እምነት ዕጉሳትን ጸሎት ዘዘውትሩን ትገብረና
“ምጽኣት [“ህላወ:” NW ] ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ: ተዐገሱ: ልብኹምውን ኣጽንዑ።”—ያእቆብ 5:8
1. ንያእቆብ 5:7, 8 ከነስተብህለላ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧
እቲ ነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ ናይ የሱስ ክርስቶስ “ህላወ” (NW ) ሕጂ ጋህዲ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:3-14) ኵሎም እቶም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ክርስቶስን እምነት ኣሎና ዝብሉ ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነዘን ዝስዕባ ናይ ወደ መዝሙር ያእቆብ ቃላት ከስተብህሉለን ምኽንያት ኣለዎም:- “ኣሕዋተየ: ክሳዕ ምጽኣት [“ህላወ:” NW ] ጐይታ ተዐገሱ። እንሆ: ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ: ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ። ንስኻትኩም ከኣ: ምጽኣት [“ህላወ:” NW ] ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ: ተዐገሱ: ልብኹምውን ኣጽንዑ።”—ያእቆብ 5:7, 8
2. እቶም ያእቆብ ዝጸሓፈሎም ሰባት ካብ እተጋጠምዎ ገለ ግድላት እንታይ ኣለዉ፧
2 እቶም ያእቆብ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ሰባት ትዕግስቲ ከርእዩ: ንእተፈላለየ ግድላት ከኣ ከደቅሱ ነበሮም። መብዛሕትኦም ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣሎና ካብ ዝብሉ ሰባት ዘይትጽበዮ ተግባራት ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣልባብ ገሊኣቶም ማዕቢሉ ዝነበረ ትምኒት ሓደ ነገር ክግበር የድሊ ነበረ። ኣብ ማእከል እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ህድኣት እንደገና ክምለስ የድሊ ነበረ። ዕጕሳትን ጸሎት ዘዘውትሩን ንኽዀኑ ድማ ምኽሪ የድልዮም ነበረ። ነቲ ያእቆብ ዝበሎም ክንምርምር ከሎና: ንቓላቱ ኣብ ናብራና ብኸመይ ከነውዕሎ ከም እንኽእል ንርአ።
ጌጋ ትምኒት ሃሳዪ ኢዩ
3. ጠንቂ ናይቲ ኣብ ጉባኤ ተላዒሉ ዝነበረ ባእሲ እንታይ ነበረ: ካብዚኸ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
3 ኣብ መንጎ ገለ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ሰባት ሰላም ኣይነበረን: ናይዚ ዅነታት እዚ ቀንዲ ጠንቂ ኸኣ ጌጋ ትምኒት ኢዩ ነይሩ። (ያእቆብ 4:1-3) ህልኽ ህውከት የልዕል ነበረ: ገሊኣቶም ከኣ ፍቕራዊ ብዘይኰነ መገዲ ንኣሕዋቶም ይፈርዱ ነበሩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ንስጋዊ ተድላ ዝነበሮም ፍትወት ኣብ ክፍልታት ኣካላቶም ኰይኑ ይዋጋእ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ንሕናውን ብወገንና ንሰላም ናይታ ጉባኤ ዝህውኽ ዝዀነ ይኹን ነገር ምእንቲ ከይንገብር: ንኽብርን ስልጣንን ጥሪትን ስጋዊ ፍትወት ናይ ምሕዳር ዝንባለ ንምጽራር ሓገዝ ክዋበና ክንጽሊ የድልየና ይኸውን። (ሮሜ 