ነታ ኽብርቲ እምነትና ኣጽኒዕና ንሓዛ!
“ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት . . . እተመቕሉ።” —2 ጴጥሮስ 1:1
1. የሱስ ንሃዋርያቱ ከጠንቅቖም ከሎ እንታይ ኢዩ ዝበለ: ግናኸ ጴጥሮስ እንታይ ኢሉ ኢዩ እተጃሃረ፧
የሱስ ኣብታ ዝሞተላ ምሸት: ኵሎም ሃዋርያቱ ሓዲጎምዎ ክኸዱ ምዃኖም ተዛረበ። ሓደ ካብኦም: ጴጥሮስ “ኵሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ: ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ” ብምባል ተጃሃረ። (ማቴዎስ 26:33 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ ግን ኣንጻር ናይዚ ከም ዝፍጸም ፈሊጡ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ልክዕ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ንጴጥሮስ “ኣነ . . . እምነትካ ኸይትጠፍእ: ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ: ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም [“ኣበራትዓዮም:” NW ]” ዝበሎ።—ሉቃስ 22:32
2. ጴጥሮስ ሕሉፍ ርእሰ-ተኣማንነት እኳ እንተ ኣርኣየ: እንታይ ናይ ክሕደት ተግባራት ኢዩ እምነቱ ድኽምቲ ምንባራ ዝገለጸ፧
2 እቲ ኣብ እምነቱ ሕሉፍ ርእሰ-ተኣማንነት ዘርኣየ ጴጥሮስ: ኣብታ ምሸት እቲኣ ንየሱስ ከሓዶ። ሰለስተ ሳዕ: ንክርስቶስ ከም ዝፈልጦ እውን ከይተረፈ ከሓደ! (ማቴዎስ 26:69-75) ምስ ‘ተመልሰ’ እተን “ነሕዋትካ ኣበራትዓዮም” ዝብላ ቃላት ጐይታኡ: ኣብ ኣእዛኑ ጽቡቕ ገይረን ኣድህየን ክዀና ኣለወን። ካብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዓቂበን ዘለዋ ንሱ ዝጸሓፈን ክልተ መልእኽትታት ክርአ ከም ዝከኣል: እቲ ዝተረፈ ህይወት ጴጥሮስ በቲ ለበዋ እቲ ኣጸቢቑ ተተንኪፉ ኢዩ።
ጴጥሮስ ንመልእኽትታቱ ዝጸሓፈሉ ምኽንያት
3. ጴጥሮስ ነታ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ ዝጸሓፋ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ድሕሪ ሞት የሱስ ዳርጋ 30 ዓመታት ጸኒሑ: ጴጥሮስ ብኣድራሻ ናይቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሰሜናውን ምዕራባውን ቱርኪ ኣቚሙ ዘሎ ከባቢታት: ማለት ኣብ ጶንጦስ: ገላትያ: ቀጶዶቅያ: እስያ: ከምኡውን ኣብ ቢቲንያ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ገይሩ እታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 1:1) ገለ ካብኣቶም ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ክርስትያናት ኰይኖም ክዀኑ ዝኽእሉ ኣይሁድ: ካብቶም ጴጥሮስ ዝጸሓፈሎም ሰባት ምንባሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1, 7-9) ብዙሓት ድማ ኣብ ኢድ ተጻረርቲ ብርቱዕ ፈተናታት ዘሕለፉ ኣህዛብ ኢዮም ነይሮም። (1 ጴጥሮስ 1:6, 7፣ 2:12, 19, 20፣ 3:13-17፣ 4:12-14) ስለዚ ጴጥሮስ ነዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ከበራትዖም ኢሉ ኢዩ ጽሒፍሎም። ዕላምኡ ‘ነቲ መደምደምታ እምነቶምን ምድሓን ነፍሳቶምን’ ክቕበልዎ ንምሕጋዞም ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ኣብቲ ናይ ስንብታ ምዕዶኡ “ብእምነት ጸኒዕኩም [ንሰይጣን] ተቓወምዎ” ብምባል እተላበዎም።—1 ጴጥሮስ 1:9፣ 5:8-10
