መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
ሓደ ብዜሕዝን መገዲ ዝዓበየ ሰብኣይ፡ ሕጉስን ዕዉትን ኣቦ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ሓንቲ ብዙሕ ሕማቕ ኣመላት ዝነበራ ሰበይቲ፡ ህይወታ ንኸተዐሪ ዝደረኻ እንታይ እዩ፧ ነቲ ዝሃብዎ ሓሳባት እስከ ኣንብቦ።
“ዋጋ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ።”—ቢክቶር ኡጎ ኤሬራ
ዓመተ ልደት፦ 1974
መበቈል ሃገር፦ ቺለ
ታሪኽ፦ ውሉፍ ኣልኮላዊ መስተ
ሕሉፍ ህይወተይ፦
ኣብታ ኣብቲ ባህ ዜብል ደቡባዊ ቺለ እትርከብ ኣንጎል እትብሃል ከተማ እየ ተወሊደ። ንኣቦይ ኣይፈልጦን እየ። ወዲ ሰለስተ ዓመት ከለኹ፡ ኣደይ ንዓይን ንሓወይን ሒዛ ናብታ ርእሲ ኸተማ ቺለ ዝዀነት ሳንቲያጎ ገዓዘት። ሽዑ ኣብቲ ግዳም ሓደር ዝዀኑ ሰባት ዚነብሩሉ ቦታ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኽፍሊ ኽንነብር ጀመርና። ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ ኢና እንጥቀም ኔርና፣ ካብቲ ንመጥፋእቲ ሓዊ ተባሂሉ እተዳለወ ማይ ድማ ንወስድ ነበርና።
ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ መንግስቲ ንእሽቶ ገዛ ሃበና። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቲ እንነብረሉ ዝነበርና ኸባቢ፡ ምውሳድ ሓሽሽን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ገበንን ምንዝርን ዘስፋሕፍሓሉ እዩ ነይሩ።
ሓደ መዓልቲ፡ ኣደይ ምስ ሓደ ሰብኣይ ተፋለጠት እሞ፡ ቍሩብ ጸኒሖም ተማራዓዉ። ሰብኣይ ኣደይ ሰታይ እዩ ነይሩ። ንዓይን ንኣደይን ከኣ ይቕጥቅጠና ነበረ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ዜዕቍበኒ ኣቦ እንተ ዚህልወኒ እናተመነኹ ንበይነይ እበኪ ነበርኩ።
ኣደይ ንዓና ንኽትኣሊ ኣበርቲዓ ትሰርሕ እኳ እንተ ነበረት፡ ድኻታት ኢና ኔርና። ክንጠሚ ኸለና፡ ሓድሓደ ግዜ ሓርጭ ጸባን ሽኮርን ንቝሕም ነበርና። ኣነን ሓወይን ብመስኰት ጐረቤትና ተሓቢእና ተሌቪዥን ብምርኣይ ንዘናጋዕ ነበርና። ሓደ መዓልቲ ግና፡ እታ ጐረቤትና፡ ተሓቢእና ኽንርኢ ኸለና ስለ ዝረኸበትና፡ ክንቅጽሎ ኣይከኣልናን።
ሰብኣይ ኣደይ ሳሕቲ ስኻሩ ኺወጸሉ ኸሎ፡ ንዓይን ንሓወይን ዚብላዕ ይዕድገልና ነበረ። ሓደ እዋን፡ ንእሽቶ ተሌቪዥን ዓደገልና። ሽዑ ኣዝየ ተሓጐስኩ።
ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ምንባብ ተመሃርኩ። ሓደ ዓመት ጸኒሐ ግና ትምህርቲ ኣቋሪጸ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ክሰርሕ ጀመርኩ። ድሕሪ ስራሕ፡ ምስቶም ዚዓብዩኒ መሳርሕተይ ኰይነ ናብ ፓርቲታት እኸይድ ነበርኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ብብዝሒ ንሰትን ሓሽሽ ንወስድን ነበርና። ብዙሕ ከይጸናሕኩ ድማ፡ ውሉፍ ሓሽሽ ኰንኩ።
ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ምስ ካቲ ተፋለጥኩ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ተመርዓና። ኣብ ፈለማ፡ ኵሉ ጽቡቕ ነበረ፣ ድሕሪኡ ግና፡ ናብቲ ናይ ቀደም ኣመላተይ ተመለስኩ። ጠባየይ ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ንላዕሊ ዝገደደ ዀነ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ናብ መቓብር ገጸይ አምርሕ ከም ዝነበርኩ ተገንዘብኩ። ካብ ኵሉ ዝገደደ ኸኣ፡ ቪክቶር ወደይ ብሰንከይ፡ ከምቲ ኣነ ንእሽቶ ኸለኹ ዜጋጥመኒ ዝነበረ ዓይነት መከራ የጋጥሞ ነበረ። ኣመና ጐሃኹ፣ ብገዛእ ርእሰይ ከኣ ሓረቕኩ፣ ዋጋ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ።
ኣብ ከባቢ 2001፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዛና መጻ፣ ካቲ ድማ ምሳታተን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ብዛዕባ እቲ እትምሃሮ ዝነበረት ነገራት ከኣ ነገረትኒ። ኣነ እውን ክፈልጥ ስለ ዝደለኹ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ። ብ2003 ካቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠምቀት።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦
ሓደ መዓልቲ፡ ነታ የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ እሙናት ሰባት ዓስቦም ከም ዚህቦም እትገልጽ ሩት 2:12 ኣንበብክዋ። ኣነ እውን ለውጢ እንተ ገይረ፡ ንኣምላኽ ከሐጕሶን ብእኡ ኽባረኽን ኸም ዝኽእል ተገንዘብኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ንስኽራን ከም ዚዅንኖ ኣስተብሃልኩ። እተን ኣብ 2 ቈረንቶስ 7:1 ዚርከባ ቓላት ድማ፡ ዓብዪ ጽልዋ እየን ኣሕዲረናለይ። እታ ጥቕሲ፡ ‘ካብ ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ኸነንጽህ’ ከም ዚግባእ እያ እትምዕድ። ስለዚ፡ ንሕማቕ ኣመላተይ ከቋርጾ ጀመርኩ። ኣብ ፈለማ፡ ብተደጋጋሚ እቝጣዕ ነበርኩ፣ ካቲ ግና ነቲ እትገብረለይ ዝነበረት ደገፍ ኣየቋረጸቶን።
እቲ ሽጋራ ንኸትክኽን መስተ ንኸብዝሕን ዚወርደኒ ዝነበረ ጸቕጢ እናሓየለ ምስ ከደ፡ ስራሐይ ገደፍክዎ። ስራሕ ምግዳፍ ንእተወሰነ እዋን ብሒደት ንኽንናበር እኳ እንተ ኣገደደና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚኸውን ዝያዳ ግዜ ግና ረኸብኩ። ሽዑ ኸኣ እየ ናይ ብሓቂ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ዝጀመርኩ። ካቲ ብስጋዊ መዳይ ልዕሊ ዓቕመይ ክገብር ኣይትጽበየንን እያ፣ ብምኽንያት እቲ እንነብሮ ዘለና ቀሊል ናብራ እውን ወቒሳትኒ ኣይትፈልጥን እያ። ነቲ እትገብረለይ ፍቕራዊ ደገፍ፡ ኣዝየ እየ ዘማስወሉ።
ቀስ ብቐስ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብር ጀመርኩ። ንሳቶም፡ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይተመሃርኩ፡ የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንኸገልግሎ ዘሎኒ ልባዊ ባህጊ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ንኽግንዘብ ሓጊዞምኒ እዮም። ኣብ ክርስትያዊት ጉባኤ ዝረኣናዮ ፍቕርን ሓድነትን፡ ኣብ ስድራ ቤትና ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ኣብ ካልእ ቦታ ኸምዚ ዓይነት ሰላም ኣይረኸብናን። ኣብ ታሕሳስ 2004 ድማ ተጠመቕኩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦
ንሓቅነት እቲ ኣብ ኢሳይያስ 48:17 ዚርከብ ቃላት የሆዋ ተመኪረዮ እየ፣ እታ ጥቕሲ፡ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካ . . . ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ትብል። ኣደይን ሓወይን በቲ ዝገበርክዎ ለውጢ ኣዝዮም ስለ እተገረሙ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሮም ኣለዉ። ጐረባብተይ እውን እንተ ዀኑ፡ እተፈለኹ ሰብ ብምዃነይን ሕጉስ ስድራ ቤት ስለ ዘሎንን፡ ባህ ይብሎም እዩ።
