መቃባውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧
ንብዙሓት ሰባት እዋን መቃባውያን ኣብ መንጎ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እተዛዘመሉን ምምጻእ ክርስቶስን ዝነበረ ግዜ ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ። ሓንቲ ነፋሪት ሓደጋ ምስ ዘጋጥማ ነቲ ብላክ ቦክስ ዝበሃል ሓበሬታ ዝነግር ክፍሊ እታ ነፋሪት ብምምርማር ገለ ዝርዝር ሓበሬታ ክርከብ ከም ዝከኣል: ካብቲ ንህዝቢ ኣይሁድ እዋን መሰጋገርን ለውጥን ዝዀነ መዋእል መቃባውያን ደቂቕ መጽናዕቲ ብምግባር እውን ገለ ምስትውዓል ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
መቃባውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧ እቲ ብትንቢት እተዘርበሉ መሲሕ ቅድሚ ምምጽኡ ንእምነት ኣይሁድ ብኸመይ ኢዮም ተንኪፎምዎ፧—ዳንኤል 9:25, 26
ምትንሳእ ጥንታዊት ግሪኽ
ኣሌክሳንደር ዓቢ ንዅሉ እቲ ካብ ግሪኽ ክሳዕ ህንዲ ዝነበረ ቦታታት (336-323 ቅ.ኣ.ዘ.) ሓዞ። እታ ዓባይ መንግስቱ ነቲ ቋንቋን ባህልን ናይ ጥንታዊት ግሪኽ ንምስፍሕፋሕ ምኽንያት ኰይና ኢያ። ኣብ ትሕቲ ኣለክሳንደር ዝነበሩ ሰበ-ስልጣንን ወተሃደራትን ነተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ኣንስቲ ተመርዓዉ: እዚ ድማ ናይ ግሪኽን ናይ ወጻኢ ባህልን ከም ዝተሓዋወስ ገበረ። ድሕሪ ሞቱ እቶም ናይ ኣለክሳንደር ጀነራላት ነታ መንግስቱ ተማቐልዋ። ኣብ መጀመርታ ናይ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣንቲከስ ሳልሳይ ንጉስ ናይቲ ሴሉሳይድ ዝበሃል ኣብ ሶርያ ዝርከብ ናይ ግሪኽ ስርወ-ንግስነት: ንእስራኤል ካብ ኢድ እቲ ግሪኻዊ ናይ ግብጺ ፕቶሎሚ ወሰዳ። እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኣይሁድ በቲ ናይ ጥንታዊት ግሪኽ ኣገዛዝኣ ብኸመይ ተተንከፉ፧
ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣይሁድ ምስቶም ብናይ ጥንታዊት ግሪኽ ቋንቋን ባህልን እተጸልዉ ጐረባብቶም ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ርክብ ካብ ምግባር ክቑጠቡ ስለ ዘይክኣሉ ናይ ግሪኽ ባህልን ኣገባብ ኣተሓሳስባን ምትእትታዉ ዘይተርፍ ነገር ኢዩ ነይሩ። . . . ኣብ እዋን ጥንታዊት ግሪኽ ምንባር ጥራይ ንርእሱ ናይ ግሪኽ ባህሊ ምሓዝ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ!” ኣይሁድ ናይ ግሪኽ ኣስማት ይጥቀሙ ነበሩ። ብእተፈላለየ ደረጃ ነቲ ናይ ግሪኽ ባህልን ኣከዳድናን የዘውትርዎ ነበሩ። እቲ ረቂቕ ናይ ምትሕውዋስ ሓይሊ ድማ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ።