4. ጴጥሮስ ነታ ካልኣይቲ መልእኽቱ ዝጸሓፋ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ጸኒሑ: ጴጥሮስ ነዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ካልኣይቲ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። (2 ጴጥሮስ 3:1) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ካብቲ ናይ ቅድም ዝዓበየ ስግኣት ሰፊኑ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ርኹሳት ሰባት ነቲ ብልሹው ጠባዮም ኣብቶም ኣመንቲ ክነዝሕዎ: ንገሊኦም ድማ ከጋግይዎም ይፍትኑ ነበሩ! (2 ጴጥሮስ 2:1-3) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: ጴጥሮስ ብዛዕባ መላገጽቲ ሰባት ኣጠንቀቐ። ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ” ብምባል ጽሒፉ ነበረ: ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ገሊኦም ሰባት ንኸምዚ ዝበለ ሓሳባት ብግህዶ ይሕጭጭሉ ነበሩ። (1 ጴጥሮስ 4:7፣ 2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ንኻልኣይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ንመርምራ እሞ: እቶም ኣሕዋት ኣብ እምነቶም ንኽጸንዑ ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶም ድማ ንርአ። ኣብዛ ናይ መጀመርታ ዓንቀጽ: 2 ጴጥሮስ ምዕራፍ 1 ክንርኢ ኢና።
ናይ ምዕራፍ 1 ዕላማ
5. ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ግድላት ንምዝርራብ ነቶም ኣንበብቱ ዘዳለዎም ብኸመይ ኢዩ፧
5 ጴጥሮስ መጀመርታ ነቲ ከቢድ ግድላት ኣይኰነን ተዛሪብሉ። ኣብ ክንድኡ: ነቲ እቶም ኣንበብቱ: ክርስትያናት ምስ ኰኑ እተቐበልዎ ነገር ዘለዎም ሞሳ ከም ዝውስኽ ብምግባር: ብዛዕባ እቲ ግድላት ንምዝርራብ ዘኽእሎ መገዲ ኢዩ ኣዳልዩ። ብዛዕባ እቲ ዘደንቕ ተስፋታት ኣምላኽን ሓቅነት ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢታትን ድማ ኣዘኻኸሮም። ነዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ተኣምራታዊ ምልዋጥ: ክርስቶስ ኣብ ሓይሊ መንግስቱ ከሎ ዝገልጽ: ንሱ ባዕሉ ብኣካል ዝረኣዮ ራእይ ብምዝራብ ኢዩ ኣቕሪብዎ።—ማቴዎስ 17:1-8፣ 2 ጴጥሮስ 1:3, 4, 11, 16-21
6, 7. (ሀ) ካብ መእተዊ መልእኽቲ ጴጥሮስ እንታይ ትምህርቲ ክንማሃር ንኽእል፧ (ለ) ምኽሪ ክንህብ እንተድኣ ኴንና: እንታይ ዓይነት ናይ ብሕትና ኵነታት ክንእመን ኢዩ ሓድሓደ ግዜ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል፧
6 ካብዚ ጴጥሮስ እተጠቕመሉ መእተዊ ትምህርቲ ክንረክብ ንኽእልዶ፧ ነቶም ምኽሪ እንህቦም ሰባት መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ንዅልና ተዓቚሩልና ዘሎ ዝዓበየ ተስፋ ናይታ መንግስቲ እንተድኣ ኣዕሊልናዮምስ ምኽርና ዝያዳ ተቐባልነት ዘለዎዶ ኣይምዀነን፧ ናይ ብሕቲ ተመክሮ ምጥቃምከ፧ ጴጥሮስ ምናልባት ድሕሪ ሞት የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ኣብ ናይ መንግስቱ ክብሪ ከሎ ዝረኣዮ ራእይ ይዛረብ ነይሩ ኢዩ።—ማቴዎስ 17:9
