ብመንፈስ ኣጸቢቕካ ትምገብዶ ኢኻ፧
“ጽቡቕ ኣመጋግባ እቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ዝዀነ ሰብኣዊ ድሌት ኢዩ። . . . እኹል መግቢ እንተ ዘይንምገብ: ምሞትና ነይርና።”—ፉድ ኤንድ ንትርዩሽን (እንግሊዝኛ)።
እዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ: ኣብቲ ዝማሰነ ኣካላት ናይቶም እዚ “ኣዝዩ መሰረታዊ ዝዀነ ሰብኣዊ ድሌት” እተነፍጎም ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ብግልጺ ተራእዩ ኣሎ። ካልኦት ከኣ ነዚ ድሌት እዚ ብውሱን ዓቐን ከማልኡ ክኢሎም ኢዮም: ገና ግን ብዋሕዲ መግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ። ይኹን እምበር: እቶም ጽቡቕ ክምገቡ ዝኽእሉ ብዙሓት ሰባት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ጥቕሚ ክህብ ዘይክእል ሓሸርበሸር ኢዮም ከብዶም ዝመልእዎ። ሄልዚ ኢቲን (እንግሊዝኛ) “መግቢ ሓደ ካብቶም ኣዚና ብዘይ ግቡእ እንጥቀመሎም ጥሪትና ኢዩ ዝመስል ዘሎ” ትብል።
እዚ ምስ መንፈሳዊ መግቢ—ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ—ሕደ ኢዩ። ገለ ሰባት ነቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ዝዀነ መንፈሳዊ መግቢ ይስእንዎ፣ ብመንፈስ ድማ ይጠምዩ። ገሊኣቶም ከኣ ነቲ ክረኽብዎ ዝኽእሉ መንፈሳዊ መግቢ ከይጥቀምሉ ዕሽሽ ይብልዎ። ንስኻኸ ከመይ ኢኻ፧ ብብሕትኻ ብመንፈስ ኣጸቢቕካዶ ትምገብ ኢኻ፧ ወይስ ንገዛእ ርእስኻ መንፈሳዊ መግቢ ትሓርማ ትህሉ ደዀን ትኸውን፧ ካብቲ ስጋዊ መግቢ ዘድልየና ንላዕሊ እውን ከይተረፈ መንፈሳዊ መግቢ ዝያዳ ስለ ዘድልየና: በዚ ጕዳይ እዚ ዝመጸ ንገዛእ ርእስና ሓቀኛታት ክንከውን ኣገደሲ ኢዩ።—ማቴዎስ 4:4
ንመንፈሳዊ ዕቤት ዝኸውን መግቢ
ግቡእ ኣመጋግባ ክህሉ ኣድላዪ ብዛዕባ ምዃኑ እትገልጽ ፉድ ኤንድ ንትርዩሽን እትበሃል መምሃሪት መጽሓፍ: ጽቡቕ ኣመጋግባ ክህልወሉ ዘለዎ ሰለስተ ጠቐምቲ ምኽንያታት ትገልጽ። ሓደ ካብዚ: “ዕቤት ንኽንውስኽ ከምኡውን ነቶም በብግዚኡ ዝሞቱ ናይ ኣካልና ዋህዮታት ንምትካእ” መግቢ የድልየና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ህይወትና ሓደ ትርልዮን ዋህዮታት ከም ዝሞቱ እሞ ክትክኡ ከም ዘለዎም ትፈልጥ ዲኻ፧ ንጽቡቕ ዕቤትን ኣካላዊ ጽገናን መኣዛ ዘለዎ መግቢ የድሊ።
እዚ ኣብ መንፈሳዊ ጕዳይ እውን ዝውዕል ኢዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንዝነበረት ጉባኤ ክጽሕፍ ከሎ: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን “እኹል ሰብኣይ” ንኽኸውን ጥዑይ መንፈሳዊ መግቢ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘድልዮ ኣጕልሖ። (ኤፌሶን 4:11-13) ንገዛእ ርእስና መንፈሳዊ መግቢ ብግቡእ ምስ እነዐንግላ: ከም ድኹማት ህጻናት ናይ ኵሉ ዓይነት ሓደጋታት ግዳይ ብምዃን ገዛእ ርእስና ክንከናኸን ዘይንኽእል ኣይክንከውንን ኢና። (ኤፌሶን 4:14) ድልዱላት በጽሕታት ንምዃን እናዓበና ንኸይድ: ‘ቃል እምነት እተመገብና’ ብምዃንና ድማ ሓያል ናይ እምነት ቃልሲ ክንገብር ንኽእል።—1 ጢሞቴዎስ 4:6 NW
