እምነት ንተግባር ትድርኸና!
“እምነት [ኣብርሃም ] ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት: እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት: ትርኢ አሎኻ።”—ያእቆብ 2:22
1, 2. እምነት እንተድኣ ኣልዩና ብኸመይ ኢና እንመላለስ፧
ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣሎና ይብሉ። ናይ ኣፍ ጥራይ ዝዀነት እምነት ግን ልክዕ ከም ሬሳ ህይወት የብላን። ወደ መዝሙር ያእቆብ “እምነት: ግብሪ እንተ ዜብላስ: ንርእሳ ምውትቲ እያ” በለ። ብዘይዚውን እቲ ንኣምላኽ ዝፈርህ ዝነበረ ኣብርሃም: ‘ብግብራ ገይራ ዝዓየየት እምነት’ ከም ዝነበረቶ ገለጸ። (ያእቆብ 2:17, 22) ከምዚ ዝኣመሰለ ቃላትሲ ንዓና እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
2 ናይ ሓቂ እምነት እንተድኣ ኣልዩና: ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንሰምዖ ኣሚንናዮ ጥራይ ስቕ ኣይክንብልን ኢና። ንጡፋት መሰኻኽር የሆዋ ስለ ዝዀንና: ናይ እምነትና መረጋገጺ ክንህብ ኢና። እወ: እምነት: ንቓል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ከነንጸባርቖ ከተተባብዓና ንተግባር ድማ ክትድርኸና ኢያ።
ኣድልዎ ምርኣይ ምስ እምነት ሓቢሩ ዝኸይድ ኣይኰነን
3, 4. እምነት: ነቲ ንኻልኦት እነርእዮ ኣተሓሕዛ ብኸመይ ኢያ እትትንክፎ፧
3 ኣብ ኣምላኽን ኣብ ክርስቶስን ናይ ሓቂ እምነት እንተድኣ ኣልዩና: ኣድልዎ ኣይከነርእን ኢና። (ያእቆብ 2:1-4) ገለ ካብቶም ያእቆብ ዝጸሓፈሎም ሰባት ነቲ ካብ ሓቀኛታት ክርስትያናት ዝድለ ኣድልዎ ናይ ዘይምርኣይ ባህሪ ኣየንጸባርቑን ኢዮም ነይሮም። (ሮሜ 2:11) በዚ ኸኣ ያእቆብ “እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ጐይታ ኽብሪ: ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ” ይብል። ሓደ ቀላብቲ ወርቅን ክቡር ክዳውንትን እተኸድነ ሃብታም ዘይኣማኒ ሰብ ከምኡውን ሓደ ‘ረሳሕ ክዳን እተኸድነ’ ድኻ ዘይኣማኒ ሰብ ናብ ኣኼባ እንተድኣ መጺኦም: ንኽልቲኣቶም ጽቡቕ ኣቀባብላ ክግበረሎም ዝግባእ ነይሩ ክነሱ: ነቲ ሃብታም ፍሉይ ቈላሕታ ይግበረሉ ነበረ። ሃብታማት ‘ኣብ ጽቡቕ ስፍራ’ ዘሎ ኮፍ መበሊታት ይዋሃቦም ነበረ: እቶም ዘይኣመንቲ ድኻታት ግን ደው ክብሉ ወይ ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ ትሕቲ እግሪ ካልእ ሰብ ኮፍ ከም ዝብሉ ይግበር ነበረ።