7 ኣብቲ ጴጥሮስ ነታ ካልኣይቲ መልእኽቱ ዝጸሓፈሉ ግዜ: ወንጌል ማቴዎስን ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ዝጸሓፈሎም መልእኽትን ኣብ ኵለን ጉባኤታትብርህቲ ክትከውን ኢለ ኢየ ተዘርጊሐን ክዀና ከም ዝኽእላ እውን ዘክር። ስለዚ ጴጥሮስ ዘርኣዮ ሰብኣዊ ጕድለት ከምኡውን ናይ እምነት ጸብጻቡ ኣብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ጽቡቕ ገይሩ እተፈልጠ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 16:21-23፣ ገላትያ 2:11-14) ይኹን እምበር: እዚ ናጻ ዀይኑ ንኸይዛረብ ኣይከልከሎን። እኳ ድኣስ: እታ መልእኽቱ ነቶም ብዛዕባ ድኽመቶም ንቑሓት ዝዀኑ ሰባት ዝያዳ ማራኺት ከም እትኸውን ገይሩዋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ነቶም ግድላት ዘለዎም ሰባት ክንሕግዝ ከሎና: ንሕናውን ክንጋገ ከም እንኽእል ምእማን ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይክእልንዶ፧—ሮሜ 3:23፣ ገላትያ 6:1
ዘጸናንዕ ሰላምታ
8. ጴጥሮስ ነታ “እምነት” እትብል ቃል በየናይ ኣገባብ ኢዩ ተጠቒሙላ ክኸውን ዝኽእል፧
8 ሕጂ ነቲ ናይ ጴጥሮስ ሰላምታ ርአ። ነቶም ኣንበብቱ “ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት . . . እተመቕሉ” ምዃኖም ብምዝራብ: መጀመርታ ብዛዕባ እምነት ኢዩ ጠቒሱ። (2 ጴጥሮስ 1:1) ኣብዚ እታ “እምነት” እትብል መግለጺት “ጽኑዕ ምርዳእ” ማለት ክትከውን ትኽእል ኢያ: ነቲ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ‘እታ ሓቂ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ክርስትያናዊ እምነታትን ትምህርትታትን ድማ ኢያ እተመልክት። (ገላትያ 5:7፣ 2 ጴጥሮስ 2:2፣ 2 ዮሃንስ 1) እታ “እምነት” እትብል ቃል: ኣብ ሓደ ሰብ ወይ ኣብ ሓደ ነገር ዝግበር ትውክልቲ ወይ እምንቶ ብዝብል ሓፈሻዊ ትርጕም ዘይኰነስ: መብዛሕትኡ ግዜ በዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ኣገባብ ኢያ እትዝውተር።—ግብሪ ሃዋርያት 6:7፣ 2 ቈረንቶስ 13:5፣ ገላትያ 6:10፣ ኤፌሶን 4:5፣ ይሁዳ 3
9. ናይ ጴጥሮስ ሰላምታ ብፍላይ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ምዉቕ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
9 ናይ ጴጥሮስ ሰላምታ ብፍላይ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ኣንበብቲ ምዉቕ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ኣይሁድ ምስ ኣህዛብ ዝዀነ ይኹን ርክብ ኣይነበሮምን: ብንዕቀት እውን ከይተረፈ ይርእይዎም ነበሩ: ኣብቶም ክርስትያናት ኰይኖም ዝነበሩ ኣይሁድ ድማ ንኣህዛብ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ባህሪ ሰፊኑ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 10:29-37፣ ዮሃንስ 4:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:28) እቲ ብትውልዲ ኣይሁዳዊ: ከምኡውን ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ ዝነበረ ጴጥሮስ ግን ነቶም ኣንበብቱ—ኣይሁድን ኣህዛብን—ሓንቲ ዓይነት እምነት ከም ዝነበረቶምን ምስ ናቱ ማዕረ ዝዀነ መሰል ከም ዘስተማቕሩን ኢዩ ተዛሪቡ።
10. ካብቲ ናይ ጴጥሮስ ሰላምታ እንታይ ትምህርትታት ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
