ሕጅን ንዘለኣለምን ሕጕሳት
“እንሆ: የሩሳሌም ንእልልታ: ህዝባ ኸኣ ንሓጐስ ክፈጥር እየ እሞ: በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ።” —ኢሳይያስ 65:18
1. ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ሓቀኛ ኣምልኾ ከመይ ገይሩ ኢዩ ንውለቀሰባት ዝተንከፎም፧
ኣብዚ ዝሓለፈ ኵሉ ዘበናት ቍጽሮም እዚ ዘይበሃል ሰባት ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: የሆዋ: ኣብ ምግልጋል ብዙሕ ሓጐስ ረኺቦም ኢዮም። ዳዊት ሓደ ካብቶም ብሓቀኛ ኣምልኾ ዝሕጐሱ ዝነበሩ ሰባት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ክድይብ ከሎ “ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ” ኢሉ ጸብጻብ ይህብ። (2 ሳሙኤል 6:15) እዚ ከምዚ ዝበለ ንየሆዋ ብምግልጋል ዝርከብ ሓጐስ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ጥራይ ዝነበረ ኣይኰነን። ኣብኡ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ። ሓድሽ ዘሐጕስ ነገራት እውን ከይተረፈ ናትካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ!
2. ብዘይካ እቲ ኣብቶም እተመልሱ ኣይሁድ ዝዀነ ቀዳማይ ፍጻሜ ናይ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35: ሎሚ ኣብ ካልእ ፍጻሜ እትዋት ኰይኖም ዘለዉ መን ኢዮም፧
2 ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ: ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ተመዝጊቡ ዘሎ ዘሐጕስ ትንቢት ናይ መጀመርያ ፍጻሜኡ መርሚርናዮ ኢና። ነዚ ብልክዕ ናይ ምምላስ ትንቢት ኢልና ክንጽውዖ ንኽእል ኢና: ምኽንያቱ ነቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ከምኡ ኢዩ ኰይኑሎም። ኣብ ግዜና እውን ተመሳሳሊ ፍጻሜ ኣለዎ። ከመይ ኢሉ፧ ካብ ግዜ ሃዋርያት የሱስን ካልኦት ኣብ ናይ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ሰባትን ኣትሒዙ የሆዋ ምስ መንፈሳውያን እስራኤላውያን ኢዩ ምምልላስ ጀሚሩ። እዚኣቶም ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ እተቐብኡ ሰባት: ክፍሊ ናይቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኢሉ ዝጸውዖ ጕጅለ ኢዮም። (ገላትያ 6:16፣ ሮሜ 8:15-17) እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ኣብ 1 ጴጥሮስ 2:9 “ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ [“ፍሉይ ጥሪት” ትሓዓ ] ዝዀኑ ህዝቢ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ከም ዘለዉ እውን ዘክር። ጴጥሮስ ብምቕጻል “ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸወዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ” ብምባል እቶም መንፈሳውያን እስራኤል ተመዚዞምሉ ዘለዉ ዕዮ የመልክት።
ኣብ ግዜና ዘለዎ ፍጻሜ
3, 4. ኢሳይያስ ምዕራፍ 34 ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና ፍጻሜኣ ክትረክብ ከላ እቲ ኵነታት ከመይ ኢዩ ነይሩ፧
