እቲ መንፈስ ባዕሉ ምስ መንፈስና ዀይኑ ይምስክር
“ውሉዳት ኣምላኽ ምዃንና፡ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር።”—ሮሜ 8:16።
1-3. እንታይ ፍጻመታት እዩ ንጰንጠቈስጠ ፍልይቲ መዓልቲ ዝገበራ፧ እዚ ፍጻመታት እዚኸኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣቕዲሙ ተሓቢሩ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)
ሰንበት ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ ኣቢሉ እዩ ነይሩ። እታ ሰንበት እቲኣ ኸኣ፡ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ ፍልይቲ እያ ነይራ። ቅዱስ በዓል እዮም ዜብዕሉ ነይሮም። ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ እቲ ስሩዕ ናይ ንግሆ መስዋእቲ ቐሪቡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ነቲ ዚውዝወዝ መስዋእቲ ዚኸውን ካብ ሓድሽ እኽሊ በዂዑ እተሰንከተ ኽልተ እንጌራ ኬቕርቦ ተዳልዩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘሌ. 23:15-20) እቲ መስዋእቲ እቲ ኸኣ ምጅማር ዓጺድ ስርናይ ዜበስር እዩ ነይሩ። እዚ ዝዀነ፡ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እዩ።
2 እዚ ዅሉ ኣብታ ቤተ መቕደስ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ኸተማ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ደርቢ ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ዚፍጸመሉ ግዜ ኣኺሉ ነይሩ። ኣስታት 120 ክርስትያናት ሓቢሮም “ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ።” (ግብ. 1:13-15) እቲ ሊቀ ኻህናት ዓመት ዓመት ኣብ ጰንጠቈስጠ ዚገብሮ ነገር፡ ምስቲ ኣብቶም ክርስትያናት እተፈጸመ ነገር ብቐረባ ዚተሓሓዝ ነገር እዩ ነይሩ፣ ካብታ ዕለት እቲኣ ኣስታት 800 ዓመት ኣቐዲሙ ድማ ነብዪ ዮኤል ብዛዕባ እዚ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዮኤ. 2:28-32፣ ግብ. 2:16-21) እቲ ኽሳዕ ክንድዚ ኣገዳስነት ዘለዎ እተፈጸመ ነገር ግና እንታይ እዩ፧
3 ግብሪ ሃዋርያት 2:2-4 ኣንብብ። እወ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ኣብታ ደርቢ እተኣከቡ ክርስትያናት ፈሰሰ። (ግብ. 1:8) ንሳቶም ከኣ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ዜደንቕ ነገራት ኪንበዩ ወይ ኪምስክሩ ጀመሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ሽዑ እተኣከቡ ብዙሓት ሰባት ኣገዳስነት እቲ ዝዀነ ነገር ገለጸሎም። ድሕሪኡ፡ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ፡ “ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣቱ ይጠመቕ፣ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እውን ክትቅበሉ ኢኹም” በሎም። ብድምር ኣስታት 3,000 ሰባት በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዕድመ ተቐቢሎም ተጠምቁ፡ ከምቲ ዝበሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።—ግብ. 2:37, 38, 41።
4. (ሀ) እቲ ብጰንጠቈስጠ ዝዀነ ነገር ኬገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) በታ መዓልቲ እቲኣ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ እንታይ ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመ ዀይኑ ኪኸውን ይኽእል፧ (ተወሳኺ ሓበሬታ ርአ።)