7:21-25፣ 1 ጴጥሮስ 2:11) ኣብ ማእከል እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ገለ ክርስትያናት: ትምኒት ናብቲ ጽልእን ቅትለትን ዝመልኦ መንፈስ ዓበየ። ኣምላኽ ነቲ ጌጋ ትምኒቶም ስለ ዘይፍጽመሎም ከኣ: ኣብ ሸቶታቶም ባዕላቶም ንምብጻሕ ይቃለሱ ነበሩ። ንሕናውን ተመሳሳሊ ዝዀነ ጌጋ ትምኒት እንተድኣ ኣልዩና: ንልምን ንኸውን ግናኸ እቲ ቕዱስ ኣምላኽና ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ስለ ዘይምልሶ ዝለመንናዮ ዘበለ ኣይንረክብን ኢና።—ድጕዓ ኤርምያስ 3:44፣ 3 ዮሃንስ 9, 10
4. ያእቆብ ንገሊአን “ዘመውቲ” ብምባል ዝጸውዐን ስለምንታይ ኢዩ: ቃላቱኸ ብኸመይ ኢዩ ክትንክፈና ዘለዎ፧
4 ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ቅንእን ትዕቢትን ኣብ ገለ ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነበረ። (ያእቆብ 4:4-6) ያእቆብ ገሊአን ኣዕሩኽ ዓለም ብምዃን ብመንፈሳዊ ዝምውና በደለኛታት ስለ ዝነበራ “ዘመውቲ” ብምባል ጸውዐን። (ህዝቅኤል 16:15-19, 25-45) እዚ ጸላእቲ ኣምላኽ ስለ ዝገብረና: ብኣመለኻኽታን ብኣዘራርባን ብግብርን ዓለማውያን ክንከውን ከም ዘይንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ። ‘ቅንኢ’ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ሓጢኣተኛታት ሰባት ዘሎ ሕማቕ ዝንባለ: ወይ ‘መንፈስ’ ከም ዝዀነ ቃሉ ይነግረና ኢዩ። (ዘፍጥረት 8:21፣ ዘሁልቍ 16:1-3፣ መዝሙር 106:16, 17፣ መክብብ 4:4) ንቕንኢ: ትዕቢት: ወይ ንገለ ካልእ ሕማቕ ዝንባለታት ክንቃለሶ ከም ዘሎና እንተድኣ ተገንዚብና: ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ሓገዙ ክህበና ንኣምላኽ ንለምኖ። እቲ በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ዝዋሃበና ሓይሊ ካብ ‘ቅንኢ’ ንላዕሊ ሓይሊ ኣለዎ። የሆዋ ንዕቡያት ክጻረሮም ከሎ: ብኣንጻሩ ድማ ነቲ ሓጢኣት ዝመልኦ ዝንባለታት እንተድኣ ተቓሊስናዮ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ክህበና ኢዩ።
5. ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ምእንቲ ኸነስተማቕር: እንታይ ካባና ዝድለ ብቕዓት ኢና ከነማልእ ዝግብኣና፧
5 ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ክንቅበል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ያእቆብ 4:7-10) ነቲ ካብ የሆዋ ዝርከብ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ምእንቲ ኸነስተማቕር: ክንእዘዞ: ምድላዋቱ ኽንቅበል: ንዝዀነ ይኹን ዘፍቅዶ ዘበለ ኸኣ ክንግዝኦ ይግብኣና። (ሮሜ 8:28) ንድያብሎስ ‘ክንጻረሮ’ ወይ ከኣ ‘ኣንጻሩ ደው ክንብል’ (NW እግረ ጽሑፍ) እውን ይግብኣና። ከም ደገፍቲ ኣድማሳዊ ሉዓላውነት የሆዋ መጠን ጸኒዕና ደው እንተድኣ ኢልና ‘ካባና ክሃድም ኢዩ።’ ሓገዝ ናይቲ ነባሪ ጕድኣት ምእንቲ ኸየውርዱልና ንእኩያት ወኪላት ዓለም ዝኽልክሎም የሱስ ኣሎና። ብጸሎትን ብምእዛዝን ብእምነትን ናብ ኣምላኽ ከም እንቐርብ ንሱ ድማ ኣብ ጐድንና ምዃኑ ከም ዘረጋግጸልና ፈጺምና ኣይንረስዕ።—2 ዜና መዋእል 15:2