3 ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዘበን እዚ: እቶም ናይ መንፈሳውያን እስራኤል ተረፍ ነዚ መልእኽቲ እዚ ብቐጻሊ ንጡፋት ኰይኖም ካብ ምስባኽ ዝሰነፍሉ ግዜ ነይሩ ኢዩ። በቲ ናይ ኣምላኽ ዘገርም ብርሃን ምሉእ ብምሉእ ኣይሕጐሱን ኢዮም ነይሮም። እኳ ድኣ ኣብ እተወሰነ ጸልማት ኢዮም ነይሮም። እዚ መዓስ ኢዩ ነይሩ፧ የሆዋ ኣምላኽከ ብዛዕብኡ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧
4 እታ መስሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ምስ ቈመት: ቍሩብ ጸኒሑ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኢዮም ኣብ ጸልማት ነይሮም። ሃገራት: በቶም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዝነበሩ ናይ ቤተ ክርስትያናት ኣቕሽሽቲ ተደፋፊኦም ኣብ ንሓድሕዶም ተባልዑ። (ራእይ 11:17, 18) ልክዕ ኢዩ: ኣምላኽ ከምቲ ኣንጻር እቲ ዕቡይ ህዝቢ ኤዶም ዝነበረ: ነቶም ልዕል ዝበሉ ኣቕሽሽታ ሓዊስካ ኣንጻር ከሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እዛ ምሳልያዊት ኤዶም: ህዝበ-ክርስትያን: ነቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 34 ዘሎ ዘመናዊ ፍጻሜ ንምርካብ እትበቅዕ ኢያ። እዚ ነባሪ ብዝዀነ ጥፍኣት ዝወርድ ፍጻሜ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጥንታዊት ኤዶም ክፍጸም ከሎ ርግጽ ዝነበረ ሕጂውን ርግጽ ኢዩ።—ራእይ 18:4-8, 19-21
5. ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ኣብ ግዜና እንታይ ዓይነት ፍጻሜ ኢዩ ዘለዋ፧
5 እቲ ብዛዕባ ሓጐስ ዘጋንን ኣብ ምዕራፍ 35 ዘሎ ናይ ኢሳይያስ ትንቢትከ፧ እዚ እውን ኣብ ግዜና ተፈጺሙ ኢዩ። ከመይ ኢሉ ኢዩ እተፈጸመ፧ መንፈሳውያን እስራኤል ካብ ሓደ ዓይነት ምርኮ ምስ ተመልሱ ኢዩ ተፈጺሙ። ናይቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝነበረ ቲኦክራቲካዊ ታሪኽ: ኣብ ዕድመ ናይ ብዙሓት ብህይወቶም ዘለዉ እተፈጸመ: ሓቅታት እስከ ንመርምሮ።
6. እቶም ተረፍ ናይ መንፈሳውያን እስራኤል ኣብ ናይ ምርኮ ኵነታት ነይሮም ክንብል እንኽል ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብተዛማዲ ንሓጺር ግዜ ዝኸውን እቶም ተረፍ ናይ መንፈሳውያን እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ኣይጸረዩን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ኣይተሰማምዑን ነይሮም። ገሊኣቶም ብናይ ሰረተ-እምነት ጌጋታት ተጸይቖምን ነተን ዝዋግኣ ዝነበራ ሃገራት ክድግፉ ጸቕጢ ምስ ተገብረሎም ድማ ብወገን የሆዋ ንምዃን ንጹር ዝዀነ ኣቑዋም ብዘይምውሳዶም ተለማሚጦምን ኢዮም። ኣብዘን ናይ ውግእ ዓመታት እዚኣተን ኵሉ ዓይነት ስደት ኣሕሊፎም ኢዮም: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋቶም እውን ከይተረፈ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተኣጊዱ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ገለ ካብቶም ምርኡያት ዝዀኑ ኣሕዋት ተታሕዙ: ብናይ ሓሶት ክስታት ድማ ተኣስሩ። ነዚ ምልስ ኢልና ብምርኣይ: ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ናጻ ዝዀኑ ኣብ ናይ ምርኮ ኵነታት ከም ዝነበሩ ንምርዳእ ኣየጸግምን ኢዩ። (ምስ ዮሃንስ 8:31, 32 ኣረኣእዮ።) ከቢድ መንፈሳዊ ዑረት ወሪድዎም ነይሩ ኢዩ። (ኤፌሶን 1:16-18) ንኣምላኽ ኣብ ምምስጋን ድማ ብተዛማዲ ዓባሳት ኰኑ: እዚ ድማ ብመንፈሳዊ መገዲ ዘየፍርዩ ገበሮም። (ኢሳይያስ 32:3, 4፣ ሮሜ 14:11፣ ፊልጲ 2:11) እዚ ምስቲ ናይቶም ኣብ ባቢሎን ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝመሳሰል ሪኢኻዶ፧
