ናይ መጀመርያ ክርስትናን መንግስትን
ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ ሒደት ሰዓታት: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” በሎም። (ዮሃንስ 15:19) ይኹን እምበር: እዝስ ክርስትያናት ንናይዛ ዓለም እዚኣ ሰበ-ስልጣናት ናይ ምጽባእ ኣረኣእያ ክህልዎም ኣለዎ ማለት ድዩ፧
ካብ ዓለም ኣይኰኑን: ግናኸ ተጻባእቲ እውን ኣይኰኑን
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ [“ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት:” ትሓዓ ] ይገዝኣዮ” ብምባል ነጊርዎም ነበረ። (ሮሜ 13:1) ብተመሳሳሊ ድማ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ: ወይስ ነቶም: ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ: ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ: ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ: ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:13, 14) ንመንግስትን ነቶም ሕጋውያን ወከልቱን ምእዛዝ ኣብ መንጎ እቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ቅቡል ዝዀነ ስርዓት ኢዩ ነይሩ። ሕጊ ዘኽብሩ ዜጋታትን ምስ ኵሉ ሰብ ድማ ብሰላም ዝነብሩን ንኽዀኑ ይጽዕሩ ነበሩ።—ሮሜ 12:18
እቲ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን (እንግሊዝኛ) ኣብ ትሕቲ “ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን” ዝብል ኣርእስቲ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብተን ናይ መጀመርያ ሰለሰተ ዘበናት ዓ.ም. እታ ናይ ክርስትያን ቤተ-ክርስትያን ካብቶም ናይ ሮሜ ማሕበረሰብ ስልጣናት ኣጸቢቓ እተፈልየት ኢያ ነይራ . . . ይኹን እምበር: ክርስትያናት መራሕቲ . . . ንናይ ሮሜ ሕጊ ምእዛዝን ኣብ ትሕቲ ናይ እምነት ክርስትና ደረት ብምዃን ነቲ ሃጸይ እሙን ምዃንን ዝብል ትምህርቲ ይምህሩ ነይሮም ኢዮም።”
ኣምልኾ ዘይኰነስ ክብረት
ክርስትያናት ንናይ ሮሜ ሃጸይ ዝጻብኡ ኣይነበሩን። ንስልጣኑ ኣፍልጦ ይህቡ: ነቲ መዓርጉ ዝኸውን ክብሪ ድማ ይህብዎ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ግዜ ግዝኣት ሃጸይ ኔሮ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ናይ ሮሜ ግዝኣት ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት “ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ . . . ንንጉስ ኣኽብርዎ” ብምባል ጸሓፈሎም። (1 ጴጥሮስ 2:17) ኣብቲ ቋንቋ ግሪኽ ዝዝረበሉ ዝነበረ ቦታታት እታ “ንጉስ” እትብል ቃል ንናይቲ ከባቢ ገዛእቲ ጥራይ ዘኰነስ ነቲ ናይ ሮሜ ሃጸይ እውን ትውዕል ነይራ ኢያ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ናይ ሮሜ ርእሲ ከተማ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት “ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት: ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ” ብምባል መኺርዎም ኢዩ። (ሮሜ 13:7) እቲ ናይ ሮሜ ሃጸይ ብርግጽ ክብሪ ክረክብ ይደሊ ነይሩ ኢዩ። አረ ጸኒሑስ ኣምልኾ እውን ከይተረፈ ክግበረሉ ሓቲቱ ኢዩ። ኣብዚ ግን: እቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ነቲ ምእዛዞም ዶብ ገይሮምሉ ነይሮም ኢዮም።