4 የሆዋ ነቲ መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ክርስቶስ ንሃብታማትን ንድኻታትን ሂብዎም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 5:14) ናብ ሃብታማት ገጽና ንዘዙ እንተድኣ ዄንና: ካብ እምነት ናይቲ ‘ብድኽነቱ ምእንቲ ክንህብትም: ሃብታም ክነሱ ምእንታና ዝደኸየ’ ክርስቶስ ክንዘብል ኢና። (2 ቈረንቶስ 8:9) ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ: ማለት ንሰባት ብጌጋ ድራኸ ተላዒልና ብምኽባር ፈጺምና ኣይንምዘኖም። ኣምላኽ መዳለዊ ኣይኰነን: ንሕና ነዳሉ እንተድኣ ዄንና ግን ‘ክፉእ ሓሳብ’ ነቕርብ ኣሎና ማለት ኢዩ። (እዮብ 34:19) ንኣምላኽ ንምሕጓስ ብዝብል ባህጊ እምበኣር: ነቲ ኣድልዎ ንምርኣይ ወይ ከኣ ‘ምእንቲ ጥቕሚ ርእስና ንገጽ ሰብ ክንንእድ’ ንዝፍትነና ነገር ከም ዘይንምብርከኸሉ እተረጋገጸ ኢዩ።—ይሁዳ 4, 16
5. ኣምላኽ “ብእምነት ኪህብትሙ” ዝሓረዮም ንመን ኢዩ: እቶም ብስጋዊ መገዲ ሃብታማት ዝዀኑኸ መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ ኢዮም ዝመላለሱ፧
5 ያእቆብ ነቶም ብሓቂ ሃብታማት ዝዀኑ ፈልዩ ይዛረበሎም: ንዅሎም ብዘይምድላው ፍቕሪ ከነርእዮም ከኣ ይላቦ። (ያእቆብ 2:5-9) ‘ብእምነት ክህብትሙ ነታ መንግስቲ ኸኣ ክወርሱ ኢሉ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት ሓረዮም።’ እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ብስራት ዝያዳ ምላሽ ዝህቡ ድኻታት ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 1:26-29) ብጕጅለ ደረጃ: እቶም ብስጋ ሃብታማት ዝዀኑ ሰባት ብዕዳን ብደሞዝን ብሕጋዊ ነገራትን ዝመጸ ንኻልኦት ይጭቍኑ ኢዮም። ብዛዕባ ክርስቶስ እከይ ይዛረቡ: ስሙ ስለ እንጸውር ከኣ የሳጕጉና ኢዮም። ግናኸ ነቲ ንብጻይካ ምፍቃር ማለት ሃብታማትን ንድኻታትን ማዕረ ገይርካ ምፍቃሮም ዝሓትት “ንጉሳዊ ሕጊ” ንምእዛዝ ቈራጽነት ንግበር። (ዘሌዋውያን 19:18፣ ማቴዎስ 22:37-40) ነዚ ኽንፍጽሞ ዝሓተና ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኣድልዎ ምርኣይ ‘ሓጢኣት ምግባር’ ኢዩ።
‘ምሕረት ኣብ ፍርዲ ትምካሕ ኢያ’
6. ምስ ካልኦት ብምሕረት እንተድኣ ዘይተመላሊስና መፍረስቲ ሕጊ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6 ብዘይ ምሕረት ኣድልዎ ነርኢ እንተድኣ ዄንና: መፍረስቲ ሕጊ ኢና። (ያእቆብ 2:10-13) በዚ መገዲ እዚ ዝመጸ ግጉይ ስጕምቲ ብምውሳድ ኣብ ኵሉ ሕግታት ኣምላኽ በደለኛታት ንኸውን። እቶም ዝሙት ዘይፈጸሙ ግናኸ ሰረቕቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ሙሴ ጥሒሶምዎ ኢዮም። ከም ክርስትያናት መጠን: ‘ብሕጊ ናይቶም ሓራ’ ዝዀኑ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ: እቲ ሕጊ ድማ ኣብ ኣልባቦም እተጻሕፈ መንፈሳውያን እስራኤል ኢና እንፍረድ።—ኤርምያስ 31:31-33
7. እቶም ብቐጻሊ ኣድልዎ ዘርእዩ ሰባት ካብ ኣምላኽ ምሕረት ክጽበዩ ዘይክእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