7, 8. ዘመናውያን ተረፍ እንታይ ዓይነት ምምላስ ኢዮም ዘሕለፉ፧
7 እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ነዞም ዘመናውያን ኣገልገልቱ ኣብ ከምዚ ኵነታት ክገድፎም ድዩ፧ ኣይገድፎምን ኢዩ: ምስቲ ብኢሳይያስ ኣቐዲሙ እተዘርበ ብምስምማዕ ክመልሶም ወሲኑ ኢዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ምዕራፍ 35 ዘሎ ትንቢት: ነቶም ናይ መንፈሳውያን እስራኤል ተረፍ ኣብታ መንፈሳዊት ገነት ናብ ብልጽግናን ጥዕናን ብምምላስ ኣብ ግዜና ልክዕ ዝዀነ ፍጻሜ ይረክብ ኢዩ። ኣብ እብራውያን 12:12 ጳውሎስ ንኢሳይያስ 35:3 ብምሳልያዊ መገዲ ብምጥቃም: ነዚ ክፍሊ ናይ ትንቢት ኢሳይያስ እዚ መንፈሳዊ ኣወዓዕላ ከም ዘለዎ ምዝራብና ሓቂ ምዃኑ መስኪሩ ኢዩ።
8 ኣብቲ ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበረ ግዜ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ብምሳልያዊ መገዲ ካብ ምርኮ ወጹ። የሆዋ ኣምላኽ ሓራ ንኸውጽኦም ንየሱስ ክርስቶስ: እቲ ዓቢ ቂሮስ: ተጠቕመሉ። ስለዚ ድማ እዞም ተረፍ እዚኣቶም ልክዕ ከምቶም ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ንኽሃንጹ ናብ ሃገሮም እተመልሱ ተረፍ ናይቶም ጥንታውያን ኣይሁዳውያን ዝመሳሰል ናይ ዳግመ ምህናጽ ዕዮ ኽገብሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: እዞም ዘመናውያን መንፈሳውያን እስራኤል ሓንቲ መንፈሳዊት ገነት: ምሳልያዊት ገነት ኤደን: ክዅስኵሱን ከልምዑን ክጅምሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።
9. ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 35:1, 2, 5-7 ተገሊጹ ዘሎ ዝመሳሰል ኵነታት ኣብ ግዜና ዝማዕበለ ብኸመይ ኢዩ፧
9 ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ንኢሳይያስ ምዕራፍ 35 እንደገና ንርኣያ: እስከ መጀመርያ ቍጽሪ 1ን 2ን ንርአ። እቲ ምድሪ ኣጻምእ ዝመስል ቦታ ብሓቂ ክዕንብብን ልክዕ ከምቲ ናይ ጥንቲ ቦታታት ሳሮን ድማ ፈራዪ ክኸውንን ጀመረ። ካብ ቍጽሪ 5 ክሳዕ 7 ድማ ርአ። እቶም ተረፍ: ብዙሓት ካብኣቶም ጌና ብህይወት ዘለዉን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ድማ ንጡፋት ዝዀኑን: ናይ ምርዳእ ኣዒንቶም ተኸፊቱ ኢዩ። ትርጕም ናይቲ ኣብ 1914ን ድሕሪኡን እተፈጸመ ኵነታት ጽቡቕ ገይሮም ክርድእዎ ክኢሎም ኢዮም። እዚ ድማ ነዞም ሕጂ ኣብ ጐድኒ እቶም ተረፍ ኴንና እነገልግል ዘሎና “ዓቢ ጭፍራ” እውን ጸለውታ ኣለዎ።—ራእይ 7:9
ክፍሊ ናይቲ ፍጻሜ ዲኻ፧
10, 11. (ሀ) ኣብቲ ናይ ኢሳይያስ 35:5-7 ፍጻሜ እትዊ እትኸውን ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) ብዛዕባ እዞም ለውጥታት እዚኣቶም ብብሕትኻ ከመይ ይስምዓካ፧