6. ያእቆብ ንገለ ክርስትያናት “ሓጥኣን” ኢሉ ዝጸውዖም ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ያእቆብ ነታ “ሓጥኣን” እትብል ስያመ ኣብ ገለ ካብቶም ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣሎና ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት ዘውዓላ ስለምንታይ ኢዩ፧ በቲ ንክርስትያናት ቅቡል ዘይኰነ ዝንባለታት ናይ “ውግእን” ኣብ ቅትለት ዘብጽሕ ጽልእን በደለኛታት ስለ ዝነበሩ ኢዮም። (ቲቶስ 3:3) ‘ኣእዳዎም’ ምጽራይ ብዘድልዮ ሕማቕ ግብሪ መሊኡ ነበረ። ነቲ መንበር ድራኸ ዝዀነ ‘ልቦምውን’ ከንጽሁ የድልዮም ነበረ። (ማቴዎስ 15:18, 19) እቶም ‘ሰብ ክልተ ልቢ’ ኣብ መንጎ ዓርኪ ኣምላኽ ምዃንን ዓርኪ ዓለም ምዃንን ንምምራጽ ላንግላንጋ ነበሩ። እዞም ነገራት እዚኣቶም ንእምነትና ምእንቲ ከየጥፍእዋ ካብቲ ሕማቕ ኣብነቶም እናተጠንቀቕና ቀጻሊ ትግሃት ነርኢ።—ሮሜ 7:18-20
7. ያእቆብ ንገሊኣቶም “ጕሀዩን ብኸዩን” ኢሉ ዝነገሮም ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ያእቆብ: ንኣንበብቱ “ተሸገሩን ጕሀዩን ብኸዩን” ኢሉ ይነግሮም። ኣምላኻዊ ጓሂ እንተድኣ ጕህዮም: ናይ ነስሓ መረጋገጺ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 7:10, 11) ሎሚ: እምነት ኣሎና ዝብሉ ገሊኦም ሰባት ምስ ዓለም ዕርክነት ምግባር ይደልዩ ኣለዉ። ገለ ካባና ነዚ መገዲ እዚ ንስዕብ እንተድኣ ኣሊና: በቲ ድኹም መንፈሳዊ ኵነታትና ክንጕህን ነቲ ነገራት ንምእራም ቅልጡፍ ስጕምትታት ክንወስድን ኣይግብኣናንዶ፧ ዘድሊ ምትዕርራይ ምግባርን ሕድገት ኣምላኽ ምቕባልን: ንጹህ ሕልናን እቲ ዘሐጕስ መጻኢ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወትን ስለ ዘውህበና ከም እንምካሕ ይገብረና።—መዝሙር 51:10-17፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17
ንሓድሕድኩም ኣይትፈራረዱ
8, 9. ኣብ ንሓድሕድና ክንተሓማመ ወይ ከኣ ክንፈራረድ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
8 ንሓደ ኣማኒ ብጻይ ምሕማይ ሓጢኣት ኢዩ። (ያእቆብ 4:11, 12) ገሊኣቶም ግን ምናልባት ብምኽንያት እቲ ርእሶም ናይ ምጽዳቕ ዝንባለ ወይ ከኣ ንኻልኦት ብምንኣስ ገዛእ ርእሶም ልዕል ከብሉ ስለ ዝደልዩ ክኸውን ይኽእል ንክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ክነቕፉ ይርከቡ። (መዝሙር 50:20፣ ምሳሌ 3:29) እታ ‘ምሕማይ’ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ጽልኢ እተመልክት ክትከውን ከላ እተጋነነ ወይ ከኣ ናይ ሓሶት ክሲ ምኽሳስ ዝብል ሓሳብ ድማ ኢዩ ዘለዋ። እዚ ድማ ንሓደ ሓው ብዝጐድእ መገዲ ከም ምፍራድ ኢዩ ዝቝጸር። እዚ ግብሪ እዚ ምስቲ ‘ንሕጊ [ኣምላኽ] ምሕማይን ምፍራድን’ ማዕረ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ‘ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍረሱ:’ ብናይ ገዛእ ርእሶም መዐቀኒታት ከኣ ፈረዱ። (ማርቆስ 7:1-13) ብተመሳሳሊ መገዲ: ነቲ የሆዋ ዘይኰነኖ ሓው ንዅንን እንተድኣ ዄንና: ‘ንሕጊ ኣምላኽ ንፈርድ:’ ከምኡውን ብሓጢኣት ተመሊእና ሕጊ ኣምላኽ ዘይብቑዕ ኢዩ ደኸይኰንና እንብል ዘሎና፧—ሮሜ 13:8-10