ፖሊካርፕ ኣብ መበል ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ቅድሚ ናይ ሮሜ ኣማሓዳሪ ንፍርዲ ምስ ቀረበ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ኣነ ክርስትያን ኢየ። . . . ነቶም ካብ ኣምላኽ እተሸሙ ሓይልታትን ስልጣናትን . . . ንዅሎም ዘዝግብኦም ክንህብ ተማሂርና ኢና።” ይኹን እምበር: ፖሊካርፕ ነቲ ሃጸይ ካብ ዘምልኽ: ክመዉት መረጸ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ናይ እምነት ተጣባቒ ቴዎፍሎስ በዓል ኣንጾክያ እውን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ሃጸይ ከምልኾ ዘይኰነስ ከኽብሮ ኢየ: ኣብ ክንድኡ ኸኣ ክጽሊ ኢየ። ንኣምላኽ: ነቲ ህያውን ሓቀኛን ኣምላኽ ግን ከምልኾ ኢየ።”
ነቲ ሃጸይ ኢልካ እትገብሮ ግቡእ ጸሎት ምስ ንሃጸይ ምምላኽ ወይ ድማ ምስ ሃገራዊ ስምዒት ብዝዀነ ይኹን መገዲ እተተሓሓዘ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ዕላማ ናይዚ ጸሎት እዚ ገሊጽዎ ኣሎ:- “እምበኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ: ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሀዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ: ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር: ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።”—1 ጢሞቴዎስ 2:1, 2
“ኣብ ደረት ማሕበረሰብ”
እዚ ኣኽብሮት ዘለዎ ጠባይ ናይቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት: ኣብቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ከባቢ ናይ ዓለም ዕርክነት ከም ዝረኽቡ ኣይገበሮምን። እቲ ፈረንሳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ኤ. ኣማን እቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት “ኣብ ደረት ማሕበረሰብ ይነብሩ ነበሩ” ብምባል ይገልጽ። ብሓቂ ድማ ኣብ ደረት ናይ ክልተ ማሕበረሰባት ማለት ኣብ መንጎ ኣይሁዳውያንን ሮማውያንን ኢዮም ነይሮም: ካብ ክልቲኡ ወገን ድማ ብዙሕ ምዅናንን ጌጋ ምርዳእን የጋጥሞም ነበረ።
ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ በቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ብሓሶት ምስ ተኸሰሰ ኣብቲ ናይ ሮሜ ኣማሓዳሪ ክማጻረ ከሎ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣነ ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ወይስ ንቄሳር ኰነ ኣይበደልኩን . . . ኣነ፤ ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ።” (ግብሪ ሃዋርያት 25:8, 11) ሃዋርያ ጳውሎስ ክቐትልዎ ከም ዝደለዩ ብምስትውዓል ናብ ኔሮ ይግባይ በለ: ስለዚ ድማ ነቲ ናይ ሮሜ ሃጸይ ዝነበሮ ስልጣን ኣፍልጦ ሃበሉ። ድሕሪዚ ኣብቲ ንመጀመርያ ኣብ ሮሜ ናብ ፍርዲ ዝቐረበሉ ግዜ ተፈትሐ። እንተዀነ ግን: እንደገና ተኣስረ: ታሪኽ ከም ዘዘንትዎ ድማ ብመሰረት እቲ ልምዲ ብናይ ኔሮ ትእዛዝ ተቐትለ።
እቲ ብዛዕባ ማሕበረሰብ ዘጽንዕን ናይ ሃይማኖት ምሁርን ዝነበረ ኤርነስት ተሮለች ነቲ እቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ኣብቲ ናይ ሮሜ ማሕበረሰብ ዝነበሮም ከቢድ ኵነታት ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኵሉ እቲ ምስ ዝዀነ ይኹን ናይ ጣኦት ኣምልኾ: ወይ ምስ ናይ ሃጸይ ኣምልኾ: ወይ ምስ ምፍሳስ ደም ይኹን ምስ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር: ወይ ምስቲ ንክርስትያናት ምስ ናይ ኣረማውያን ዘይስነ-ምግባራውነት ዘራኽቦም ቤት ጽሕፈታትን ጕዳያትን ንክርስትያናት ዕጹው ኢዩ ነይሩ።” እሞ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኣቕዋም ኣብ መንጎ ክርስትያናትን መንግስትን ሰላማውን ናይ ሓድሕድ ምክብባርን ከም ዘይህሉዶ ገይሩ ኢዩ፧
ንቔሳር እቲ ‘ዝግብኦ’ ምሃብ
የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ክብል ከሎ ክርስትያናት ምስ ናይ ሮሜ መንግስቲ ወይ ድማ ምስ ዝዀነ ይኹን ካልእ መንግስቲ ክህልዎም ዘለዎ ርክብ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝውስን ስርዓት ኢዩ ሂቡ። (ማቴዎስ 22:21) እዚ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተዋህበ ምኽሪ ምስቲ እቶም ንናይ ሮሜ ዕብላለ ዝጸልኡ ከምኡውን ንናይ ወጻኢ ሓይሊ ግብሪ ምኽፋል ዝድግፍ ሕጊ ዝጻረሩ: ሃገራዊ ስምዒት ዝነበሮም ኣይሁድ ሒዞምዎ ዝነበሩ ኣረኣእያ ኣዝዩ ዝጻረር ኢዩ ነይሩ።
ጸኒሑ: ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት “ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር: ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን: ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። [መንግስትውያን “ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት”] ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ: በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምበኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ: ተጎ ንዚግብኦ ተጎ: . . . ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ” ኢሉ ነገሮም። (ሮሜ 13:5-7) ክርስትያናት ናይ ዓለም ክፍሊ እኳ እንተዘይነበሩ: ሓቀኛታት: ግብሪ ዝኸፍሉ ዜጋታት ክዀኑ: ከምኡውን እቲ መንግስቲ ንዝገብረሎም ኣገልግሎት ገንዘብ ዝኸፍሉ ክዀኑ ይግደዱ ነይሮም ኢዮም።—ዮሃንስ 17:16
እንተዀነ ግን: ናይ የሱስ ቃላት ኣብ ግብሪ ምኽፋል ጥራይ እተሓጽረ ድዩ፧ የሱስ ብልክዕ እዚ ናይ ቄሳር እዚ ድማ ናይ ኣምላኽ ኢሉ ስለ ዘይወሰነ: ብመሰረት እቲ ሓሳባት ወይ ድማ ብመሰረት እቲ ናይ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ ገይርና ክንውስኖ ዝግብኣና ናይ ደረት ጕዳያት ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ: እቲ ሓደ ክርስትያን ንቄሳር ክህቦ ዘለዎ ነገራት ከምቲ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት በሪሁ ዘሎ ምስ ሕልናኡ እተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኣብ መንጎ ክልተ ዝጻረሩ ሕቶታት: ጥንቁቕ ዝዀነ ሚዛን ምሕላው
የሱስ ናይ ቄሳር ንቄሳር ክወሃብ ከም ዘለዎ ምስ ገለጸ: ወሲኹ “ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ከም ዝበለ ብዙሓት ሰባት ይርስዕዎ ኢዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ክርስትያናት ነየናይ ቀዳምነት ክህቡ ከም ዘለዎም ኣርእዩ ኢዩ። “ንንጉስ” ወይ ሃጸይ: ከምኡውን ‘ንልኡኻቱ’ ምግዛእ ከም ዘድሊ ምስ መኸረ: ጴጥሮስ “ከም ውጹኣት ሓራ: ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር: ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ። ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ: ሕውነት ኣፍቅሩ: ንኣምላኽ ፍርህዎ: ንንጉስ ኣኽብርዎ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:16, 17) ሃዋርያ ጴጥሮስ ክርስትያናት ናይ ኣምላኽ ባሮት ድኣምበር ናይ ሓደ ሰብኣዊ መራሒ ባሮት ከም ዘይኰኑ ኣርኣየ። ንናይ መንግስቲ ወኪላት ግቡእ ዝዀነ ክብርን ግምትን ዘርእዩ እኳ እንተዀኑ: ነዚ ግን ነቲ ኣዝዩ ልዑል ሕግታት ኣምላኽ ብምፍራህ ኢዮም ዝገብርዎ።
ጴጥሮስ ዓመታት ኣቐዲሙ: ሕጊ ኣምላኽ ካብ ሕጊ ሰብ ዝለዓለ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ዋዕላ: ሮማውያን ሲቪላውን ሃይማኖታውን ስልጣን ሂቦምዎ ዝነበሩ: ናይ ምምሕዳር ኣካል ኢዩ ነይሩ። ንሰዓብቲ የሱስ ብስም ክርስቶስ ከይምህሩ ምስ ኣዘዝዎም ድማ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ብኣኽብሮት: ግን ኣትሪሮም “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም መለሱ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ብግልጺ እምበኣር: እቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ኣብ መንጎ ንኣምላኽ ምእዛዝን ንሰብኣውያን ሰበ-ስልጣናት ድማ ግቡእ ብዝዀነ መገዲ ምግዛእን ዘሎ ፍልልይ ብጥንቃቐ ሚዛኖም ክሕልዉ ነይርዎም ኢዩ። ተርቱልያን ኣብ መጀመርያ ናይ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኵሉ ንቄሳር እንተድኣ ዀይኑ: ንኣምላኽ ድኣ እንታይ ክተርፎ ኢዩ፧”
