ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣቲኻዶ ኢኻ፧
“እቲ ኣብ ዕረፍቱ [“ዕረፍቲ ኣምላኽ: ” NW ] ዝአተወስ: . . . ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ አሎ።”—እብራውያን 4:10
1. ዕረፍቲ ኣዝዩ ተባሃጊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
ዕረፍቲ። እዛ ቓል እዚኣስ ክሳዕ ክንደይ ጥዕምትን ባህ እተብልን ኰን ኢያ! መብዛሕትና ኣብዛ ሸበድበድ እትብልን ዕግርግር ዝመልኣን ዓለም ሒደት ዕረፍቲ ምውሳድ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ንሰማምዓሉ ኢና። ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: እተመርዓና ንኹን ንጽል ብምኽንያት እቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ዘጋጥመና ነገራት ናይ ጸቕጥን ድኻምን ስምዒታት ይህልወና ይኸውን። ነቶም ውሱን ዓቕሚ ወይ ከኣ ናይ ኣካል ድኻም ዘለዎም ሰባት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብድሆ ኢያ እትዀኖም። ከምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ የስቈርቍርን ቅልውላው ሒዝዎን ኣሎ።’ (ሮሜ 8:22) ሓደ ዘዕርፍ ዘሎ ሰብ ግድን ሃካይ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ዕረፍቲ: ወድሰብ ክረኽቦ ዘድልዮ ነገር ኢዩ።
2. የሆዋ ካብ መዓስ ጀሚሩ ኢዩ ዘዕርፍ ዘሎ፧
2 የሆዋ ኣምላኽ ንባዕሉ ኣብ ዕረፍቲ ኢዩ ዘሎ። ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ሰማይን ምድርን ኵሉ ሰራዊቶምን ተፈጸሙ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ: ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ዐረፈ።” የሆዋ ነታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ፍሉይ ትርጕም ኢዩ ሂብዋ: ከመይሲ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ቀጺሉ “ኣምላኽ ከኣ . . . ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን” ኢዩ ዝብል።—ዘፍጥረት 2:1-3
ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዓረፈ
3. ኣምላኽ ዝዓረፈሎም ምኽንያታት ክዀኑ ዘይክእሉ ኣየኖት ኢዮም፧
3 ኣምላኽ ኣብታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ዝዓረፈ ስለምንታይ ኢዩ፧ ርግጽ ኢዩ: ስለ ዝደኸመ ኣይኰነን ዘዕረፈ። የሆዋ ‘ዕቤት ምልኪ’ ኣለዎ: “ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን” ከኣ ፍሉጥ ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:26, 28) የሆዋ ዘዕረፈ እፎይ ንኽብል ወይ ንለውጢ ኢሉ ኣይኰነን: ከመይሲ የሱስ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር: ኣነውን እገብር አሎኹ” ኢሉ ነጊሩና ኣሎ። (ዮሃንስ 5:17) እወ: “ኣምላኽ መንፈስ እዩ:” በቲ ኣብ ኣካል ዝርአ ዑደትን? ንስጋውያን ፍጥረታት ዘድልዮም ነገራትን ኣይቅየድን ኢዩ።—ዮሃንስ 4:24
4. እታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ካብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ‘መዓልትታት’ እተፈለየት ክትከውን እትኽእል በየናይ መገዲ ኢያ፧
