያናት ብጾቱ ድማ ምንጪ ምጽንናዕ ኢዩ ነይሩ። እታ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ገዝኡ ኣኼባታት ንኽትገብር ዘኽእላ ዓቢ ገዛ ስለ ዝነበሮ: ሃብታም ሰብ ከም ዝነበረውን ርዱእ ኢዩ። እቶም ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ተጠቒሶም ዘለዉ ካልኦት ክልተ ውልቀ-ሰባት ማለት ኣጵያን ኣርኪጶስን: በዓልቲ ቤቱን ወዱን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ርእይቶ ተዋሂቡ ኢዩ። ብውሕዱ እውን ሓደ ኦኔሲሞስ ዝበሃል ባርያ ነይርዎ ኢዩ።—ፊልሞን 1, 2, 5, 7, 19ሀ, 22
ናብ ሮሜ ዝዀብለለ
ኦኔሲሞስ ካብ ዓዱ ልዕሊ 1,400 ኪሎ ሜተር ርሒቑ: ኣብቲ ኣብ ከባቢ 61 ከ.ኣ.ዘ. እተላእከት መልእኽቲ ፊልሞን እተጻሕፈትሉ ቦታ: ማለት ኣብ ሮሜ ምስ ጳውሎስ እተቐመጠሉ ምኽንያት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይገልጸልናን ኢዩ። እንተዀነ ግን ጳውሎስ ንፊልሞን “[ኦኔሲሞስ] ገለ በዲሉካ ወይስ ተዐድዩካ እንተ ዀይኑ: ኣባይ ቍጸሮ” ብምባል ተዛረቦ። (ፊልሞን 18) እዘን ቃላት እዚአን ኦኔሲሞስ ምስ ጐይትኡ ፊልሞን ቅርሕንቲ ከም ዝነበሮ ዘነጽራ ኢየን። መልእኽቲ ጳውሎስ ነዞም ክልተ ሰባት ንምትዕራቕ ብዝብል ዕላማ ኢያ ተጻሒፋ።
ኦኔሲሞስ ናብ ሮሜ ክኹብልል ከሎ ንመገዲ ክዀኖ ኢሉ ካብ ፊልሞን ገንዘብ ድሕሪ ምስራቑ ከም ዝሃደመ ርእይቶ ተዋሂቡ ኢዩ። ኣብታ ብዙሕ ህዝቢ ዝነበራ ከተማ ድማ ከይተፈልጠ ክነብር ሓሰበ።a ኣብቲ ግሪኽን ሮሜን ዝቈጻጸረኦ ዝነበራ ቦታታት: ምህዳም ኣብቶም ጐይተት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ህዝባዊ ምምሕዳራት ከይተረፈ ከም ዓቢ ግድል ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ። ሮሜ ንባዕላ ናይቶም ዝሃደሙ ባሮት “ብልምዲ መዕቈቢት ቦታ ብምዃን ውርይቲ” ምንባራ ይዝረበላ ኢዩ።
ጳውሎስ ንኦኔሲሞስ ብኸመይ ረኺብዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኦኔሲሞስ እቲ ዝረኸቦ ሓድሽ ናጽነት ክጐድል ምስ ጀመረ: ገዛእ ርእሱ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኵነታት ከም ዝኣተወ ተገንዚቡ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ከተማ ሮሜ: ፍሉያት ናይ ፖሊስ ሰራዊት ነቶም ዝሃደሙ ባሮት—ገበኖም ሓደ ካብቲ ብጥንታዊ ሕጊ ኣዝዩ ከቢድ ኰይኑ ዝቝጸር ዝነበረ ብምዃኑ—ይሃድንዎም ነበሩ። ጌርሃርት ፍሪድሪክ ከም ዝበሎ “ሃዲሞም እተታሕዙ ባሮት ኣብ ግምባሮም ብርሱን ሓጺን ምልክት ይግበረሎም ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ . . . ኣብ ናይ ምርኢት ቦታ ናብ ኣራዊት ብምድርባይ: ወይውን ካልኦት ባሮት ነቲ ኣብነቶም ንኸይቀድሕዎ ንምጕንዳብ ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ይሳቐዩ ነበሩ።” ኦኔሲሞስ ነቲ ዝሰረቖ ገንዘብ ምስ ወድኦን ዝሕብኣሉ ቦታ ወይ ስራሕ ንኽረክብ ተስፋ ምስ ሰኣነን: ካብቲ ኣብ ቤት ፊልሞን ብዛዕብኡ ክዝረብ ሰሚዑ ዝነበረ ጳውሎስ ዑቝባን ዕርቅን ለሚኑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ብምባል ፍሪድሪክ ሓሳብ ይህብ።
