ኣብ ዓለም ምንባር ክፍሊ ናታ ግን ዘይምዃን
“ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።”—ዮሃንስ 15:19
1. ክርስትያናት ምስ ዓለም ከመይ ዝበለ ርክብ ኢዩ ዘለዎም: ዓለም ግን ብኸመይ ኢያ እትርእዮም፧
የሱስ ኣብታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት ከምዚ በሎም:- “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን።” ብዛዕባ ኣየነይቲ ዓለም ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ ኣጋጣሚ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ብምባል ተዛሪቡዶ ኸይነበረ፧ (ዮሃንስ 3:16) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ክፍሊ ናይታ ዓለም እቲኣ ከም ዝነበሩ ንጹር ኢዩ: ምኽንያቱ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ የሱስ እምነት ዘርኣዩ ንሳቶም ኢዮም ነይሮም። ስለምንታይ ድኣ ኢዩ ሕጂ የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ካብ ዓለም እተፈልዩ ከም ዝዀኑ ዝዛረብ ዘሎ፧ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” ዝበለኸ ስለምንታይ ኢዩ፧—ዮሃንስ 15:19
2, 3. (ሀ) ክርስትያናት ክፍሊ ናይ ኣየነይቲ “ዓለም” ኢዮም ዘይኰኑ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ክርስትያናት ክፍሊ ናታ ዘይኰኑ “ዓለም” እንታይ ይብል፧
2 እቲ መልሲ: መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ዓለም” (ብግሪኽ ኮ ʹስሞስ) እትብል ቃል ብእተፈላለየ መገድታት ኢዩ ዝጥቀመላ። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተገልጸ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ “ዓለም” ንደቅሰብ ብሓፈሻ ተመልክት ኢያ። እዚኣ እታ ኣም ላኽ ዘፍቀራን የሱስ ድማ ዝሞተላን ዓለም ኢያ። ይኹን እምበር: ዘ ኦክስፎርድ ሂስትሪ ኦቭ ክሪስችያኒቲ (እንግሊዝኛ) “እታ ‘ዓለም’ እትብል ቃል ኣብ ክርስትና ክትዝውተር ከላ ካብ ኣምላኽ ተነጺሉ ንዘሎን ምስኡ ንዝጻባእን ነገር ንምምልካት እትውዕል ስያመ እውን ኢያ” ብምባል ይገልጽ። እዚ ሓቂ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ ካቶሊካዊ ደራሲ: ሮላን ሚነራት: ኣብታ ላ ክራቲያን ኣ ለ ሞንድ (ክርስትያናትን ዓለምን [ፈረንሳይኛ]) እትበሃል መጽሓፉ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እታ ዓለም እትብል ቃል ኣሉታዊ ብዝዀነ መገዲ ክትውሰድ ከላ . . . ተጻባእቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ሓይልታት ንጥፈቶም ዘካይድሉ ግዝኣት ከምኡውን ነቲ ዕዉት ግዝኣት ክርስቶስ ብምጽራር ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን እትርከብ ናይ ጸላኢ ሃጸይ ዘቘመት ዓለም ከም ዝዀነት ገይርካ ኢዩ ዝርአ።” እዛ “ዓለም” እዚኣ: ነቲ ካብ ኣምላኽ እተነጸለ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢያ እተመልክት። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰኑን: ትጸልኦም ድማ ኢያ።
3 ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ምውድኡ: ዮሃንስ “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን” ኢሉ ኽጽሕፍ ከሎ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:15, 16) “ካብ ኣምላኽ ምዃንና: ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ብምባል እውን ጽሒፉ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) የሱስ ባዕሉ ድማ ንሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኢዩ።—ዮሃንስ 12:31፣ 16:11