10 እዚ ናይ ጴጥሮስ ሰላምታ ሎሚ ንዓና ዝምህረና ሰናይ ትምህርቲ እሞ ሕሰበሉ። ኣምላኽ ኣየዳሉን ኢዩ፣ ንሓደ ዓሌት ወይ ሃገር ካብ ካልእ ጸብለል ኣቢሉ ኣይርእን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ 11:1, 17፣ 15:3-9) ከምቲ የሱስ ባዕሉ ዝማሃሮ: ኵሎም ክርስትያናት ኣሕዋት ኢዮም: ካባና ዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ጸብለልትነት ክስምዖ የብሉን። ብተወሳኺ: ናይ ጴጥሮስ ሰላምታ ብርግጽ ንሕና “ማዕረ” እታ ንጴጥሮስን ብጾቱ ሃዋርያትን ዝነበረቶም “ዝኽብረታ” እምነት ዘለዎ ዓለምለኸ ሕውነት ከም ዘሎና ተጕልሕ ኢያ።—ማቴዎስ 23:8፣ 1 ጴጥሮስ 5:9
ፍልጠትን ተስፋታት ኣምላኽን
11. ጴጥሮስ ካብ ሰላምታኡ ኣስዒቡ: እንታይ ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ኢዩ ዘጕልሕ፧
11 ጴጥሮስ ድሕሪ ሰላምታኡ ኣስዒቡ: ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላምን ይብዛሕ።” ጸጋን ሰላምን ብኸመይ ኢዩ ዝበዝሓልና፧ ጴጥሮስ “ብፍልጠት [“ብርጡብ ፍልጠት:” NW ] ኣምላኽናን ጐይታና የሱስን” ኢሉ ይምልስ። ድሕርዚ ‘ኣምላኻዊ ሓይሊ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን [“ንኣምላኻዊ ተወፋይነትን:” NW ] ዝኸውን ኵሉ ሂቡና ኢዩ’ ይብል። ነዚ ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ግን ብኸመይ ኢና እንረኽቦ፧ “ብርጡብ ፍልጠት ናይቲ ብኽብርን ውርዝውናን ዝጸዋዓና” (NW ) ኣምላኽ ኢና እንረኽቦ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጴጥሮስ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽን ወዱን ኣድላዪ ምዃኑ ክልተ ግዜ ኣጕሊሕዎ ዘሎ።—2 ጴጥሮስ 1:2, 3፣ ዮሃንስ 17:3
12. (ሀ) ጴጥሮስ ንኣድላይነት ርጡብ ፍልጠት ጸቒጡ እተዛረበሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ናይ ኣምላኽ ተስፋታት ምእንቲ ከነስተማቕሮ መጀመርታ ክንገብሮ ዘሎና ነገር እንታይ ኢዩ፧
12 እቶም ጴጥሮስ ኣብ ምዕራፍ 2 ብዛዕባኦም መጠንቀቕታ ሂቡ ዘሎ “መምህራን ሓሶት” ንክርስትያናት ንምስሓት ‘ዘረባ ጥበራ’ ኢዮም ዝጥቀሙ። በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንክርስትያናት ናብቲ ካብኡ ዝወጽሉ ርኽሰት ክምለሱ ንምስድዖም ኢዮም ዝፍትኑ። “ብርጡብ ፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን” ድሒኑ ከብቅዕ: ጸኒሑ ንኸምዚ ዝበለ መስድዒታት ኢዱ ዝህብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዘጋጥሞ ወጽኢት ጥፍኣት ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:1-3, 20) ጴጥሮስ ነዚ ግድል እዚ ጸኒሑ ክዛረበሉ ይደሊ ምንባሩ ፍሉጥ እኳ እንተዀነ: ነታ መልእኽቱ ጅምር ከብላ ከሎ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኣቃውማ ንምዕቃብ ርጡብ ፍልጠት ዘለዎ ግደ ጸቒጡ ተዛሪብሉ ኢዩ። ኣምላኽ ‘ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ክንከውን: ክቡርን ዓብን ተስፋታት [ከም ዝሃበና]’ ጴጥሮስ ተዛሪቡ ኢዩ። ነዚ ዘይንጸል ክፍሊ እምነትና ዝዀነ ተስፋታት ምእንቲ ከነስተማቕሮ ግን: ጴጥሮስ መጀመርታ ‘ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት [“ብልሽውና:” NW ] ክንወጽእ’ ከም ዘሎና ይዛረብ።—2 ጴጥሮስ 1:4
13. ክልቲኦም ማለት ቅቡኣት ክርስትያናት ከምኡውን ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ እንታይ ክገብሩ ኢዮም ቈሪጾም ዘለዉ፧