10 ንኣብነት: ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ እሞ ሕሰብ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ምርኻብካ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ ኴንካዶ ተንብብ ነይርካ፧ ተንብብ እንተ ድኣ ነይርካ: ክሳዕ ክንደይ ዝኸውን ምርዳእ ነይሩካ፧ ንኣብነት ሕጂ ብዛዕባ ናይ ምዉታት ኵነታት ዘሎ ሓቂ ትፈልጥ ኢኻ። ንሓደ ብዛዕባኡ ዝግደስ ሰብ ንዘፍጥረት ምዕራፍ 2: መክብብ ምዕራፍ 9: ህዝቅኤል ምዕራፍ 18 ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ጥቕስታት ትጠቕሰሉ ትኸውን። እወ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሕ ኣርእስትታት ወይ ጕዳያት ዝምልከት ዝምህሮ ትርድኦ ኢኻ። ብሓጺሩ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኻ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ: ከምቲ ብዘይጥርጥር እትገብሮ ድማ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር ንኻልኦት ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ።
11 ይኹን እምበር: ኵልና ‘እዚ ፈሊጠዮ ዘለኹ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ከመይ ገይረ ኢየ ተማሂረዮ፧ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ቅድሚ ምጅማረይ: እዞም እተጠቕሱ ጥቕስታት ኣበይ ከም ዝርከቡ እፈልጦም ነይረዶ፧ ትርጕሞም ተረዲኤኸ ብዛዕባ መልእኽቶም ኣብ መደምደምታ እበጽሕዶ ነይረ ኢየ፧ ኢልና ምስ እንሓትት ሰናይ ንገብር። እቲ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ዝወሃብ ቅንዕና ዘለዎ መልሲ ኣይኰነን ዝብል ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ሓሳባት እዚ ዋላ ሓደ ክቅየም የብሉን ደኣምበር ብመሰረቱ ብዛዕባ እዞም ጥቕስታት እዚኣቶምን ትርጕሞምን ዕዉር ኢኻ ነይርካ። ከምኡዶ ኣይኰነን፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነይሮም ኢዮም: ከተስተውዕሎም ወይ ኣድላይነቶም ክትርዳእ ግን ኣይከኣልካን። እሞ ድሓር ድኣ ብመንፈሳዊ መገዲ ኣዒንትኻ ብኸመይ ተኸፍታ፧ እዚ በቲ የሆዋ ንፍጻሜ ኢሳይያስ 35:5 ኢሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ዝገበሮ ኢኻ ረኺብካዮ። ብግዴኻ ድማ ኣዒንትኻ ተኸፊተን። ድሕሪ ደጊም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ኣይኰንካን ዘሎኻ። ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።—ምስ ራእይ 3:17, 18 ኣረኣእዮ።
12. (ሀ) ዘሎናዮ እዋን: ትእምርታዊ ምሕዋይ ኣካላት ዝግበረሉ ግዜ ኣይኰነን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ናይ ሓው ኤፍ. ዳብሊው. ፍራንዝ ኵነታት ኢሳይያስ 35:5 ኣብ ግዜና ከመይ ኢላ ከም እትፍጸም ኣብነት ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧
12 ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት ዝነበሩ ንቑሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ተግባራት ኣምላኽን ተማሃሮ እዚ ግዜ እዚ ኣብ ታሪኽ ናይ ኣካላዊ ምሕዋይ ተኣምራታት ዝግበረሉ ግዜ ከም ዘይኰነ ይፈልጡ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 13:8-10) ስለዚ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ነብዪ ናይ ኣምላኽ ዝዀነ መሲሕ ምዃኑ ንምርግጋጽ: ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍት ትጽቢት ኣይንገብርን ኢና። (ዮሃንስ 9:1-7, 30-33) ወይ ድማ ንዅሎም ጸማማት እንደገና ከም ዝሰምዑ ክገብሮም ኣይንጽበን ኢና። እቲ ዕድሜኡ ዳርጋ 100 ዓመት በጺሑ ዝነበረ: ሓደ ካብቶም ቅቡኣትን ሽዑ ድማ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንትን ዝነበረ ፍረደሪክ ዳብሊው. ፍራንዝ ዳርጋ ዓይነ-ስውር ኢዩ ነይሩ: ናይ መስምዒ መሳርያ ድማ ክጥቀም ነበሮ። ንገለ ዓመታት ከንብብ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግን: ብመሰረት ኢሳይያስ 35:5 መን ኢዩ እሞ ዓይነ-ስዉር ወይ ጸማም ክብሎ ዝኽእል፧ እቲ ዝነበሮ በሊሕ መንፈሳዊ ራእዩ: ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ንበረኸት ኰይኑ ኢዩ።
13. ዘመናውያን ህዝቢ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ምልዋጥ ወይ ምምላስ ኢዮም ዘሕለፉ፧
13 ወይ ብዛዕባ መልሓስካኸ እንታይ ክበሃል ይኽእል፧ እቶም ናይ ኣምላኽ ቅቡኣት ተረፍ ኣብ መንፈሳዊ ምርኮ ከለዉ ዓባሳት ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ነቲ ኵነታት ሓንሳእ ምስ ለወጦ: ልሳውንቶም ብዛዕባ እታ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽን ንመጻኢ ዘለዎ ተስፋታትን ክጭድራ ጀመራ። ንዓኻውን መልሓስካ ንኽትፈትሕ ሓጊዞምኻ ይዀኑ ኢዮም። ቅድም ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ትዛረብ ነይርካ፧ ምናልባት ‘ምጽናዕ እሕጐሰሉ ኢየ: እንተዀነ ግን: ንዘይፈልጦም ሰባት ከይደ ፈጺመ ኣይዛረብን ኢየ’ ትብል ነይርካ ትኸውን። ይኹን እምበር: “ልሳን እቲ ዓባስ” ሕጂ ‘እልል ይብል’ ከም ዘሎስ ሓቂዶ ኣይኰነን፧—ኢሳይያስ 35:6
14, 15. ኣብ ግዜና ብዙሓት በታ “ቅድስቲ መገዲ” እተመላለሱ ብኸመይ ኢዮም፧
14 እቶም ካብ ባቢሎም ሓራ ዝወጹ ኣይሁዳውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ነዊሕ ኢዮም ተጓዒዞም። እዚኸ ኣብ ግዜና ምስ ኣየናይ ኢዩ ዝመሳሰል፧ ኣብ ኢሳይያስ 35:8 ዘሎ ንርአ:- “መገዲ ጽርግያ ኣብኣ ኽትከውን እያ: ቅድስቲ መገዲ ኽትበሀል እያ: ርኹስ ዘበለ ኣይኪሐልፋን እዩ።”
15 እቶም ቅቡኣት ተረፍ ካብ መንፈሳዊ ባርነት ካብ ዝወጹ ጀሚሮም: ሕጂ በቶም ሚልዮናት ዝዀኑ ካልኦት ኣባጊዕ እናተሰነዩ በቲ ምሳልያዊ መገዲ: ናብ መንፈሳዊ ገነት ዝመርሕ ጽሩይ መገዲ ቅድስና: ኣቢሎም ካብ ዓባይ ባቢሎን ወጺኦም ኢዮም። ነዛ መገዲ ቅድስና እንበቅዕን ኣብኣ ድማ እንጸንሕን ምእንቲ ክንከውን ዘሎና ኵሉ ጻዕሪ ንገብር ኣሎና። ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ እሞ ሕሰብ። እቲ ሕጂ ዘሎካ ናይ ስነ-ምግባር መዐቀንን እትስዕቦ ስርዓታትን ካብቲ ኣብ ዓለም ከሎኻ ዝነበረ ኣዝዩ ዝለዓለዶ ኣይኰነን፧ ንኣተሓሳስባኻን ጠባይካን ምስቲ ናይ ኣምላኽ ከተሰማምዖ ዝያዳ ጻዕሪ ትገብርዶ ኸይኰንካ፧—ሮሜ 8:12, 13፣ ኤፌሶን 4:22-24
16. በታ ቅድስቲ መገዲ ክንመላላስ ከሎና ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢና ከነስተማቕር እንኽእል፧