ብኣኻ ወገን እዚ ሓቂ ድዩ፧ ብመንፈስ ዓቢኻዶ፧ ወይስ ገና ከምቲ ተኣፋፊ: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ካልኦት ዝውከል: ከምኡውን ምሉእ ክርስትያናዊ ሓላፍነት ክወስድ ዘይክእል መንፈሳዊ ህጻን ኢኻ፧ ኵላትና ብመንፈስ ህጻን ኢየ ከም ዘይንብል ፍሉጥ ኢዩ: እንተዀነ ግን ብቕንዕና ዝግበር ርእሰ-ምርመራ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ገለ ቅቡኣት ክርስትያናት ብመንፈስ ህጻናት ነበሩ። ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ንኻልኦት ክምህሩ ፍቓደኛታት “መምህራን” ክዀኑ እኳ እንተነበሮም ሃዋርያ ጳውሎስ ግን “ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር: ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ” ብምባል ጸሓፈሎም። ብመንፈስ ክትዓቢ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ንጥዑይ ዝዀነ ዕጹም መንፈሳዊ መግቢ ሸውሃት ከተጥሪ ጸዓር። በቲ ናይ ህጻን መንፈሳዊ መግቢ ኣይትዕገብ!—እብራውያን 5:12
ነቲ ካብዛ እክይቲ ዓለም ብዘጋጥመና ናይ መዓልታዊ ፈተናታት ማህሰይቲ ንኽጽግነልና እውን ዕጹም መንፈሳዊ መግቢ የድልየና ኢዩ። እዚ ፈተናታት እዚ ንመንፈሳዊ ሓይልና ክመጽዮ ይኽእል ኢዩ። ኣምላኽ ግን ነቲ ሓይሊ እቲ ከሐድሶ ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ “እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ: እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ: ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና” በለ። (2 ቈረንቶስ 4:16) ‘ኣብ ጸጽባሕ እንሕደስ’ ከመይ ኢልና ኢና፧ ናይ ብሕትን ጕጅለን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ካልኦት ጽሑፋትን መጽናዕቲ ብምግባር ቃል ኣምላኽ ስርዓታዊ ዄንካ ምምጋብ ሓደ ክፍሊ ናይዚ ኢዩ።
ንመንፈሳዊ ሓይሊ ዝኸውን መግቢ
“ሙቐትን ሓይልን ንኽትረክብ” እውን መግቢ ኣድላዪ ኢዩ። መግቢ እቲ ንኣካላትና ብግቡእ ንኽዓዪ ዘድልዮ ነዳዲ ይህብ። ብዝግባእ እንተ ድኣ ዘይተመጊብና ሓይሊ ዘይብልና ኢና እንኸውን። ብልዕና ሓደ ካብቶም መኣዛታት መግቢ ዝዀነ ሓጺን ዝጐደሎ እንተድኣ ዀይኑ: ድኻም ዝስማዓናን ፈዛዛትን ንኸውን። ሓድሓደ ግዜ ንመንፈሳዊ ንጥፈት ዝምልከት ከምዚ ይስማዓካዶ ኢዩ፧ ነቲ ምስ ክርስትያናውነትካ እተተሓሓዘ ሓለፍነታት ንምፍጻም የጸግመካዶ ኢዩ፧ ሰዓብቲ የሱስ ኢና ዝብሉ ገለ ሰባት ንሰናይ ግብሪ ይስልክዩ እሞ: ክርስትያናዊ ዕዮታት ንምፍጻም ድማ ሓቦ ይስእኑ። (ያእቆብ 2:17, 26) ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም እንተድኣ ኣሎካ ዀይኑ: መድሃኒቱ ብግቡእ መንፈሳዊ ኣመጋግባኻ ምምሕያሽ ወይ ንዓቐን ናይቲ እትወስዶ መንፈሳዊ መግቢ ምውሳኽ ክኸውን ይኽእል።—ኢሳይያስ 40:29-31፣ ገላትያ 6:9