4 ኣምላኽ ኣብታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ዘዕረፈሉ ምኽንያት ክንፈልጠሉ እንኽእል ገለ ምስትውዓል ብኸመይ ክንረክብ ምኸኣልና፧ ኣብተን ነዊሕ እዋን ዝወሰዳ ሽዱሽተ ናይ ፍጥረት ‘መዓልትታት’ ብዝፈጸሞ ነገራት ኣዝዩ ተሓጒሱ እኳ እንተ ነበረ: ነታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ፈልዩ ከም ዝባረኻን ከም ‘ዝቐደሳን’ ምስ እነስተብህል ኢዩ። ኮንሳይስ ኦክስፎርድ ዲክሽነሪ (እንግሊዝኛ) ነታ “ቅዱስ” እትብል ቃል “(ንኣምላኽ ወይ ከኣ ንገለ ሃይማኖታዊ ዕላማ ተባሂሉ) ብፍላይ እተወፈየ ወይ ከኣ እተመደበ” ብምባል ይገልጻ። ስለዚ እምበኣር የሆዋ ነታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ምብራኹን ምቕዳሱን እታ መዓልቲ እቲኣን ‘ዕረፍቱን’ ምስቲ ንዕኡ ዘድልዮ ነገራት ዘይኰነስ ምስቲ ቅዱስ ፍቓዱን ዕላምኡን ገለ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝሕብር። እቲ ምትሕሓዝ እቲ እንታይ ኢዩ፧
5. ኣምላኽ ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ናይ ፍጥረት ‘መዓልትታት’ ከም ዝዓዪ ዝገበሮ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
5 ኣብ እዋን እተን ቀዳሞት ናይ ፍጥረት ሽዱሽተ ‘መዓልትታት’ ኣምላኽ ነቲ ኣሰራርሓ ናይ ምድርን ንዅሉ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ነገራትን ዘመሓድር ዑደትን ሕግታትን ፈጢሩ: ከም ዝዓዪ ድማ ገይርዎ ኢዩ። ሕጂ ሊቃውንቲ እዚ ነገራት እዚ ክሳዕ ክንደይ ብዘደንቕ ኵነታት ከም እተሰርሐ ይርድኡ ኣለዉ። ኣምላኽ ኣብ ምውዳእ ናይታ “ሳድሰይቲ መዓልቲ” ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጢሩ ኣብታ ‘ብሸነኽ ምብራቕ’ ዝነበረት ‘ገነት ኤድን’ ኣንበሮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣምላኽ ንሰብኣዊ ስድራቤትን ምድርን ዝምልከት ዕላምኡ በዚ ዝስዕብ ትንቢታዊ ቃላት ገይሩ ገለጾ:- “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለምም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ።”—ዘፍጥረት 1:28, 31፣ 2:8
6. (ሀ) ኣብ መወዳእታ ናይታ “ሳድሰይቲ መዓልቲ” ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዝፈጠሮ ኵሉ ነገራት እንታይ ተሰምዖ፧ (ለ) እታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” በየናይ መገዲ ኢያ እተቐደሰት፧
6 እታ ናይ ፍጥረት “ሳድሰይቲ መዓልቲ” ክትውዳእ ከላ እቲ ጸብጻብ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ብምባል ይነግረና። (ዘፍጥረት 1:31) ኣምላኽ በቲ ዝገበሮ ኵሉ ነገር ዓጊቡ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ንምድሪ ብዝምልከት ተወሳኺ ናይ ፍጥረት ስራሕ ካብ ምስራሕ ዓሪፉ ወይ ከኣ ኣቋሪጹ ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር እታ ናይ ሽዑ ገነት ሽሕኳ ፍጽምትን ውቅብትን እንተ ነበረት ንእሽቶ ቦታ ጥራይ ዝሓዘት ኢያ ነይራ: ኣብ ምድሪ ድማ ክልተ ሰብኣውያን ፍጥረታት ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ምድርን ሰብኣዊ ስድራቤትን ነቲ ኣምላኽ ዕላማ ዝገበረሉ ስፍሓት ንኽበጽሕዎ ግዜ ክወስድ ነበሮ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ‘መዓልትታት’ ዝፈጠሮ ፍጥረታት ብምሉኡ ምስቲ ቅዱስ ፍቓዱ ተሰማሚዑ ከም ዝኸይድ እትገብር “ሳብዐይቲ መዓልቲ” መደበ። (ምስ ኤፌሶን 1:11 ኣረኣእዮ።) እታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ምስ ተዛዘመት ምድሪ ፍጹማት ሰብኣውያን ስድራቤት ንዘለኣለም ዝነብሩላ ዓለምለኻዊት ገነት ክትከውን ኢያ። (ኢሳይያስ 45:18) እታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” እምበኣር እቲ ንምድርን ንደቅሰብን ዝምልከት ፍቓድ ኣምላኽ ክዕየየላን ክፍጸመላን ተመዲባ ወይ ከኣ ተወፍያ ኢያ። በዚ መገዲ እዚ ‘ተቐዲሳ’ ኢያ።
