ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኹም ኣቕሪብኩም ሓዝዋ
‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት መላገጽቲ ክመጹ [ኢዮም ]።’—2 ጴጥሮስ 3:3
1. ኣብዚ ግዜ እዚ ዝነብር ሓደ ክርስትያን እንታይ ዓይነት ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኢዩ ዘለዎ፧
ንልዕሊ 66 ዓመታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዘሎ ሓው ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ወትሩ ዓሚቝ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኢዩ ዝስማዓኒ። ወትሩ ኣርማጌዶን ጽባሕ ብጊሓት ከም እትመጽእ ኢየ ዝሓስብ። (ራእይ 16:14, 16) ልክዕ ከም ኣቦይን ኣባሓጎይን ምሉእ ህይወተይ ከምቲ ሃዋርያ [ጴጥሮስ] ‘ንህላወ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኹም ኣቕሪብኩም ሓዝዋ’ ብምባል እተማሕጸኖ ኰይነ ኢየ ተመላሊሰ። ነታ ተስፋ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም ‘ዘይትርአ [“ግናኸ ናይ ሓቂ:” NW ]’ ከም ዝዀነት ገይረ ኢየ ወትሩ ዝሓስባ።”—2 ጴጥሮስ 3:11, 12 NW፣ እብራውያን 11:1፣ ኢሳይያስ 11:6-9፣ ራእይ 21:3, 4
2. ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኻ ኣቕሪብካ ምሓዝ እንታይ ማለት ኢዩ፧
2 እቲ ንመዓልቲ የሆዋ ዝምልከት “ኣብ ኣእምሮኹም ኣቕሪብኩም እናሓዝኩምዋ” ዝብል ናይ ጴጥሮስ መግለጺ: ካብ ኣእምሮና ኣይነውጽኣን ኢና ማለት ኢዩ። የሆዋ ነታ ተስፋ ዝሃበላ ሓዳስ ዓለም ንምምስራት: ከም ናይ ፈለማ ስጕምቲ ነዚ ኣገባብ እዚ ዘጥፍኣላ መዓልቲ ኣዝያ ከም ዝቐረበት ክንርስዕ የብልናን። ኣብ ቅድሜና ከም ዘላ ገይርና ኣነጺርና ብምርኣይ ንዓና ናይ ሓቂ ክትከውን ኣለዋ። ነቶም ጥንታዎት ነብያት ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ናይ ሓቂ ስለ ዝነበረት: መብዛሕትኡ ግዜ ቀረባ ከም ዝዀነት ገይሮም ኢዮም ተዛሪቦም።—ኢሳይያስ 13:6፣ ዮኤል 1:15፣ 2:1፣ ኦብድያ 15፣ ጸፎንያስ 1:7, 14
3. ጴጥሮስ ነቲ ንመዓልቲ የሆዋ ዝምልከት ምኽሩ ክህብ ዘለዓዓሎ ፍሉጥ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
3 ጴጥሮስ ንመዓልቲ የሆዋ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: “ጽባሕ” ከም እትመጽእ ገይርና ክንወስዳ እተላበወና ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ገሊኦም ሰባት ነቲ በደለኛታት ዝቕጽዕሉ ተስፋ እተገብሮ ህላወ የሱስ ዝገልጽ ሓሳብ ከላግጽሉ ጀሚሮም ከም ዝነበሩ ፍሉጥ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ስለዚ ኣብዛ ሕጂ እንርእያ ምዕራፍ 3 ናይ ካልኣይቲ መልእኽቱ: ጴጥሮስ ንኽስታት ናይዞም መላገጽቲ እዚኣቶም ይምልሰሉ።
ክዝከር ዘለዎ ምዉቕ ልመና
4. ጴጥሮስ እንታይ ክንዝክር ኢዩ ዝደልየና፧
4 ጴጥሮስ ንኣሕዋቱ ዝነበሮ ምፍታው ኣብታ ምዕራፉ ብተደጋጋሚ “ፍቁራተይ” ኢሉ ብምጽዋዕ ኣርእይዎ ኢዩ። ጴጥሮስ ነቲ እተማህርዎ ነገራት ከይርስዕዎ ምዉቕ ዝዀነ ጻውዒት ብምቕራብ: ከምዚ ኢሉ ይጅምር:- “ኣቱም ፍቁራተይ: . . . ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ: . . . ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ አሎኹ።”—2 ጴጥሮስ 3:1, 2, 8, 14, 17፣ ይሁዳ 17
5. ገሊኦም ነብያት ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ እንታይ በሉ፧
