ያእቆብ
5 ኣቱም ሃብታማት፡ እስከ ሕጂ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ ጸበባ ዋይዋይ እናበልኩም ብኸዩ።+ 2 ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ክዳውንትኹም እውን ብልዒ በሊዕዎ ኣሎ።+ 3 ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ ምራተኡ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ፡ ንስጋኹም እውን ኪበልዖ እዩ። እቲ ዝኣከብኩምዎ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ሓዊ ኪኸውን እዩ።+ 4 እንሆ፡ እቲ ንስኻትኩም ዝገደብኩምዎ ውዕለት እቶም ኣብ ግራውትኹም ዝዓጸዱ ዓየይቲ የእዊ ኣሎ፣ ኣውያት እቶም ዓጻዶ እውን ኣብ እዝኒ የሆዋ* ጐይታ ሰራዊት በጺሑ ኣሎ።+ 5 ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፣ ብመዓልቲ ማሕረዲ ልብኹም ኣስቢሕኩም ኣለኹም።+ 6 ነቲ ጻድቕ ኰኒንኩምዎ፡ ቀቲልኩምዎ እውን። ንሱ ይጻረረኩምዶ የሎን፧
7 እምበኣር፡ ኣሕዋተየ፡ ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህሉ፡ ተዓገሱ።+ እንሆ፡ ሓረስታይ፡ ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ክሳዕ ዚመጽእ እናተዓገሰ፡ ክቡር ፍረ ምድሪ ይጽበ እዩ።+ 8 ንስኻትኩም እውን ተዓገሱ፣+ ጐይታ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣጽንዑ።+
9 ኣሕዋተየ፡ ምእንቲ ኸይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣይተዕዘምዝሙ።*+ እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኣሎ። 10 ኣሕዋተየ፡ ነቶም ብስም የሆዋ* እተዛረቡ ነብያት፡+ ከም ኣርኣያ መከራን+ ትዕግስትን+ ጌርኩም ርኣይዎም። 11 እንሆ፡ ‘እቶም እተጻወሩ ሕጉሳት* እዮም’ ንብል ኣለና።+ ብዛዕባ ተጻዋርነት እዮብ+ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ የሆዋ* ኣዝዩ ፈቃርን* መሓርን እዩ እሞ፡+ ነቲ የሆዋ* ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉ ርኢኹም ኣለኹም።+
12 ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ደጊም ብሰማይ ወይስ ብምድሪ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሓሉ። የግዳስ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ “እወ” ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ “ኣይፋል” ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን።+
13 ኣብ መንጎኹም መከራ ዚጸግብዶ ኣሎ፧ ብቐጻሊ ይጸሊ።+ ሕጉስዶ ኣሎ፧ ይዘምር።+ 14 ኣብ መንጎኹም ዝሓመመዶ ኣሎ፧ ንሽማግለታት ጉባኤ ይጸውዕ፣+ ንሳቶም ከኣ ብስም የሆዋ* ዘይቲ እናለኸዩ፡ ይጸልዩሉ።+ 15 እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም* ከተጥዕዮ እያ፣ የሆዋ* እውን ኬተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑ እውን፡ ኪሕደገሉ እዩ።
16 እምበኣር፡ ምእንቲ ኽትሓውዩ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፡+ ምእንቲ ሓድሕድኩም እውን ጸልዩ። ምህለላ ጻድቕ ሓያልን መስለጢትን እያ።*+ 17 ኤልያስ ከማና ዝስምዒቱ ሰብ እዩ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ከይዘንም ጸሎት ምስ ጸለየ፡ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብታ ምድሪ ኣይዘነመን።+ 18 ከም ብሓድሽ ምስ ጸለየ ድማ፡ ሰማይ ዝናም ሂቡ፡ ምድሪ እውን ፍሪኣ ኣብቊላ።+
19 ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ስሒቱ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ እንተ መሊስዎ፡ 20 እቲ ንሓጥእ ካብ ስሕተት መገዱ ዚመልሶ፡+ ንዕኡ* ኻብ ሞት ከም ዜድሕኖ፡ ብዝሒ ሓጢኣት እውን ከም ዚኸድን፡ ይፍለጥ።+