ብልሽውና ካህናት
ኣብ ማእከል እቶም ኣይሁድ ነቲ ናይ ጥንታዊት ግሪኽ ጽልዋ ብዝያዳ ተቓሊዖም ዝነበሩ እቶም ካህናት ኢዮም። መብዛሕትኦም ነቲ ናይ ጥንታዊት ግሪኽ ባህሊ ምቕባል ንኣይሁድነት ምስ ግዜ ንኽምዕብል ምሕዳጉ ማለት ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ነበሮም። ሓደ ካብዞም ኣይሁድ እዚኣቶም ጀይሰን (ብእብራይስጢ ድማ ጀሹዋ) ሓዉ ነቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ኦንየስ ሳልሳይ ኢዩ። ኦንየስ ናብ ኣንጾክያ ምስ ከደ: ጀይሰን ነቶም ናይ ግሪኽ ሰበ-ስልጣን ጉቦ ሃቦም። ስለምንታይ ከምኡ ገይሩ፧ ኣብ ክንዲ ኦንየስ ንዕኡ ሊቀ ካህናት ገይሮም ክሸምዎ ምእንቲ ከለዓዕሎም ኢሉ ኢዩ። እቲ ናይ ግሪኽ ሴሉሳይድ ገዛኢ ዝዀነ ኣንቲከስ ኤፒፋነስ (175-164 ቅ.ኣ.ዘ.) ነቲ ህያብ ብፍታው ተቐበሎ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ግሪኻውያን ገዛእቲ ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ሊቀ ክህነት ኢዶም ኣየእትዉን ኢዮም ነይሮም: ኣንቲከስ ግን ንወተሃደራዊ ወፍሪ ገንዘብ የድልዮ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ናይ ጥንታዊ ግሪኽ ባህሊ ብዝበለጸ ንጡፍ ኰይኑ ከስፋሕፍሕ ዝኽእል ኣይሁዳዊ ገዛኢ ምርካቡ ኣሐጐሶ። ኣንቲከስ ንየሩሳሌም ናይ ከተማ ግሪኽ ማዕርግ (ፖሊስ ) ሃባ: እዚ ኸኣ ጀይሰን ስለ ዝሓተቶ ኢዩ። ጀይሰን መንእሰያት ኣይሁድ: ካህናት እውን ከይተረፉ ኣብቲ ስፖርት እቲ ምውድዳር ዝገብሩሉ ጂምናዝዩም ሃነጸ።
ክድዓት: ካልእ ክድዓት ወለደ። እቲ ምናልባት ካብ መስመር ክህነት ዘይነበረ መኒለስ ሰለስተ ዓመታት ጸኒሑ: ዝለዓለ ጉቦ ሃበ: ጀይሰን ከኣ ሃደመ። ንኣንቲከስ ክኸፍሎ ኢሉ መኒለስ ካብ ሳጹን ቤት መቕደስ ብዙሕ ገንዘብ ወሰደ። ኦንየስ ሳልሳይ (ኣብ ኣንጾክያ ምሩኽ ከሎ) ብዛዕባ እዚ ብድፍረት ተቓውምኡ ስለ ዝገለጸ መኒለስ ክቐትሎ መደበ።
ኣንቲከስ ሞይቱ ዝብል ወረ ምስ ተነዝሐ: ጀይሰን ነቲ ናይ ሊቀ ክህነት ማዕርግ ካብ መኒለስ ንምምንዛዕ ሓደ ሽሕ ሰባት ሒዙ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። ኣንቲከስ ግን ኣይሞተን ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ጀይሰን ዝወሰዶ ስጕምቲ ከምኡውን ነቲ ናይ ግሪኽ ባህሊ ንምትእትታው ኣንቲከስ ዘውጽኦ ፖሊሲታት ንምቅዋም ኣብ ኣይሁድ ናዕቢ ከም ዘለዓዓለ ምስ ሰምዐ: ኣንቲከስ ብጎነጽ መለሰሉ።
ኣንቲከስ ስጕምቲ ይወስድ