ዕቤት ሓይልታት ዓለም
4. ሓይልታት ዓለም ኣብ ህላወ ዝመጻ ብኸመይ ኢየን፧
4 እዛ ሕጂ ዘላ ካብ ኣምላኽ እተነጸለት ናይ ደቅሰብ ዓለም: ብዙሓት ካብ ዘርኢ ኖህ ንየሆዋ ኣምላኽ ምምላኽ ምስ ኣቋረጹ ነዊሕ ከይጸንሐት ኢያ ክትምዕብል ጀሚራ። ኣብቲ ጥንታዊ እዋን ውሩይ ዝነበረ ሰብ: እቲ ሃናጽ ከተማ ከምኡውን “ኣብ ቅድሚ [“ኣንጻር:” NW ] እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ” ዝነበረ ኒምሮድ ኢዩ። (ዘፍጥረት 10:8-12) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝበዝሐ ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ብንኣሽቱ ናይ ከተማ መንግስታት እተማሓደረ ኢዩ ነይሩ: እዚኣተን ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ልፍንትታት ኣቚመን ኣብ ንሓድሕደን ይዋግኣ ነበራ። (ዘፍጥረት 14:1-9) ገሊአን ናይ ከተማ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዓወት ይረኽባ እሞ ናይ ዞባ ሓይልታት ድማ ይዀና። ገሊአን ናይ ዞባ ሓይልታት ከኣ ኣብ መወዳእታ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለም ክሳዕ ምዃን ይበጽሓ ነበራ።
5, 6. (ሀ) እተን ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽ ተገሊጸን ዘለዋ ሸውዓተ ሓይልታት ዓለም ኣየኖት ኢየን፧ (ለ) እዘን ሓይልታት ዓለም እዚኣተን ብምንታይ ኢየን ተመሲለን ዘለዋ: ሓይለንከ ካበይ ኢየን ዝረኽብኦ፧
5 መራሕቲ ናይዘን ሓይልታት ዓለም ኣሰር ኒምሮድ ብምስዓብ ንየሆዋ ኣየምለኹዎን: እዚ ድማ ኣብቲ ጨካንን ዓመጸኛን ተግባራቶም እተራእየ ጭቡጥ ነገር ኢዩ። እዘን ናይ ዓለም ሓይልታት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣራዊት ኢየን ተመሲለን ዘለዋ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ ንሽዱሽተ ካብተን ኣብ ህዝቢ የሆዋ ብርቱዕ ጽልዋ ዝነበረን ሓይልታት ዓለም ፈልዩ ይዛረበለን ኢዩ። ንሳተን ከኣ ግብጺ: ኣሶር: ባቢሎን: ሜዶ-ፋርስ: ግሪኽ: ሮሜ ኢየን። ድሕሪ ሮሜ ድማ ሻውዓይቲ ሓይሊ ዓለም ክትመጽእ ምዃና ብትንቢት ተዘሪቡላ ነበረ። (ዳንኤል 7:3-7፣ 8:3-7, 20, 21፣ ራእይ 17:9, 10) እዚኣ ድማ ንግዝኣት ብሪጣንያ ምስታ ኣብ መወዳእታ ንብሪጣንያ ብሓይሊ ዝዓብለለታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሓቘፈት: ናይ ኣንጎሎ ኣመሪካ ሓይሊ ዓለም ኰይና ተረኽበት። ግዝኣት ብሪጣንያ እቲ ናይ መወዳእታ ኣሰር ግዝኣት ሮሜ ምስ ጠፍአ ኢዩ ክምዕብል ጀሚሩ።a
6 እተን ኣከታቲለን ዝመጻ ሸውዓተ ሓይልታት ዓለም ኣብ ራእይ ዮሃንስ ብኣራእስ ናይ ሓደ ሸውዓተ ርእሲ ዘለዎ ኣራዊት ኢየን ተመሲለን ዘለዋ: እዚ ኣራዊት እዚ ድማ ካብቲ ዝናወጽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዘመልክት ባሕሪ ኢዩ ዝወጽእ። (ኢሳይያስ 17:12, 13፣ 57:20, 21፣ ራእይ 13:1) ነዚ ዝገዝእ ዘሎ ኣራዊት ሓይሊ ዝህቦ መን ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ‘እቲ ገበል ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ይህቦ’ ብምባል ይምልስ። (ራእይ 13:2) እቲ ገበል ካብ ሰይጣን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።—ሉቃስ 4:5, 6፣ ራእይ 12:9
እቲ ዝመጽእ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ
7. ክርስትያናት ኣብ እንታይ ኢዮም ተስፋ ዝገብሩ: እዚኸ ነቲ ምስ መንግስታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎም ርክብ ዝትንክፎ ብኸመይ ኢዩ፧