9 “ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ” የሆዋ ምዃኑ ንዘክር። ‘ሕጉ ፍጹም’ ድኣ እምበር ጐደሎ ኣይኰነን። (መዝሙር 19:7፣ ኢሳይያስ 33:22) ንድሕነት ዝኸውን መዐቀኒታትን ሕግታትን ከውጽእ መሰል ዘለዎ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። (ሉቃስ 12:5) ስለዚ ያእቆብ “ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧” ብምባል ይሓትት። ንኻልኦት ክንፈርድን ክንኵንን መሰል የብልናን። (ማቴዎስ 7:1-5፣ ሮሜ 14:4, 10) ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ሉዓላውነትን ኣድልዎ ዘይምርኣይን ከምኡውን ሓጢኣተኛታት ምዃንና ምሕሳብ: ርእስና ብምጽዳቕ ንኻልኦት ካብ ምፍራድ ንኽንሕሎ ክሕግዘና ኢዩ።
ትዕቢት ዘለዎ ርእሰ-ተኣማንነት ኣርሕቕ
10. ንየሆዋ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
10 ወትሩ ንየሆዋን ንሕጉን ኣብ ግምት ከነእትዎ ኣሎና። (ያእቆብ 4:13-17) እቲ ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዎ ሰብ ንኣምላኽ ዕሽሽ ብምባል “ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር: ክንነግድን ክንረብሕን ኢና” ይብል። ‘ንርእስና መዝገብ እናኣከብና: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት እንተዘይኴንና’ ግን ህይወትና ጽባሕ ከተቋርጽ ትኽእል ኢያ: ንየሆዋ ንምግልጋል ከኣ ኣጋጣሚ ክንስእን ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 12:16-21) ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ “ንቕሩብ ጊዜ ተርእዩስ: ደሓር ዚበንን” ግመ ወጋሕታ ኢና። (1 ዜና መዋእል 29:15) ነባሪ ሓጐስን ዘለኣለማዊ ህይወትን ንምርካብ ተስፋ ክንገብር እንኽእል ኣብ የሆዋ እምነት ብምግባር ጥራይ ኢና።
11. “ጐይታ እንተ ፈቐዶ” ምባል እንታይ ማለት ኢዩ፧
11 ብትዕቢት ተላዒልና ንኣምላኽ ዕሽሽ ኣብ ክንዲ እንብሎ: “ጐይታ እንተ ፈቐዶ: ንሕናውን እንተ አሊና: እዚ ወይስ እቲ ኽንገብር ኢና:” ዝብል ኣቕዋም ክንወስድ ኣሎና። “ጐይታ እንተ ፈቐዶ” ምባል ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ንምምልላስ ንጽዕር ከም ዘሎና ዘመልክት ኢዩ። ንስድራቤትና ንምሕጋዝ: ኣብቲ ናይ መንግስቲ ዕዮ ንምጕዓዝን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ንምግባርን ናይ ንግዲ ዕዮ ምዕያይ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣይንጀሃር። “ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ” ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይትውከል ስለ ዝገብረካ “ኽፉእ እዩ።”—መዝሙር 37:5፣ ምሳሌ 21:4፣ ኤርምያስ 9:23, 24
12. እተን ኣብ ያእቆብ 4:17 ዘለዋ ቃላት እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለወን፧