5 እንታይ ‘ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቃል’ ኢዩ ጴጥሮስ ኣንበብቱ ክዝክርዎ ዝምሕጸኖም ዘሎ፧ እቲ ብዛዕባ ህላወ ክርስቶስ ኣብ ሓይሊ መንግስቱን ፍርዲ ናይቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባትን ዝገልጽ ትንቢታት ኢዩ። ጴጥሮስ ኣቐድም ኣቢሉ ናብዞም ትንቢታት እዚኣቶም ኣቓልቦ ገይሩ ነበረ። (2 ጴጥሮስ 1:16-19፣ 2:3-10) ይሁዳ: ነቲ ኣብ ልዕሊ ገበርቲ እከይ ዝወርድ ዓቢ ፍርዲ ኣምላኽ ዝምልከት መጠንቀቕታ ዝሃበ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስብርህቲ ክትከውን ኢለ ኢየ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ መጀመርታ ነብዪ: ንሄኖክ ኢዩ ዝጠቅስ። (ይሁዳ 14, 15) ንሄኖክ ስዒቦም ዝመጹ ካልኦት ነብያት ነይሮም ኢዮም: ጴጥሮስ ድማ ነቲ ዝጸሓፍዎ ነገራት ክንርስዖ ኣይደልየናን ኢዩ።—ኢሳይያስ 66:15, 16፣ ጸፎንያስ 1:15-18፣ ዘካርያስ 14:6-9
6. ብክርስቶስን ሃዋርያቱን እተዘርበ እንታይ ነገራት ኢዩ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ ንቑሓት ዝገብረና፧
6 ብተወሳኺ: ጴጥሮስ ኣንበብቱ ነቲ ‘ካብ ጐይታኦምን መድሓኒኦም ዝረኸብዎ ትእዛዝ’ ክዝክርዎ ይነግሮም። ትእዛዝ የሱስ እቲ ‘ልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።’ “ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ: ተጠንቀቑ: [ንቕሑ]” ዝብል ምዕዶ ዘጠቓልል ኢዩ። (ሉቃስ 21:34-36፣ ማርቆስ 13:33) ጴጥሮስ ንቓል ናይቶም ሃዋርያት እውን ከነቕልበሉ ተላብዩና ኢዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ [ኢያ እትመጽእ]። . . . ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር: ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።”—1 ተሰሎንቄ 5:2, 6
ባህግታት ናይቶም መላገጽቲ
7, 8. (ሀ) እቶም ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽትታት ዘላግጽሉ እንታይ ዓይነት ሰባት ኢዮም፧ (ለ) እቶም መላገጽቲ እንታይ ኢዮም ዝብሉ፧
7 ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ: ጴጥሮስ ለበዋ ዝሃበሉ ምኽንያት ገለ ሰባት ከምቲ ጥንታውያን እስራኤል ንነብያት የሆዋ ዘላግጹሎም ዝነበሩ እውን ከይተረፈ ገይሮም ንኸምዚ ዝበለ መጠንቀቕታታት ክሕጭጭሉ ጀሚሮም ስለ ዝነበሩ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 36:16) ጴጥሮስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ: ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ” ብምባል ይገልጽ። (2 ጴጥሮስ 3:3 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ይሁዳ ባህግታት ናይዞም መላገጽቲ ሰባት ‘ንእኩይ [“ፍርሃት ኣምላኽ ንዘይብሉ ነገራት:” NW ]’ ምዃኑ ይዛረብ። “መንፈስ ዜብሎም ስጋውያን ” ኢሉ ድማ ይጽውዖም። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ይሁዳ 17-19
8 እቶም ጴጥሮስ “ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዚኸዱ” ኢሉ እተዛረበሎም መምህራን ሓሶት: ካብቶም መንፈስ ዘይብሎም መላገጽቲ ከም ዝዀኑ ፍሉጥ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:1, 10, 14) ነቶም እሙናት ክርስትያናት “ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” ኢሎም ብምሕጫጭ ይሓትዎም።—2 ጴጥሮስ 3:4
9. (ሀ)መላገጽቲ ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብብዝሒ ተዘሪብሉ ዘሎ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ከናእስዎ ዝፍትኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ንመዓልቲ የሆዋ ብኣእምሮና ምቅልጣፋ ዕቝባ ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ፧