7. (ሀ) ኣምላኽ ኣብታ “ሳብዓይቲ መዓልቲ” ዝዓረፈ በየናይ መገዲ ኢዩ፧ (ለ) እታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ክትዛዘም ከላ ኵሉ ነገራት ዝቕየር ብኸመይ ኢዩ፧
7 ስለዚ ኣምላኽ ካብቲ ናይ ፍጥረት ዕዮኡ ኣብታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ዓሪፉ ኢዩ። እዚ ድማ ንግዜኡ ከም ዘቋረጸ ኰይኑ ነቲ ከም ዝዓዪ ዝገበሮ ነገር ዕዮኡ ባዕሉ ክውድእ ኣፍቂዱሉ ማለት ኢዩ። ኵሉ ዝፈጠሮ ነገራት ኣብ መወዳእታ ናይታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ልክዕ ከምቲ ዝዓለሞ ኰይኑ ክርከብ ኢዩ። ዕንቅፋታት ከጋጥም ዝኽእል እኳ እንተዀነ ክሰዓር ኢዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክውንነት ዘለዎ ኰይኑ ምስ ተረኽበ ኵሎም ደቅሰብ ክጥቀሙ ኢዮም። በረኸት ኣምላኽ ኣብታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ክወርድ ስለ ዘለዎን ስለ ‘ዝቐደሳን’ ነዚ ከቋርጾ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር የለን። ኣየ እዝስ ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ መጻኢ ኰን ኢዩ!
እስራኤላውያን ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ካብ ምእታው ሰነፉ
8. እስራኤላውያን ንሰንበት መዓስን ብኸመይን ኢዮም ከኽብርዋ ዝጀመሩ፧
8 ህዝቢ እስራኤል ካብቲ የሆዋ ኣምላኽ ንዕዮን ዕረፍትን ኢሉ ዝሰርዖ ምድላዋት ተጠቒሞም ኢዮም። ንእስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና ሕጊ ቅድሚ ምሃቡ እውን ከይተረፈ: ብሙሴ ኣቢሉ ከምዚ ብምባል ነገሮም :- “ርአዩ: እግዚኣብሄር ሰንበት ሂቡኩም እዩ እሞ: ስለዚ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዚኸውን እንጌራ ይህበኩም አሎ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ሓደ እኳ ኻብ ስፍራኡ ኣይውጻእ።” ፍረ ናይዚ ድማ “እቲ ህዝቢ . . . በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈ።”—ዘጸኣት 16:22-30
9. ሕጊ ሰንበት እስራኤላውያን ብዘይ ጥርጥር ሓንጐፋይ ኢሎም እተቐበልዎ ለውጢ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
9 እዚ ምድላው እዚ ነቶም ሽዑ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዝወጹ እስራኤላውያን ሓዲሽ ኢዩ ነይሩ። ሽሕ’ኳ ግብጻውያንን ካልኦት ሃገራትን ንዕረፍቲ ዝኸውን ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ዓሰርተ መዓልትታት ይምድቡ እንተ ነበሩ: ነቶም ኣብ ባርነት ዝነበሩ እስራኤላውያን ግን ናይ ዕረፍቲ ግዜ ይፍቀደሎም ነይሩ ክበሃል ዘይመስል ኢዩ። (ምስ ዘጸኣት 5:1-9 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እምበኣር ህዝቢ እስራኤል ነዚ ለውጢ እዚ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎምዎ ኢዮም ኢልካ ክትድምድም ምኽንያታዊ ኢዩ። ነቲ ንሰንበት ዝምልከት ብቕዓታት ከም ጾር ወይ ከኣ ከም ቀይዲ ገይሮም ኣብ ክንዲ ዝርእይዎ ንኽስዕብዎ ሕጉሳት ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። አረ ኣምላኽውን ጸኒሑ ሰንበት ነቲ ኣብ ግብጺ ዘሕለፍዎ ባርነትን ነቲ ዝገበረሎም ሓራ ምውጻእን ከም መዘኻኸሪ ኰይና ከተገልግል ከም ዝዀነት ነጊርዎም ኢዩ።—ዘዳግም 5:15
10, 11. (ሀ) እስራኤላውያን እዙዛት ነይሮም እንተ ዝዀኑ እንታይ ኢዮም ክረኽቡ ዝኽእሉ ነይሮም፧ (ለ) እስራኤላውያን ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክኣትዉ ዘይክኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