ሞሸ ፒርልማን እተባህለ ሰብ ኣብታ መቃባውያን እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እቲ ጸብጻባት ንጹር እኳ እንተዘይኰነ: ኣንቲከስ እቶም ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ናጽነት ምርካቦም ፖለቲካዊ ጌጋ ኢዩ ነይሩ ብምባል ዝደምደመ ኢዩ ዝመስል። ብናቱ ኣተሓሳስባ እቲ ኣብ የሩሳሌም እተራእየ ሓድሽ ዕልወት ካብ ንጹህ ሃይማኖታዊ ድራኸ እተላዕለ ዘይኰነስ ካብቲ ኣብ ይሁዳ ገኒኑ ዝርአ ዝነበረ ንግብጺ ናይ ምድጋፍ ስምዒት እተበገሰ ኢዩ ነይሩ። እዚ ፖለቲካዊ ስምዒታት እዚ ኸኣ ሓደገኛ ዝዀነ መግለጺ ተዋሂብዎ ነይሩ ኢዩ: ምኽንያቱ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ኣንቲከስ ዝነበሩ ህዝቢ እቶም ብሃይማኖታዊ ደረጃ ክፍለዩ ዝደልዩ ዝነበሩን ዓቢ ናጽነት እተዋህቦምን እቶም ኣይሁድ ጥራይ ኢዮም ነይሮም። . . . ንሱ ኸኣ እዚ ነገር እዚ ከቋርጽ ከም ዘለዎ ወሰነ።”
ኣባ ኤባን እተባህለ ፖለቲካዊ በዓል ስልጣንን ምሁርን ዝዀነ እስራኤላዊ ነዚ ዝስዕብ ጽማቝ ሓሳባት ይህብ:- “ኣብ 168 ከምኡውን 167 [ቅ.ኣ.ዘ.] ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኣይሁድ ተቐቲሎም: እቲ ቤት መቕደስ ተዘሪፉ: ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ልምዲ ከይሰዓብ ከኣ ተኣጊዱ ኢዩ: እዚ ዅሉ ድማ ብተኻታታልን ብቕልጡፍን ኢዩ ተፈጺሙ። ግዝረትን ሰንበት ምኽባርን ብሞት ዘቕጽዕ ኰነ። እቲ እተገብረ ዝዓበየ ንዕቀት: ኣብ ታሕሳስ 167 ብትእዛዝ ኣንቲከስ መሰውኢ ዘዩስ ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ተተኽለ: እቶም ኣይሁድ ድማ ስጋ ሓሰማ—ብሕጊ ኣይሁድ ርኹስ ዝዀነ—ነቲ ናይ ግሪኻውያን ጣኦት ክስውኡ ምስ ተሓተቱ ኢዩ ተራእዩ።” ኣብዚ ዓመታት እዚ መኒለስን ካልኦት ብናይ ግሪኽ ባህሊ ተጸልዮም ዝነበሩ ኣይሁድን ኣብቲ ሽዑ ዝረኸሰ ቤት መቕደስ ናይ ሓላፍነት ቦታ ሒዞም ቀጸሉ።
ነቲ ናይ ግሪኽ ባህሊ ብዙሓት ኣይሁድ እኳ እንተ ተቐበልዎ: ሃሲዲም ዝብል ስም ዝሓዘ ሓድሽ ጕጅለ ዘቘሙ ውፉያት ሃይማኖታውያን: ሕጊ ሙሴ ብጽኑዕ ተኣዛዝነት ክኽበር ኣተባብዑ። ነቶም ናይ ግሪኽ ባህሊ እተቐበሉ ካህናት ዝጸልእዎም ዝነበሩ ተራ ሰባት ከኣ ብብዝሒ ምስቶም ሃሲዲም ክሓብሩ ጀመሩ። ኣይሁድ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ምስ ኣረማዊ ልምድታትን መስዋእትታትን ተሰማሚዖም ክኸዱ ወይ ሞት ክመርጹ ምስ ተገደዱ ኸኣ እዋን ሰማእትነት ጀመረ። እቲ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ናይ መቃባውያን መጻሕፍቲ: ናይቶም ኣብ ክንዲ ምልምማጥ ሞት ዝመረጹ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ብዙሕ ጸብጻብ ይህብ።