ምስ መንግስቲ ምልምማጥ
ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ምስ መንግስቲ ዝነበሮም ርክብ እናተዳኸመ መጸ። እቲ ብየሱስን ሃዋርያትን እተነግረሉ ክሕደት ከኣ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዓንበበ። (ማቴዎስ 13:37, 38፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ 2 ተሰሎንቄ 2:3-12፣ 2 ጴጥሮስ 2:1-3) ክሓዲ ክርስትና ምስ ሮማውያን ተለማመጠ: ነቲ ኣረማዊ በዓላቶምን ፍልስፍናታቶምን ሓዘ: ከምኡውን ሲቪላዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኰነስ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እውን ተቐበለ።
ፕሮፌሰር ትሮልች ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብቲ ናይ ማሕበረሰብ ዝለዓለ ስልጣንን ኣብቲ ዝያዳ ፍሉጥ ስራሕን: ኣብ ሰራዊትን ናይ ስልጣን ቦታታትን ዝነበሩ ክርስትያናት ስለ ዝበዝሑ እቲ ኵነታት ካብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ጀሚሩ ዝያዳ እናጸንከረ መጸ። ብዙሕ ክፍልታት ናይቲ [ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነ] ጽሑፋት ክርስትና: ብዛዕባ ኣብዚ ነገራት እዚ ምክፋል: ኣዝዩ ብርቱዕ ዝዀነ ተቓውሞ ነበሮ፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ ነቲ ዝነበረ ዘይርጉእ ሕልና ዘቕስን: ናይ ምልምማጥ ክርክራት ከም እተሃቀነ እውን ተገንዚብናዮ ኢና። . . . ካብ ግዜ ቆስጣንጢኖስ ጀሚሩ እዚ ጸገማት እዚ ጠፍአ፣ እቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናትን ኣረማውያንን ዝነበረ ምስሕሓብ ደው በለ: እቲ ናይ መንግስቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ብምሉኡ ድማ ነቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ክፉት ኰነ።”
ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ድማ: እዚ እተሓዋወሰ ናይ ምልምማጥ መልክዕ ዘለዎ ክርስትና እዚ: ኣብቲ ናይ ሮሜ ግዝኣት መንግስቲ ዝስዕቦ ሃይማኖት ኰነ።
እዛ ብናይ ካቶሊክ: ኦርቶዶክስ: ከምኡውን ናይ ፕሮተስታንት ኣብያተ-ክርስትያናት ዝቘመት ህዝበ-ክርስትያን: ኣብ ብምሉኡ ታሪኻ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ፖለቲካ ኣጸቢቓ ብምእታውን ኣብቲ ዝግበር ውግኣት ብምድጋፍን ምስ መንግስቲ ምልምማጥ ቀጺላ ኢያ። በዚ ነገር እዚ ዝሰንበዱ ብዙሓት ናይ ቤተ-ክርስትያን ቅኑዓት ኣባላት: ሎሚ እውን ልክዕ ከምቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናት ምስ መንግስቲ ዝነበሮም ዓይነት መርገጽ ዝሕዙ ክርስትያናት ከም ዘለዉ ክፈልጡ ከለዉ ከም ዝሕጐሱ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዘን ቀጺለን ዘለዋ ክልተ ዓንቀጻት ነዚ ጕዳይ እዚ ኣጸቢቐን ከብርሃኦ ኢየን።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ቄሳር ኔሮ: እቲ ጴጥሮስ ብዛዕብኡ “ንንጉስ ኣኽብርዎ ” ኢሉ ዝጸሓፈ
[ምንጪ ስእሊ]
Musei Capitolini, Roma
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ፖሊካርፕ ነቲ ሃጸይ ካብ ዘምልኽ ክመውት መረጸ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ሰላማውያን: ሓቀኛታት: ከምኡውን ግብሪ ዝኸፍሉ ዜጋታት ኢዮም ነይሮም