ንመብጽዕኡ ብዝምልከት ኣምላኽ ደንጓዪ ኣይኰነን
“ዎእግዚኣብሄር: ንስኻ ኸይሰማዕካንስ: ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧” እዚኣተን እቲ ኣብ መበል ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ እብራዊ ነብዪ ኣንባቆም ዝበለን ቃላት ኢየን። እንተዀነ ግን እዘን ቃላት እዚኣተን ልሙድ ዝዀነ ስምዒት ዘቃልሓ ኢየን: ኣይኰነን ድዩ፧ ነቲ ኣዚና እንብህጎ ነገራት ብኡንብኡ ወይ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ክንረኽቦ ምድላይ ባህሪ ወድሰብ ኢዩ። እዚ ብፍላይ ኣብዚ ዘሎናዮ ቅጽበታዊ ዕግበት ዝደሊ መዋእል ሓቂ ኢዩ።—ኣንባቆም 1:2
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ኣምላኽ ንመብጽዓታቱ ቀልጢፉ ክፍጽሞ ኣለዎ ዝብል ስምዒት ዝነበሮም ገለ ሰባት ነይሮም ኢዮም። ትዕግስቲ ዝበሃል ስለ ዘይነበሮም: ንኣምላኽ ደንጓዪ ከም ዝዀነ ገይሮም ከይተረፈ ክርእይዎ ጀመሩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣምላኽ ብዛዕባ ግዜ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ካብቲ ናትና ኣመለኻኽታ ኣዝዩ እተፈልየ ምዃኑ ከዘኻኽሮም ነበሮ። “ኣቱም ፍቁራተይ: ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት: ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ: እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ጴጥሮስ 3:8
ብመሰረት እዚ ኣጸባጽባ ግዜ እዚ: ሓደ 80 ዓመት ዝገበረ ሰብ ዳርጋ ክልተ ሰዓት ጥራይ ኢዩ ብህይወት ነይሩ: ብምልኡ ታሪኽ ወድሰብ ድማ ዳርጋ ሽዱሽተ መዓልትታት ጥራይ ገይሩ ኣሎ ማለት ኢዩ። ንነገራት በዚ ኣመለኻኽታ እዚ እንተድኣ ርኢናዮ: ነቲ ኣምላኽ ምሳና ርክብ ዝገብረሉ መገዲ ንኽንርድኦ ዝቐለለ ኢዩ ዝኸውን።
ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንግዜ ብሸለልትነት ዝርኢ ኣይኰነን: እኳ ድኣስ: ኣዝዩ ኢዩ ዝግደስ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:7) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ጴጥሮስ ቀጺሉ “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ዝብል። (2 ጴጥሮስ 3:9) ከምቲ ሰባት ዝስምዖም: ኣምላኽ ነገራት ንምፍጻም ግዜ ስለ ዝሓጽሮ መደባቱ እተጻበበ ዀይኑ ኣይስምዖን ኢዩ። ከም “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” መጠን: ዘደንቕ ኣረኣእያ ኣለዎ: ንዅሎም እቶም ኣብኡ እቱዋት ዝዀኑ ብዝጠቅም መገዲ ንስጕምቱ መዓስ ከም ዝፍጽሞ ኸኣ ክውስን ይኽእል ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:17
ኣምላኽ ዝደንጐየሉ ርዱእ ምኽንያት ምስ ገለጸ: ጴጥሮስ ‘መዓልቲ ጐይታ ከም ሰራቒ ኰይና ክትመጽእ ኢያ’ ኢሉ የጠንቅቕ። ብኻልእ ኣበሃህላ: መዓልቲ ምጽብጻብ ኣብታ ሰባት ዘይተጸበይዋ መዓልቲ ክትመጽእ ኢያ። ድሕርዚ ጴጥሮስ ኣብቲ ስዒቡ ዘሎ ቍጽርታት እቶም “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ዝነብሩ ሰባት ዝረኽብዎ ዘደንቕ ተስፋ ይገልጽ: እዚ ድማ ናብቲ ኣምላኽ እተመባጽዓሉ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ክድሕኑ ይኽእሉ ኢዮም ማለት ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:10-13
እዚ ፍርዲ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ዘይመጸሉ ምኽንያት ብዝያዳ ከም እንርድኦ ክገብረና ኣለዎ። ትዕግስቲ ኣምላኽ ዕላምኡ ንኽንፈልጥ ከምኡውን ነቲ እተማባጽዖ በረኸታቱ ምእንቲ ኽንረኽቦ ህይወትና ከነተዓራሪ ኣኽኢሉና ኢዩ። ከምቲ ጴጥሮስ ዝመዓዶ: ‘ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንና’ ገይርና ክንርእዮዶ ኣይግብኣናን፧ (2 ጴጥሮስ 3:15) ይኹን እምበር: ኣብ ትዕግስቲ ኣምላኽ ዝርአ ካልእ ረቛሒ ኣሎ።