4 ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዝዀነ ነገር ኣይኰነን ዜገድሰና። የግዳስ፡ እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትንቢት ስለ ዝፈጸሞ እዩ ዜገድሰና።[1] በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሊቀ ኻህናት ንየሆዋ፡ ከም ተምሳል ዝዀና ኽልተ እንጌራ የቕርበሉ ነይሩ እዩ። እተን ኣብ ቤተ መቕደስ ዚቐርባ ኻብ ብኹዕ እተሰንከታ እንጌራ፡ ነቶም ካብ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ተወሲዶም ደቂ ኣምላኽ ዚዀኑ ቕቡኣት ደቀ መዛሙርቲ የመልክታ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ገለ ኻብቶም “በዅራት” ደቂ ሰብ ውዒሎም ሓዲሮም ናብ ሰማይ ኪኸዱ፡ ናብታ ንዝተረፉ እዙዛት ደቂ ሰብ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት እተምጽኣሎም መንግስቲ ኸኣ ኪኣትዉ መገዲ ተኸፊቱ። (ያእ. 1:18፣ 1 ጴጥ. 2:9) ስለዚ፡ ተስፋና ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ምንባር ይኹን ወይ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር፡ ህይወትና በቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝዀነ ፍጻመታት ብዙሕ ይጽሎ እዩ።
ሰብ ብኸመይ ይቕባእ፧
5. ቅቡኣት ዘበሉ ዅሎም ብሕደ መገዲ ኸም ዘይቅብኡ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧
5 ሓደ ኻብቶም ልሳን ሓዊ ኣብ ረርእሶም ዝዓለቦም ደቀ መዛሙርቲ እንተ ትኸውን ኔርካ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ኸቶ ኣይምረሳዕካያን። ብሕልፊ ድማ ብኻልእ ቋንቋ ናይ ምዝራብ ተኣምራዊ ውህበት እንተ ዚውሃበካ ነይሩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተቐባእካ ሕቶ ኣይምተላዕለካን። (ግብ. 2:6-12) ኰይኑ ግና፡ ኵሎም እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዚቕብኡ ሰባት፡ ከምቲ ኣብቶም ኣስታት 120 ደቀ መዛሙርቲ ዝዀነ ብመስተንክራዊ መገዲ ድዮም ዚቕብኡ፧ ኣይፋልን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኻልኦት ሰባት፡ ኪጥመቑ ኸለዉ እዮም ተቐቢኦም። (ግብ. 2:38) ከም ልሳን ሓዊ ዝበለ ነገር ኣብ ረርእሶም ኣይወረደን። ብዘይካዚ፡ ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣይኰኑን ኺጥመቑ ኸለዉ እተቐብኡ። ንኣብነት፡ ሳምራውያን ድሕሪ ጥምቀቶም እተወሰነ እዋን ጸኒሖም እዮም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ። (ግብ. 8:14-17) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ቆርኔሌዎስን ቤተ ሰቡን ፍሉይ ኵነታት ስለ ዝነበሮም፡ ቅድሚ ጥምቀቶም እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም።—ግብ. 10:44-48።
6. ኵሎም ቅቡኣት እንታይ እዮም ዚቐበሉ፧ እዚኸ ብኸመይ ይጸልዎም፧
6 ስለዚ፡ ኵሎም ቅቡኣት ኣይኰኑን ብሕደ መገዲ ዚቕብኡ። ገሊኦም ከም እተጸውዑ ብሃንደበት ኪፈልጡ ይኽእሉ እዮም፣ ገሊኦም ግና በብቝሩብ ኬስተውዕልዎ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ዚቕብኡሉ መገዲ በዚ ይኹን በቲ፡ ነፍሲ ወከፎም እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ምስ ኣመንኩም ከኣ፡ በቲ እተተስፈወ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም፣ እዚ ኸኣ . . . ዕርቡን ርስትና እዩ” ኢሉ ዝገለጾ ነገር ኣለዎም። (ኤፌ. 1:13, 14) እዚ መንፈስ ቅዱስ ዚዓይዮ ፍሉይ ዕዮ፡ ከም ዕርቡን፡ ማለት ነቲ ዚመጽእ ነገር ውሕስነት ዚኸውን እዩ። ሓደ ቕቡእ ክርስትያን ብምኽንያት እዚ ዚቕበሎ ዕርቡን እዚ፡ ብውሽጡ ምትእምማን የሕድር እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:21, 22፣ 5:5 ኣንብብ።
7. ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ኣብ ሰማይ ዓስቡ ንምርካብ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧
7 እዚ ዕርቡን እዚ ዚቕበል ክርስትያን፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ሰማይ ከም ዚኸውን ውሕስነት ተኣትዩሉ ድዩ፧ ኣይፋልን። እቲ ሰብ እቲ ብርግጽ ተዓዲሙ እዩ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ዓስቡ ኪቕበሎ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰኑ ግና፡ ኣብቲ ንጽውዓኡ ዘለዎ ተኣማንነት እዩ ዚምርኰስ። ጴጥሮስ ነዚ ነገር እዚ በዚ ኸምዚ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንጽውዓኹምን ንሕርያኹምን ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዎ ኣዚኹም ተጋደሉ፣ እዚ ትገብሩ እንተ ዄንኩምሲ፡ ከቶ ኣይክትወድቁን ኢኹም። እኳ ደኣስ፡ በዚ ኸምዚ ናብታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ መእተዊ ብኽብሪ ኺውሃበኩም እዩ።” (2 ጴጥ. 1:10, 11) እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ብተኣማንነት ንምቕጻል ኪቃለስ ኣለዎ። እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ሰማያዊ ጽውዓኡ ዋጋ ኣይህልዎን እዩ።—እብ. 3:1፣ ራእ. 2:10።
ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧
8, 9. (ሀ) መብዛሕትኦም ሰባት፡ ሓደ ሰብ ብኸመይ ከም ዚቕባእ ንምርዳኡ ዜሸግሮም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎ ኸመይ ገይሩ ይፈልጥ፧
8 ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ሓደ ሰብ ቅቡእ ምዃኑ ኸመይ ገይሩ ኸም ዚፈልጥ ንምርድኡ የሸግሮም እዩ፣ ሓቆም ከኣ እዮም። ከመይሲ፡ ኣብ ህይወቶም ተመኪሮምዎ ዚፍለጡ ነገር ኣይኰነን። ኣብ ፈለማ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ዕላማ ነይርዎ። (ዘፍ. 1:28፣ መዝ. 37:29) ገሊኦም ናብ ሰማይ ከይዶም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኪገዝኡ ዚግበር ሕርያ ንቡር ኣይኰነን። ፍሉይ መሰናድዎ እዩ። እዚ ጽውዓ እዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ኪቕባእ ከሎ፡ ኣብ ኣተሓሳስባኡን ኣመለኻኽታኡን ተስፋኡን መሰረታዊ ለውጢ እዩ ዚገብረሉ።—ኤፌሶን 1:18 ኣንብብ።
9 ሓደ ሰብ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎ፡ ማለት ፍሉይ ዕርቡን ከም እተቐበለ ግና ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ “ቕዱሳት ኪዀኑ እተጸውዑ” ቕቡኣት ዝጸሓፎ ቓላት ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ኣብኡ ኸምዚ ኢልዎም እዩ፦ “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ኣቢልና፡ “ኣባ፡ ኣቦ!” ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም እምበር፡ ከም ብሓድሽ ዜፍርሃኩም መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን። ውሉዳት ኣምላኽ ምዃንና፡ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር።” (ሮሜ 1:7፣ 8:15, 16) ብሓጺሩ፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ነቲ ኣብ መጻኢ ወራሲ እታ መንግስቲ ኪኸውን ኢሉ ኺጽውዖ ዝደለየ ሰብ ንጹር ይገብረሉ እዩ።—1 ተሰ. 2:12።
10. ኣብ 1 ዮሃንስ 2:27 ዚርከብ፡ ንቕቡኣት ክርስትያናት ሓደ እኳ ዚምህሮም ከም ዘየድልዮም ዚገልጽ ሓሳብ እንታይ ማለት እዩ፧