7 እምነት ኣላትና እናበልና ኣድልዎ ነርኢ እንተድኣ ዄንና: ኣብ ሓደጋ ኢና ዘሎና። እቶም ፍቕርን ምሕረትን ዘየርእዩ ሰባት ፍርዶም ብዘይ ምሕረት ክኸውን ኢዩ። (ማቴዎስ 7:1, 2) ያእቆብ “ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ” በለ። ኣብ ኵሉ ምምልላስና ምሕረት ብምርኣይ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ የሆዋ ንቕበሎ እንተድኣ ዄንና: ምስ እንፍረድ ኣይክንኵነንን ኢና። ኣብ ክንድኡ ግን: ምሕረት ክንረክብ: ኣብ ልዕሊ ጽኑዕ ፍትሒ ወይ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ክንዕወት ኢና።
እምነት ሰናይ ግብሪ ተፍሪ
8. ሓደ እምነት ኣላትኒ ዝብል ግናኸ ግብሪ ዘይብሉ ሰብ ኵነታቱ ከመይ ኢዩ፧
8 እምነት ፈቃራትን መሓርትን ከም እንኸውን ኣብ ርእሲ ምግባራ: ካልእ ሰናይ ግብሪ እውን ተፍሪ ኢያ። (ያእቆብ 2:14-26) ርግጽ ኢዩ: እታ ኣላትና እንብላ እምነት ግብሪ እንተድኣ ዘይብላ ኣይከተድሕነናን ኢያ። ብግብሪ ሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኣቃውማ ክህልወና ከም ዘይክእል ሓቂ ኢዩ። (ሮሜ 4:2-5) ያእቆብ ብዛዕባ እቲ ብእምነትን ፍቕርን ድኣ እምበር ብሕጊ ዘይተለዓዓለ ግብሪ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። በዚ ባህርያት እዚ እንተድኣ ተለዓዒልና ንሓደ እተሸገረ ክርስትያን ብጻይ ሰናይ ትምኒትና ጥራይ ኣይክንገልጸሉን ኢና። ንሓደ ዝዓረቐ ወይ ዝጠመየ ክርስትያን ስጋዊ ደገፍ ክንህቦ ኢና። ያእቆብ ከምዚ ብምባል ይሓትት:- ‘ንሓደ እተሸገረ ሓው: ንስጋኡ ዘድሊ ከይሃብካዮስ ኪድ: ሙቕ: ጽገብ: እንተ በልካዮ: እንታይ ይጠቅም፧’ ዋላ ሓንቲ ኣይጠቅምን ኢዩ። (እዮብ 31:16-22) ከምዚኣ ዝኣመሰለት “እምነት” ህይወት የብላን!
9. እምነት ከም ዘላትና ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
9 ብመጠኑ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ንሓብር ንኸውን: ግናኸ ካብ ልቢ እተበገሰ ግብሪ ምስ ዝህልወና ጥራይ ኢዩ እምነት ኣላትና ምባልና ሓቂ ምዃኑ ክረጋገጽ ዝኽእል። ነቲ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ነጺግና ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣሚንና እንተድአ ዄንና ሰናይ ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ሓደ ነገር ምእማን ጥራይ ንበይኑ እምነት ኣይኰነን። ‘ኣጋንንቲውን ይኣምኑ:’ ጥፍኣት ይጽበዮም ስለ ዘሎ ድማ ብፍርሃት ‘የንቀጥቅጡ’ ኢዮም። ብሓቂ እምነት እንተድኣ ኣልዩና: ከም እኒ ነቲ ብስራት ምስባኽ ከምኡውን ነቶም እተሸገሩ ኣመንቲ ብጾትና መግብን ክዳንን ምቕራብ ዝኣመሰለ ግብሪ ከም እነፍሪ ክትገብረና ኢያ። ያእቆብ “ኣታ ኸንቱ [በቲ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ዘይመላእካ] ሰብ: እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧” ብምባል ይሓትት። እወ: እምነት ግብሪ ትሓትት።