ድኹም ናይ መንፈሳዊ ኣመጋግባ ልምድታት ንኸተማዕብል ኣይትተዓሾ። ካብቶም ሰይጣን ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ዝዓበዩ ምትላላት ሓደ: ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ካብኡ ርጡብ ፍልጠት ምርካብን ኣድላዪ ከም ዘይኰነ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ብምግባር ኢዩ። ንሱ ነቲ ጠምዮም ክሳዕ ኢዶም ዝህቡ መግቢ ከም ዘይኣቱ ገይርካ ንናይ ጸላኢ ከተማታት ብሰራዊት ምኽባብ ዝብል ንነዊሕ ዘበናት እተዘውተረ ሜላ ኢዩ ዝጥቀም። ነዚ ሜላ እዚ ግን ኣማዕቢልዎ ኢዩ። ነቶም “ከቢብዎም” ዘሎ ሰባት ኣኽል-ታርፍ ጥዑይ መንፈሳዊ መግቢ እናሃለወ ክነሱ ንገዛእ ርእሶም ከም ዘጥምዩ ብምግባር የታልሎም። ብዙሓት እምበኣር ግዳይ መጥቃዕትታቱ እንተዀኑ ዘገርም ኣይኰነን!—ኤፌሶን 6:10-18
ንመንፈሳዊ ጥዕና ዝኸውን መግቢ
መግቢ እንደልየሉ ሳልሳይ ምኽንያት ድማ “ናይ ኣካል ጥዕና ንምሕላው . . . ከምኡውን ሕማም ንምክልኻል” ምዃኑ ፉድ ኤንድ ኒትርዩሽን ትገልጽ። እቲ ጥዑይ መግቢ ዝህቦ ናይ ጥዕና ጥቕሚ ሽዑ ንሽዑ ኣይረአን ኢዩ። መኣዛ ዘለዎ መግቢ ምስ በላዕና ‘እዛ ዝበላዕክዋ መግቢ ልበይ (ወይ ኵላሊተይ ወይ ጭዋዳታተይ: ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ) ከም ዝሕሸኒ ገይራትኒ’ ኢልና ኣይንሓስብን ኢና። ይኹን እምበር: ንንውሕ ዝበለ ግዜ መግቢ ከይበላዕካ ፈትኖ እሞ: እቲ ኣብ ጥዕናኻ ዝመጽእ ሳዕቤን ክትርእዮ ኢኻ። እንታይ ሳዕቤናት ኣለዎ፧ ሓደ ናይ ሕክምና መወከሲ ጽሑፍ “መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ኣመጋግባ ጉድለት ጕዳኢ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ እዚ ሳዕቤን እዚ ኸኣ ዘይምህጣር: ብቐሊሉ ክሓዊ ዝኽእል ሕማማት ንምክልኻል ምስናፍ: ሓይሊ ዘይብልካ ምዃን ወይ ህርኩት ዘይምዃን ኢዩ” ይብል። ተመሳሳሊ መንፈሳዊ ሕማም ንጥንታዊት እስራኤል ንእተወሰነ ግዜ ሒዝዋ ነበረ። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕብኦም ከምዚ ኢሉ ተዛረበ:- “ኵሉ እቲ ርእሲ ሕሙም: ኵሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን።”—ኢሳይያስ 1:5, 6
ጥዑይ መንፈሳዊ መግቢ ንኸምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ድኻምን ናይ መንፈሳዊ ሕማም ሳዕቤናትን ንምቅዋም ሓይሊ ይህበና። ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት እንተድኣ ተመጊብናዮ ብመንፈስ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ንኽንህሉ ይሕግዘና ኢዩ! የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ግቡእ መንፈሳዊ ኣመጋግባ ዝመጸ መብዛሕትኦም ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ ሰባት ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ሸለልትነት ከይተማህሩ ምትራፎም ሓሳባት ሂቡ ነበረ። ንሳቶም እውን ነቲ ዝምህሮ ዝነበረ ሓቅታት ምምጋብ ኣብዮም ኢዮም። እንታይከ ሰዓቦም፧ የሱስ “በእዛኖም ከይሰምዑ: በዒንቶም ከይርእዩ: ኣእዛኖም ኣጽመሙ: ኣዒንቶም