ትፈልጥዶ፧
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት ብርዕን ቀለምን እዩ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ነይሩ፧
ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ኣብ መደምደምታ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሳልሰይቲ መልእኽቱ፡ “ብዙሕ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፡ ግናኸ ብቐለምን ብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይፈቶኹን” ኢሉ እዩ። እቲ ዮሃንስ እተጠቕመሉ በዅሪ ቓላት ግሪኽኛ፡ ቃል ብቓሉ ኪትርጐም ከሎ፡ “ብጸሊም [ቀለም]ን ብርዕን” ኪጽሕፍ ከም ዘይደለየ እዩ ዜመልክት።—3 ዮሃንስ 13፡ ዘ ኪንግደም ኢንተርሊንያር ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ግሪክ ስክሪፕቸርስ።
ጸሓፊ ንምጽሓፍ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ብርዒ፡ ተሪር ሻምብቆ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ብሓደ ሸነኹ በሊሕ ጫፍ ከም ዚህልዎ ጌርካ ይቝረጽን ኣብ ጫፉ ይስንጠቕን ነበረ። ሓደ ጸሓፊ ነቲ ሻምብቆ ብሓርፋፍ እምኒ ገይሩ ኼብልሖ ይኽእል ነበረ። እቲ ሻምብቆ እቲ ብኣሰራርሓኡ ዀነ ብኣገልግሎቱ፡ ብሓጺን ምስ እተሰርሐ ጫፍ ዘለዎ ዘመናዊ ብርዒ ይመሳሰል እዩ።
መብዛሕትኡ ቐለም ወይ “ጸሊም” ካብ ጠቐርን ካብቲ ኸም መላገቢ ዀይኑ ዜገልግል ናይ ጎማ ዕንዲዳን እዩ ዚዳሎ ነይሩ። እዚ ቐለም እዚ ንቑጽ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ጥቕሚ ቕድሚ ምውዓሉ እውን ምስ ማይ ኣጸቢቕካ ኺዋሃሃድ ነበሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቐለም፡ ኣብ ዝባን ፓፒሩስ ወይ ብራና ደኣ እዩ ዚነቅጽ እምበር፡ በቲ ፓፒሩስ ወይ ብራና ኣይስተን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ሓደ ጸሓፊ ንዝዀነ ይኹን ጌጋ ብጥሉል ሰፍነግ ገይሩ ብቐሊሉ ኺድምስሶ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ሰፍነግ እውን ሓደ ኻብቲ ጸሓፊ ዚጥቀመሉ መሰረታዊ ናውቲ እዩ ነይሩ። እዚ ብዛዕባ ጥንታዊ ቐለም ዚሕብር ዝርዝር ነጥቢ እዚ፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስሞም ካብ መጽሓፍ መዘከርታ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድምሳስ ወይ ምፍሓቕ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ እንታይ ይሓስቡ ኸም ዝነበሩ ኽንፈልጥ ይሕግዘና።—ዘጸኣት 32:32, 33፣ ራእይ 3:5።
ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ዓይነት ድንኳን እዩ ዚሰፊ ነይሩ፧
ግብሪ ሃዋርያት 18:3፡ ዕዮ ሃዋርያ ጳውሎስ ምስፋይ ድንኳን ምንባሩ ትገልጽ እያ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰፈይቲ ድንኳን ካብ ጸጕሪ ገመል ወይ ጤል፡ ትልታላት ዓለባ ዚመስል ነገር የዳልዉ ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ትልታላት እዚ ብሓባር ሰፍዮም፡ ንተጓዓዝቲ ዚኸውን ድንኳን የዳልዉ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብቘርበት ዚስራሕ ድንኳን እውን ነይሩ እዩ። ገሊኡ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ይስራሕ ነበረ፣ እዚ ዓይነት ድንኳን እዚ እውን ኣብታ ዓዲ ጳውሎስ ዝነበረት ጠርሴስ ይስራሕ ነበረ። ጳውሎስ ንገሊኡ ወይ ንዅሉ እዚ እተዘርዘረ ዓይነት ድንኳን ሰፍዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ኣኪላስ ኪሰርሕ ከሎ ግና፡ ኣጸድ ኣባይቲ ንምጽላል ዜገልግል ዝነበረ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተሰርሐ ድንኳን እዩ ዚሰፊ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።
ጳውሎስ ነዚ ሞያ እዚ ብንእስነቱ ተማሂርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ፓፒሩስ ግብጻውያን እተረኽበ መርትዖ ኸም ዚሕብሮ፡ ብግዜ ግዝኣት ሮማውያን፡ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ሞያ ዚምሃሩ ሰባት፡ ካብ ደቂ 13 ዓመት ኣትሒዞም ኪምሃርዎ ይጅምሩ ነበሩ። ጳውሎስ ንሞያኡ ኣብቲ ዕድመ እቲ እንተ ጀሚርዎ፡ ወዲ 15 ወይ 16 ዓመት ምስ ኰነ፡ ዓለባ ወይ ቈርበት ብእተፈላለየ መጠን ቈሪጹ ብበበይኑ መስፈን ሜላ ኣሰፋፍያን ናይ ምስፋይ ክእለት ኣጥርዩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ዘ ሶሻል ኮንተክስት ኦቭ ፖልስ ሚኒስትሪ እትብሃል መጽሓፍ፡ “ጳውሎስ ኣብ መደምደምታ እቲ ስልጠናኡ፡ ናይ ርእሱ ናውቲ ተዋሂብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ” ትብል። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ንምስፋይ ድንኳን ዜድሊ ኻራሩን መስፈታትን ጥራይ ምንባሩ፡ ሓደ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብቐሊሉ እናተንቀሳቐሰ ኺሰርሖ ዚኽእል ሞያ እዩ ነይሩ” ትብል። ስለዚ፡ ጳውሎስ ገያሺ ሚስዮናዊ ብምንባሩ፡ ገዛእ ርእሱ ንምድጋፍ ኪጥቀመሉ ዚኽእል ሞያ እዩ ነይሩ።