13 ንተስፋታት ኣምላኽ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ ከምቲ እቶም ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት ገይሮም ዝርእይዎ ድዩ፧ ብ1991 እቲ ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ዝነበረ: ንልዕሊ 75 ዓመታት ድማ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝዓየየ ፍረደሪክ ፍራንዝ: ንስምዒታት ናይቶም ምስ ክርስቶስ ክገዝኡ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ኣጠቓሊሉ ከምዚ በለ:- “ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ጸኒዕና ንቕጽል ኣሎና: ኣምላኽ ነቲ ‘ዓብን ክቡርን ተስፋታቱ’ ከምቲ ዝበሎ ዝፍጽም ኰይኑ ክሳዕ ዝርከብ ድማ ጸኒዕና ክንቅጽል ኢና።” ሓው ፍራንዝ ኣብቲ ንሰማያዊ ትንሳኤ ዝምልከት ተስፋ ኣምላኽ እምንቶ ነይርዎ ኢዩ: ኣብ 99 ዓመት ዕድሚኡ ክሳዕ ዝመውት ድማ ነታ እምነት ኣጽኒዑ ሒዝዋ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:42-44፣ ፊልጲ 3:13, 14፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:10-12) ብተመሳሳሊ: ናብቲ ሰባት ንዘለኣለም ብሓጐስ ዝነብሩላ ምድራዊት ገነት ዝገልጽ ተስፋ ኣምላኽ ኣተኲሮም ብምጥማት: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነታ እምነቶም ኣጽኒዖም ሒዞምዋ ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ዲኻ፧—ሉቃስ 23:43፣ 2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:3, 4
ንተስፋታት ኣምላኽ ዝርአ ምላሽ
14. ጴጥሮስ ንውርዝውና ኣብ እምነት ክትውሰኽ ዘለዋ ናይ መጀመርታ ባህሪ ገይሩ ዘእተወሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧
14 ነቲ ኣምላኽ ሂብዎ ዘሎ ተስፋ ነማስወሉ ዲና፧ ነማስወሉ እንተድኣ ኴንና: ጴጥሮስ ብግብሪ ከነርእዮ ከም ዘሎና ኢዩ ዝዛረብ። “እወ: በዚ ምኽንያት እዚ” (NW ) (ኣምላኽ ኣዝዩ ክቡር ተስፋታት ስለ ዝሃበና) ኣብ እምነትና ንጡፋት ንምዃን ናይ ሓቂ ጻዕሪ ክንገብር ኣሎና። ኣብቲ እምነት ብምህላውና ጥራይ ወይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ጥራይ ብምፍላጥና ክንዓግብ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ እኹል ኣይኰነን! ምናልባት ኣብ ግዜ ጴጥሮስ: ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ገለ ሰባት ብዛዕባ እምነት ብዙሕ ይዛረቡ ግናኸ ኣብ ርኹስ ተግባራት ድማ ይጽመዱ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ጠባዮም ወረጃ ክኸውን የድልዮ ነበረ: ስለዚ ኸአ ኢዩ ጴጥሮስ “ኣብ እምነትኩም ደግነት [“ውርዝውና:” NW ] ወስኹ” ብምባል እተማሕጸነ።—2 ጴጥሮስ 1:5፣ ያእቆብ 2:14-17
15. (ሀ) ፍልጠት ንውርዝውና ስዒባ ኣብ እምነትና ክትውሰኽ ዘለዋ ባህሪ ብምዃን ኣትያትሉ ዘላ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነታ እምነት ኣጽኒዕና ንምሓዝ ዘዕጥቐና ካልእ ባህርያት እንታይ ኢዩ፧