7 ክርስትያናት ዳርጋ ን2,000 ዓመታት ዝኸውን: “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል ጸልዮም ኢዮም። (ማቴዎስ 6:10) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ሓቂ ሰላም ከተምጽእ እትኽእል: መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ይፈልጡ ኢዮም። ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቐረባ ስለ ዝከታተልዎ: እዚ ጸሎት እዚ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ከም ዝምለስ: እታ መንግስቲ ድማ ንጕዳያት ምድሪ ኽትርከቦ ምዃና ይኣምኑ ኢዮም። (ዳንኤል 2:44) ደገፍቲ ናይዛ መንግስቲ እዚኣ ምዃኖም ከኣ ካብ ጕዳያት ናይዘን መንግስታት ዓለም ገለልተኛታት ኢዩ ዝገብሮም።
8. ከምቲ ኣብ መዝሙር 2 ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ: መንግስታት ንግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኢየን ዝምልሳሉ፧
8 ገሊአን መንግስታት ናይ ሃይማኖት መሰረታዊ ስርዓታት ንሕሉ ኢና በሃልቲ ኢየን። ብተግባር ክርአ ኸሎ ግን: የሆዋ ኣድማሳዊ ልዑል ጐይታ ምዃኑን ንየሱስ ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስልጣን ንኽህልዎ ሰማያዊ ንጉስ ገይሩ ከም ዝሸሞን ዕሽሽ ይብልኦ። (ዳንኤል 4:17፣ ራእይ 11:15) ሓደ ትንቢታዊ መዝሙር ከምዚ ይብል:- “ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ: መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም: ንመቓውሖም ንስበሮ: ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ: ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን [የሱስ] ይመኽሩ።” (መዝሙር 2:2, 3) መንግስታት ነቲ ሃገራዊ ሉዓላውነቶም ከይጥቀምሉ ዝድርት መለኮታዊ ‘መቓውሕ’ ወይ ‘ማእሰሪታት’ ኣይቅበሉን ኢዮም። ስለዚ: የሆዋ ነቲ ዝሓረዮ ንጉስ: ንየሱስ ከምዚ ይብሎ:- “ኣህዛብ ንርስትኻ: ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ: ለምነኒ። ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም: ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ።” (መዝሙር 2:8, 9) ይኹን እምበር: እታ የሱስ ምእንትኣ ዝሞተ ናይ ደቅሰብ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ‘ኣይክትስበርን’ ኢያ።—ዮሃንስ 3:17
“ማሕተም” ናይቲ “ኣራዊት” ምእባይ
9, 10. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ መጠንቀቕታ ተዋሂቡና ዘሎ፧ (ለ) ‘ንማሕተም ናይቲ ኣራዊት’ ምቕባል እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ (ሐ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ማሕተም ኢዮም ዝቕበሉ፧
9 ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ እዛ ካብ ኣምላኽ እተነጸለት ናይ ደቅሰብ ዓለም ቀቅድሚ ምጥፍኣ “ንዅላቶም . . . ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን: ንሃብታማትን ድኻታትን: ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ . . . ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት . . . እንተ ዜብሉ: ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል [ብምግባር]” ተወሳኺ ተጽዕኖ ክትገብር ምዃና መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኢዩ። (ራእይ 13:16, 17) እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣብ የማናይ ኢድ ማሕተም ምግባር ንጡፍ ደገፍ ከም ዘሎካ ዘርኢ ዝሰማማዕ ምልክት ኢዩ። እቲ ኣብ ግምባር ዝግበር ማሕተምከ፧ ዘ ኤክስፖዚቶርስ ግሪክ ተስታመንት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “እዚ ዝለዓለ ምሳልያዊ ምልክት ምስቲ ኣብ ወተሃደራትን ባሮትን ዝርአ ውቃጦ ወይ ሕላገት ናይ ምግባር ልምዲ ዝመሳሰል ኢዩ . . .፣ ወይ ድማ ዝበለጸ ምስቲ ንስም ኣምላኽ ከም ክታብ ገይርካ ናይ ምእሳር ሃይማኖታዊ ልምዲ ዝመሳሰል ኢዩ።” ብዙሓት ሰባት ብተግባራቶምን ቃላቶምን ‘ባሮት’ ወይ ‘ወተሃደራት’ ናይቲ “ኣራዊት” ኰይኖም ከም ዝልለዩ ብምግባር: ብምሳልያዊ መገዲ ነዚ ማሕተም እዚ ይቕበሉ ኢዮም። (ራእይ 13:3, 4) ንመጻኢኦም ዝምልክት ድማ: እቲ ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ጸላእቲ ኣምላኽ [ማሕተም] ናይቲ ኣራዊት: እቲ ስሙ ሒዙ ዘሎ ምስጢራዊ ቝጽሪ: ኣብ ግምባሮምን ኢዶምን ክሕተም ኣፍቂዶም ኢዮም። እዚ ንቑጠባውን ንግዳውን ረብሓታት ዝኸውን ዓቢ ኣጋጣሚታት ይህቦም ኢዩ: ግናኸ ኣብ መዓት ኣምላኽ የእትዎም ካብታ ሽሓዊት መንግስቲ ድማ ይንጽሎም: ራእ. 13:16፣ 14:9፣ 20:4።”
10 ነቲ “ማሕተም” ምእንቲ ኽትቅበል ኣብ ልዕሌኻ ንዝመጽእ ጸቕጢ ኽትቃወም ዝያዳ ትብዓትን ምጽማምን ይሓትት። (ራእይ 14:9-12) ይኹን እምበር: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ጽንዓት ኣለዎም: ከምኡ ብምዃኖም ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣደዳ ጽልእን ጸለመን ኢዮም። (ዮሃንስ 15:18-20፣ 17:14, 15) ማሕተም ናይቲ ኣራዊት ኣብ ክንዲ ዝቕበሉ: ብምሳልያዊ መገዲ ኣብ ኣእዳዎም “ናይ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ]” ኢሎም ክጽሕፉ ምዃኖም ኢሳይያስ ተዛሪቡ ነበረ። (ኢሳይያስ 44:5) ኣብ ርእሲ እዚ: ብሰንኪ ናይ ክሕደት ሃይማኖት ዝግበር ጽዩፍ ነገራት ‘ዝጕህዩን ዝትክዙን’ ብምዃኖም: ፍርዲ የሆዋ ክወርድ ከሎ ንድሕነት ብቑዓት ከም ዝዀኑ ዘፍልጦም ምሳልያዊ ማሕተም ኣብ ግምባሮም ይቕበሉ።—ህዝቅኤል 9:1-7
11. መንግስቲ ኣምላኽ መጺኣ ንግዝኣት ምድሪ ክሳዕ እትርከቦ ሰብኣውያን መንግስታት ክገዝኣ ፍቓድ ዝሃበን መን ኢዩ፧
11 ኣምላኽ እታ ናይ ክርስቶስ ሰማያዊት መንግስቲ ንግዝኣት ናይዛ ምድሪ እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ እትርከቦ ሰብኣውያን መንግስታት ክገዝኣ ኣፍቂዱለን ኢዩ። ፕሮፌሰር ኦስካር ኩልማን ኣብታ ዘ ስቴት ኢን ዘ ኒው ተስታመንት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ: ነቲ ንፖለቲካውያን መንግስታት እተራእየ መለኮታዊ ተጻዋርነት ጠቒስዎ ኣሎ። ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “መንግስቲ ‘ግዝያዊ’ ባህሪ ኣለዎ ዝብል ኣምር ኢዩ ቀዳሞት ክርስትያናት ንመንግስቲ ብሓደ ዓይኒ ጥራይ ከም ዝርእይዎ ዘይገበሮም: እዚ ግን ዝጋጮ ኢዩ ዝመስል። ኣነውን ከምኡ ኢዩ ዝመስል በሃሊ ኢየ። እታ ‘ነፍሲ ወከፍ ነቲ . . . ዘሎ ስልጣን ይገዝኣዮ’ እትብል ኣብ ሮሜ 13:1 ዘላ ጥቕሲ ብመንጽር እቲ ንመንግስቲ ካብ መዓሙቝ ዝወጸ ኣራዊት ከም ዝዀነ ዝዛረበሉ ራእይ 13 ገይርና ምርኣይ ጥራይ ኢዩ ዘድልየና።”
እቲ “ኣራዊት” ከምኡውን “ቄሳር”
12. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰብኣውያን መንግስታት ዝምልከት እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧
12 ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ዘለዉ ኵሎም ሰባት ናይ ሰይጣን ወኪላት ኢዮም ኢልካ ምድምዳም ቅኑዕ ኣይኰነን። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣስተውዓሊ ሰብኣይ” ከም ዝዀነ ተገሊጹ ዘሎ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝበሃል ምስለኔ ዝኣመሰሉ: ንመሰረታዊ ስርዓት ዘኽብሩ ሰባት ኰይኖም እተረኽቡ ብዙሓት ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:7) ብዙሓት መራሕቲ ንየሆዋን ዕላማታቱን ዘይፈልጥዎ እኳ እንተዀኑ: በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሕልና ተመሪሖም ምእንቲ መሰል ናይቶም እተፈልየ ኣመለኻኽታ ዝነበሮም ክፍሊ ሕብረተሰብ ብትብዓት ተጣቢቖም ኢዮም። (ሮሜ 2:14, 15) መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ዓለም” እትብል ቃል: ብኽልተ እተፈላለየ መገድታት ከም ዝጥቀመላ ዘክር: እዚ ድማ ነታ ኣምላኽ ዘፍቅራን ንሕና ድማ ከነፍቅራ ዘሎናን ናይ ደቅሰብ ዓለም ከምኡውን ነታ ሰይጣን ዝኣምላኻን ንሕና ድማ ካብኣ ክንፍለ ዘሎናን: ካብ የሆዋ እተነጸለ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝሓዘት ዓለም ዘመልክት ኢዩ። (ዮሃንስ 1:9, 10፣ 17:14፣ 2 ቈረንቶስ 4:4፣ ያእቆብ 4:4) ስለዚ: ኣገልገልቲ የሆዋ ንሰብኣዊ ግዝኣት ዝምልከት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። ኣምባሳደራት ወይ ልኡኻት መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ስለ እነገልግል ህይወትና ድማ ንኣምላኽ እተወፈየ ስለ ዝዀነ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ኢና። (2 ቈረንቶስ 5:20) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ብሕልናና ተደሪኽና ንግዝኦም ኢና።
13. (ሀ) የሆዋ ንሰብኣውያን መንግስታት ብኸመይ ኢዩ ዝርእየን፧ (ለ) ክርስትያናት ንሰብኣውያን መንግስታት ዘለዎም ተገዛእነት ክሳዕ ኣበይ ኢዩ ዝዝርጋሕ፧
13 እዚ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣመለኻኽታ ነቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ኣረኣእያ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ናይ ዓለም ሓይልታት ወይ ንኣሽቱ መንግስታት እውን ከይተረፋ ንስልጣነን ብዘይ ግቡእ ምስ ዝጥቀማሉ: ንህዝበን ምስ ዝጭቍና: ወይ ነቶም ንኣምላኽ ዘምልኹ ሰባት ምስ ዘሳጕጓ ብርግጽ እቲ ከም ጨካን ኣራዊት ገይሩ ዘቕርበን ትንቢታዊ መግለጺ ዝግብአን ኢዩ። (ዳንኤል 7:19-21፣ ራእይ 11:7) ይኹን እምበር: ኣበየ ሃገሩ ዘለዋ መንግስታት ብፍትሓዊ መገዲ ሕግን ስርዓትን ኣብ ምሕላው ንዕላማ ኣምላኽ ምስ ዘገልግላ: ከም ‘ገላውኡ’ ገይሩ ኢዩ ዝርእየን። (ሮሜ 13:6) የሆዋ ህዝቡ ንሰብኣውያን መንግስታት ከኽብሩን ክግዝኡን ኢዩ ዝጽበዮም: ተገዛእነቶም ግን ብዘይ ደረት ኣይኰነን። ሰባት ካብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሕጊ ኣምላኽ እተኸልከለ ነገር ምስ ዝሓቱ: ወይ ኣምላኽ ኣገልገልቱ ክገብርዎ ዝሓቶም ነገራት ምስ ዝኽልክሉ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝብል ብሃዋርያት እተወስደ መትከል ኢዮም ዝሕዙ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29
14. የሱስ ክርስትያናት ንሰብኣውያን መንግስታት ዘለዎም ተገዛእነት ገሊጽዎ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ: ጳውሎስከ፧