12 ያእቆብ ብዛዕባ ርእሰ-ተኣማንነትን ትዕቢትን እተዛረቦ ሓሳባት ንምድምዳም ኢዩ ዝመስል ከምዚ በለ:- “እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ: ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።” ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ትውክልቲ ብትሕትና ኣፍልጦ ክህብ ኣለዎ። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ ግን “ሓጢኣት ይዀኖ።” ብርግጽ: እዚ ስርዓት እዚ ነቲ ሓደ ኣብ ኣምላኽ እምነት ዘለዎ ሰብ ክገብሮ ዘድልዮ ነገራት ከይገበርናዮ ምስ እንተርፍ እውን ዝውዕል ኢዩ።—ሉቃስ 12:47, 48
ንሃብታማት ዝምልከት መጠንቀቕታ
13. ያእቆብ ብዛዕባ እቶም ንሃብቶም ብዘይ ግቡእ ዝጥቀምሉ ሰባት እንታይ ኢዩ ዝብል፧
13 ገለ ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ስጋውያን ወይ ከኣ ንሃብታማት ይንእዱ ስለ ዝነበሩ: ያእቆብ ብዛዕባ ገለ ሃብታማት ሰባት ሓያል ዘረባ ይዛረብ። (ያእቆብ 5:1-6) እቶም ንሃብቶም ብጌጋ ዝጥቀምሉ ሃብታማት ሰባት: ኣምላኽ ከም ግብሮም ምስ ፈደዮም ‘በቲ ዝመጾም መግደራ ዋይ ዋይ ክብሉ’ ነበሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ: ሃብቲ ናይ ብዙሓት ሰባት ብቐንዱ ከም እኒ ክዳን: እኽሊ: ወይ ወይኒ ዝኣመሰለ ነገራት ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። (ዮኤል 2:19፣ ማቴዎስ 11:8) ገለ ካብዚ ጥሪት እዚ: ክምሽምሽ ወይ ‘ብልዒ ክበልዖ:’ ይኽእል ኢዩ: ይኹን እምበር ያእቆብ ሃብቲ ዘይጠቅም ምዃኑ ድኣ እምበር ብዛዕባ ዕምሩ ኣይኰነን ዘጕልሕ ዘሎ። ወርቅን ብሩርን ዘይምርት እኳ እንተዀነ: እንተድኣ ኸዚንናዮ ግን ልክዕ ከም ዝመረተ ነገራት ዘይጠቅም ኰይኑ ክርከብ ኢዩ። ‘ምምራት:’ ስጋዊ ሃብቲ ኣብ ጠቓሚ ነገር ከም ዘይውዓለ ዘመልክት ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ኵልና ክንዝክሮ ዝግብኣና: እቶም ኣብ ስጋዊ ሃብቶም ዝውከሉ ሰባት “ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት:” ማለት ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ከሎ ‘ከም ሓዊ ዝባላዕ መዝገብ ኣኪቦም ምህላዎም’ ኢዩ። ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ንነብር ስለ ዘሎና እዘን ቃላት እዚኣተን ንዓና ፍሉይ ትርጕም ኢዩ ዘለወን።—ዳንኤል 12:4፣ ሮሜ 2:5
14. ሃብታማት መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ ኢዮም ዝመላለሱ: ብዛዕብኡኸ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
14 ሃብታማት መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ምህርቶም ዝእክብሎም ሰባት የታልልዎም: እቲ ከይረኽብዎ እተኸልከለ ውዕለቶም መስጣ ምእንቲ ኽወርድ ከኣ ‘የእዊ’ ኢዩ። (ምስ ዘፍጥረት 4:9, 10 ኣረኣእዮ።) ዓለማውያን ሃብታማት ሰባት ‘ጥዒምዎም’ ኢዮም ዝነብሩ። ብስጋዊ ተድላ ቀይዲ በተኽ ብምዃን: ስቡሕን ዘይግደስን ኣልባብ ኢዮም ዘዕብዩ: ነዚ ድማ ገና ክሳዕ እታ ንማሕረዶም እተዳለወት ‘መዓልቲ’ ክገብርዎ ኢዮም። ‘ነቲ ጻድቕ ይፈርድዎን ይቐትልዎን’ ኢዮም። ያእቆብ “ንሱ [እቲ ጻድቕ] ኣይጻረረኩምን እዩ” ይብል። ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ግን “ንሱ ይጻረረኩምዶ ኣይኰነን ዘሎ፧” ብምባል ይሓትት። ዝዀነ ዀይኑ: ናብ ሃብታም ከነዳሉ የብልናን። ኣብ ናብራና ቅድም መንፈሳዊ ረብሓታት ከነቐድም ኣሎና።—ማቴዎስ 6:25-33