መስፈሩ ክመልእ ዘለዎ ዓመጽ
ነቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ምስ ወድሰብ ዝገበሮ ርክብ ብምጽናዕና: መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ክዕረዩ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ምስ በጽሑ ፍርዱ ከም ዘውርድ ንግንዘብ ኢና። ንኣብነት: ኣምላኽ ነቲ ኣብ ከነኣናውያን ዘውርዶ ፍርዲ ኣመልኪቱ: ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ሓጢኣቶም ንኣብርሃም ገለጸሉ። ፍርዱ ዝፍጽመሉ ግዜ ግን ሽዑ ኣይነበረን። ስለምንታይ ሽዑ ዘይነበረ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽንያቱ ኽገልጽ ከሎ “ዓመጽ ኣሞራውያን [ከነኣናውያን] ገና ኽሳዕ ሕጂ ኣይመልኤን” ወይ ከምቲ ትርጕም ኖክስ ገሊጽዎ ዘሎ “እከይ እቶም ኣሞራውያን መስፈሩ ኣይመልአን” ይብል።—ዘፍጥረት 15:16a
ይኹን እምበር: ዳርጋ 400 ዓመታት ጸኒሑ ፍርዲ ኣምላኽ ተፈጸመ: እቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ እስራኤላውያን ድማ ነታ ሃገር ወረስዋ። ከም ረሃብን ጊብዖናውያንን ዝኣመሰሉ ሒደት ከነኣናውያን በቲ ዘርኣይዎ ኣመለኻኽታን ዝወሰድዎ ስጕምትን ድሒኖም ኢዮም: እቶም ዝበዝሑ ከነኣናውያን ግን ከምቲ በዚ ዘመናዊ ናይ ስነ-ጥንቲ ኵዕታ መሬት ተገሊጹ ዘሎ ብርኽሰት ኣብቲ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሖም ነበሩ። ኣምልኾ ምስሊ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ: ምንዝር ዝፍጸመሉ ቤት መቕደስ: ከምኡውን ቈልዓ ምስዋእ የዘውትሩ ነበሩ። ሃለይስ ባይብል ሃንድቡክ “ነቲ ናይ ከተማታት ከነኣን ዑናታት ዝዀዓቱ ናይ ስነ-ጥንቲ ተመራመርቲ: ኣምላኽ ካብቲ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ግዜ ኣቐዲሙ ስለ ዘየጥፍኦም ይግረሙ ኢዮም” ብምባል ትገልጽ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ናይ ከነኣናውያን ‘ሓጢኣት መሊኡ ኢዩ’፣ እቲ እከዮም ከኣ ‘መስፈሩ መልአ።’ ኣምላኽ ነቶም ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ዘርኣዩ ሰባት ብምንሓፍ ነታ ሃገር ምስ ኣጽረያ ፍትሓዊ ኣይኰነን ኢሉ ክኸሶ ዝኸኣለ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።
ነቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ኵነታት ምስ እንርእዮ እውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ኢና እንረክብ። እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት እኩያት እኳ እንተ ነበሩ: ኣምላኽ ግን ብምሕረት ግዚኦም ን120 ዓመታት ክቕጽል ወሰነ። ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” ዀይኑ ኣገልገለ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: እከዮም ከም ዝመልአ ርዱእ ኢዩ። “ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ: ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረአያ: እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት።” (ዘፍጥረት 6:3, 12) ‘መስፈር ሓጢኣቶም መሊኡ ነበረ፣’ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ከኣ እቲ ጌጋ ድራኸታቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጽሐ። ኣምላኽ ስጕምቲ ክወስድ ከሎ ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጻድቃን ኰይኖም እተረኽቡ ሾሞንተ ሰባት ጥራይ ነበሩ: ኣምላኽ ድማ ኣድሓኖም።
ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ እስራኤላውያን ዝገበሮ ኣተሓሕዛ ተመሳሳሊ ኣብነት ተራእዩ ኢዩ። እስራኤላውያን እምነት ብዘይብሉን ጽዩቕ ብዝዀነን መገዲ ይመላለሱ እኳ እንተ ነበሩ: ኣምላኽ ግን ንኣማእታት ዓመታት ተጸሚምዎም ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- ‘ንህዝቡ ስለ ዝደንገጸሎም እግዚኣብሄር ልኡኻቱ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ። ግናኸ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዚድይብ: ፈውሲውን ክሳዕ ዚስእን: ንሳቶም ነቲ ቓሉ ነዓቕዎ: ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም።’ (2 ዜና መዋእል 36:15, 16) እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ክመሓየሸሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ነበረ። ክድሕኑ ዝኸኣሉ ኤርምያስን ሒደት ካልኦትን ጥራይ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተረፉ ፍርዲ ምስ ኣውረደ: ፍትሓዊ ኣይኰነን ክበሃል ኣይከኣለን።
ኣምላኽ ስጕምቲ ዝወስደሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ
ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሎሚ ዘሎ ኣገባብ ዘውርዶ ፍርዱ ኣደናጕይሉ ዘሎ ምኽንያት እቲ ግዜ ክሳዕ ዝኣክል ጥራይ ምዃኑ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብነታት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። እዚ ነቲ ንናይ ኣምላኽ ምሳልያዊ ፈጻሚ ፍርዲ ኣብ እተዋህበ ትእዛዝ ተገሊጹ ኢዩ:- “እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ: ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ: ነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶ . . . እቲ መልኣኽ ከኣ: ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ: ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞ: ናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ።” እከይ ወድሰብ ‘ምብሳሉ’ ማለት ኣብቲ ፈጺሙ ክመሓየሸሉ ዘይክእል ደረጃ ምብጽሑ ኣስተብህል። ኣምላኽ ፍርዲ ከውርድ ከሎ እቲ ጣልቃ ምእታዉ ርትዓዊ ምዃኑ ኣይከጠራጥርን ኢዩ።—ራእይ 14:18, 19
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው: እቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ዓለም እዚኣ ዝወርድ ፍርዲ ኣምላኽ ቀሪቡ ምዃኑ ንጹር ኢዩ: ከመይሲ ሎሚ ዓለም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ፍርዲ ኣምላኽ ንኽወርድ ምኽንያት ዝዀነ ጠባያት ኣማዕቢላቶ ኣላ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ምስ እንዕዘብ: ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ግዜ ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ኵነታት ምድሪ ብዓመጽ መሊኣ ኢና እንረኽባ። ናይ ሰባት ኣረኣእያ ኸኣ መመሊሱ ነቲ ‘[ሰብ] ብሓሳባት ልቡ ዝሕልኖ ወርትግ ክፉእ ኰነ’ ዝብል ናይ ዘፍጥረት 6:5 መግለጺ እናመሰለ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ ከነኣናውያን ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝወርድ ዝገበረ ከቢድ ሓጢኣት እውን ከይተረፈ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።