ዐመቱ: ብልቦም ከየስተውዕሉ: ከይምለሱ: ኣነውን ከየሕውዮምሲ: ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጒድ እዩ” ብምባል ተዛረበ። (ማቴዎስ 13:15) መብዛሕትኦም ከኣ በቲ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ኣይተጠቕሙን። ብመንፈስ ሕሙማት ኰይኖም ቀጸሉ። ገለ ቅቡኣት ክርስትያናት ከይተረፉውን “ድኹማትን ሕሙማትን” ኰኑ። (1 ቈረንቶስ 11:30) ነቲ ኣምላኽ ዘዳልዎ ዘሎ መንፈሳዊ መግቢ ዘይንንዕቕ ንኹን።—መዝሙር 107:20
መንፈሳዊ ምምራዝ
ኣብ ልዕሊ እቲ ንመንፈሳዊ ጥሜት ዘሎ ስግኣት: ካልእ ክንግንዘቦ ዘድልየና ሓደጋ ድማ ኣሎ—እቲ እንምገቦ ዓይነት መግቢ ክምረዝ ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ብጀርም እተበከለ ወይ ብባክተርያ እተመረዘ ስጋዊ መግቢ ምብላዕ ክቐትለና ዝኽእል: በቲ ሓደገኛ ዝዀነ ጋኔናዊ ሓሳባት እተበከለ ትምህርቲ ምውሳድ እውን ክቐትለና ይኽእል ኢዩ። (ቈሎሴ 2:8) እተመረዘ መግቢ ከተለልዮ ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኰነን። ሓደ በዓል ሞያ “ሓድሓደ ግዜ መግቢ ጥዑይ ይመስል ይኸውን: ይኹን እምበር ናይቶም ሕማም ዘምጽኡ ባክተርያ መዕቈቢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” በለ። ስለዚ ገለ ካብቲ መንፈሳዊ መግብና ብኸም ናይ ከሓድቲ ጽሑፋት ዝኣመሰለ ናይ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትን ፍልስፍናን ምትእትታው ክብከል ከም ዝኽእል ገይርና ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ንምንጩ ተጠንቂቕና ክንምርምሮ ኣሎና። ገለ ኣፍረይቲ መግቢ እውን ከይተረፉ ንትሕዝቶ ናይ ምህርቶም ዝምልከት ንዓማዊሎም ንምትላል ናይ ሓሶት ምልክት ይልጥፍሉ ኢዮም። ካብቲ ዕሉል መታለሊ ዝዀነ ሰይጣን ድማ ብርግጽ ተመሳሳሊ ነገር ኢና እንጽበ። ስለዚ እምበኣር: ‘ብእምነት ጥዑይ’ ኴንካ ምእንቲ ክትቅጽል ነቲ መንፈሳዊ መግቢ ካብ ዘተኣማምን ምንጪ ከም እትረኽቦ ኣረጋግጽ።—ቲቶስ 1:9, 13
ቶማስ ኣዳምስ እተባህለ ናይ መበል 17 ክፍለ-ዘበን ሰባኺ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ ህዝቢ “ንመቓብራቶም ብኣስናኖም ኢዮም ፍሒሮሞ” ብምባል ተዛረበ። ብኻልእ ኣዘራርባ: እቲ ዝበልዕዎ ቀቲልዎም ማለት ኢዩ። እቲ ብመንፈስ እትምገቦ እምበኣር ዘይቀትለካ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ጥዑይ መንፈሳዊ መግቢ ንኽትረክብ ጽዓር። የሆዋ ነቶም ህዝቡ ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት ናብ ናይ ሓሶት መማህራንን ነብያትን ምስ ኣድሃቡ: “ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ: . . . እተጥፍኡሉስ ስለምንታይ፧” ብምባል ሓተቶም። “ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ: ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑ: ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ። እዝንኹም ናባይ ጽለዉ እሞ ናባይ ንዑ: ስምዑ: ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ።”—ኢሳይያስ 55:2, 3፣ ምስ ኤርምያስ 2:8, 13 ኣረኣእዮ።