ንኣምላኽ እተፍቅርን ንዓይ ከም እሙን ብጻያን ፈታዊኣን ገይራ እትርእየንን ሰበይቲ ኣላትኒ። ንኣቦይ ዘይፈልጦ እኳ እንተ ዀንኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብኸመይ ሰለስተ ቘልዑ ኸም ዘዕቢ ምሂሩኒ እዩ። ደቀይ እውን የኽብሩኒ እዮም። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ የሆዋ ጋህዲ ዀይኑሎም እዩ፣ የፍቅርዎ ድማ እዮም።
“ንኣቦይ ዘይፈልጦ እኳ እንተ ዀንኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብኸመይ ሰለስተ ቘልዑ ኸም ዘዕቢ ምሂሩኒ እዩ”
ዜሕዝን ቍልዕነት እኳ እንተ ኣሕለፍኩ፡ የሆዋ ሕጉስ ንክኸውን ኣጋጣሚ ስለ ዝሃበኒ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።
“ሓራቕን ቍጥዕትን መንእሰይ ኰንኩ።”—ናቢሃ ላዛሮቫ
ዓመተ ልደት፦ 1974
መበቈል ሃገር፦ ቡልጋርያ
ታሪኽ፦ ሸያጢት ሓሽሽ
ሕሉፍ ህይወተይ፦
ኣብ ሶፍያ፡ ቡልጋርያ፡ ማእከላይ መነባብሮ ኣብ ዝነበራ ስድራ ቤት እየ ተወሊደ። ኣቦይ፡ ኣነ ገና ጓል ሽዱሽተ ዓመት ከለኹ እዩ ገዲፉና ኸይዱ። በዚ ኣመና ስለ ዝሰንበድኩ፡ ሓያል ስምዒታዊ ስቓይ ኣጋጠመኒ። እተደርበኹን ክፍቀር ዘይግብኣንን ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ እቲ ስምዒታት ዓለወኛ ኸም ዝኸውን ገበረኒ። ብሰንኩ ድማ፡ ሓራቕን ቍጥዕትን መንእሰይ ኰንኩ።
ጓል 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ንፈለማ እዋን ካብ ገዛ ዀብሊለ ጠፋእኩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ካብ ኣደይን ካብ ኣቦሓጎታተይን እኖሓጎታተይን ገንዘብ እሰርቕ ነበርኩ። ሓራቕ ስለ ዝነበርኩ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ሰብ እጋጮ ነበርኩ፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ድማ፡ ሓሙሽተ ሳዕ ኣብያተ ትምህርቲ ቐየርኩ። ዲፕሎማይ ክቕበል ሰለስተ ዓመት ጥራይ ምስ ተረፈኒ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻእኩ። ዘይስነ ምግባራዊ ናብራ እየ ዝነብር ነይረ። ሽጋራን ማሪዋናን ናይ ምትካኽ ወልፊ ሓዘኒ። ኣልኮላዊ መስተ አብዝሕን ኣዘውቲረ ናብ ፓርቲታት እኸይድን ነበርኩ፣ ሓሽሽ እሸይጥ እውን ነበርኩ። ኣብዛ ሰባት ብመከራን ብሞትን ዚሳቐዩላ ተስፋ ዘይብላ ዓለም ምንባር ትርጕም ስለ ዝሰኣንኩሉ፡ ኣብ መዓልታዊ ተድላ ጥራይ አተኵር ነበርኩ።
ብ1998 ጓል 24 ዓመት ከለኹ፡ ኣብቲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ፡ ብራዚል ዚርከብ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ሓሽሽ ክሸይጥ ተታሒዘ ተኣሰርኩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንኣርባዕተ ዓመት ተኣሰርኩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦
ብ2000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ናብቲ ዝነበርኩሉ ቤት ማእሰርቲ ይመጹ ነበሩ። ማሪነስ ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ፡ ትሓልየለይ ነበረት። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ናይ ምፍላጥ ባህጊ ኸም ዚሓድረኒ ገበረት። ቅድሚኡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዐ ስለ ዘይፈልጥ፡ ነተን መተኣስርተይ ብዛዕባኦም ኪነግራኒ ሓተትክወን። እቲ ዜገርም ግና፡ መብዛሕትኦም ዝሓተትክዎም ሰባት፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሉታዊ ነገር ነገሩኒ። ሓንቲ መተኣስርተይ፡ ብጀካ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ክስዕብ ከም ዝኽእል ነገረትኒ። እዚ ኸኣ ብዝያዳ ንኽፈልጥ ደረኸኒ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ ኣዝዮም ከም ዚጽልኡ ኸኣ ክፈልጥ ደለኹ። ከምኡ ዜጋጥሞም፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ስለ ዚስዕቡ ኸም ዝዀነ ኣመንኩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ ንየሱስ ብልቡ ኺስዕቦ ዚፍትን ዘበለ ዅሉ ኸም ዚስጐጕ ይገልጽ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:12።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ምምሕዳራዊ ህንጻ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተመዲበ እሰርሕ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ መኻዚኖ፡ ናይ ቀደም መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ንa ዝሓዘ ሳጹናት ረኸብኩ። ነቲ መጽሔታት ናብቲ እተኣሰርኩሉ ኽፍሊ ሒዘዮ ኸድኩ እሞ ኸንብቦ ጀመርኩ። ዝያዳ ብዘንበብኩ መጠን፡ ልክዕ ከም ሓደ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ፈልፋሊ ዒላ ማይ ዝረኸበ ሰብ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ብዙሕ ግዜ ስለ ዝነበረኒ፡ በብመዓልቱ ንነዊሕ ሰዓታት መጽሓፍ ቅዱስ አጽንዕ ነበርኩ።
ሓደ መዓልቲ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቤት ማእሰርቲ ተጸዋዕኩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽእ ስለ ዝመሰለኒ፡ ዘሎኒ ነገራት ኣኻኺበ፡ ነተን መተኣስርተይ ድማ ተሰናቢተ ናብቲ ቤት ጽሕፈት እናጐየኹ ኸድኩ። ይኹን እምበር፡ ኣብኡ ምስ በጻሕኩ፡ ናይ ሓሶት ሰነዳት ከም ዝሓዝኩ ተቘጺረ ኸም ብሓድሽ ኸም እተኸሰስኩ ፈለጥኩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እንደገና ንኽልተ ዓመት ክእሰር ተፈርደኒ።
ኣብ ፈለማ፡ ኣዝየ ተደቘስኩ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግና፡ እቲ ማእሰርተይ ንበረኸት ምዃኑ ተገንዘብኩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ነገራት እኳ እንተ ተመሃርኩ፡ ብልበይ ግና ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ ነቲ ናይ ቀደም ኣነባብራይ ክቕጽሎ እደሊ ነበርኩ። ንኽልወጥ ዝያዳ ግዜ የድልየኒ ነበረ።