ብፍላይ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንነጀው: ወድሰብ ዘስካሕክሕ ለውጥታት አሕሊፉ ኢዩ። ምድሪ ብደም ሚልዮናት ሰባት ክትጥልቂ ኸላ ርእዩ። ውግእ: ጃምላዊ ቕትለት: ራዕዲ: ገበን: ከምኡውን ምጥሓስ ሕጊ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ጥሜት: ሕማም: ከምኡውን ዘይስነ-ምግባራውነት ንዓለምና ኣጥቂዕዋ ኢዩ። ኵሉ እቲ መርትዖታት ሕጂ ኣብ ማእከል እቲ የሱስ “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ [ኣይሓልፍን ኢዩ]” ዝበሎ እኩይ ወለዶ ንነብር ምህላውና ዝሕብር ኢዩ። (ማቴዎስ 24:34) ዓለም ሕጂ ‘መስፈር ሓጢኣታ’ ትመልእ ኣላ። እቲ “ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ” ንኽዕጸድ ይበስል ኣሎ።
ስጕምቲ እትወስደሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ
ሃዋርያ ዮሃንስ እዋን ፍርዲ ክቐርብ ከሎ ክልተ ዓይነት ምብሳል ክፍጸም ምዃኑ ተነጊርዎ ነበረ። በቲ ሓደ ሸነኽ: “እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ: እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ።” በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ “እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር: እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ።” (ራእይ 22:10, 11) እዚ ኻልኣይ ምዕባለ እዚ በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምሃር ዓለምለኻዊ ዕዮ ይፍጸም ኣሎ። ዕላማ ናይዚ ዕዮ እዚ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽረኽቡ ነቲ ኣምላኽ ካብኣቶም ዝደልዮ ነገራት ንምምሃር ኢዩ። እዚ ንጥፈት እዚ ሕጂ በተን 87,000 ዝዀና ጉባኤታት ኣቢሉ ኣብ 233 ሃገራት በጺሑ ኣሎ።
ኣምላኽ ደንጓዪ ኣይኰነን። ውልቀ-ሰባት ተስፍኡ ንምርካብ ብቑዓት ዝገብሮም ‘ሓድሽ ሰብ ንኽለብሱ’ ብትዕግስቲ እኹል ግዜ ፈቒድሎም ኢዩ። (ኤፌሶን 4:24) ሎሚ ኵነታት ዓለም ብዘይ ምቍራጽ እናኸፍአ ይኸይድ እኳ እንተሃለወ: ኣምላኽ ግን ገና ይጽበ ኣሎ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ንብጾቶም ከካፍልዎም ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ኣለዉ። (ዮሃንስ 17:3, 17) እቲ ዘሐጕስ ድማ ዓመት ዓመት ልዕሊ 300,000 ዝዀኑ ሰባት ነዚ ብስራት እናተቐበሉ ይጥመቑ ኣለዉ።
ንተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ግምት ብምእታው: ሕጂ እትጽበየሉ ግዜ ዘይኰነስ ስጕምቲ እትወስደሉ ግዜ ኢዩ። ከመይሲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ: ንፍጻመ እቲ “ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚአምን . . . ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ” ዝብል መብጽዓ የሱስ ክንርእዮ ኢና።—ዮሃንስ 11:26
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ዘ ሶንሴኖ ኩማሽ ዘሎ እግረ-ጽሑፍ “ምስጓጕ ዝግብኦ ክኸውን: ኣምላኽ ንሓደ ህዝቢ መስፈር ሓጢኣቱ ከይመልአ ኣይቀጽዖን ኢዩ” ኢሉ ይገልጽ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ፈጻሚ ፍርዲ ኣምላኽ: ናይ ምድሪ ወይኒ ምስ በሰለ ማዕጺድ ክሰድድ ተነጊርዎ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት ዘለኣለማዊ በረኸታት ኣምላኽ ንኽረኽቡ ይሕግዝዎም ኣለዉ