15 ጴጥሮስ ውርዝውና ድሕሪ ምጥቃሱ: ንእምነትና ክንምልኣላ: ወይ ድማ ክንውስኸላ ዘሎና ሽዱሽተ ካልኦት ባህርያት ይዝርዝር። ‘ኣብ እምነት ክንጸንዕ’ እንተድኣ ኴንና ኵለን እዘን ባህርያት እዚኣተን የድልያ ኢየን። (1 ቈረንቶስ 16:13) ከሓድቲ ‘ነቲ ጽሑፋት ይጠዋውይዎን’ “ጠባሪ ትምህርትታት” (NW ) ይዝርግሑን” ስለ ዝነበሩ: ጴጥሮስ “ኣብቲ ውርዝውና: ፍልጠት” ወስኹ ብምባል ፍልጠት ኣድላዪ ምዃኑ ቀጺሉ ዘርዚርዎ ኣሎ። ድሕርዚ ኸኣ “ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ: ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ: ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር: ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት: ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ” ብምባል ይቕጽል።—2 ጴጥሮስ 1:5-7፣ 2:12, 13: 3:16
16. እተን ጴጥሮስ ዝዘርዘረን ባህርያት ኣብ እምነት እንተድኣ ተወሲኸን እንታይ ውጽኢት ኢዩ ዘለወን: እንተድኣ ዘይተወሲኸንከ፧
16 ንእምነትና እዚ ሸውዓተ ነገራት እዚ እንተድኣ ተወሲኽዋ እቲ ውጽኢት እንታይ ኢዩ፧ ጴጥሮስ “እዚ ነገርዚ እንተ አሎኩም: እናማዕበለውን እንተ ኸደ: ንምፍላጥ [“ንርጡብ ፍልጠት:” NW ] ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ብምባል ይምልስ። (2 ጴጥሮስ 1:8) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ጴጥሮስ ከምዚ ይብል:- “እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ: ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ: ዕዉር: ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ [“ነቲ ብርሃን ዓይኑ ዝዓመተ:” NW ] እዩ።” (2 ጴጥሮስ 1:9) ጴጥሮስ ነቲ “ንስኻትኩም” ከምኡውን “ናትና” ዝብል ኣጠቓቕማ ናብ “ዝዀነ ይኹን ሰብ” “ንሱ” ከምኡውን “ናቱ” ዝብል ኣገባብ ከም ዝቐየሮ ኣስተብህል። እቲ ዘሕዝን: ገሊኣቶም ዕዉራት: ረሳዕቲ: ከምኡውን ርኹሳት እኳ እንተ ነበሩ: ጴጥሮስ ካብ ሕያውነት እተላዕለ: እቲ ኣንባቢ ሓደ ካብዚኣቶም ምዃኑ ኣየመልከተን።—2 ጴጥሮስ 2:2
ንኣሕዋቱ ምብርታዕ
17. ጴጥሮስ ለውሃት ብዘለዎ መገዲ “እዚ ነገራት እዚ” ክግበር ንኽልምን ዘለዓዓሎ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧
17 ብፍላይ ሓደስቲ ሰባት ብቐሊሉ ክታለሉ ከም ዝኽእሉ ኣፍልጦ ብምሃብ ክኸውን ይኽእል: ጴጥሮስ ለውሃት ብዘለዎ መገዲ ከምዚ ብምባል የተባብዖም:- “ኣቱም ኣሕዋትና: ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ [“ነገራት እዚ:” NW ] እንተ ገበርኩምሲ: ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም።” (2 ጴጥሮስ 1:10፣ 2:18) ከምቲ ጴጥሮስ “ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪወሀበኩም እዩ” ብምባል ተዛሪብሉ ዘሎ: እቶም ንእምነቶም እዘን ሸውዓተ ነገራት እዚኣተን ዝውስኹላ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝዓበየ ዓስቢ ከስተማቕሩ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 1:11) እቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ድማ ኣብቲ ምድራዊ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ውርሻ ክቕበሉ ኢዮም።—ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 25:33, 34
18. ጴጥሮስ ንኣሕዋቱ ‘ዅሉ ግዜ ከዘክሮም’ ዝደለየ ስለምንታይ ኢዩ፧