9 ከምዚ ኢሎም ዘላግጹ ስለምንታይ ኢዮም፧ ህላወ ክርስቶስ ጨሪሱ ዘይፍጸም ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ኣምላኽ ኣብ ናይ ሰብ ጕዳይ ኢዱ ኣየእተወን: ንዝመጽእ እውን ኣየእቱን ኢዩ ዝብል ርእይቶ ዝህቡኸ ስለምንታይ ኢዮም፧ እዞም ስጋውያን ዝዀኑ መላገጽቲ ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብብዝሒ ተዘሪብሉ ዘሎ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣናኢሶም ብምርኣይ ንኻልኦት መንፈሳዊ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ከም ዝህልዎም ገይሮም ከዳኽምዎም: በዚ ድማ ብቐሊሉ ግዳያት ናይቲ ስሱዕ መስድዒታት ክገብርዎም ኢዮም ዝደልዩ። ሎሚ ብመንፈስ ንቑሓት ንኽንከውን ከመይ ዝበለ ሓያል መተባብዒ ኰን ኢዩ ዘሎና! ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣአምሮና ኣቕሪብና እንሕዝን ኣዒንቱ ይዕዘባና ምዃነን ድማ ወትሩ እንዝክርን ይግበረና! በዚ ኸምዚ ንየሆዋ ብቕንኢ ተላዒልና ንኸነገልግሎን ስነ-ምግባራዊ ጽፈትና ንኽንዕቅብን ክንለዓዓል ኢና።—መዝሙር 11:4፣ ኢሳይያስ 29:15፣ ህዝቅኤል 8:12፣ 12:27፣ ጸፎንያስ 1:12
ደይ መደይ ኢልካ ዝግበርን ፍንፉንን
10. ጴጥሮስ እቶም መላገጽቲ ግጉያት ምዃኖም ዘረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧
10 ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መላገጽቲ ንሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓቂ ዕሽሽ ይብልዎ። ደይ መደይ ኢሎም ኢዮም ዕሽሽ ዝብልዎ: ንኻልኦት ድማ ከም ዝርስዕዎ ይገብርዎም። ስለምንታይ፧ ነቶም ህዝቢ ዝያዳ ብቐሊሉ ምእንቲ ከስድዕዎም ኢሎም ኢዮም ከምኡ ዝገብሩ። ጴጥሮስ “ነዚ [“ሓቂ እዚ:” NW ] ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ” ኢሉ ይጽሕፍ። ኣየናይ ሓቂ፧ “ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ: ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና: . . . እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ: በቲ ማይ: ተሰጢማ [ከም ዝጠፍአት]” ዝገልጽ ሓቂ። (2 ጴጥሮስ 3:5, 6 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: የሆዋ ነታ ኣብ መዓልትታት ኖህ ዝነበረት ምድሪ ካብ እከይ ኣጽርይዋ ኢዩ: ነዚ ሓቂ እዚ ድማ የሱስ ኣጕሊሕዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:37-39፣ ሉቃስ 17:26, 27፣ 2 ጴጥሮስ 2:5) ስለዚ: ኣንጻር እቲ መላገጽቲ ዝብልዎ: ኵሉ ነገር ከምቲ “ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ” ዝነበሮ ኰይኑ ኣይቀጸለን።
11. እንታይ ቅድሚ ግዜኡ እተገብረ ትጽቢታት ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኢዩ ገሊኦም ንኸላግጽሎም ምኽንያት ዝዀነ፧
11 መላገጽቲ እዚ ገና ዘይተፈጸመ ትጽቢታት ኢዩ ብምባል ነቶም እሙናት ክርስትያናት ሓጪጮምሎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ: ደቀ መዛሙርቱ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ብኡብኡ ኸም እትገሀድ ይመስሎም ነበረ።’ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኸኣ እታ መንግስቲ ሽዑ ንሽዑ ክትቀውም ምዃናን ዘይምዃናን ሓተቱ። ጴጥሮስ ነታ ኻልኣይቲ መልእኽቱ ቅድሚ ምጽሓፉ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ድማ: ገሊኦም በቲ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ወይ ብጾቱ እተላእከ ክኸውን ዝኽእል ‘ንምቕራብ መዓልቲ ጐይታ’ ዝምልከት ናይ ‘ቃል [“መልእኽቲ:” NW ]’ ወይ “ደብዳበ” ‘ሰምቢዶም [“ብቐሊሉ ተለዓዒሎም:” NW ]’ ነይሮም ኢዮም። (ሉቃስ 19:11፣ 2 ተሰሎንቄ 2:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6) ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ትጽቢታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ቅድሚ እዋኑ እተገብረ ጥራይ ድኣምበር: ሓሶት ኣይነበረን። መዓልቲ የሆዋ ክትመጽእ ነበራ!
ቃል ኣምላኽ ክትውከሎ ዝከኣል ኢዩ
12. ቃል ኣምላኽ በቲ ‘ንመዓልቲ እግዚኣብሄር’ ዝምልከት ትንቢታቱ ክትውከሎ እትኽእል ምዃኑ ዘረጋግጽ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ: ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ነብያት መብዛሕትኡ ግዜ መዓልቲ ሕነ የሆዋ ምቕራባ ኣጠንቂቖም ኢዮም። የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሓንገዱ ህዝቡ ፍዳ ከውርድ ከሎ: “መዓልቲ የሆዋ” ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ብንኡስ ደረጃ መጺኣ ኢያ። (ጸፎንያስ 1:14-18 NW ) ጸኒሑ: ንባቢሎንን ግብጽን ሓዊስካ: ንኻልኦት ሃገራት ከምዚኣ ዝበለት “መዓልቲ የሆዋ” ኣጋጢማቶም ኢያ። (ኢሳይያስ 13:6-9፣ ኤርምያስ 46:1-10፣ ኦብድያ 15) እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እተፈጸመ መወዳእታ ኣገባብ ኣይሁድ እውን ኣቐዲሙ እተዘርበሉ ኢዩ: ሰራዊት ሮሜ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ንይሁዳ ምስ ኣጥፍእዋ ድማ ፍጻሜኡ ረኸበ። (ሉቃስ 19:41-44፣ 1 ጴጥሮስ 4:7) ጴጥሮስ ግን ንሓንቲ ብዕብየታ ንማይ ኣይሂ እውን ከይተረፈ እትዕብልሎ ኣብ መጻኢ እትህሉ “መዓልቲ የሆዋ” ኢዩ ዝሕብር ዘሎ!
13. እንታይ ታሪኻዊ ኣብነት ኢዩ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ርግጽ ከም ዝዀነ ዝገልጽ፧
13 ጴጥሮስ ንመግለጺ ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ጥፍኣት ከምዚ ብምባል ይጅምሮ:- ‘ብቓሉ ግና።’ እታ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ምድሪ “ብቓል ኣምላኽ” “ካብ ማይን ብማይን” ቈይማ ምንባራ ተዛሪቡ ኢዩ። እዚ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ፍጥረት ተገሊጹ ዘሎ ኵነታት: ብትእዛዝ: ወይ ቃል ኣምላኽ ማይ ክዘንም ከሎ ማይ ኣይሂ ክመጽእ ከም ዝኽእል ገይሩ ኢዩ። ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን . . . ብቓሉ [ናይ ኣምላኽ] ተዐቚሩ አሎ: ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ።” (2 ጴጥሮስ 3:5-7፣ ዘፍጥረት 1:6-8) ነዚ ዝምልከት ክንውከሎ እንኽእል ቃል የሆዋ ኣሎና! ኣብታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓኡ ‘ንሰማያትን ንምድርን’—ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ—መወዳእታ ክገብረሉ ኢዩ! (ጸፎንያስ 3:8) እዚ ግን መዓስ ኢዩ፧
መወዳእታ ንኽመጽእ ዘሎ ሃንቀውታ
14. ሎሚ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ምህላውና ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
14 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መወዳእታ መዓስ ከም ዝመጽእ ክፈልጡ ደልዮም ስለ ዝነበሩ ከምዚ ኢሎም ሓተቱ:- “ትእምርቲ ህላወኻን መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝንከ እንታይ እዩ፧” (NW ) ናይ ኣይሁድ ኣገባብ መዓስ ከም ዝውድእ ይሓቱ ምንባሮም ፍሉጥ ኢዩ: ናይ የሱስ መልሲ ግን ኣውራ ኣብቲ እዚ ሕጂ ዘሎ “ሰማያትን ምድርን” ዝጠፍኣሉ ግዜ ኢዩ ኣተኲሩ። የሱስ ከም ዓበይቲ ውግኣት: ዋሕዲ መግቢ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ሕማም: ከምኡውን ገበን ዝኣመሰለ ነገራት ክህሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛረበ። (ማቴዎስ 24:3-14፣ ሉቃስ 21:5-36) ካብ 1914 ኣትሒዝና: እቲ የሱስ ‘ንመደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ’ ክሕብር ኢሉ ዝሃቦ ምልክትን ሃዋርያ ጳውሎስ ናይ “ዳሕሮት መዓልትታት” መለለዪ ምዃኑ ዝጠቐሶ ነገራትን ክፍጸም ርኢና ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብሓቂ: ኣብቲ እዚ ኣገባብ እዚ ዝውድኣሉ ግዜ ንነብር ምህላውና ዘረጋግጽ መርትዖ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ!