ካልኦት ከኣ: ኦኔሲሞስ ምስቲ ብገለ ኻልእ ምኽንያት ኣብ ልዕሊኡ ተቘጢዑ ዝነበረ ጐይታ: ብሓገዝ እቲ ሰብ እቲ ጽቡቕ ዝምድና ንኽምስርት ተስፋ ብምግባር ኰነ ኢሉ ናብ ሓደ ካብቶም ኣዕሩኽ ጐይታኡ ከም ዝኸደ ይኣምኑ። ታሪኻውያን ምንጭታት እዚ “እቶም ኣብ ሽግር ዝወደቑ ባሮት ዑቝባ ንምርካብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ልሙድን ብሰፊሑ እተፈልጠን” ተግባር ምዃኑ የመልክቱ። ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ: ኦኔሲሞስ ገንዘብ ዝሰረቐ “ንኽሃድም ብምሕሳብ ዘይኰነስ ናብ ጳውሎስ ብምኻድ ኣብ ክንድኡ ዀይኑ ንኽልምነሉ ክሓቶ ብምሕሳብ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል” ብምባል ብራይን ራፕስኪ እተባህለ ምሁር ይዛረብ።
ጳውሎስ ንኦኔሲሞስ ይሕግዞ
ኦኔሲሞስ ንኽሃድም ዘለዓዓሎ ምኽንያት እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ: ምስቲ ቁጡዕ ጐይትኡ ንኽዕረቕ ካብ ጳውሎስ ሓገዝ ከም ዝደለየ ርዱእ ኢዩ። እዚ ንጳውሎስ ብድሆ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ቅድም ዘይኣማኒ ባርያ ዝነበረ እሞ ኸኣ ገበነኛ ኰብላሊ ኢዩ መጺእዎ። እቲ ሃዋርያ: ነቲ ክርስትያን ዓርኩ ሕጋዊ መሰሉ ተጠቒሙ ከቢድ መቕጻዕቲ ንኸየውርድ ኣእሚኑ ንምሕጋዝ ክፍትን ይግብኦዶ፧ ጳውሎስ እንታይ ክገብር ነበሮ፧
ጳውሎስ ንፊልሞን መልእኽቲ ክጽሕፈሉ ኸሎ: እቲ ዝሃደመ ባርያ ንገለ ግዜ ምስቲ ሃዋርያ ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። ጳውሎስ: ንኦኔሲሞስ ‘ፍቑር ሓው’ ከም ዝዀነ ገይሩ ንኽዛረበሉ ዘኽኣሎ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ነበረ። (ቈሎሴ 4:9) ጳውሎስ ነቲ ምስ ኦኔሲሞስ ዝነበሮ መንፈሳዊ ዝምድና ኣመልኪቱ “ብዛዕባ እቲ ኣብ መቐውሔይ ኰይነ ዝወለድክዎ ወደይ . . . እልምነካ አሎኹ” በለ። ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ፊልሞን ዝበጽሐ ነገራት እዚ ሓደ ካብቲ ፈጺሙ ዘይተጸበዮ ነገር ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሃዋርያ: እቲ ቅድም ‘ዘይጠቅም’ ዝነበረ ባርያ: ክርስትያን ሓው ኰይኑ ይምለስ ከም ዝነበረ ተዛረበ። ኦኔሲሞስ ሕጂ ምስ ትርጕም ስሙ ተሰማሚዑ ዝነብር “ዘኽስብ” ወይ ‘ጠቓሚ’ ኰነ።—ፊልሞን 1, 10-12
ኦኔሲሞስ ነቲ እሱር ዝነበረ ጳውሎስ ብዙሕ ጠቒምዎ ነይሩ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ጳውሎስ ኣብኡ ከትርፎ ይኽእል ነይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን ኣንጻር ሕጊ ምኻድ ጥራይ ዘይኰነስ: ንመሰል ፊልሞን ምግሃስውን ምዀነ ነይሩ። (ፊልሞን 13, 14) ጳውሎስ ነታ ኣብ ገዛ ፊልሞን እትእከብ ዝነበረት ጉባኤ ዳርጋ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝጸሓፈላ ካልእ መልእኽቲ: ንኦኔሲሞስ “ነቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቁርን ሓውና” ብምባል ገለጾ። እዚ ድማ ኦኔሲሞስ ሕድሪ ከጽንዕ ከም ዝኽእል ድሮ መርትዖ ሂቡ ከም ዝነበረ ዘመልክት ኢዩ።—ቈሎሴ 4:7-9b