14 የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ብምባል ክገልጽ ከሎ: ሰዓብቱ ንመንግስታትን ንኣምላኽን ግዴታታት ከም ዘለዎም ኢዩ እተዛረበ። (ማቴዎስ 22:21) ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተመሪሑ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። . . . እኩይ እንተ ገበርካ ግና: ኣገልጋሊ ኣምላኽ: ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ: ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ: ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር: ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን: ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። . . . ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም።” (ሮሜ 13:1, 4-6) ካብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣትሒዞም ክሳዕ ሎሚ: ክርስትያናት ነቲ ብመንግስቲ ዝሕተት ነገራት ክሓስብሉ ነበሮም። ምስቲ መንግስቲ ዝጠልቦ ነገራት ምስምማዕ ኣብ ኣምልኾኦም ንኽለማመጡ ዝገብሮም እንተ ዀይኑ ወይስ ከምዚ ዝበለ ጠለባት ቅቡልን ብሕልና ተደሪኽካ ክግበርን ዘለዎ ምዃኑ ንምፍላጥ ምስትውዓል ኣድልይዎም ኢዩ።
ብሕልና ዝመላለሱ ዜጋታት
15. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ንቄሳር ክህብዎ ዝግባእ ብሕልንኦም ተደሪኾም ዝህብዎ ብኸመይ ኢዮም፧
15 ፖለቲካውያን “ስልጣናት” ነቲ “ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ: ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ” ዘለዎም ስልጣን ዘጠቓልል: ኣምላኽ ዘፍቀደሎም ግደ ምስ ዝፍጽሙ “ገላዉ” ኣምላኽ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:13, 14) ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ቄሳር ሕጋዊ ብዝዀነ መገዲ ብመልክዕ ግብሪ ዝሓቶም ነገራት ብሕልናኦም ተደሪኾም ይህብዎ ኢዮም: ከምኡውን እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልናኦም ክሳዕ ዘፍቀደሎም “ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ: ንመራሕቶም ኪእዘዙ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ” ኢዮም። (ቲቶስ 3:1) ‘ሰናይ ግብሪ:’ ንኣብነት: ባህርያዊ ዕንወት ኣብ ዝወርደሉ እዋናት ንኻልኦት ምሕጋዝ ዘጠቓልል ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብዚ ዅነታት እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸምኦም ሰባት ዘርኣይዎ ሕያውነት መስኪሮምሉ ኢዮም።—ገላትያ 6:10
16. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመንግስታትን ንኸምኦም ሰባትን ብሕልናኦም ተደሪኾም እንታይ ሰናይ ግብሪ ኢዮም ዝገብሩ፧
16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸምኦም ሰባት የፍቅሩ ኢዮም: እቲ ንዓኣቶም ክገብሩሎም ዝኽእሉ ዝበለጸ ነገር ድማ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ንምምጻእ ዘለዎ ዕላማ ርጡብ ፍልጠት ክረኽቡ ምሕጋዞም ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ነቲ ዝለዓለ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ብምምሃርን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን: ንብዙሓት ሰባት ካብ ስድነት ከም ዝገላገሉ ስለ ዝገብርዎም ክቡር ጥሪት ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢዮም። ኣገልገልቲ የሆዋ ኣኽበርቲ ሕጊ ከምኡውን “ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት” ብምሃብ: ሚኒስትራት መንግስቲ: ላዕለዎት ሓለፍቲ: ደያኑን