15. የሱስ መጠንቀቕታ እኳ ሂብዎም እንተ ነበረ ክርስትያናት እንታይ ክገብሩ ኢዮም ዝፈተኑ፧
15 ናይ የሆዋ መሰኻኽር መዓልቲ የሆዋ እትመጸሉ ግዜ ክፈልጡ ሃንቀው ኢሎም ኢዮም። ካብቲ ዝነበሮም ሃንቀውታ እተላዕለ ድማ ሓድሓደ ግዜ ነቲ እትመጸሉ ግዜ ክግምቱ ፈቲኖም ኢዮም። ክግምቱ ብምፍታኖም ግን: ከምቲ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝገበርዎ ነቲ ‘ግዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና’ ዝብል ናይ ጐይታኦም መጠንቀቕታ ኣየቕለብሉን። (ማርቆስ 13:32, 33) መላገጽቲ ነቲ ቅድሚ ግዜኡ እተገብረ ትጽቢታት ናይቶም እሙናት ክርስትያናት ሓጨጭሉ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) እንተዀነ ግን: መዓልቲ የሆዋ ኣብቲ ናይ ግዜ ሰሌዳኡ ክትመጽእ ኢያ ብምባል ጴጥሮስ የረጋግጽ።
ኣረኣእያ የሆዋ ናይ ምህላው ኣድላይነት
16. ነየናይ ምዕዶ ኢና ብልቦና እነቕልበሉ፧
16 ከምቲ ጴጥሮስ ቀጺሉ ዘዘኻኽረና: ንግዜ ዝምልከት ኣረኣእያ የሆዋ ክህልወና ኣድላዪ ኢዩ:- “ግናኸ: ኣቱም ፍቁራተይ: ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት: ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ: እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም።” ምስዚ ክወዳደር ከሎ እቲ 70 ወይ 80 ዝበጽሕ ዓመታት ዕድመናስ ክሳዕ ክንደይ ሓጺር ኰን ኢዩ! (2 ጴጥሮስ 3:8፣ መዝሙር 90:4, 10) ስለዚ ፍጻሜ ተስፋታት ኣምላኽ ዝደንጐየ መሲሉ እንተድኣ ተራእዩና: ንምዕዶ ናይቲ ነብዪ ኣምላኽ ክንቅበሎ የድልየና:- “[እቲ ምዱብ ግዜ] ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ኣንባቆም 2:3
17. ዳሕሮት መዓልትታት ካብቲ ብዙሓት ሰባት እተጸበይዎ ንላዕሊ እኳ እንተ ነውሐ: ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንተኣማመን እንኽእል፧
17 ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ካብቲ ብዙሓት እተጸበይዎ ንላዕሊ ዝነውሐ ስለምንታይ ኢዩ፧ ጴጥሮስ ቀጺሉ ከም ዝገልጾ: ጽቡቕ ዝዀነ ምኽንያት ኣለዎ:- “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።” (2 ጴጥሮስ 3:9) የሆዋ ኣብ ግምት ዘእትዎ እቲ ንጥቕሚ ዅሎም ደቅሰብ ዝበለጸ ክኸውን ዝኽእል ነገር ኢዩ። ከምቲ ባዕሉ “ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር: ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ” ብምባል ዝዛረበሉ: እቲ ዘገድሶ ህይወት ሰባት ኢዩ። (ህዝቅኤል 33:11) ስለዚ ዕላማ ናይቲ ልዕሊ ዅሉ ጥበበኛ ዝዀነ ፈቃር ፈጣሪና ንምፍጻም: መወዳእታ ልክዕ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ከም ዝመጽእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና!
እቲ ዝሓልፍ እንታይ ኢዩ፧
18, 19. (ሀ) የሆዋ ነዚ ኣገባብ እዚ ከጥፍኦ ዝቘረጸ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጴጥሮስ ንመወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ: እቲ ብሓቂ ዝጠፍእከ እንታይ ኢዩ፧
18 የሆዋ ነቶም ዘገልግልዎ ሰባት ብሓቂ ስለ ዘፍቀሮም: ንዅሎም እቶም ዘጻብብሎም ክጸርጎም ኢዩ። (መዝሙር 37:9-11, 29) ጴጥሮስ ከምቲ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ዝበሎ: እዚ ጥፍኣት እዚ ትጽቢት ኣብ ዘይተገብረሉ ግዜ ከም ዝመጽእ ብምስትብሃል ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ: ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ: ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ: ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።” (2 ጴጥሮስ 3:10፣ 1 ተሰሎንቄ 5:2) እዚ ዝርአ ሰማያትን ምድርን ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ ኣይጠፍአን: ኣብ መዓልቲ የሆዋ ድማ ኣይክጠፍእን ኢዩ። እቲ ‘ዝሓልፍ’ ወይ ዝጠፍእ: ድኣ እንታይ ኢዩ፧
19 እቶም ከም “ሰማያት” ኰይኖም ንደቅሰብ ዝገዝእዎም ሰብኣውያን መንግስታት: ከምኡውን ‘ምድሪ’ ወይ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ክጠፍኡ ኢዮም። እቲ “ጥዋዕዋዕ” ዝብል ድምጺ ምናልባት ነቲ ቅልጡፍ ምሕላፍ ናይቶም ሰማያት ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ነዚ ናይ ሎሚ ምሽሙሽ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ኣቚሙ ዘሎ “ፍጥረት” “ኺመክኽ” ወይ ድማ ክጠፍእ ኢዩ። “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን” ድማ “ኪነድድ [“ክቕላዕ:” NW ]” ኢዩ። የሆዋ ንምሉእ ዓለማዊ ኣገባብ እቲ ዝግብኦ ጥፍኣት ከምጽኣሉ ከሎ ነቲ ናይ ሰባት እኩይ ተግባራት ብምልኡ ከቃልዖ ኢዩ።
ኣብቲ ተስፋኻ ምትኳር ቀጽል
20. ናብራና በቲ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዝህሉ ፍጻመታት ዝምልከት ፍልጠትና ክትንከፍ ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ፧
20 እዚ ሃንደበታዊ ፍጻመታት እዚ ቀሪቡ ስለ ዝዀነ: ጴጥሮስ “ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸበናዮን ኣብ ኣእምሮና ኣቕሪብና እናሓዝናዮን ኣብ ቅዱስ ንብረትን ኣብ ፍርሃት የሆዋን” ክንጽመድ ከም ዘሎና ይዛረብ። ብዛዕባ እዚ ዘጠራጥር ነገር ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ! ‘ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ክፈላለ: ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ክመክኽ [ኢዩ]።’ (2 ጴጥሮስ 3:11, 12) እዚ ሃንደበታዊ ፍጻመታት እዚ ጽባሕ ብጊሓት ክርአ ዝኽእል ነገር ብምዃኑ: ንዅሉ እንገብሮ ወይ ክንገብሮ ኢልና እንምድቦ ነገራት ክትንክፎ ኣለዎ።
21. ነዚ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን እንታይ ክትክኦ ኢዩ፧
21 ጴጥሮስ ቀጺሉ ነቲ ኣረጊት ኣገባብ እንታይ ከም ዝትክኦ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።” (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ኢሳይያስ 65:17) ኣየ: ከመይ ዝበለ ዓቢ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ! ክርስቶስን እቶም 144,000 መጋዝእቱን “ሓድሽ” ምምሕዳራዊ ‘ሰማያት’ ከቝሙ ኢዮም: ካብዚ ጥፍኣት ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝደሓኑ ሰባት ድማ ነቲ ‘ሓድሽ ምድሪ’ ከቝሙ ኢዮም።—1 ዮሃንስ 2:17፣ ራእይ 5:9, 10፣ 14:1, 3