10. ኣብርሃም ነቶም “ዚአምኑ ዅሎም: ኣቦኦም” ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣብርሃም ርእሲ ኣቦታት እምነቱ ንተግባር ደሪኻቶ ኢያ። ነቶም “ዚአምኑ ዅሎም: ኣቦኦም” ከም ምዃኑ መጠን ‘ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ: ብግብሩ ጸደቐ።’ (ሮሜ 4:11, 12፣ ዘፍጥረት 22:1-14) ኣብርሃም ኣምላኽ ንወዱ ይስሃቅ ኣተንሲኡ ነቲ ብእኡ ኣቢሉ ዘርኢ ከም ዝመጽእ ዝኣተዎ ቓል ክፍጽም ከም ዝኽእል እምነት ኣጕዲሉ ነይሩ እንተ ዝኸውንከ፧ ንወዱ ኽስውኦ ኢሉ ፈጺሙ ኣይምፈተነን ነይሩ። (እብራውያን 11:19) ‘እምነት ኣብርሃም እተፈጸመት’ ወይ ምልእቲ ዝዀነት በቲ ኣብ ምእዛዝ እተመርኰሰ ግብሩ ኢያ። በዚ ድማ “እቲ: ኣብርሃም ንኣምላኽ አመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ: ዚብል ጽሑፍ [ዘፍጥረት 15:6] ተፈጸመ።” ንይስሃቕ ክስውኦ ብምፍታኑ እተራእየ ግብሪ ኣብርሃም: ነቲ ኣምላኽ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብርሃም ጻድቕ ምዃኑ እተዛረቦ ዘረባ መረጋገጺ ኰኖ። ብናይ እምነት ግብሪ ገይሩ: ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ኣርኣየ “ፍቁር ኣምላኽውን” ተባህለ።
11. ኣብ ኵነታት ረሃብ እንታይ ናይ እምነት መረጋገጺ ኢዩ ዘሎና፧
11 ኣብርሃም “ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ: ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ” ኣረጋጊጹ ኢዩ። እታ ኣብ ያሪኮ ኣመንዝራ ዝነበረት ረሃብ እውን ነዚ ኣረጋጊጻቶ ኢያ። “ነቶም [እስራኤላውያን] ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም:” ካብቶም ከንኣናውያን ጸላእቶም ምእንቲ ኸምልጡ ድማ ‘ብኻልእ መገዲ ምስ ኣውጽኣቶም: ብግብሪ ጸደቐት።’ ነቶም ናይ እስራኤል ሰለይቲ ቅድሚ ምርካባ: የሆዋ ሓቀኛ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ፈሊጣቶ ኢያ: እቲ ቐጺላ እተዛረበቶ ቃላትን ምንዝርና ምሕዳጋን ድማ ናይ እምነታ መረጋገጺ ሃበ። (እያሱ 2:9-11፣ እብራውያን 11:31) ነዚ ብግብሪ እተራእየ ካልኣይ ኣብነት ናይ እምነት ድሕሪ ምጥቃሱ: ያእቆብ “እምበኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ: ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” በለ። ሓደ ሰብ ምስ ሞተ: ኣብ ውሽጡ ህይወት ዝህብ ሓይሊ: ወይ ከኣ “መንፈስ” የብሉን: ምንም ነገር ከኣ ኣይዓይን ኢዩ። እምነት ኣላትኒ ጥራይ ምባል ከምቲ ህይወት ዘይብሉ ዘይጠቅም ምዉት ኣካል ኢዩ። ናይ ሓቂ እምነት እንተድኣ ኣልያትና ግን ኣምላኻዊ ግብሪ ከነርኢ ክትድርኸና ኢያ።
ልሳንካ ተቘጻጸር!