10 እቶም ነዚ ፍሉይ ጽውዓ እዚ ኻብ ኣምላኽ ዚቕበሉ፡ ካብ ካልእ ምንጪ ዚምስክረሎም ኣየድልዮምን እዩ። ከም እተቐብኡ ኻልእ ሰብ ኬረጋግጸሎም ኣየድልዮምን እዩ። የሆዋ ኣብ ኣእምሮኦምን ኣብ ልቦምን ዋላ ሓደ ዜጠራጥር ነገር ኣይሓድገሎምን እዩ። ሓደ ግዜ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ “ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ቕዱስ፡ ቅብኣት ኣሎኩም፣ ኵላትኩም እውን ፍልጠት ኣሎኩም” ኢልዎም እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ከምዚ ኢልዎም እዩ፦ “ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ፣ እቲ ኻብኡ ዝዀነ ቕብኣት ግና፡ ብዛዕባ ዅሉ ይምህረኩም ኣሎ፣ ሓቂ እውን እዩ እምበር፡ ሓሶት ኣይኰነን። ከምቲ ዝመሃረኩም ድማ፡ ምስኡ ብሓድነት ንበሩ።” (1 ዮሃ. 2:20, 27) እዞም ቅቡኣት እዚኦም ከም ካልኦት ክርስትያናት መንፈሳዊ ትምህርቲ ዜድልዮም እኳ እንተ ዀነ፡ ንቕብኣቶም ዜረጋግጸሎም ግና ኣየድልዮምን እዩ። እቲ ኻብ ኵሉ ዚብርትዕ ሓይሊ፡ ምትእምማን ከም ዚሓድሮም ገይርዎም እዩ።
‘ከም ብሓድሽ እተወልዱ’ እዮም
11, 12. ሓደ ቕቡእ ክርስትያን ብዛዕባ እንታይ ሕቶ ይለዓሎ ይኸውን፧ ብዛዕባ እንታይ ግና እዩ ጠሪሱ ሕቶ ዘይለዓሎ፧
11 መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም እተቐብኡ ክርስትያናት ምትእምማን ኬሕድረሎም ከሎ፡ ዓበይቲ ለውጥታት እዮም ዚገብሩ። የሱስ ነዚ ኣብ ውሽጦም ዚኸውን መስርሕ እዚ፡ ‘ዳግም እተወለድካ’ ወይ ‘ካብ ላዕሊ እተወለድካ’ ኸም ምዃን ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።[2] (ዮሃ. 3:3, 5፣ እ.ጽ.) ኣስዕብ ኣቢሉ ኺገልጽ ከሎ እውን፡ “‘ዳግም ክትውለዱ ኣሎኩም’ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፣ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፣ ካበይ ከም ዚመጽእን ናበይ ከም ዚኸይድን ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 3:7, 8) እምበኣር፡ እዚ ብሕታዊ ጽውዓ እዚ ነቶም ዘይተመከርዎ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ምግላጹ ዘይከኣል እዩ።
12 እቶም በዚ ኸምዚ እተጸውዑ፡ ‘ኣነ ስለምንታይ እየ ተሓርየ፧ ስለምንታይ እየ ኻብ ካልኦት ተፈልየ ተሓርየ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ንብቕዓቶም እውን ኣብ ሕቶ የእትውዎ ይዀኑ። ንጽውዓኦም ግና ኣብ ሕቶ ኣየእትውዎን እዮም። ልቦም ብሓጐስን ብሞሳን ፍንጭሕ እዩ ዚብል። ከምቲ ንጴጥሮስ እተሰምዖ እዩ ዚስምዖም፣ ንሱ ብድራኸ መንፈስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፣ ከምቲ ዓብዪ ምሕረቱስ በቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት፡ ንህያው ተስፋ ኸም ብሓድሽ ወለደና፣ ናብ ዘይሓልፍን ዘይረኸሰን ዘይጽምሉን ርስቲ ድማ እዩ ዝወለደና። እዚ ኸኣ ኣብ ሰማያት ተዓቚሩልኩም ኣሎ።” (1 ጴጥ. 1:3, 4) ቅቡኣት ነዘን ቃላት እዚአን ኬንብብወን ከለዉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ብብሕቲ ይዛረቦም ከም ዘሎ ብዘይ ጥርጥር ይፍለጦም እዩ።
13. ሓደ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብአ ሰብ ኣብ ኣተሓሳስባኡ እንታይ ለውጢ እዩ ዜጋጥሞ፧ ነዚ ለውጢ እዚ ዜምጽኦኸ እንታይ እዩ፧