እምነት ትዕግስቲ ከነርኢ ትሕግዘና
15, 16. ትዕግስቲ ከነርኢ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ያእቆብ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ጨቈንቲ ዝዀኑ ሃብታማት ሓሳባት ድሕሪ ምሃቡ ቀጺሉ ነቶም እተጨቈኑ ክርስትያናት ትዕግስቲ ከርእዩ የተባብዖም። (ያእቆብ 5:7, 8) ኣመንቲ ንጸገማቶም ብትዕግስቲ እንተድኣ ጸይሮምዎ: ኣብ ግዜ ህላወ ክርስቶስ: ማለት ኣብ ልዕሊ ጨቈንቶም ፍርዲ ክወርድ ከሎ በቲ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ዓስቦም ክረኽቡ ነበሮም። (ማቴዎስ 24:37-41) ከምቲ ሓደ ሓረስታይ ነቲ ክዘርኣሉ ዝኽእል ዝናም ጽድያን እቲ ኣብ ግዜ ቀውዒ ፍረ ዘፍሪ ዝናም ጽባሓትን ክሳዕ ዝረክብ ብትዕግስቲ ዝጽበ: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እውን ልክዕ ከምኡ ክገብሩ ነበሮም። (ዮኤል 2:23) ንሕናውን እንተዀነ ብፍላይ ኣብዚ “ህላወ ጐይታ” የሱስ ክርስቶስ ዝረኣየሉ ዘሎ ግዜ ክንዕገስን ልብና ከነጽንዕን የድልየና ኢዩ!
16 ዕጕሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ያእቆብ 5:9-12) ትዕግስቲ: ኣመንቲ ብጾትና ከቘጥዑና ኸለዉ እውን እንተዀነ ከይንግዕር ወይ ኤህ ከይንብል ትሕግዘና ኢያ። ብእኩይ መንፈስ ተላዒልና ‘ኣብ ንሓድሕድና ኤህ’ ንብል እንተድኣ ዄንና: በቲ ፈራዲ የሱስ ክርስቶስ ክንኵነን ኢና። (ዮሃንስ 5:22) ሕጂ ‘ህላወኡ’ ጀሚሩ: “ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ አሎ:” እሞ: ነቶም ብዙሕ ናይ እምነት ፈተናታት ዝጋጠሙ ዘለዉ ኣሕዋትና ብምዕጋስ ሰላም ነስፍሕ። እዮብ ንፈተናታቱ ብትዕግስቲ ስለ እተጸመሞ ኣምላኽ ከም ዝባረኾ እንተድኣ ዘኪርና እምነትና ክትድልድል ኢያ። (እዮብ 42:10-17) እምነትን ትዕግስትን ነርኢ እንተድኣ ዄንና: ‘እግዚኣብሄር: ብዙሕ ለውሃት ዝመልአን ደንጋጽን’ ከም ዝዀነ ክንግንዘብ ኢና።—ሚክያስ 7:18, 19
17. ያእቆብ “ማሕላ ኣይትምሐሉ” ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧
17 ዕጕሳት እንተድኣ ዘይኴንና: ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ክንከውን ከሎና ንልሳንና ብዘይግቡእ ክንጥቀመሉ ንኽእል ንኸውን። ንኣብነት: ብሃወኽ ንምሕል ንኸውን። ያእቆብ: ብዛዕባ እቲ ብዘይ ሓሳብ ዝግበር ማሕላ ከጠንቅቕ ከሎ “ማሕላ ኣይትምሐሉ” ይብል። ወትሩ ንእተዛረብካዮ ዘረባታት ብማሕላ ገይርካ ምርግጋጹ ግብዝና እውን ክመስል ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እቲ እወ ዝበልናዮ እወ: እቲ ኣይኰነን ዝበልናዮ ኸኣ ኣይኰነን ምዃኑ ብምርግጋጽ ሓቂ ጥራይ ኢና ክንዛረብ ዘሎና። (ማቴዎስ 5:33-37) ልክዕ ኢዩ: ያእቆብ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ እትቐርብ ሓቂ ክትዛረብ ብምዃንካ ክትምሕል የብልካን ኣይኰነን ዝብል ዘሎ።