ፊልሞን ንኦኔሲሞስ ብሕያውነት ንኽቕበሎ ጳውሎስ ኣተባቢዕዎ ኢዩ: እንተዀነ ግን ከምኡ ንኽገብር ወይ ድማ ንባርያኡ ሓራ ከውጽኦ ሃዋርያዊ ስልጣን ኣይተጠቕመን። ጳውሎስ ብምኽንያት እቲ ዝነበሮም ዕርክነታውን ሓድሕዳውን ፍቕሪ: ፊልሞን ካብቲ እተሓተቶ ንላዕሊ “ሓለፋ” ከም ዝገብር ርግጸኛ ኢዩ ነይሩ። (ፊልሞን 21) ንኦኔሲሞስ እንታይ ክገብረሉ ከም ዘለዎ ክውስን ዝኽእል ፊልሞን ጥራይ ስለ ዝነበረ: “ሓለፋ” እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ኣብዚ ኣይተገልጸን። ገለ ሰባት: እተን ናይ ጳውሎስ ቃላት: እቲ ዝሃደመ ባርያ ‘ነቲ ንጳውሎስ ንምሕጋዝ ጀሚርዎ ዝነበረ ዕዮ ምእንቲ ክቕጽል ክኽእል እንደገና ንኽመልሶ’ ዝሓትት ርዱእ ልመና ኢዩ ነይሩ ብምባል ትርጕም ይህብዎ።
ነቲ ጳውሎስ ኣብ ክንዲ ኦኔሲሞስ ዝገበሮ ምሕጽንታ ፊልሞን ተቐቢልዎዶ ኢዩ፧ እዚ ነቶም ሰብ ቈሎሴ: ባሮቶም ኣብነቱ ካብ ምቕዳሕ ምእንቲ ክቝጠቡ ኦኔሲሞስ ኣብነታዊ መቕጻዕቲ ክቕጻዕ ከሎ ክርእዩ ዝደልዩ ዝነበሩ ካልኦት ጐይተት ዘጕህዮም እኳ እንተ ነበረ ፊልሞን ከም እተቐበሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ኦኔሲሞስ—እቲ እተለወጠ ሰብ
ዝዀነ ዀይኑ: ኦኔሲሞስ ሓድሽ ሰብነት ብምልባስ ኢዩ ንቈሎሴ ተመሊሱ። ኣተሓሳስብኡ ብሓይሊ ናይቲ ብስራት ተለዊጡ ኢዩ: እሙን ኣባል ናይታ ኣብቲ ከተማ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ከም ዝዀነ ድማ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኦኔሲሞስ ካብ ፊልሞን ሓራ ይውጻእ ኣይውጻእ ኣብ ቅዱሳት ጹሑፋት እተገልጸ ነገር የለን። ይኹን እምበር: ብመንፈሳዊ ዓይኒ ክርአ ኸሎ: እቲ ቅድም ሃዲሙ ዝነበረ ሰብ ሓራ ኰይኑ ኢዩ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 7:22 ኣረኣእዮ።) ሎሚውን ተመሳሳሊ ምልዋጥ ይግበር ኢዩ። ሰባት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራኦም ምስ ዝትግብርዎ: ኵነታቶምን ባህርያቶምን ይልወጥ ኢዩ። እቶም ቅድም ንሕብረተሰብ ዘይጠቕሙ ኰይኖም ዝሕሰቡ ዝነበሩ ሰባት ኣብነታውያን ዜጋታት ንኽዀኑ ተሓጊዞም ኢዮም።c
ነቲ ናይ ሓቂ እምነት ምስዓብ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ለውጢ ኰን ኢዩ ዘምጽአ! እቲ ናይ ቅድም ኦኔሲሞስ ንፊልሞን ‘ዘይጠቅም’ እኳ እንተ ነበረ: እዚ ሓድሽ ኦኔሲሞስ ግን ምስቲ “ዘኽስብ” ዝብል ትርጕም ስሙ ዝሰማማዕ ሓው ኰይኑ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ፊልሞንን ኦኔሲሞስን ብክርስትያናዊ ሕውነት ምሕባሮም ድማ በረኸት ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ሕጊ ሮሜ ነቲ ሰርቩስ ፊጉቲቩስ (ዝዀብለለ ባርያ) ዝብል ናይ ላቲን ኣጸዋውዓ ‘ንኸይምለስ ብምሕሳብ ንጐይታኡ ሓዲጉ ዝኸደ ሰብ’ ብምባል ይገልጾ።
b ኦኔሲሞስን ጥኪቆስን ናብ ቈሎሴ ክምለሱ ኸለዉ: ነተን ሕጂ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይነን ዘለዋ ሰለስተ መልእኽትታት ጳውሎስ ከብጽሑ ሕድሪ ተዋሂብዎም ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። እዘን መልእኽትታት እዚኣተን: እታ ናብ ፊልሞን እተላእከት መልእኽቲ ሓዊስካ: ናብ ሰብ ኤፌሶንን ቈሎሴን እተላእካ ኢየን ነይረን።