13 እዞም ክርስትያናት እዚኦም ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ብብሕቲ ዚምስክረሎም ምስክርነት ቅድሚ ምቕባሎም፡ ምድራዊ ተስፋ ነይርዎም እዩ። የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኼጽርያ ሃረር ይብሉ፡ ክፍሊ እቲ ብሩኽ መጻኢ ኪዀኑ እውን ይደልዩ ነይሮም እዮም። ምናልባት ብሞት ንእተፈልዮም ሰቦም ካብ መቓብር ኪቕበሉ ብኣእምሮኦም ይስእልዎ ነይሮም ይዀኑ። ባዕላቶም ኣብ ዝሃነጽዎ ኣባይቲ ኺነብሩን ፍረ ዝተኸልዎ ኣእዋም ኪበልዑን ከኣ ይህንጠዩ ነይሮም እዮም። (ኢሳ. 65:21-23) ኣተሓሳስባኦም እተለወጠ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧ በቲ ተስፋኦም ዘይዓገቡ ብምዃኖም ኣይኰነን። ብሰንኪ ስምዒታዊ ውጥረት ወይ ነውጺ እውን ኣይኰነን ኣተሓሳስባኦም ለዊጦም። ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዜድክም ወይ ዜሰልኪ ኸም ዝዀነ ገይሮም ብምርኣይ፡ በዛ ምድሪ እዚኣ ተስፋ ዝቘረጹ ኣይኰኑን፣ ኣብ ሰማይ ሓድሽ ነገር ክርእዩ ስለ ዝደለዩ እውን ኣይኰኑን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ዝጸውዖም ወይ ዝዓደሞም መንፈስ ኣምላኽ፡ ንኣተሓሳስባኦምን ንተስፋኦምን ስለ ዝለወጦ እዩ።
14. ቅቡኣት ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ምድሪ ዘለዎም ህይወት ከመይ ይስምዖም፧
14 እሞኸ እዞም ቅቡኣት ኪሞቱ ኸም ዚደልዩ ጌርና ኽንድምድምዶ ይግብኣና፧ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ መሊሱ እዩ፦ “ንሕና ኣብዛ ድንኳን እዚኣ ዘለናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሓጥ፡ ነታ ሓንቲ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጥጥ ስለ ዘይንደሊ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣለና።” (2 ቈረ. 5:4) እወ፡ በዛ ህይወት እዚኣ ግዲ ዘይብሎም ኣይኰኑን፣ ቀልጢፋ ኸተብቅዕ ዚደልይዋ እውን ኣይኰኑን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኵለን እተን ብህይወት ዝጸንሑለን መዓልትታት ምስ ፈተውቶምን ምስ ቤተ ሰቦምን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኼሕልፍወን እዮም ዚደልዩ። ኰይኑ ግና፡ ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ክቡር ተስፋ ኸቶ ኣይርስዕዎን እዮም።—1 ቈረ. 15:53፣ 2 ጴጥ. 1:4፣ 1 ዮሃ. 3:2, 3፣ ራእ. 20:6።
ተጸዊዕካ ዲኻ፧
15. እንታይ ረቛሒታት እዩ ሓደ ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተጸውዐ መረጋገጺ ዘይከውን፧
15 ‘ምናልባት ነዚ ዜደንቕ ጽውዓ ተቐቢለ ደዀን እኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ተጸዊዕካ ኸም እትኸውን ክትሓስብ እንተ ጀሚርካ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ ሕሰበሉ። ኣብ ኣገልግሎት ካብ ንቡር ሓለፍ ዝበለ ቕንኣት ኣሎካዶ፧ “ንመዓሙቝ ኣምላኽ” ምምርማር እትፈቱ ንፉዕ ተምሃራይ ቃል ኣምላኽ ዲኻ፧ (1 ቈረ. 2:10) ኣብ ኣገልግሎትካ ፍሉይ በረኸት የሆዋ ርኢኻ ዲኻ፧ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ብርቱዕ ባህጊ ኣሎካዶ፧ ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መገዲ ንምሕጋዝ ኣብ ውሽጥኻ ሓላፍነት ይስምዓካ ድዩ፧ የሆዋ ብብሕቲ ኣብ ህይወትካ ጣልቃ ኸም ዝኣተወ መርትዖ ርኢኻ ዲኻ፧ ነዘን ሕቶታት እዚአን ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ሰማያዊ ጽውዓ ኣሎካ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ስምዒታት እዚ ነቶም ሰማያዊ ጽውዓ ዘለዎም ጥራይ ዚስምዖም ኣይኰነን። መንፈስ የሆዋ ኣብቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም እውን ብማዕረ ይዓዪ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ‘ሰማያዊ ጽውዓ ተቐቢለ ደዀን እኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ እዚ ንባዕሉ ነቲ ጽውዓ ኸም ዘይተቐበልካ እዩ ዚሕብር። እቶም ብየሆዋ እተጸውዑ ነቲ ጽውዓ ተቐቢሎም ምዃኖም ወይ ዘይምዃኖም ኣይጠራጠሩን እዮም! ርግጽ ኰይኖም እዮም ዚፈልጥዎ!