ናይ ህጹጽነት ስምዒትን ስነ-ምግባራዊ ንጽህናን ዓቅብ
22. (ሀ) ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ርኽሰትን ነውርን ምእንቲ ከነርሕቕ እንታይ ኢዩ ዝሕግዘና፧ (ለ) ጴጥሮስ መጠንቀቕታ ዝሃበሉ ሓደጋ እንታይ ኢዩ፧
22 ጴጥሮስ ቀጺሉ “ስለዚ ኸኣ: ኣቱም ፍቁራተይ: ነዚ እናተጸቤኹምሲ: ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ። . . . ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ” ይብል። ብሃንቀውታ ምጽባይን መዓልቲ የሆዋ ከም ዝደንጐየት ምስ ዝመስል ድማ ናይ መለኮታዊ ትዕግስቲ መግለጺ ከም ዝዀነ ገይርካ ምርኣዩን: ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ርኽሰትን ነውርን ንምርሓቕ ክሕግዘና ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደጋ ኣሎ! ጴጥሮስ ኣብ ደብዳበታት ናይቲ “ፍቁር ሓውና ጳውሎስ . . . ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓያሎ [“ገለ:” NW ] ነገር አሎ። እቶም ደናቝርትን ዘይጽኑዓትን: ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ” ከም ዘለዉ የጠንቅቕ።—2 ጴጥሮስ 3:14-16
23. ጴጥሮስ ዝሃቦ ናይ መደምደምታ ምዕዶ እንታይ ኢዩ፧
23 መምህራን ሓሶት ቀይዲ በተኽ ናብራ ንምንባር ከም መመኽነይታ ብምጥቃም: ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ዝጸሓፎ ነገራት ከም ዝጠወይዎ ፍሉጥ ኢዩ። ጴጥሮስ “ደጊም: ኣቱም ፍቁራተይ: ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ: [ብ]ስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ” ብምባል ነታ ናይ ስንብታ ምዕዶኡ ክጽሕፍ ከሎ: ኣብ ኣእምሮኡ ነዚ ብምሕሳብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ድሕርዚ ነታ መልእኽቱ “ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ” ዝብል ለበዋ ብምትሕልላፍ ይዛዝማ።—2 ጴጥሮስ 3:17, 18
24. ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ከመይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኢዩ ክህልዎም ዘለዎ፧
24 ጴጥሮስ ንኣሕዋቱ ከጸናንዖም ከም ዝደለየ ንጹር ኢዩ። ኵላቶም ከምቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ወዲ 82 ዓመት እሙን ምስክር “ምሉእ ህይወተይ ከምቲ ሃዋርያ [ጴጥሮስ] ‘ንህላወ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኹም ኣቕሪብኩም እናሓዝኩምዋ’ ብምባል እተማሕጸኖ ኰይነ ኢየ ተመላሊሰ። ነታ ተስፋ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም ‘ዘይትርኤ [“ግናኸ ናይ ሓቂ:” NW ]’ ከም ዝዀነት ገይረ ኢየ ወትሩ ዝሓስባ” ብምባል ዝገለጾ ርእይቶ ክህልዎም ኢዩ ዝብህግ። ኵልና ከምዚ ኢልና እንመላለስ ይግበረና!
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ንመዓልቲ የሆዋ ‘ኣብ ኣእምሮኻ ኣቕሪብካ ምሓዝ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
◻ መላገጽቲ ደይ መደይ ኢሎም ዕሽሽ ዝብልዎ ነገር እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧
◻ መላገጽቲ ሰባት ብምንታይ ምኽንያት ኢዮም ንእሙናት ክርስትያናት ዝሓጨጭሎም፧
◻ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኢና ክንዕቅብ ዘድልየና፧
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ንመዓልቲ የሆዋን . . .
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
. . . ነታ ስዒባ እተመጽእ ሓዳስ ዓለምን ኣብ ኣእምሮኻ ኣቕሪብካ ሓዘን