ኣኽል-ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ
ሕጽረት ጽቡቕ መንፈሳዊ መግቢ ብርግጽ የሎን። ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ እተነበዮ: ሕጂ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ንዝዀነ ይኹን ክምገብ ዝደሊ ኣብ ምቕራብ ትሑዝ ኰይኑ ዘሎ ሓደ ክፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:45) ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ የሆዋ “እንሆ ባሮተይ ኪበልዑ: ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም: . . . ባሮተይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ [ኢዮም]” ብምባል ተመባጺዑ ነበረ። አረ: ነቶም ክምገብዎ ዝደልዩስ ስቡሕ መኣዲ ኢዩ ተመባጺዕሎም ዘሎ። “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት . . . ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዅሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ: ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ: ኣንጕዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ . . . ኺገብር እዩ።”—ኢሳይያስ 25:6፣ 65:13, 14
ይኹን እምበር: ነዚ ዝስዕብ እሞ ሕስብ ኣብለሉ:- መኣዲ ተቐሪቡ ክነሱ ክሳዕ እንመውት ክንጠሚ ንኽእል ኢና! ብመግቢ ተኸቢብና ክነስና: ተገዲስና ካብኡ እንተድኣ ዘይተመጊብና ሓደገኛ ዝዀነ ዓጸቦ ከጋጥመና ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 26:15 እዚ ዝስዕብ ቃል ብቓሉ መግለጺ ትህበና:- “ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ እሞ: ናብ ኣፉ ምምላሳ ድኻም ይዀኖ።” ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኵነታት ኰን ኢዩ! ንሕናውን ቃል ኣምላኽን ነቶም መንፈሳዊ መግቢ ንኽንወስድ ክሕግዙና ተባሂሎም እተዳለዉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ብብሕትና ንምጽናዕ ዘይንጽዕር ኣዚና ሰነፋት ክንከውን ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንዝግበር ኣኼባታት ንምድላው ወይ ንምስታፍ ኣዚና ስልኩያት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ጽቡቕ ናይ ኣመጋግባ ልምድታት