16. መንፈስ ኣምላኽ እተቐበሉ ዘበሉ ዅሎም ሰማያዊ ጽውዓ ይረኽቡ ማለት ከም ዘይኰነ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧
16 ኣብ ብምሉኡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ብመንፈስ ቅዱስ እተደረኹ ሓያሎ ኣብነታት ሰብ እምነት ንረክብ ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ተስፋ ኣይነበሮምን። ዮሃንስ መጥምቕ ሓደ ኻባታቶም እዩ። የሱስ ንዮሃንስ ብዙሕ እኳ እንተ ነኣዶ፡ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኸም ዘይኣቱ ግና ሓቢሩ እዩ። (ማቴ. 11:10, 11) ዳዊት እውን ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ እዩ። (1 ሳሙ. 16:13) ዓብዪ መንፈሳዊ ዕምቈት ዝነበሮ ሰብ እዩ ነይሩ፣ ብድራኸ መንፈስ ከኣ ገለ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፉ እዩ። (ማር. 12:36) ኰይኑ ግና፡ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ፡ ጴጥሮስ ብዛዕባ ዳዊት፡ “ናብ ሰማያት ኣይዓረገን” ኢሉ እዩ። (ግብ. 2:34) መንፈስ ቅዱስ ኣብዞም ሰባት እዚኦም ኣበርቲዑ እኳ እንተ ዓየየ፡ ናብ ሰማያዊ ህይወት ከም እተሓርዩ ግና ብፍሉይ መገዲ ኣይመስከረሎምን። እዚ ድማ ብገለ መገዲ ዘይብቑዓት ወይ ጐደሎ ነይሮም ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ የሆዋ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩ ኸም ዜተንስኦም ዚሕብር ጥራይ እዩ።—ዮሃ. 5:28, 29፣ ግብ. 24:15።
17, 18. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ዓስቢ ኪቕበሉ እዮም ብሃንቀውታ ዚጽበዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ሕቶታት እዩ መልሲ ዚውሃበሉ፧
17 ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰማያዊ ጽውዓ የብሎምን። ከምቲ ንዳዊትን ንዮሃንስ መጥምቕን ጥንቲ ንዝነበሩ ኻልኦት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ዝነበሮም ተስፋ እዩ ዘለዎም። ከም ኣብርሃም ከኣ ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዛእቲ ዀይኖም ኪነብሩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ እዮም። (እብ. 11:10) ካብቶም ንሰማያዊ ህይወት እተሓርዩ፡ ተረፍ ጥራይ እዮም ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እዚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ። (ራእ. 12:17) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም 144,000 ሕሩያት ብተኣማንነት ሞይቶም እዮም ማለት እዩ።
18 እሞ ደኣ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም፡ ሰማያዊ ተስፋ ኣሎኒ ንዚብል ሰብ ብኸመይ ክርእይዎ ኣለዎም፧ ኣብ ጉባኤኻ ሓደ ሰብ ካብቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስድ እንተ ጀሚሩ፡ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወካ ዘለዎ፧ ቍጽሪ እቶም ሰማያዊ ጽውዓ ኣሎና ዚብሉ ኺውስኽ ከሎ ኼተሓሳስበካ ይግባእዶ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪምለስ እዩ።
^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 4) ሕጊ ሙሴ ኣብ ሲና እተዋህበ እውን ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 19:1) ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ሙሴ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤላውያን ናብ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ዘእተዎም፡ የሱስ ክርስቶስ እውን በታ መዓልቲ እቲኣ ንሓድሽ ህዝቢ፡ ማለት ንመንፈሳውያን እስራኤል ናብ ሓድሽ ኪዳን ኣእትይዎም እዩ።
^ [2] (ሕጡብ ጽሑፍ 11) ብዛዕባ ዳግማይ ልደት ዝያዳ መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 3-11 ርአ።