12. ናይ ጉባኤ ሽማግለታት እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧
12 ምዝራብን ምምሃርን ናይ እምነት መረጋገጺ ይህብ እኳ እንተዀነ ቀይዲ ክህሉ ግን የድሊ ኢዩ። (ያእቆብ 3:1-4) ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ መማህራን ከም ምዃኖም መጠን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከቢድ ሓላፍነትን ዝያዳ ተሓታትነትን ኣለዎም። ስለዚ ከኣ ድራኸኦምን ብቕዓቶምን ብትሕትና ክምርምሩ ኣለዎም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ኣብ ርእሲ እቲ ዘለዎም ፍልጠትን ክእለትን: ንኣምላኽን ንኣመንቲ ብጾቶምን ዓሚቝ ፍቕሪ ክህልዎም ይግባእ። (ሮሜ 12:3, 16፣ 1 ቈረንቶስ 13:3, 4) ሽማግለታት ዝህብዎ ምኽሪ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ሽማግለ ግጉይ ትምህርቲ ምስ ዘመሓላልፍ እሞ እዚ ንኻልኦት ጸገማት ምስ ዘምጽኣሎም: ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ናይ ቅጽዓት ፍርዲ ከውርደሉ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ሽማግለታት ብተኣማንነት ናብ ቃል ኣምላኽ ብምጥባቕ ትሑታትን ህርኩታትን ክዀኑ ይግብኦም።
13. ብቓል እንስሕት ስለምንታይ ኢና፧
13 ንፉዓት መማህራን እኳ ኸይተረፉ: አረ ኵልና እውን ብምኽንያት ዘይፍጽምና “ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና።” ብቓል ምስሓት ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ብተደጋጋሚ ዘጋጥምን ጕድኣት ከስዕብ ዝኽእልን ጕድለት ኢዩ። ያእቆብ “ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ: ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ: ብቑዕ [“ፍጹም:” NW ] ሰብኣይ እዩ” ይብል። ከም የሱስ ክርስቶስ ስለ ዘይኰንና ንልሳንና ፍጹም ገይርና ክንቈጻጸራ ኣይንኽእልን ኢና። ክንቈጻጸራ ንኽእል ነይርና እንተ ንኸውን: ነቲ ኻልእ ክፍልታት ኣካላትና እውን ክንቈጻጸሮ ምኽኣልና ነይርና። ልዕሊ ዅሉ ድማ ልጓምን መግረፍትን ንኣፍራስ ናብቲ ዘቃናዕናዮም መገዲ ኢዩ ዝወስዶም: ብብርቱዕ ንፋስ እትዅብከብ ዓባይ መርከብ እኳ ከይተረፈት ናብቲ እቲ መራሒ ዝደለዮ ብንእሽቶ ስካን ክትቃናዕ ትኽእል ኢያ።
14. ያእቆብ: ንልሳን ንምቍጽጻር ኢልካ ጻዕሪ ናይ ምግባር ኣድላይነት ብኸመይ ኢዩ ዘጕልሖ፧
14 ንልሳን ምቍጽጻር ናይ ሓቂ ጻዕሪ ከም ዘድልዮ ኵልና ብቕንዕና ክንእመነሉ ይግባእ። (ያእቆብ 3:5-12) ልጓም ምስ ሓደ ፈረስ ክነጻጸር ከሎ ንእሽቶ ኢዩ፣ ስካን ምስ ሓንቲ መርከብ ክነጻጸር ከሎ እውን ከምኡ ኢዩ። ልሳን ምስ ሰብኣዊ ኣካል ክትነጻጸር ከላ ድማ ንእሽቶ ኢያ: ገና ግን “ብዓብዪ ነገር ትምካሕ።” ቅዱሳት ጽሑፋት ጃህራ ንኣምላኽ ከም ዘየሐጕሶ ግልጺ ገይሩ ስለ ዝነግረና: ካብዚ ባህሪ እዚ ክንቍጠብ ሓገዙ ንድለ። (መዝሙር 12:3, 4፣ 1 ቈረንቶስ 4:7) ንሓደ ዱር ንምብራዕ ቍልዒ ጥራይ ትኣክል ምዃና ብምዝካር ክንሓርቕ ከሎና እውን ከይተረፈ ልሳንና ንግታእ። ከምቲ ያእቆብ ሓቢርዎ ዘሎ: ዓቢ ጕድኣት ከተስዕብ ክእለት ዘለዋ “ልሳንውን ሓዊ እያ።” (ምሳሌ 18:21) እወ: ዘይተገረሐት ልሳን ነዛ ናይ ‘ዓመጻ ዓለም’ ኣቚማ ኢያ! ዝዀነ ይኹን ክፉእ ጠባያት ናይዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም: ምስታ ዘይተገትአት ልሳን እተተሓሓዘ ኢዩ። ንኸም ምክፋእን ናይ ሓሶት ትምህርትን ዝኣመሰለ ጐዳኢ ነገራት ትሕተተሉ ኢያ። (ዘሌዋውያን 19:16፣ 2 ጴጥሮስ 2:1) እንታይ ምበልካ፧ እምነትና ንልሳንና ንምቍጽጻር ኣጸቢቕና ክንጽዕር ክትድርኸናዶ ኣይግባእን፧