10 እቶም ምስ ሙሴ ካብ ግብጺ ዝወጹ እስራኤላውያን እዙዛት ነይሮም እንተዝዀኑ: ናብታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ” ተስፋ ናይ ምእታው መሰል ምረኸቡ ነይሮም። (ዘጸኣት 3:8) ኣብኡ ድማ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምሉእ ናብራ ህይወቶም ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ምረኸቡ ነይሮም። (ዘዳግም 12:9, 10) ይኹን እምበር: ከምኡ ኰይኑ ኣይተረኽበን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕብኦም ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ሰሚዖም ዘነደርዎኸ ኣየኖት እዮም፧ እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ኵላቶም ደይኰኑን፧ ንንመንከ እዩ ኣርብዓ ዓመት ዝዀረየሎም፧ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧ ንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይአትዉ ዝመሐለ፧ ነቶም ዘይተአዘዙ ደይኰነን፧ ብሰሪ ዘይምእማን ኪአትዉ ኸም ዘይከአሉውን: ንርኢ አሎና።”—እብራውያን 3:16-19
11 እዝስ ንዓና ከመይ ዝበለ ሓያል ትምህርቲ ኰን ኢዩ ዘመሓላልፈልና! ኣብ የሆዋ ዝነበሮም እምነት ስለ ዘጕደሉ እቶም ወለዶ እቲኦም ነቲ እተማባጽዓሎም ተስፋ ክረኽብዎ ኣይክኣሉን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ኣብ በረኻ ተወድኡ። ዘርኢ ኣብርሃም ከም ምዃኖም መጠን ንዅሎም ህዝብታት ምድሪ በረኸት ብምድላው ዝመጸ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ እተቐራረበ ርክብ ከም ዝነበሮም ካብ ምስትውዓሉ ሰነፉ። (ዘፍጥረት 17:7, 8፣ 22:18) ምስቲ መለኮታዊ ፍቓድ ተሰማሚዖም ኣብ ክንዲ ዝኸዱ ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ዓለማውን ስሱዕን ባህግታቶም ዘንበሉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ዘይንወድቕ ይግበረና!—1 ቈረንቶስ 10:6, 10
ዕረፍቲ ተሪፋ ኣላ
12. ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ መጻኢ ኢዩ ገና ተነቢሩሎም ዝነበረ: ብኸመይከ ኢዮም ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ፧
12 እስራኤላውያን እምነት ብምጕዳሎም ምኽንያት ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ዘይምእታዎም ድሕሪ ምጥቃሱ: ጳውሎስ ኣቓልቦኡ ናብቶም ኣመንቲ ብጾቱ ይገብር። ከምቲ ኣብ እብራውያን 4:1-5 ተመልኪቱ ዘሎ ‘ናብ [ናይ ኣምላኽ] ዕረፍቲ ንምእታው ተስፋ ተሪፉ’ ምህላዉ ኣረጋገጸሎም። ጳውሎስ “ንሕና እንአምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና” ብምባል በቲ “ብስራት” ክኣምኑ ተላበዎም። እቲ ሕጊ ብበጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ድሮ ኣልጊሱ ስለ ዝነበረ: ጳውሎስ ኣብዚ ነቲ ብሰንበት እተዳለወ ስጋዊ ዕረፍቲ ኣይኰነን ዘመልክት ነይሩ። (ቈሎሴ 2:13, 14) ጳውሎስ ዘፍጥረት 2:2 ከምኡውን መዝሙር 95:11 ብምጥቃስ ንእብራውያን ክርስትያናት ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክኣትዉ ይላበዎም ነበረ።
13. ጳውሎስ መዝሙር 95 ብምጥቃስ ነታ “ሎሚ” እትብል ቃል ዘቕለበላ ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ልክዕ ከምቲ ዕረፍቲ ሰንበት ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን “ብስራት” ዝነበረ: ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ተኽእሎ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት “ብስራት” ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዝፈጸምዎ ጌጋ ከይገብሩ ይላበዎም። ሽሕ’ኳ ኣምላኽ ካብ ፍጥረት ካብ ዝዓርፍ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ገይሩ እንተ ነበረ: ጳውሎስ ነቲ ሕጂ ኣብ መዝሙር 95:7, 8 ዝርከብ ሓሳብ ብምጥቃስ ነታ “ሎሚ” እትብል ቃል ኣተኲሩላ ኣሎ። (እብራውያን 4:6, 7) እቲ ጳውሎስ ኣተኲሩሉ ዝነበረ ነጥቢ እንታይ ኢዩ፧ እታ ኣምላኽ ንምድርን ንደቅሰብን ዝምልከት ዕላምኡ ምሉእ ብምሉእ ክፍጸመላ ኢሉ ዝመደባ “ሳብዐይቲ” መዓልቲ ገና ዕዮኣ ትቕጽል ከም ዝነበረት ዝገልጽ ነጥቢ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እቶም ኣመንቲ ብጾቱ ኣብ ክንዲ በቲ ስሱዕ መገድታት ትሑዛት ዝዀኑ ምስቲ ዕላማ እቲ ተሰማሚዖም ክዓዩ ህጹጽ ኢዩ ነይሩ። ስለ ዝዀነ ድማ ነቲ “ልብኹም ኣይተትርሩ” ዝብል መጠንቀቕታ ደገሞ።
14. ጳውሎስ “ዕረፍቲ” ኣምላኽ ገና ተሪፋ ከም ዘላ ዝሓበረ ብኸመይ ኢዩ፧
14 ብተወሳኺ: ጳውሎስ እቲ ተስፋ ተዋሂቡሉ ዝነበረ “ዕረፍቲ” ብመሪሕነት እያሱ ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስፋሮም ጥራይ ከም ዘይነበረ ኣርእዩ ኢዩ። (እያሱ 21:44) ጳውሎስ “እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዚኸውንሲ: ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ” በለ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ጳውሎስ ወሲኹ “ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም አላ” በለ። (እብራውያን 4:8, 9) እታ “ዕረፍቲ ሰንበት” እቲኣ እንታይ ኢያ፧
ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ምእታው
15, 16. (ሀ) እታ “ዕረፍቲ ሰንበት” እትብል ስያመ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ፧ (ለ) ካብ ‘ዕዮኻ ምዕራፍ ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
15 እታ “ዕረፍቲ ሰንበት” እትብል መግለጺት ካብታ “ሰንበት ምብዓል” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ። (ኪንግደም ኢንተርሊንየር እንግሊዝኛ ) ፕሮፌሰር ዊልያም ለይን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እታ ስያመ እቲኣ: ነቲ ፍሉይ ትርጕማ ዝረኸበት ካብቲ ኣብ ኣይሁድነት ብመሰረት ዘጸኣት 20:8-10 ዝማዕበለ ናይ ሰንበት መምርሒ ኢዩ: ኣብቲ ጥቕሲ ዕረፍትን ውዳሰን ሓቢሩ ከም ዝኸይድ ጐሊሑ ኣሎ . . . ነቲ ንኣምላኽ ኣብ ምምላኽን ምውዳስን ዝግለጽ ናይ በዓልን ሓጐስን ፍሉይ መዳይ የጕልሕ።” ስለዚ እምበኣር እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዕረፍቲ ካብ ስራሕ ምዕራፍ ጥራይ ዘመልክት ኣይኰነን። ካብ ኣድካምን ዕላማ ዘይብሉን ስራሕ ናብቲ ንኣምላኽ ክብሪ ዝህብ ሓጐስ ዝመልኦ ኣገልግሎት ምቕያር ማለት ኢዩ።
16 እዚ ድማ በቲ ቀጺሉ ዘሎ ቃላት ጳውሎስ ተረጋጊጹ ኣሎ:- “እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝአተወስ: ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ: ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ አሎ።” (እብራውያን 4:10) ኣምላኽ ኣብታ ሳብዐይቲ ናይ ፍጥረት መዓልቲ ስለ ዝደኸመ ኣይኰነን ዓሪፉ። ኣብ ክንድኡ ግን ካብቲ ምድራዊ ናይ ፍጥረት ዕዮኡ ዘቋረጸ እቲ ግብሪ ኣእዳዉ ንዕኡ ውዳሰን ክብርን ብዘምጽእ መገዲ ንኽዓብን ናብ ምሉእ ግርማ ንኽበጽሕን ክሓድጎ ኢሉ ኢዩ። ንሕናውን ክፍሊ ፍጥረት ኣምላኽ ስለ ዝዀንና ምስቲ ምድላው እቲ ክንሰማማዕ ኣሎና። ‘ካብ ግብርና ክንዓርፍ ’ ይግብኣና: እዚ ድማ ድሕነት ክንረክብ ኢልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርእስና ካብ ምምጽዳቕ ክንቍጠብ ኣሎና ማለት ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን ድሕነትና ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ እተመርኰሰ ምዃኑ እምነት ክህልወና ኣለዎ። ከመይሲ ኵሉ ነገራት እንደገና ምስ ዕላማ ኣምላኽ ዝሰማምዕ በቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ኣቢሉ ኢዩ።—ኤፌሶን 1:8-14፣ ቈሎሴ 1:19, 20