እምነትን ጸሎትናን
18. ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢና ‘ክንጽልን መዝሙር ክንዝምርን’ ዘሎና፧
18 ልሳንና ክንቈጻጸር: ትዕግስቲ ከነርኢ: ከምኡውን ኣብ ኣምላኽ ጥዑይ እምነት ክህልወና ንደሊ እንተድኣ ዄንና ጸሎት ኣብ ህይወትና ዓቢ ግደ ክህልዎ ይግባእ። (ያእቆብ 5:13-20) ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ፈተና ክንህሉ ከሎና ‘ክንጽሊ’ ይግብኣና። ሕጕሳት እንተድኣ ዄንና: ከምቲ የሱስ ዝኽሪ ሞቱ ክሰርዕ ከሎ ምስ ሃዋርያቱ ዀይኑ ዝዘመረ ‘መዝሙር ንዘምር።’ (ማርቆስ 14:26 NW እግረ-ጽሑፍ) ሓድሓደ ግዜ: ካብ ልቢ እውን ከይተረፈ መዝሙር ውዳሰ ክሳዕ እንዝምር ብኸምዚ ዝበለ ንኣምላኽ እነቕርቦ ምስጋና ክንመልእ ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 14:15፣ ኤፌሶን 5:19) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንየሆዋ ብመዝሙር ክንውድሶኸ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!
19. ብመንፈሳዊ መገዲ እንተድኣ ሓሚምና እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና: ከምዚ ዝበለ ስጕምቲ ክንወስድ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧
19 ምናልባት ብምኽንያት ሕማቕ ጠባይ ወይ ከኣ ኣብ መኣዲ የሆዋ ስርዓታውያን ኴንና ብዘይምምጋብና: ብመንፈሳዊ መገዲ ሓሚምና እንተድኣ ኣሊና ክንዝምር ባህ ከይብለና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እንተድኣ ኣሊና: ‘ኣብ ልዕሌና ንኽጽልዩ’ ብትሕትና ሽማግለታት ንጸውዕ። (ምሳሌ 15:29) ብዘይዚውን ‘ብስም እግዚኣብሄር ዘይቲ ክለኽዩና’ ኢዮም። እቲ ዘጸናንዕ ቃላቶምን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሮምን ከምቲ ንቝስሊ ዘህድእ ዘይቲ ብምዃን: ነቲ ዝስምዓና ጭንቀት: ምጥርጣር: ፍርሂ ከህድኣልና ኢዩ። ብእምነትና እንተድኣ ተደጊፋ ‘ናይ እምነት ጸሎት ከተድሕነና ኢያ።’ እቶም ሽማግለታት መንፈሳዊ ሕማምና ብሰንኪ ከቢድ ሓጢኣት ዝመጸ ምዃኑ እንተድኣ ተገንዚቦም: ብሕያውነት ሓጢኣትና እንታይ ምዃኑ ብምንጋር ክሕግዙና ክጽዕሩ ኢዮም። (መዝሙር 141:5) እንተድኣ ተነሲሕና: ኣምላኽ ንጸሎቶም ከም ዝሰምዖን ከም ዝሓድገልናን እምነት ከነሕድር ንኽእል ኢና።
20. ሓጢኣትና ክንእመን ኣብ ንሓድሕድና ኸኣ ክንጽሊ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧
20 ‘ንሓድሕድና ሓጢኣትና ምእማን:’ ተወሳኺ ሓጢኣት ንኸይንገብር ከም መከላኸሊ ኰይኑ ክዓዪ ይግብኦ። ነቲ ‘ምእንቲ ንሓድሕድና ክንጽሊ’ ዝድርኸና ኣብ ንሓድሕድካ ናይ ምድንጋጽ ባህሪ ንኸነንጸባርቕ ከተባብዓና ይግብኦ። ‘ጸሎት ጻድቕ’ ማለት ናይቲ እምነት ዘርኢ ብኣምላኽ ድማ ከም ቅኑዕ ዝርአ ሰብ: ኣብ የሆዋ ብዙሕ ስለ እተስልጥ እዚ ነገር እዚ ጠቓሚ ምዃኑ እምነት ክንገብር ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 3:12) ነብዪ ኤልያስ ከም ናትና ዝኣመሰለ ድኻማት ነይርዎ ኢዩ: ጸሎቱ ግን ኣስላጢ ኢዩ ነይሩ። ጸለየ: ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝኣክል ከኣ ዝናም ኣይዘነመን። ከም ብሓድሽ ምስ ጸለየ ግና ዘነመ።—1 ነገስት 17:1፣ 18:1, 42-45፣ ሉቃስ 4:25