16 በዛ መገዲ ቅድስና ምኻድ ምስ እትቕጽል: ብመሰረቱ ብዛዕባ እቶም ኣራዊት ዝዀኑ ሰባት ካብ ምሽቓል ናጻ ክትከውን ኢኻ። ሓቂ ኢዩ: ኣብ ዓለም ስሱዓት ወይ ጽልኢ ዘለዎም: ሰባት ብምሳልያዊ መገዲ ብህይወትካ ከሎኻ ከይውሕጡኻ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ ብጭከና ኢዮም ዝመላለሱ። እዝስ ምስቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ኵነታት ከመይ ዝበለ ምንጽጻር ኰን ኢዩ ዘለዎ! ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ምህላው ኣብ ሓደ ጽኑዕ ቦታ ምህላው ማለት ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: እቶም ክርስትያናት ብጾትካ ፍጹማት ኣይኰኑን፣ ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ጌጋ ይገብር ወይ የሕርቐካ ይኸውን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣሕዋትካ ደይመደይ ኢሎም ክጐድኡኻ ወይ ክውሕጡኻ ከም ዘይፍትኑ ትፈልጥ ኢኻ። (መዝሙር 57:4፣ ህዝቅኤል 22:25፣ ሉቃስ 20:45-47፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29፣ 2 ቈረንቶስ 11:19, 20፣ ገላትያ 5:15) ኣብ ክንድኡስ ኣባኻ ተገዳስነት የርእዩ፣ ይሕግዙኻ ኢዮም፣ ምሳኻ ዀይኖም ከገልግሉ ድማ ይደልዩ ኢዮም።
17, 18. በየናይ መገዲ ኢያ ሕጂ ገነት ዘላ: እዚኸ ኣባና እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧
17 ነዚ ካብ ቍጽሪ 1 ክሳዕ 8 ዘሎ እዋናዊ ፍጻሜ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ንኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ክንርእያ ንኽእል ኢና። እታ ብልክዕ መንፈሳዊት ገነት እትበሃል ረኺብናያ ከም ዘሎናስ ንጹርዶ ኸይኰነ፧ የሎን ፍጽምቲ ኣይኰነትን—ጌና ኢያ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ኣብ ቍጽሪ 2 ተጠቒሱ ዘሎ ድሮ ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ “ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንጌጽ ኣምላኽናን” ክንርእዮ ስለ ዝኸኣልና ብሓቂ ገነት ኢያ። እቲ ፍሬኡኸ እንታይ ኢዩ፧ ቍጽሪ 10 ከምዚ ትብል:- “እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ: እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም: ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ: ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም: ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።” ብሓቂ ካብ ሓሶት ሃይማኖት ምውጻእናን ኣብ ትሕቲ ስምረት ኣምላኽ ድማ ሓቀኛ ኣምልኾ ምስዓብና ሓጐስ ዘለዓዕል ኢዩ።
18 እቲ ምስ ሓቀኛ አምልኾ እተተሓሓዘ ሓጐስ ቀጻሊ ኢዩ: ከምኡዶ ኣይኰነን ኢዩ፧ ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ለውጢ ክገብሩ: ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ድማ ክድልድሉ ትርኢ። መንእሰያት ክዓብዩ ኣብታ ጉባኤ ድማ መንፈሳዊ ዕቤት ከርእዩ ትርኢ። እትፈልጦም ሰባት ክጥመቑ እትርእየሉ: ጥምቀታት ኣሎ። እዚኣቶም ነዚ ሎሚ ዘሎ ኣኽል ታርፍ ዝዀነ ሓጐስ: ምኽንያታትዶ ኣይኰኑን፧ እወ: ካልኦት ኣብቲ መንፈሳዊ ናጽነትናን ገነት ዝመስል ኵነታትናን ክሓብሩ ከለዉስ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዝህልወና!
ጌና ንዝመጽእ ዝኸውን ፍጻሜ!
19. ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ብኸመይ ዝበለ ተስፋ ዘለዎ ትጽቢት ኢያ እትመልኣና፧
19 ክሳዕ ሕጂ ንኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ኣብቶም እተመልሱ ኣይሁድ ዝነበረ ቀዳማይ ፍጻሜኣን ሎሚ ዝርአ ዘሎ መንፈሳዊ ፍጻሜኣን ኢና ርኢና ዘሎና። እዚ ግና ናይ መወዳእታ ኣይኰነን። ካብኡ ንላዕሊ ኣሎ። ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንመጻኢ ዝኸውን ምምላስ ናይቲ ቃል ብቓሉ ኣብ ምድሪ ዝህሉ ገነታዊ ኵነታት ዝህቦ መረጋገጺ እተተሓሓዘ ኢዩ።—መዝሙር 37:10, 11፣ ራእይ 21:4, 5
20, 21. ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ጌና ካልእ ፍጻሜ ኣለዋ ኢልካ ምእማን ምኽንያታውን ቅዱስ ጽሑፋውን ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
20 ብዛዕባ ገነት ንጹር ዝዀነ መግለጺ ሂቡ ከብቅዕ: ድሓር ድማ ፍጻሜኡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ጥራይ ክውስኖ የሆዋ ዘይገብሮ ነገር ኢዩ። እዚ ግን: እቲ መንፈሳዊ ፍጻሜታት ትርጕም የብሉን ንምባል ኣይኰነን። ቃል ብቓሉ ገነት እንተ ተመስረተት እውን: ኣብ መንጎ እቲ ውቁብ ከባብን ሰላማውያን እንስሳታትን ብመንፈሳዊ ብልሹዋት: ተግባራቶም ከም ጨካናት ኣራዊት ዝዀኑ ሰባት ምስ ዝህልዉ ኣየዕግበናን ኢዩ። (ምስ ቲቶስ 1:12 ኣረኣእዮ።) እወ: እቲ መንፈሳዊ ነገር ኣዝዩ ኣድላዪ ብምዃኑ ብቐዳምነት ክመጽእ ኣለዎ።
21 ይኹን እምበር: እታ መጻኢት ገነት በዚ ሕጂ እነስተማቕሮ ዘሎናን ንመጻኢ ድማ ዝያዳ ከነስተማቕሮ ዘሎናን መንፈሳዊ ነገራት ጥራይ ተወሲና ኣይትተርፍን ኢያ። ከም ናይ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ዝኣመሰለ ትንቢታት ቃል ብቓሉ ክፍጸም ክንጽበ ጽቡቕ ዝዀነ ምኽንያት ኣሎና። ስለምንታይ፧ ኣብ ምዕራፍ 65 ኢሳይያስ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ኢሉ ይንበ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ መዓልቲ የሆዋ ክስዕብ ዘለዎ ክዛረብ ከሎ ነዚ ሓሳብ እዚ ተጠቒምሉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 65:17, 18፣ 2 ጴጥሮስ 3:10-13) ጴጥሮስ እቲ ‘ሓድሽ ምድሪ’ ክውን ክኸውን ከሎ: እቲ ኢሳይያስ ዝበሎ ነገራት ብርግጽ ከም ዝህሉ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ኣባይቲ ክሰርሑ ክነብርወን ድማ ኢዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ክተኽሉ ፍሪኡ ኸኣ ክበልዑ ኢዮም፣ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ክሕጐስሉ፣ ተዅላን ዕየትን ብሓደ ኺጓሰዩ: ኣብ ብዘላ ምድሪ ድማ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ኣየጋጥምን ዝብል ድሮ እትፈልጦ መግለጺታት ዘጠቓልል ኢዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ነዊሕ ዕድመ: ጽኑዕ ገዛውቲ: ኣኽል-ታርፍ መግቢ: ዘዕግብ ስራሕ: ሰላም ኣብ መንጎ እንስሳታት ከምኡውን ኣብ መንጎ እንስሳታትን ሰብን ክህሉ ማለት ኢዩ።
22, 23. ኣብቲ መጻኢ ፍጻሜ ናይ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 እንታይ ንሓጐስ መሰረት ዝኸውን ነገር ኢዩ ክህሉ፧
22 እዚ ተስፋ እዝስ ብሓጐስ ኣይመልኣካንዶ ኢዩ፧ ኣምላኽ ከምኡ ገይሩ ስለ ዝፈጠረና ብሓጐስ ክመልኣካ ኣለዎ። (ዘፍጥረት 2:7-9) ስለዚ እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ዘሎ ትንቢት ደኣ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብሓጐስ ንኽንጭድር ተወሳኺ ምኽንያት ዝዀነና ኢዩ። ከም እንሕጐስ ዝገብረና ድማ ቃል ብቓሉ ምድረ በዳን ምድሪ ኣጻምእን ክዕንብብ ኢዩ። ድሕሪ’ዚ እቶም ሰማያዊ ኣዒንቲ: ወይ ቡናዊ ኣዒንቲ ወይ ካልእ ባህ ዘብል ሕብሪ ዘለዎም: እንዀነ ግን ዕዉራት ዝዀኑ ሰባት ክርእዩ ክኽእሉ ኢዮም። ጸማማት ዝዀኑ ክርስትያናት ብጾትና: ወይ ድማ እቶም ናይ ምስማዕ ጸገም ዘሎና እውን ከይተረፈ ብንጹር ክንሰምዕ ክንክእል ኢና። ቃል ኣምላኽ ከነንብብን ክንገልጽን: ከምኡውን ነቲ ካብ ኣእዋም ዝመጽእ ድምጺ: ናይ ቈልዓ ስሓቕ: ናይ ዑፍ መዝሙር ክንሰምዕ ክንክእል: ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!