መቃባውያን መልሰ-ግብሪ ይህቡ
እቲ ኣንቲከስ ዝወሰዶ ሕሉፍ ተግባራት ንብዙሓት ኣይሁድ ምእንቲ ሃይማኖቶም ክቃለሱ ኣለዓዒልዎም ኢዩ። ሓደ ማታቲያስ ዝስሙ ካህን ናብ ማእከል ከተማ ሞዲን ተጸውዐ: እዛ ከተማ እዚኣ ብሰሜናዊ ምዕራብ የሩሳሌም: ኣብ ጥቓ ዘመናዊት ከተማ ሎድ ኢያ እትርከብ። ማታቲያስ በቲ ህዝቢ ናይቲ ኸባቢ ክብሪ ይወሃቦ ስለ ዝነበረ: ወኪላት እቲ ንጉስ ህይወቱ ምእንቲ ከድሕን ነቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብነት ክኸውን ኣብ ናይ ጣኦት መስዋእትታት ንኽሳተፍ ከእምንዎ ፈተኑ። ማታቲያስ ምስ ኣበየ: ካልእ ኣይሁዳዊ ኣብቲ ቅድሚት መጺኡ ንኽለማመጥ ተዳለወ። ማታቲያስ ኸኣ ብቝጥዐ ሴፍ ኣልዒሉ ቀተሎ። እቶም ናይ ግሪኽ ወተሃደራት: እዚ ኣረጊት ሰብኣይ እዚ ዝፈጸሞ ግብሪ ኣስደሚምዎም ስለ ዝፈዘዙ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኣይወሰዱን። ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢታት ከኣ ማታቲያስ ነቲ ናይ ግሪኽ በዓል ስልጣን እውን ቀተሎ። እቶም ሓሙሽተ ደቂ ማታቲያስን ተቐማጦ እቲ ኸተማን ከኣ ነቶም ናይ ግሪኽ ወተሃደራት ንህይወቶም ምክልኻል ክሳዕ ዝስእኑ በርትዕዎም።
ማታቲያስ ‘ነቲ ሕጊ ቅንኢ ዘለዎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይስዓበኒ’ ብምባል ጨደረ። ካብቶም ሕነ ዝፈድዩ ሰባት ምእንቲ ከምልጥ ከኣ ንሱን ደቁን ናብቲ ጎቦታት ዘለዎ ዞባ ሃደሙ። እቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ምስ ተወርየ ኸኣ: (ብዙሓት ካብ ሃሲድም ዝርከብዎም) ኣይሁድ ሰዓብዎም።
ማታቲያስ ንወዱ ይሁዳ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሸሞ። ይሁዳ ምናልባት በቲ ዝነበሮ ወተሃደራዊ ክእለት ኢዩ ክኸውን ዝኽእል መቃቢ ትርጕሙ ድማ “መዶሻ” ዝብል ስም ተዋህቦ። ማታቲያስን ደቁን ከኣ ሃስሞናውያን ተባህሉ: እዚ ስም እዚ ካብታ ሔሽሞን እትበሃል ከተማ ወይ ከኣ ካብቲ በዚ ስም እዚ ዝጽዋዕ ኣባሓጎኦም እተወስደ ኢዩ። (እያሱ 15:27) ይኹን እምበር: ይሁዳ መቃቢ ኣብ እዋን እቲ ዕልወት ቀንዲ ግደ ስለ ዝነበሮ እቲ ስድራቤት ብምሉኡ መቃባውያን ተባሂሉ ተጸውዐ።
እቲ ቤት መቕደስ ተሓደሰ