18 ጴጥሮስ ብቕንዕና: ኣሕዋቱ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ዓስቢ ክረኽቡ ኢዩ ደልዩ። “ስለዚ ምንም እኳ እንተ ፈለጥኩምዎ: ኣብቲ ዘሎኩም ሓቂውን እንተ ጸናዕኩም: ነዚ ነገርዚ ዅሉ ጊዜ ኸዘክረኩም ሓሳበይ እዩ” ብምባል ድማ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 1:12) ጴጥሮስ ነታ ስቴ·ሪ ʹዞ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ: ኣብዛ መልእኽቱ “እንተ ጸናዕኩም” ተባሂላ ኣላ: ኣብቲ ኣቐድም ኣቢሉ የሱስ ንጴጥሮስ “ነሕዋትካ ኣበራትዓዮም” ኢሉ ክላበዎ ከሎ ድማ “ኣበራትዓዮም” ብምባል ተተርጒማ ኣላ። (ሉቃስ 22:32) ጴጥሮስ ነታ ቓል እቲኣ ምጥቃሙ ነቲ ካብ ጐይታኡ እተቐበሎ ሓያል ምሕጽንታ ከም ዝዘከሮ ክሕብር ይኽእል ኢዩ። ቀጺሉ ጴጥሮስ ከምዚ ይብል:- “እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ኸም ዚኸውን ስለ ዝፈለጥኩ: ኣብዚ ድንኳን እዚ [ሰብኣዊ ኣካል] ኽሳዕ ዘሎኹ: ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርአየኒ አሎ።”—2 ጴጥሮስ 1:13, 14
19. ሎሚ ከመይ ዝበለ ሓገዛት ኢዩ ዘድልየና፧
19 ጴጥሮስ ሕያውነት ብዘለዎ መገዲ እቶም ኣንበብቱ ‘ኣብ ሓቂ ምጽንዖም’ እኳ እንተ ተዛረበ: እምነቶም ሓደጋ ከጋጥማ ከም ዝኽእል ግን ተገንዚቡ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:19) ቀልጢፉ ከም ዝመውት ስለ ዝፈልጥ: ብመንፈስ ሓያላት ኰይኖም ምእንቲ ክቕጽሉ: ጸኒሖም ክዝክርዎ ዝኽእሉ ነገራት ብምጥቃስ ንኣሕዋቱ ኣበራትዖም። (2 ጴጥሮስ 1:15፣ 3:12, 13) ብተመሳሳሊ: ንሕናውን ሎሚ ኣብ እምነት ጸኒዕና ምእንቲ ክንቅጽል ዘየቋርጽ መዘኻኸሪታት የድልየና ኢዩ። እንታዎት ምዃንና ወይ ድማ ኣብ ሓቂ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝጸናሕና ብዘየገድስ: ስርዓታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ከምኡውን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምክፋል ሸለል ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና። ገሊኦም ሰባት ኣዝዩ ኢዩ ዝደኽመና ወይ እቲ ኣኼባታት ተደጋጋሚ ወይ ዘሰልቹ ኢዩ ብምባል ጉባኤ ንኸይካፈሉ ምኽንያታት የቕርቡ: ጴጥሮስ ግን ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን እንተድኣ ኣርኢና: ዝዀነ ይኹን ካባና ክሳዕ ክንደይ ቀልጢፉ እምነት ከጥፍእ ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።—ማርቆስ 14:66-72፣ 1 ቈረንቶስ 10:12፣ እብራውያን 10:25
ንእምነት ዝኸውን ድልዱል መሰረት
20, 21. እቲ ናይ የሱስ ምልዋጥ: ነዞም ሎሚ ዘሎና እውን ሓዊስካ: ንእምነት ጴጥሮስን መልእኽትታቱ ዘንብቡ ሰባትን ዘጽንዐ ብኸመይ ኢዩ፧
20 እምነትና ብብልሓት ኣብ እተማህዘ ጽውጽዋያት እተመስረተት ዲያ፧ ጴጥሮስ “ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና: ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር: እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን” ብምባል ትርር ዝበለ መልሲ ይህብ። ጴጥሮስ: ያእቆብ: ከምኡውን ዮሃንስ: የሱስ ኣብ ሓይሊ መንግስቱ ከሎ ዝገልጽ ትርኢት ክርእዩ ከለዉ ምስኡ ነይሮም ኢዮም። ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ምስ መጸ: ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ: ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና።”—2 ጴጥሮስ 1:16-18