c ንኣብነት: ናይ 22 ሰነ 1996 ገጽ 18-23፣ ናይ 8 መጋቢት 1997 ገጽ 11-13 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ): ከምኡውን ናይ 1 ሰነ 1989 ገጽ 30-1 (እንግሊዝኛ)፣ ናይ 15 ለካቲት 1997 ገጽ 21-4 ግምቢ ዘብዐኛ በጃኻ ርአ።
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]
ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሮሜ ዝነበሩ ባሮት
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣብቲ ሕጊ ሮሜ ዝዓየሉ ዝነበረ እዋን: ሓደ ባርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ናይ ጐይትኡ ድሌትን ባህግን ጠባይን እተሓጽረ ኢዩ ነይሩ። ወሃብ ርእይቶ ጌርሃርት ፍሪድሪክ ከም ዝበሎ “ብሓፈሻን ብሕግን ክርአ ኸሎ እቲ ባርያ ከም ሰብ ይቝጸር ኣይነበረን: ጐይታኡ ብናጻ ክጥቀመሉ ዝኽእል ኣቕሓ ኢዩ ነይሩ። . . . ልክዕ ከም እንስሳ ዘቤትን መሳርሕን ኢዩ ዝቝጸር ነይሩ: በቲ ሲቪላዊ ሕጊ ድማ ዝዀነ ይኹን ግምት ኣይዋሃቦን ነበረ።” እቲ ባርያ: ንዝዀነ ይኹን ዝወረዶ ዘይፍትሓውነት ሕጋዊ መኣረምታ ክግበረሉ ክሓትት ኣይክእልን ነበረ። ብመሰረቱ: ትእዛዝ ጐይትኡ ክፍጽም ጥራይ ኢዩ ነይርዎ። በቲ እተቘጥዐ ጐይታ ዝወርድ ዝነበረ መቕጻዕትታት ደረት ኣይነበሮን። ንእሽቶ በደል እውን ትኹን እንተድኣ ፈጺሙ: እቲ ጐይታ ንኽቐትሎ ስልጣን ነይርዎ ኢዩ።*
እቲ ሃብታም ብኣማእታት ዝቝጸሩ ባሮት ክህልውዎ ዝኽእሉ እኳ እንተ ነበረ: ብተዛማዲ እቲ ማእከላይ ናብራ ዝነበሮ በዓል ቤት ከይተረፈ ክልተ ወይ ሰለስተ ክህልዎ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ምሁር ጆን ባርክለይ “እቶም ኣብ ገዛ ዘገልግሉ ባሮት ዝዓይዎ ዝነበሩ ስራሕ ኣዝዩ እተፈላለየ ኢዩ ነይሩ። ባሮት ከም ሓለውቲ: ከሸንቲ: ኣሳሰይቲ: ኣጽረይቲ: ተለኣኣኽቲ: ሓለውቲ ቘልዑ: ገሊአን ከኣ መጥበውቲ ኰይነን ከገልግላ: ከምኡውን ካልእ ብሕታዊ ኣገልግሎት ክህቡ ኢና እንረኽቦም: እዚ ነቶም ኣብ ዝዓበየን ዝሃብተመን ገዛውቲ እተፈላለየ ሞያታት ዘለዎም ባሮት ኣየጠቓልልን ኢዩ። . . . ብኻልእ ኣበሃህላ: ኵነታት ህይወት ናይቲ ኣብ ገዛ ዘገልግል ባርያ ኣብ ናይ ጐይትኡ ጠባይ ኣዝዩ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ እዚ ድማ ጠቓሚ ወይ ጐዳኢ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ነበረ:- ኣብ ትሕቲ ሓደ ጨካን ጐይታ ምዃን ወሰን ብዘይብሉ መከራታት ምስቓይ ዘምጽእ ኢዩ ነይሩ: ይኹን እምበር ሓደ ሕያዋይን ለጋስን ጐይታ ንህይወት ተጻዋርን ተስፋ ዘለዎን ክገብሮ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ጥንቲ ጽሑፋት ጭከና ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ዘለዎም ውሩያት ኣብነታት ተመዝጊቦም ኣለዉ: እንተዀነ ግን ኣብ መንጎ ገለ ጐይተትን ባሮቶምን ዝነበረ ምዉቕ ስምዒት ዝገልጽ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ጽሑፍ ምስክር እውን ኣሎ።”
*ኣብ ግዜ ጥንቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበረ ባርነት ንምፍላጥ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስቱ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ጥራዝ 2 ገጽ 977-9 ርአ።