ኣብ መጀመርታ ዓመት ናይቲ ዕልወት: ማታቲያስን ደቁን ሓንቲ ንእሽቶ ሰራዊት ክውድቡ ከኣሉ። ሰራዊት ግሪኽ ንጕጅለታት ተቓለስቲ ሃሲዲም ብመዓልቲ ሰንበት ኣጥቅዕዎም። ሽሕ’ኳ ንገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዝኽእሉ እንተነበሩ: ሰንበት ከፍርሱ ኣይደለዩን። እዚ ኸኣ ጃምላዊ ቅትለት ኣስዓበሎም። እቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ሃይማኖታዊ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ገይርካ ዝርአ ዝነበረ ማታቲያስ: ኣይሁድ ብመዓልቲ ሰንበት ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዘፍቅደሎም ሕጊ ሰርዐ። እዚ ሕጊ እዚ ነቲ ዕልወት ሓድሽ ሓይሊ ሂብዎ ጥራይ ዘይኰነስ ኵነታት ክቕየር ከሎ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ሕጊ ኣይሁድ ምምሕያሽ ንኽገብርሉ ዘፍቅድ ኣገባብ እውን ኣብ እምነት ኣይሁድ ሰርዐ። ታልሙድ ኣብቲ ድሕሪ ገለ ግዜ እተጻሕፈ ሓሳባት ነዚ ርእይቶ እዚ ኣንጸባሪቕዎ ኣሎ:- “ብዙሓት ሰናብቲ ምቕዳስ ምእንቲ ክኽእሉ ሓንቲ ሰንበት የርክሱ።”—ዮማ 85ለ
ድሕሪ ሞት እቲ ብዕድመ ዝሸምገለ ኣቡኡ: ይሁዳ መቃቢ ብዘይሕቶ መራሒ ናይቲ ዕልወት ኰነ። ንጸላእቱ ኣብቲ ብቓልዕ ዝግበር ውግእ ክስዕሮም ከም ዘይክእል ስለ እተገንዘበ: ልክዕ ከምቲ ሎሚ ዘመናውያን ደባይ ተዋጋእቲ ዝገብርዎ ውግእ ዝኣመሰለ ሓድሽ ሜላ መሃዘ። ንሓይልታት ኣንቲከስ ነቲ ልሙድ ናይ ምክልኻል ሜላታቶም ክጥቀምሉ ኣብ ዘይክእሉ ቦታታት ኣጥቅዖም። ይሁዳ ነቶም ካብቲ ናቱ ሓይሊ ሰራዊት ብተዓጻጻፊ ዝበልጹ ሓይልታት ኣብ እተፈላለየ ውግኣት ሰዓሮም።
እቲ ዝለዓል ዝነበረ ውሽጣዊ ምስሕሓብን ምትንሳእ ሓይሊ ሮማን: ንመራሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሰሉሳይድ ነቲ ኣንጻር ኣይሁድ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጸቕጢ ሸለል ከም ዝብልዎ ገበሮም። እዚ ድማ ንይሁዳ መጥቃዕትታቱ ክሳዕ ደጌታት የሩሳሌም ንኽደፍእ መገዲ ከፈተሉ። ብታሕሳስ 165 ቅ.ኣ.ዘ. (ወይ ምናልባት ብ164 ቅ.ኣ.ዘ.) ንሱን ሰራዊቱን ነታ ቤት መቕደስ ሓዝዋ: ነቲ ኣቕሑኣ ኣጽረይዎ: ከም ብሓድሽ ከኣ ንኣምልኾ ወፈይዋ። እዚ ኸኣ ካብቲ ዝረኸሰትሉ ግዜ ልክዕ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ኢዩ። እቶም ኣይሁድ ከኣ ነዚ ፍጻመ እዚ ኣብቲ በዓል ወፈያ ዝዀነ እዋን ሃኑቃ ዓመት ዓመት የብዕልዎ ኢዮም።
ፖለቲካ ልዕሊ ሃይማኖት
እቲ ዕልወት ሸቶኡ ወቒዑ ኢዩ። ኣብ ልምድታት ኣይሁድ ዝነበረ እገዳታት ተላዕለ። ኣብቲ ቤት መቕደስ እንደገና ኣምልኾን መስዋእትታትን ክግበር ጀመረ። ሕጂ እቶም ሃሲድም ድሌቶም ስለ ዝረኸቡ ንሰራዊት ይሁዳ መቃቢ ገዲፎም ነናብ ኣባይቶም ተመልሱ። ይሁዳ ግን ካልእ ሓሳብ ነበሮ። ብግቡእ እተዓለመ ሰራዊት ኢዩ ዘለዎ: ስለዚ ናጻ ዝዀነ መንግስቲ ኣይሁድ ንምቛም ዘይጥቀመሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧ ነቲ ዕልወት ንኽለዓል መበገሲ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ምኽንያታት ሕጂ ብፖለቲካዊ ድራኼታት ተተክአ። ስለዚ እቲ ቓልሲ ቀጸለ።