ከንቲባታትን የኽብሩ ኢዮም። (ሮሜ 13:7) መሰኻኽር ወለዲ ምስ ናይ ደቆም መምህራን ደስ ኢልዎም ይተሓባበሩ: ደቆም ንመጻኢ ርእሶም ክኽእሉን ጾር ሕብረተሰብ ምእንቲ ኸይኰኑን ድማ ጽቡቕ ገይሮም ከጽንዑ ይሕግዝዎም። (1 ተሰሎንቄ 4:11, 12) መሰኻኽር ኣብ ውሽጢ ጉባኤታቶም ንዓሌታዊ ኣድልዎን ናይ መነባብሮ ደረጃ ፍልልያትን ይቃወምዎ: ናብራ ስድራቤት ንምሕያል ድማ ዝለዓለ ኣገዳስነት ኢዮም ዝህብዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ቈሎሴ 3:18-21) ስለዚ: ነቲ ጸረ-ስድራቤት ወይ ጾር ማሕበረሰብ ከም ዝዀኑ ገይርካ ዝቐርብ ክስታት ሓሶት ምዃኑ ብተግባራቶም ኢዮም ዘርእዩ። በዚ ኸኣ: እቲ “ሰናይ እናገበርኩም: ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ: ፍቓድ ኣምላኽ እዩ” ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጴጥሮስ ሓቂ ዀይኑ ይርከብ።—1 ጴጥሮስ 2:15
17. ክርስትያናት ‘ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ክመላለሱ’ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
17 ስለዚ ሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስ ‘ካብ ዓለም [እኳ እንተ] ዘይኰኑ’ ገና ኣብታ ናይ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኢዮም ዘለዉ: ስለዚ ‘ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ክመላለሱ’ ኣለዎም። (ዮሃንስ 17:16፣ ቈሎሴ 4:5) የሆዋ ነቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣን ገላውኡ ዀይኖም ክዓዩ ክሳዕ ዘፍቀደሎም: ግቡእ ክብሪ ከነርእዮም ኢና። (ሮሜ 13:1-4) ብፖለቲካ ዝመጸ ገለልተኛታት እኳ እንተዀንና: “ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን” ብፍላይ ድማ ንናጽነት ኣምልኾ ክትንክፍ ዝኽእል ውሳነ ክገብሩ ኣብ ዝሕተትሉ እዋን ንጽሊ ኢና። “ዅሉ ሰብ [ምእንቲ] ኪድሕን” “ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሀዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ” ከምዚ ምግባር ክንቅጽል ኢና።—1 ጢሞቴዎስ 2:1-4
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ: ምዕራፍ 35 ርአ።
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ ክርስትያናት ክፍሊ ናይ ኣየነይቲ “ዓለም” ኢዮም: ግናኸ ናይ ኣየነይቲ “ዓለም” ክፍሊ ኢዮም ክዀኑ ዘይክእሉ፧
◻ እቲ ኣብ ኢድ ወይ ግምባር ናይ ሓደ ሰብ ዝግበር “ማሕተም” ናይቲ “ኣራዊት” ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት: እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋኸ እንታይ ማሕተም ኢዩ ዘለዎም፧
◻ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሰብኣውያን መንግስታት ዝምልከት እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧
◻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ሰናይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢሎም ኣበርክቶ ካብ ዝገብርሉ ገለ መገድታት እንታይ ኣሎ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእልታት]
መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣውያን መንግስታት ከም ኣራዊትን ገላዉ ኣምላኽን ገይሩ ኢዩ ዝገልጾም
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ሰባት ፍቕራዊ ሓልዮት ስለ ዘርእዩ ክቡር ጥሪት ናይቲ ዝነብሩሉ ማሕበረሰብ ኢዮም