15. በታ ዘይተለጕመት ልሳን እንታይ ጕድኣት ኢዩ ክስዕብ ዝኽእል፧
15 ዘይተለጕመት ልሳን ምሉእ ብምሉእ ኢያ ‘እተርክሰና።’ ንኣብነት: ብተደጋጋሚ ክንሕሱ እንተድኣ ተረኺብና: ከም ሓሰውቲ ንፍለጥ ንኸውን። ብኸመይ ድኣ እያ እሞ ሓንቲ ዘይተገርሐት ልሳን ‘ንመዘወር ንብረት [“ናብራ:” NW ] እተንድዶ’፧ ንህይወት ከም ሓደ ሰንካም ዓንኬል ብምግባር ኢያ። ምልእቲ ጉባኤ ብሰንኪ ሓንቲ ዘይተገትአት ልሳን ክትናወጽ ትኽእል ኢያ። ያእቆብ ነቲ ስንጭሮ ሄኖም ዝዀነ ‘ገሃነም’ ይጠቅስ። እዚ ስንጭሮ እዚ ንእተወሰነ ግዜ ቈልዓ ንምስዋእ ምስ ኣገልገለ: ናይ የሩሳሌም ጐሓፍ ብሓዊ ዝቃጸለሉ መጕሓፊ ዀነ። (ኤርምያስ 7:31) ስለዚ ገሃነም ናይ ጥፍኣት ምልክት ኢዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸኣ እቲ መዕነዊ ሓይሊ ገሃነም ኣብ ሓንቲ ዘይተገርሐት ልሳን ዝውዕል ኢዩ። ንልሳንና ክንለጕም እንተ ዘይክኢልና: ንገዛእ ርእስና ግዳያት ናይቲ ዝወላዕናዮ ባርዕ ክንከውን ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 5:22) ንኻልእ ሰብ ብምጽራፍና ካብታ ጉባኤ ክንስጐጕ እውን ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 5:11-13
16. ብሓንቲ ዘይተለጕመት ልሳን ክስዕብ ዝኽእል ጕድኣት ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ ኢና ክንገብር ዝግብኣና፧
16 ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ክትፈልጦ ከም እትኽእል: የሆዋ ሰብ ንፍጥረት እንስሳ ክገዝእ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ኵሎም ዓይነት ፍጥረታት ከኣ ተገዚኦም ኢዮም። ንኣብነት: እተለማመዱ ሊላ: ኣብ ሃድን ተዘውቲሮም ኢዮም። እቶም ያእቆብ ዝጠቐሶም ‘ለመም ዝብሉ’ እንስሳታት: ነቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ናይ ተመን ኣስማተኛታት ዝዓዩ ኣትማን ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 58:4, 5) ሰብ ዓሳ ኣንበሪ እውን ከይተረፈ ክገዝእ ይኽእል ኢዩ: ሓጢኣተኛታት ከም ምዃንና መጠን ግን ንልሳን ምሉእ ብምሉእ ክንገዝኣ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: ሃሳዪ: ዝቘርጽ: ወይ ከኣ መካፍኢ ዘረባታት ከነርሕቕ ኣሎና። ሓንቲ ዘይተገረሐት ልሳን ዝቐትል መርዚ ዝመልአ ሓደገኛ መሳርሒ ክትከውን ትኽእል ኢያ። (ሮሜ 3:13) ናይ ሓሰውቲ መማህራን ልሳን ንገለ ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ኣምላኽ ከም ዝርሕቁ ምግባራ ዘጕሂ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር በቲ እተዘርበ ይኹን እተጻሕፈ መርዛም ዓለወኛ መግለጺታት ክንታለል ፈጺምና ኣይነፍቅድ።—1 ጢሞቴዎስ 1:18-20፣ 2 ጴጥሮስ 2:1-3