21. ሓደ ክርስትያን ብጻይና “ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለ” እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧
21 ሓደ ኣባል ናይታ ጉባኤ ካብቲ ቕኑዕ ትምህርትታትን ጠባይን ብምልጋስ ‘ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለኸ’ ከመይ ይኹን፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽርን ጸሎትን ካልእ ሓገዝን ተጠቒምና ካብ ጌጋኡ ክንመልሶ ንኽእል ንኸውን። እንተድኣ ተዓዊትና: እዚ ደገፍ እዚ ነቲ ሰብ ኣብ ትሕቲ በጅነት ክርስቶስ ከም ዝቕጽል ክገብሮ: ካብ መንፈሳዊ ሞትን ካብ ናይ ጥፍኣት ኵነኔን ድማ ከድሕኖ ኢዩ። ነቲ እተጋገየ ብምሕጋዝና ብዝሒ ሓጢኣት ንኸድን። እቲ እተገሰጸ ሓጢኣተኛ ካብ ጌጋ መገዱ እንተድኣ ተመሊሱ: ተናሲሑ: ሕድገት ሓጢኣት ድማ እንተድኣ ደልዩ: ሓጢኣቱ ንምኽዳን ብምዕያይና ክንሕጐስ ኢና።—መዝሙር 32:1, 2፣ ይሁዳ 22, 23
ንዅልና ዝጠቅም ነገር
22, 23. በቲ ናይ ያእቆብ ቃላት ክንትንከፍ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧
22 መልእኽቲ ያእቆብ ንዅልና ዝኸውን ጠቓሚ ነገር ሒዛ ምህላዋ እተረጋገጸ ኢዩ። ንፈተናታት ብኸመይ ከም እንጋጠሞ ትሕብረና: ኣድልዎ ከይነርኢ ትመኽረና: ኣብ ቅኑዕ ግብሪ ክንጽመድ ከኣ ትላበወና። ያእቆብ ንልሳንና ክንቈጻጸራ: ንዓለማዊ ጽልዋ ክንጻረሮ: ሰላም ድማ ከነደንፍዕ ይላበወና። ብዘይዚውን ቃላቱ ዕጕሳትን ጸሎት ዘዘውትሩን ክገብረና ይግብኦ።
23 መልእኽቲ ያእቆብ ኣብ ፈለማ ናብቶም ቀዳሞት ቅቡኣት ክርስትያናት ከም እተላእከት ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን ኵልና ምኽሩ ኣብ እምነትና ንኽንጸንዕ ክሕግዘና ከነፍቅደሉ ይግብኣና። ቃላት ያእቆብ: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ወሳኒ ስጕምቲ ንኽንወስድ እትድርኸና እምነት ክሃንጸልና ይኽእል ኢዩ። እዛ መለኮታዊ መንፈስ ዝነፈሳ መልእኽቲ: ሎሚ ኣብ እዋን “ህላወ ጐይታ” የሱስ ክርስቶስ ዕጕሳትን ጸሎት ዘዘውትሩን መሰኻኽር የሆዋ እትገብረና: እትጽመም እምነት ትሃንጸልና ኢያ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ገሊኣቶም ክርስትያናት ኣመለኻኽትኦምን ጠባያቶምን ክልውጡ ዘድለዮም ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ያእቆብ ንሃብታማት እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝህቦም፧
◻ ትዕግስቲ ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
◻ ስርዓታውያን ኴንና ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ገለ ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣመንቲ ብጾቶም ዝያዳ ክዕገሱ የድልዮም ነበረ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናት ዕጕሳትን ፈቃራትን ጸሎት ዘዘውትሩን ክዀኑ ኣለዎም