23 ሓንካሳት: ነቶም ሕጂ ብኣርትራይትስ ዝሳቐዩ ዘለዉ እውን ሓዊስካ: ብዘይ ቃንዛ ክንቀሳቐሱ ኢዮም ማለት ኢዩ። ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ! ሽዑ ቃል ብቓሉ ብርቱዓት ወሓይዝ ኣብ ምድረ በዳ ክውሕዙ ኢዮም። ናይ ማይ ቦሕባሕታ ክንርኢ ከምኡውን ናይ መንጫዕጫዕታ ማይ ድምጺ ክንሰምዕን ኢና። ኣብኡ ክንመላለስ ከምኡውን ነቲ ልሙዕ ሳዕርን ሰትን ክንሕዞ ኢና። ብሓቂ እተመልሰት ገነት ክትከውን ኢያ። ብዘይ ፍርሂ ኣብ ጥቓ ኣንበሳን ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ እንስሳን ክትከውንሲ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ፧ ነቲ ዝህሉ ትርኢት ድሮ ኵልና ብሓሳብና ኣስተማቒርናዮ ስለ ዝዀንናስ ሓደ ኢልና ምግላጹ ኣየድልየናን ኢዩ።
24. ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 35:10 ዘሎ መግለጺ ክትሰማማዕ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
24 ኢሳይያስ “እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱ: እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም: ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኽልል እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና። ስለዚ ብሓጐስ ክንጭድር ምኽንያት ከም ዘሎና ክንሰማምዓሉ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ድሮ ንህዝቡ ኣብዛ መንፈሳዊት ገነት ዝገብረሎም ዘሎ ንሕጐስ: ከምኡውን በቲ ኣብታ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እትህሉ ገነት ክኸውን እንጽበዮ ነገራት ንሕጐስ ኢና። ኢሳይያስ ብዛዕባ እቶም ሕጕሳት—ብዛዕባና—ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም: ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።”—ኢሳይያስ 35:10
ኣስተውዒልካዶ፧
◻ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 እንታይ ካልኣይ ፍጻሜ ነይርዋ፧
◻ ነቲ ኢሳይያስ ብትንቢት እተዛረቦ ትእምርታዊ ለውጥታት እንታይ መንፈሳዊ ተመሳሳልነት ኢዩ ዘለዎ፧
◻ ኣብ ፍጻሜ ናይዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ኢኻ እትካፈል፧
◻ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ብዛዕባ መጻኢ ብተስፋ እትመልኣና ኢያ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ብሰነ 1918 እቶም ሸውዓተ ፍሉጣት ኣሕዋት እተኣስርሉ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ኣብ ጐደና ረይሞን ዘሎ ቤት ማእሰርቲ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ዋላ እኳ ኣብቲ ዳሕረዋይ ዕድሚኡ ዳርጋ ዓይነ-ስዉር እንተነበረ: ናይ ሓው ፍራንዝ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ንቑሕ ኢዩ ነይሩ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
መንፈሳዊ ዕብየትን ምዕባለን ንሓጐስ ምኽንያት ዝዀኑ ኢዮም