17, 18. ኣብ ያእቆብ 3:9-12 እንታይ ኣንጻር ዝዀነ ነገራት ኢዮም ተጠቒሶም ዘለዉ: በዚ መዳይ እዚኸ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብኣና፧
17 ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነትን ንኸነሐጕሶ ዝብል ባህግን ካብ ዕልወት ከዕቝበና: ንልሳንና ኣንጻር ብዝዀነ መገዲ ንኸይንጥቀመሉ ኸኣ ክኽልክለና ይኽእል ኢዩ። ያእቆብ ነቲ ናይ ገሊኣቶም ተለዋዋጢ ዘረባ ብምጥቃስ: ‘ብልሳን ገይርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ: ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት [ከኣ] ንረግም’ ይብል። (ዘፍጥረት 1:26) የሆዋ ኣቦና ስለ ዝዀነ “ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ ዚህብ እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25) ብመንፈሳዊ መገዲ እውን ኣቦ ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዩ። ኵልና በቲ ካብ እንስሳታት ዝፈልየና ከም እኒ ፍቕሪ: ፍትሒ: ጥበብ ዘጠቓልል ኣእምሮኣውን ስነ-ምግባራውን ባህርያት: “ብምስሊ ኣምላኽ” ኢና ተፈጢርና። ኣብ የሆዋ እምነት እንተድኣ ኣልዩና እምበኣር ብኸመይ ኢና ክንመላለስ ዘሎና፧
18 ንሰባት ክንረግም እንተድኣ ዄንና: ሕማቕ ነገር ክወርዶም ንምሕጸን ወይ ከኣ ከም ዝወርዶም ንገብር ማለት ኢዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ሕማቕ ነገር ከውርዱ ብመለኮታዊ መሪሕነት እተመዘዙ ነብያት ስለ ዘይኰንና: እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ እዚ ንኣምልኾና ከንቱ ዝገብር ጽልኢ ከም ዘሎና መረጋገጺ ኢዩ። ካብ ሓደ ኣፍ “ምርቓን መርገምን” ክወጽእ ግቡእ ኣይኰነን። (ሉቃስ 6:27, 28፣ ሮሜ 12:14, 17-21፣ ይሁዳ 9) ኣብ ኣኼባታት ንኣምላኽ መዝሙር ውዳሴ ክትዝምር ጸኒሕካ ብዛዕባ ኣሕዋትን ኣሓትን ሕማቕ ክትዛረብሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ ሓጢኣት ኰን ኢዩ! ካብ ሓንቲ ዔላ ጥዑምን መሪርን ማይ ክፍልፍል ኣይክእልን ኢዩ። ከምቲ ‘ኦም በለስ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ወይ ተኽሊ ወይኒ ፍረ በለስ ክትፈሪ ዘይክኣላ:’ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይክኣላን ኢዩ። ጽቡቕ ዘበለ ክንዛረብ ዝግብኣና ክነሱ ብቐጻሊ ጐዳኢ ቃላት ነውስእ እንተድኣ ዄንና ገለ መንፈሳዊ ጕድለት ኣሎና ማለት ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመል እንተድኣ ኣልዩና: ከምዚ ዓይነት ኣዘራርባ ካብ ምዝራብ ምእንቲ ኽንቍጠብ የሆዋ ሓገዙ ክህበና ብጸሎት ንቕረቦ።—መዝሙር 39:1
በታ ኻብ ላዕሊ ዝዀነት ጥበብ ተመላለስ
19. ብሰማያ ዊ ጥበብ ንምራሕ እንተድኣ ዄንና ብኸመይ ኢና ንኻልኦት ክንትንክፎም እንኽእል፧