ቃል ኣምላኽ መስለጢ ኢዩ
17. ነየናይ ስጋውያን እስራኤል ዝሰዓብዎ መገዲ ኢና ከነርሕቖ ዘሎና፧
17 እስራኤላውያን ብሰንኪ ዘይምእዛዞምን እምነት ምጕዳሎምን ኣብቲ ኣምላኽ እተማባጽዖ ዕረፍቲ ካብ ምእታው ሰኒፎም ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት “ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ: ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጋደል” ብምባል ተላበዎም። (እብራውያን 4:11) መብዛሕትኦም ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ኣይሁድ ኣብ የሱስ ኣይኣመኑን: መብዛሕትኦም ድማ እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ብ70 ከ.ኣ.ዘ ምስ ኣብቅዐ ከቢድ ስቓይ ወሪድዎም ኢዩ። ሎሚ ኣብቲ ናይ ቃል ኣምላኽ መብጽዓ እምነት ከነሕድር ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ኰን ኢዩ!
18. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ንምግባር ዘቕረቦ ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ “ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ” ብኸመይ ኢዩ፧
18 ኣብ ቃል የሆዋ እምነት ከነሕድር ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” (እብራውያን 4:12) እወ: ቃል ኣምላኽ ወይ መልእኽቱ “ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ” ኢዩ። እቶም እብራውያን ክርስትያናት: ነቲ ንኣቦታቶም ዘጋጠሞም ነገራት ክዝክርዎ ነበሮም። ኣቦታቶም ነቲ የሆዋ ኣብ በረኻ ክጠፍኡ ምዃኖም ዝሃቦም ፍርዲ ዕሽሽ ብምባል ናብ ምድሪ ተስፋ ክኣትዉ ፈተኑ። ሙሴ ግን “ኣብኡ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ኣብ ቅድሜኹም አለዉ እሞ: ብሴፍ ክትወድቁ ኢኹም” ብምባል ኣጠንቀቖም። እስራኤላውያን ክሳዶም ኣትሪሮም ንቕድሚት ምስ ደየቡ “እቶም ኣብቲ ኸረን ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን . . . ወሪዶም ወቕዕዎም: ክሳዕ ሖርማ ኸኣ ቀጥቀጥዎም።” (ዘሁልቍ 14:39-45) ቃል የሆዋ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ ኢዩ: ደይመደይ ኢሉ ዕሽሽ ዝብሎ ሰብ ድማ ፍሪኡ ከም ዝዓጽድ እተረጋገጸ ኢዩ።—ገላትያ 6:7-9
19. ቃል ኣምላኽ ናይ ‘ምስጣም’ ሓይሉ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ: ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ተሓታትነት ኣፍልጦ ክንህበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
19 ቃል ኣምላኽ “ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም” ካብ ኰነ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ኰን ኢዩ! ኣብ ናይ ውልቀ-ሰባት ኣተሓሳስባን ድራኸን ዝሰርጽ ኢዩ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ክሳዕ እቲ ኣብቲ ውሽጣዊ ክፍሊ ናይ ኣዕጽምቲ ኣንጕዕ ዝበጽሕ ኢዩ! እቶም ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዝወጹ እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ክሕልውዎ ምዃኖም ተሰማሚዖም እኳ እንተ ነበሩ: ንምድላዋቱን ነቲ ንሱ ካብኣቶም ዝደልዮ ብቕዓታት ብልቦም ከም ዘየማስውሉ የሆዋ ይፈልጦም ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 95:7-11) ፍቓዱ ኣብ ክንዲ ዝገብሩ ንስጋዊ ባህግታቶም ኣብ ምዕጋብ ኢዮም ዘተኵሩ ነይሮም። ስለዚ ኸኣ ኣብቲ በረኻ ድኣ ተወድኡ እምበር: ናብቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ዕረፍትስ ኣይኣተዉን። እዚ መለበሚ ክዀነና ይግባእ: ከመይሲ “እቲ ጸብጻብ እንህቦ . . . ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር: ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን።” (እብራውያን 4:13) ስለዚ እምበኣር እቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ እንፍጽምን ‘ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዘይንምለስን’ ይግበረና።—እብራውያን 10:39
20. ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ዘሎና እንታይ ኢዩ: ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ንምእታውከ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
20 “እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ”—ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ዕረፍቲ—ገና ትቕጽል እኳ እንተላ እቲ ንምድርን ደቅሰብን ዝምልከት ዕላምኡ ክፍጸም ከሎ ብንቕሓት ይከታተሎ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ድማ እቲ መሲሓዊ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ: ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ሓዊስካ ንዅሎም ተጻረርቲ ፍቓድ ኣምላኽ ብምጥፋእ ንምድሪ ከጽርያ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ሽሓዊ ግዝኣት: የሱስን እቶም 144,000 መጋዝእቱን ንምድርን ደቅሰብን ናብቲ ኣምላኽ ዕላማ ገይርሉ ዝነበረ ኵነታት ከብጽሕዎም ኢዮም። (ራእይ 14:1፣ 20:1-6) ናብራና ፍቓድ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እተሓጽረ ምዃኑ እነረጋግጸሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ገዛእ ርእስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከነማጻድቕን ንረብሓታትና ከነማልእን ኣብ ክንዲ ምድላይ ሕጂ ‘ካብ ግብርና እንዓርፈሉን’ ብምሉእ ነፍስና ንረብሓታት እታ መንግስቲ እነገልግለሉን ግዜ ኢዩ። ከምዚ ብምግባርን ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ እሙናት ኴንና ብምጽናሕን ነቲ ካብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ዝርከብ ረብሓታት ሕጅን ንዘለኣለምን ናይ ምስትምቓር መሰል ክህልወና ኢዩ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ኣምላኽ ኣብታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ዝዓረፈ ንኸመይ ዝበለ ዕላማ ኢዩ፧
◻ እስራኤላውያን ነየናይ ዕረፍቲ ኢዮም ክረኽብዎ ዝኽእሉ ነይሮም: ክኣትዉ ዘይክኣሉ ግን ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ንምእታው እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
◻ ቃል ኣምላኽ ህያውን ሓያልን ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕን ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]
እስራኤላውያን ንሰንበት ሓልዮም ኢዮም ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ግን ኣይኣተዉን። ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