ስለዚ እምበኣር: ጽቡቕ ናይ መንፈሳዊ ኣመጋግባ ልምድታት ንኸነማዕብል ቅቡል ምኽንያት ኣሎና። ይኹን እምበር: እቲ ሓቂ ብዙሓት ንመንፈሳዊ መግቦም ነይሮም ነይሮም ይምገብዎ: አረ ገሊኦምስ ፈጺሞም እውን ይሕረምዎ ኢዮም። እዚኣቶም ልክዕ ነቶም ኣብ መጻኢ ህይወቶም ብሳዕቤናቱ ክሳብ ዝሳቐ ኣድላይነት ናይ ግቡእ ኣመጋግባ ዘይርድኦም ውልቀ-ሰባት ክምሰሉ ይከኣል። ሄልዚ ኢቲን ጽቡቕ ኣመጋግባ ንህይወት ኣድላዪ ምዃኑ ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና: ንናይ ኣመጋግባ ልምድታትና ስለምንታይ ከም ዘይንግደሰሉ ነዚ ዝስዕብ ምኽንያት ትህብ:- “እቲ ሽግር ኰይኑ ዘሎ [ድኹም ናይ ኣመጋግባ ልምድታት] ሽዑ ንሽዑ ስእነት ጥዕና [ኣየስዕብን] ኢዩ: ከምቲ ብዘይጥንቃቐ ጐደና ምስጋር ዝኣመሰለ ዘስዕቦ ሃንደበታዊ ሓደጋ የብሉን። ኣብ ክንድኡስ: ቀስ እናበለ ውሽጠ ውሽጢ ንናይ ሓደ ሰብ ጥዕና ዘበላሹ ክኸውን ይኽእል: ብቐሊሉ ዝያዳ ትሓምም: ኣዕጽምቲ ብቐሊሉ ተነቃፊ ይኸውን: ምሕዋይ ኣቝሳልን ካብ ሕማም ምጥዓይን ከኣ ክድንጒ ይኽእል።”
ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምስ በጽሐ ድማ እቲ ሰብ ከምቲ ሓንቲ ብጕድላት ኣመጋግባ ዝመጽእ ኣብ ስነ-ኣእምሮን ሆርሞንን ዝርአ ምዝንባል እትሳቐ መንእሰይ ጓል ዘጓንፋ ኵነታት ከጋጥሞ ይኽእል ኢዩ። ነብሳ ትውድእ እኳ እንተሃለወት ኣብ ምሉእ ጥዕና ብምህላዋ: ሒደት መግቢ ጥራይ ከም ዘድልያ ንገዛእ ርእሳ ተእምና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናይ ምብላዕ ሸውሃታ ምሉእ ብምሉእ ተጥፍእ። ሓደ ናይ ሕክምና መወከሲ ጽሑፍ “እዚ ሓደገኛ ኵነታት ኢዩ” ይብል። ስለምንታይ፧ “እታ ሕምምቲ ብሰንኪ ጥሜት እኳ እንተ ዘይሞተት: ኣብ ኣስጋኢ ዝዀነ ዓጸቦ ትወድቕ: ብቐሊል ሕማም ከኣ ትጥቃዕ።”
ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ “ኣድላይነት ናይ ስርዓታዊ ዄንካ ንኣኼባታት ምድላውን ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባርን ብምርዳእ ንብዙሕ ዓመታት ጽዒረ ኢየ: ክሳብ ሕጂ ግን ክገብሮ ኣይከኣልኩን” ብምባል ትእመን። ዳሕራይ ግን ገለ ምትዕርራያት ገበረት እሞ ንፍዕቲ ተማሃሪት ቃል ኣምላኽ ኰነት: እዚ ዝገበረት ግን ኣብ ኣስጋኢ ኵነታት ከም ዘላ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተገንዘበት ኢያ።
ስለዚ እምበኣር: ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣስተውዕለሉ። ከምቶም “ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት” ኩን: ከምኡውን ‘ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓቢ: ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃጎ።’ (1 ጴጥሮስ 2:2) እወ: ኣእምሮኻን ልብኻን ብፍልጠት ኣምላኽ ንምምላእ ‘ብሃግ’—ሓያል ድሌት ኣማዕብል። መንፈሳውያን በጽሕታት እውን ነዚ ድሌት እዚ ኣብ ምዕንጋል ክቕጽሉ የድልዮም። መንፈሳዊ መግቢ ‘ሓደ ካብቶም ብዘይ ግቡእ እትጥቀመሎም ጥሪትካ’ ክኸውን ኣይተፍቅደሉ። ብመንፈስ ኣጸቢቕካ ተመገብ: ካብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ “ጥዑይ ቃል” ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም።—2 ጢሞቴዎስ 1:13, 14
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ኣመጋግባኻ ከተማሓይሽ የድልየካ ድዩ፧