19 ኵልና ካብቶም እምነት ዘለዎም ሰባት ዝድለ ነገራት ንምዝራብን ንምግባርን ጥበብ የድልየና ኢዩ። (ያእቆብ 3:13-18) ንኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ እንተድኣ ኣልዩና: ንፍልጠት ብቕኑዕ መገዲ ክንጥቀመሉ ዘኽእለና ሰማያዊ ጥበብ ይህበና ኢዩ። (ምሳሌ 9:10፣ እብራውያን 5:14) ቃሉ ከመይ ገይርና ‘ለውሃት ጥበብ’ ከም እነርኢ ይምህረና ኢዩ። ለዋሃት ስለ ዝዀንና ድማ ኣብታ ጉባኤ ሰላም ከም ዝድንፍዕ ንገብር። (1 ቈረንቶስ 8:1, 2) እቶም ንገዛእ ርእሶም ናይ ኣመንቲ ብጾት ዓበይቲ መማህራን ከም ዝዀኑ ገይሮም ዝምክሑ ሰባት: ‘ኣንጻር’ እቲ ንትምክሕቶም ዝዅንን ‘ክርስትያናዊ ሓቂ ይሕስዉ’ ኣለዉ። (ገላትያ 5:26) እቲ ‘ጥበቦም ምድራዊ:’ ማለት ናይቶም ካብ ኣምላኽ ዝዓለዉ ሓጢኣተኛታት ሰባት ባህሪ ዘለዎ ኢዩ። ናይ ስጋዊ ዝንባለታት ውጽኢት ብምዃኑ ድማ ‘ስጋዊ’ ኢዩ። አረ: እኩያት መናፍስቲ ዕቡያት ስለ ዝዀኑውን ‘ሰይጣናዊ’ ኢዩ! (1 ጢሞቴዎስ 3:6) ስለዚ እምበኣር ከም እኒ ሕሜትን ኣድልዎን ዝኣመሰለ ‘እኩይ ግብሪ’ ዝዕምብበሉ ሃዋሁ ከም ዝፍጠር ዝገብር ዝዀነ ይኹን ነገር ምእንቲ ከይንገብር ብጥበብን ብትሕትናን ንመላለስ።
20. ንሰማያዊት ጥበብ ብኸመይ ምገለጽካያ፧
20 “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ:” ብስነ-ምግባርን መንፈሳውን መገዲ ኸኣ ንጹሃት ትገብረና። (2 ቈረንቶስ 7:11) ሰላም ከም እንስዕብ ስለ እትገብረና ኸኣ “ሰላማዊት” ኢያ። (እብራውያን 12:14) ሰማያዊት ጥበብ: ኣነ ዝበልክዎ ይኹን በሃልቲ ወይ ከኣ ዘይንሰማማዕ ዘይኰነስ ‘ልኡማት’ ሰባት ኢያ እትገብረና። (ፊልጲ 4:5 NW ) እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ: “ሰማዕ” ኢያ: ንመለኮታዊ ትምህርቲ ምእዛዝን ምስ ማሕበር የሆዋ ምትሕብባርን ከኣ ተተባብዕ። (ሮሜ 6:17) እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ መሓርትን ደንገጽትን እውን ትገብረና ኢያ። (ይሁዳ 22, 23) ‘ጽቡቕ ፍረ’ ዝመልአት ብምዃና: ንኻልኦት ክንሓልን ምስ ሕያውነትን ጽድቅን ሓቅን ዝሰማማዕ ተግባር ከነርእን ተተባብዓና። (ኤፌሶን 5:9) ከም ገበርቲ ሰላም መጠን ከኣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰላማዊ ኵነታት ዝዕምብብ “ፍረ ጽድቂ” ነስተማቕር።
21. ብመሰረት ያእቆብ 2:1–3:18 እታ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት እንታይ ንምግባር ኢያ ክትድርኸና ዘለዋ፧
21 እምነት ንተግባር ከም እትድርኸና እምበኣር ንጹር ኢዩ። ዘየዳልዉ: መሓርቲ: ንሰናይ ግብሪ ኸኣ ንጡፋት ትገብረና። እምነት ልሳንና ንምቍጽጻርን ምስ ሰማያዊት ጥበብ ተሰማሚዕና ንምምልላስን ትድግፈና። ካብዛ መልእኽቲ እዚኣ ክንማሃሮ እንኽእል ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ያእቆብ: ነቶም ኣብ የሆዋ እምነት ዘለዎም ሰባት ብዝበቅዕ ኣገባብ ክንመላለስ ክሕግዘና ዝኽእል ተወሳኺ ምኽሪ ይህበና ኢዩ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ኣድልዎ ምርኣይ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧
◻ እምነትን ግብርን ብኸመይ ኢየን ተዛሚደን ዘለዋ፧
◻ ንልሳን ምቍጽጻር ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ሰማያዊት ጥበብ እንታይ ኢያ እትመስል፧