ይሁዳ መቃቢ ነቲ ናይ ሰሉሳይድ ግዝኣት ንምቅላስ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ቃልሲ ደገፍ ንምርካብ ምስ ሮማ ውዕል ገበረ። ሽሕኳ ብ160 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ውግእ እንተ ተቐትለ: ኣሕዋቱ ነቲ ቃልሲ ቀጺሎምዎ ኢዮም። ዮናታን ሓዉ ንይሁዳ ነቲ ጕዳይ ብሜላ ስለ ዝሓዞ እቶም ናይ ሰሉሳይድ ገዛእቲ ሊቀ ኻህንን ገዛእን ናይ ይሁዳ ኰይኑ ንኽሽየም ተሰማምዑ። ይኹን እምበር ገና ኣብ ትሕቲ ሉዓላውነቶም ኢዩ ነይሩ። ዮናታን ሓደ ወዲ ሶርያ ብዝኣለሞ ውዲት ተታሊሉ ብምምራኽ ምስ ተቐትለ ሓዉ ስምኦን—ካብ ኣሕዋት መቃቢ እቲ ናይ መወዳእታ—ኣብ ክንድኡ ተተክአ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ስምኦን (ብ141 ቅ.ኣ.ዘ.) እቲ ናይ መወዳእታ ኣሰር ግዝኣት ሰሉሳይድ ኣልገሰ። ስምኦን ነቲ ምስ ሮማ እተገብረ ኪዳን ኣሐደሶ: መራሕቲ ኣይሁድ ከኣ ከም ገዛእን ሊቀ ኻህንን ገይሮም ተቐበልዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ኢድ መቃባውያን ብገዛእ ርእሱ ዝመሓደር ናይ ሃሰሞናውያን ስርወ-ንግስነት ቈመ።
መቃባውያን ቅድሚ እቲ መሲሕ ምምጽኡ ኣምልኾ ኣብቲ ቤት መቕደስ እንደገና ከም ዝህነጽ ገይሮም ኢዮም። (ምስ ዮሃንስ 1:41, 42፣ 2:13-17 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ብምኽንያት እቶም ብባህሊ ግሪኽ እተጸልዉ ኣይሁድ ዘርኣይዎ ተግባር ኣብ ክህነት ዝነበረ እምንቶ ዝጠፍአ: ኣብ ትሕቲ ሃስሞናውያን እውን እዚ እምንቶ ምጥፋእ እዚ ካብ ቅድም ብዝገደደ ተንጸባሪቑ ኢዩ። ብርግጽ ከኣ ካብቲ እሙን መስመር ወለዶ ዳዊት ዝመጽእ ንጉስ ገዲፍካ በቶም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ካህናት ዝግበር ምምሕዳር ንህዝቢ ኣይሁድ ናይ ሓቂ በረኸት ኣየምጽኣሎምን።—2 ሳሙኤል 7:16፣ መዝሙር 89:3, 4, 35, 36
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ንይሁዳ መቃቢ ኣቡኡ ዝዀነ ማታቲያስ ‘ነቲ ሕጊ ቅንኢ ዘለዎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይስዓበኒ’ ብምባል ጨደረ
[ምንጪ ስእሊ]
ማታትያስ ነቶም እተሰዱ ኣይሁድ መጸዋዕታ ክገብረሎም ከሎ/The Doré Bible Illustrations/ ናይ ዶቨር ጽሑፋት