21 ጴጥሮስ: ያእቆብ: ከምኡውን ዮሃንስ ነቲ ትርኢት እቲ ምስ ረኣዩ: እታ መንግስቲ ህያው ኰይናትሎም ኢያ! ጴጥሮስ “ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና . . . እንተ ኣስተብሀልኩምሉ: ሰናይ ትገብሩ አሎኹም” ይብል። እወ: ነዞም ሎሚ ዘሎና እውን ሓዊስካ: ንመልእኽቲ ጴጥሮስ ዘንብቡ ሰባት ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎ ትንቢታት ከስተብህልሉ ሓያል ምኽንያት ኣለዎም። በየናይ መገዲ ኢዩ ከነስተብህል ዘድልየና፧ ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ: ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ: ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም።”—2 ጴጥሮስ 1:19፣ ዳንኤል 7:13, 14፣ ኢሳይያስ 9:6, 7
22. (ሀ) ኣልባብና ነየናይ ነገር ኢዩ ንቑሕ ኰይኑ ክቕጽል ዘለዎ፧ (ለ) ነቲ ትንቢታዊ ቃላት ብኸመይ ኢና እነስተብህለሉ፧
22 ካብቲ ትንቢታዊ ቃል ዝርከብ ብርሃን እንተ ዘይህሉ ኣልባብና ምጸልመተ ነይሩ። ናብቲ ቃል ትንቢት ብምስትብሃል ግን: ክሳዕ እቲ ‘ኰዀብ ጽባሕ:’ የሱስ ክርስቶስ ብኽብሪ መንግስቱ ዝመጸሉ እዋን ወጋሕታ: ናይ ክርስትያናት ኣልባብ ንቑሕ ኰይኑ ኢዩ ጸኒሑ። (ራእይ 22:16) ሎሚ ነቲ ትንቢታዊ ቃል ብኸመይ ኢና እነስተብህለሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ: ንኣኼባታት ብምድላውን ኣብኡ ብምስታፍን: ከምኡውን ‘ኣጸቢቕካ ብምሕሳብን ነዚ ነገር እዚ ብምሉእ ርእስኻ ብምውፋይን’ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) እቲ ትንቢታዊ ቃል ከም ኣብ “ስፍራ ጸልማት” (ኣልባብና) ዘሎ መብራህቲ ብምዃን ከብርህ እንተድኣ ኰይኑ: ኣዕሚቑ—ባህግታትና: ስምዒታትና: ድራኸታትና: ከምኡውን ሸቶታትና—ክትንክፈና ከነፍቅደሉ ኣሎና። ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንከውን የድልየና: ከመይሲ ጴጥሮስ ንምዕራፍ 1 ከምዚ ብምባል ኢዩ ዝድምድማ:- “ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር: ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”—2 ጴጥሮስ 1:20, 21
23. ናይ 2 ጴጥሮስ ቀዳመይቲ ምዕራፍ ንኣንበብቲ ነየናይ ነገር ኢያ ኣዳልያቶም፧
23 ጴጥሮስ ኣብታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ ናይታ ካልኣይቲ መልእኽቱ ነታ ኽብርቲ እምነትና ኣጽኒዕና ንኽንሕዛ ዝገብረና ሓያል ደራኺ ነገር ኢዩ ሂቡና። ሕጂ ነዚ ስዒቡ ዝመጽእ ከቢድ ነገር ክንምርምሮ ተዳሊና ኢና። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ንምዕራፍ 2 ናይ 2 ጴጥሮስ ክትዘራረበላ ኢያ: ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ድማ እቲ ሃዋርያ ነቲ ኣብ ውሽጢ እተን ጉባኤታት ሰሊኹ ኣትዩ ዝነበረ ናይ ርኹስ ጽልዋታት ብድሆ ኢዩ ዝዛረበሉ።
ትዝክሮዶ፧
▫ ጴጥሮስ ናይ ርጡብ ፍልጠት ኣገዳስነት ዘጕልሐ ስለምንታይ ኢዩ፧
▫ ውርዝውና ኣብ እምነት ክትውሰኽ ዘለዋ ናይ መጀመርታ ባህሪ ኰይና እተዘርዘረትሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
▫ ጴጥሮስ ኵሉ ግዜ ንኣሕዋቱ መዘኻኸሪታት ክህቦም ዝደሊ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
▫ ጴጥሮስ ንእምነትና ዝኸውን እንታይ ድልዱል መሰረት ኢዩ ዝህብ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ናይ ጴጥሮስ ጕድለታት እምነቱ ከም ዝሓድግ ኣይገበሮን