ሓድሓደ ግዜ፡ ኣምላኽ ንዓይ ከም ሓንቲ ኻብ ኣምለኽቱ ገይሩ ኪቕበለኒ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ኸም 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ዝኣመሰለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ አስተንትን ነበርኩ። እቲ ጥቕስታት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት፡ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ቕድሚ ምጅማሮም፡ ሰረቕትን ሰታያትን ዘረፍትን ከም ዝነበሩ ይገልጽ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሓገዝ የሆዋ ተቐዪሮም እዮም። እቲ ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ኣዝዩ ኣተባቢዑኒ እዩ።
ንገሊኡ ሕማቕ ኣመላተይ ብቐሊሉ ኣቋረጽክዎ። ንኣብነት፡ ሓሽሽ ምውሳድ ብቐሊሉ ገደፍክዎ። ሽጋራ ምሕዳግ ግና ኸበደኒ። ንኽገድፎ ልዕሊ ዓመት እኳ እንተ ወሰደለይ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግና ተዓወትኩ። ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ጥዕና ብዛዕባ ዜውርዶ ሳዕቤን ምሕሳበይ፡ ንኸቋርጾ ሓጊዙኒ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ከየባተኽኩ ናብ የሆዋ ምጽላየይ እዩ ሓጊዙኒ።
“ፈጺሙ ዘይጥንጥነኒ ዝበለጸ ኣቦ ኸም ዝረኸብኩ ተገንዘብኩ”
ናብ የሆዋ ብዝያዳ እናቐረብኩ ብዝኸድኩ መጠን፡ ነቲ ኣቦይ ራሕሪሑና ምስ ከደ ኸም እተደርበኹ ዀይኑ ዚስምዓኒ ዝነበረ ስምዒት ክዋጽኣሉ ጀመርኩ። እተን ኣብ መዝሙር 27:10 ዚርከባ ቓላት ተንኪፈናኒ እየን። እታ ጥቕሲ፡ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ትብል። ፈጺሙ ዘይጥንጥነኒ ዝበለጸ ኣቦ ኸም ዝረኸብኩ ተገንዘብኩ። ሕጂ ህይወተይ ዕላማ ኣለዎ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ኻብ ዝወጽእ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣብ ሚያዝያ 2004 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦
ሕጂ ሕጕስቲ ሰብ እየ። ካብ ጐዳኢ ኣመላት ናጻ ስለ ዝዀንኩ፡ ካብቲ መንእሰይ ከለኹ ዝነበረኒ ዝሓሸ ኣካላውን ስምዒታውን ጥዕና ኣሎኒ። ጽቡቕ ሓዳርን ምስቲ ሰማያዊ ኣቦይ ዝዀነ የሆዋ ጥብቂ ርክብን ኣሎኒ። ኣብ መንጎ ኣምለኽቱ ድማ፡ ብዙሓት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ረኺበ እየ። (ማርቆስ 10:29, 30) ኣነ እኳ እንተ ዘየስተብሃልኩሉ፡ ንሳቶም ግና ንኽመሓየሽ ተኽእሎ ኸም ዘሎኒ ገይሮም ስለ ዝረኣዩኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖም።
ሓድሓደ ግዜ፡ ብምኽንያት ሕሉፍ ህይወተይ ብጣዕሳ እወሓጥ እየ። ይኹን እምበር፡ ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም፡ ሕማቕ ነገራት ‘ከም ዘይዝከር’ ብምሕሳብ እጸናናዕ እየ። (ኢሳይያስ 65:17) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ተመክሮይ ነቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ዜጋጥሞም ሰባት ከም ዝሓዝነሎም እዩ ዚገብረኒ። በዚ ኸምዚ ኺርአ ኸሎ፡ ሕሉፍ ህይወተይ ጠቓሚ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክካፈል ከለኹ፡ ውሉፋት ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን ንዝዀኑ ሰባትን ንገበነኛታትን ከይነዓቕኩ ብቐሊሉ ኸዘራርቦም እኽእል እየ። ኣነ ንየሆዋ ንምሕጓስ ለውጢ ኽገብር ካብ ከኣልኩ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ እውን ኪልወጥ ከም ዚኽእል ርግጸኛ እየ።
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ።