ዓንቀጽ መጽናዕቲ 20
ራእይ—ንጸላእቲ ኣምላኽ ዘለዎ ትርጉም
“ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሃል ቦታ ኣከብዎም።”—ራእ. 16:16።
መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ
መላለዪa
1. መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ትገልጽ፧
መጽሓፍ ራእይ፡ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተመስረተትን ሰይጣን ካብ ሰማይ ከም እተደርበየን ትገልጽ እያ። (ራእ. 12:1-9) እዚ ስጕምቲ እዚ ኣብ ሰማያት እፎይታ፡ ንዓና ግና ጸገማት እዩ ፈጢሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ቝጥዓ ሰይጣን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግሉ እዩ ኣተኲሩ።—ራእ. 12:12, 15, 17።
2. እንታይ እዩ ብተኣማንነት ክንጸንዕ ዚሕግዘና፧
2 ካብ ሰይጣን መጥቃዕቲ እናወረደና ኽነሱ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንጸንዕ እንኽእል፧ (ራእ. 13:10) ሓደ ዚሕግዘና ነገር፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም እንኸውን ምፍላጥና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እንረኽቦ በረኸት ገሊጽዎ ኣሎ። ገለ ኻብዚ በረኸት ከኣ፡ ጸላእቲ ኣምላኽ ዚውገዱ ምዃኖም እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ መጽሓፍ ራእይ ነዞም ጸላእቲ ብኸመይ ከም እትገልጾምን ንሳቶም እንታይ ከም ዚዀኑን እስከ ንመርምር።
ጸላእቲ ኣምላኽ እተገልጹሉ “ምልክታት”
3. ገለ ኻብቲ ኣብ ራእይ ዘሎ ምልክታት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧
3 እታ ኣብ መጽሓፍ ራእይ እትርከብ ቀዳመይቲ ፍቕዲ፡ እቲ ኣብኡ እነንብቦ ሓበሬታ “ብምልክታት” ከም ዝዀነ፡ ማለት ምሳልያዊ ቛንቋ ኸም ዝዀነ ትገልጽ። (ራእ. 1:1) ጸላእቲ ኣምላኽ ከኣ ብምሳልያዊ መገዲ እዮም ተገሊጾም ዘለዉ። ኣብታ መጽሓፍ፡ እተፈላለዩ ኣራዊት ተጠቒሶም ኣለዉ። ንኣብነት፡ “ዓሰርተ ቐርንን ሸውዓተ ርእስን” ዘለዎ “ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ” ኸም እተራእየ ተሓቢሩ ኣሎ። (ራእ. 13:1) ድሕሪኡ ድማ፡ “ካልእ ኣራዊት . . . ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ” ኸም እተራእየ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኣራዊት እቲ ኸኣ ከም ገበል ዚዛረብን “ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ . . . ዜውርድ”ን እዩ። (ራእ. 13:11-13) ድሕርዚ፡ ሓንቲ ኣመንዝራ እተቐመጠቶ “ቐይሕ ኣራዊት” ተገሊጹ ኣሎ። እዞም ሰለስተ ኣራዊት እዚኦም ነቶም ካብ ቀደም ኣትሒዞም ንየሆዋ ኣምላኽን ንመንግስቱን ዚጻረሩ ጸላእቲ የመልክቱ። ስለዚ፡ መን ምዃኖም ክንፈልጥ ኣሎና።—ራእ. 17:1, 3።
4-5. እቲ ኣብ ዳንኤል 7:15-17 ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት፡ ትርጉም እቲ ምልክታት ክንርዳእ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
4 እዞም ጸላእቲ መን ምዃኖም ንምፍላጥ፡ እቲ ምሳልያዊ ቓላት እንታይ ማለት ምዃኑ ኽንርዳእ ኣሎና። ነዚ እንርድኣሉ ብሉጽ መገዲ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ገዛእ ርእሱ ኺገልጽ ዕድል ብምሃብ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ መብዛሕትኡ ምሳልያዊ ቓላት ኣብ ካልእ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፡ ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ዝሓለሞ ሕልሚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካብቲ ባሕሪ . . . ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ” ኢሉ እዩ። (ዳን. 7:1-3) ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ንመን ከም ዜመልክቱ ገሊጹ እዩ። እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ንኣርባዕተ “ነገስታት” ወይ መንግስትታት እዮም ዜመልክቱ። (ዳንኤል 7:15-17 ኣንብብ።) እዚ ንጹር መግለጺ፡ እቶም ኣብ ራእይ እተገልጹ ኣራዊት ንፖለቲካውያን ሓይልታት ዜመልክቱ ኸም ዝዀኑ ኽንርዳእ ይሕግዘና።
5 ሕጂ ንገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ምልክታት ንመርምር። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ እዚ ምልክታት እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ብሓገዝ መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኢና። ኣብ መጀመርታ፡ ተኸታተልቲ ኣራዊት ክንምርምር ኢና። ፈለማ፡ ንመን ከም ዜመልክቱ ኽንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ እቶም ኣራዊት እንታይ ከም ዚዀኑ ኽንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ እዚ ንዓና እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ኽንምርምር ኢና።
መንነት ጸላእቲ ኣምላኽ ተገሊጹ
6. እቲ ኣብ ራእይ 13:1-4 ተጠቒሱ ዘሎ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ንመን የመልክት፧
6 እቲ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ንመን የመልክት፧ (ራእይ 13:1-4 ኣንብብ።) እዚ ኣራዊት እዚ ብሓፈሻኡ ኸም ነብሪ እዩ ዚመስል፣ ኣእጋሩ ግና ከም ናይ ድቢ እዩ፡ ኣፉ እውን ከም ናይ ኣንበሳ እዩ፡ ዓሰርተ ቐርኒ እውን ኣለዎ። ኵሉ እዚ ትርኢታት እዚ፡ ኣብቶም ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ዚርከቡ ኣርባዕተ ኣራዊት ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ ግና ኵሉ እዚ ትርኢታት እዚ ኣብ ኣርባዕተ ኣራዊት ዘይኰነስ፡ ኣብ ሓደ ኣራዊት እዩ ተራእዩ። እምበኣር፡ እዚ ኣራዊት እዚ ንሓደ መንግስቲ ወይ ንሓደ ሓይሊ ዓለም ጥራይ ዜመልክት ኣይኰነን። ስለምንታይሲ፡ “ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገድን ህዝብን ቋንቋን ኣህዛብን” ከም ዚገዝእ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ንሓደ መንግስቲ ጥራይ ዜመልክት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ራእ. 13:7) እምበኣር፡ እዚ ኣራዊት እዚ፡ ኣብ ታሪኽ ክሳዕ ሕጂ ንዝገዝኡ ዅሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።b—መክ. 8:9።
7. እቶም ሸውዓተ ርእሲ እቲ ኣራዊት በብሓደ ንመን የመልክቱ፧
7 እቶም ሸውዓተ ርእሲ በብሓደ ንመን የመልክቱ፧ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ነዚ ምላሽ ዚኸውን ሓሳብ ንረክብ ኢና። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ምስሊ እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13 ተጠቒሱ ዘሎ ኣራዊት ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ራእይ 17:10 ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ሸውዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፦ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፣ ምስ መጸ ድማ፡ ቍሩብ ኪጸንሕ ይግብኦ እዩ።” ካብ ኵሎም እቶም ሰይጣን እተጠቕመሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ሸውዓተ ኸም “ርእሲ” ጐሊሖም ይርኣዩ እዮም። እዚኣቶም ከኣ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዓብዪ ጽልዋ ዘሕደሩ ናይ ዓለም ሃጸያውያን መንግስትታት እዮም። ብግዜ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ሓሙሽተ ኻብዚኣቶም ድሮ ግዝኣቶም ኣብቂዑ ነይሩ እዩ። ንሳቶም ከኣ፡ ግብጺ፡ ኣሶር፡ ባቢሎን፡ ሜዶንን ፋርስን፡ ግሪኽ እዮም። ዮሃንስ ነቲ ራእይ ኣብ እተቐበለሉ እዋን፡ እቲ ሻድሻይ ሓይሊ ዓለም፡ ማለት ሮሜ ይገዝእ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ እቲ ሻውዓይን ናይ መወዳእታን ሓይሊ ዓለም ወይ ርእሲ መን እዩ ዀይኑ፧
8. እቲ ሻውዓይ ርእሲ እቲ ኣራዊት ንመን የመልክት፧
8 ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዚርከብ ትንቢታት ነቲ ሻውዓይን ናይ መወዳእታን ርእሲ እቲ ኣራዊት ከነለሊ ይሕግዘና እዩ። እሞ ደኣ ኣብዚ “መዓልቲ ጐይታ፡” ማለት ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እንታይ ሓይሊ ዓለም እዩ ዚገዝእ ዘሎ፧ (ራእ. 1:10) ጥምረት ዩናይትድ ኪንግደምን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን፡ ማለት ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ እዩ ዚገዝእ ዘሎ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ራእይ 13:1-4 ተጠቒሱ ኣብ ዘሎ ኣራዊት ዚርከብ ሻውዓይ ርእሲ፡ እዚ ሓይሊ ዓለም እዚ ምዃኑ ኽንድምድም ንኽእል ኢና።
9. እቲ “ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒ” ዘለዎ ኣራዊት ንመን የመልክት፧
9 ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13፡ እቲ ሻውዓይ ርእሲ፡ ማለት ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ብኻልእ ኣራዊት ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኣራዊት እቲ ኸኣ፡ “ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒ . . . ነበሮ፣ ግናኸ፡ ከም ገበል ይዛረብ ነበረ።” ብዘይካዚ ድማ፡ “ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርትታት ይገብር” ተባሂሉሉ ኣሎ። (ራእ. 13:11-15) እዚ ኣራዊት እዚ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 16ን ምዕራፍ 19ን “ናይ ሓሶት ነብዪ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 16:13፣ 19:20) ዳንኤል እውን ተመሳሳሊ ነገር ጠቒሱ እዩ። ብዛዕባ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ “ዜሰቅቕ ጥፍኣት ኬምጽእ እዩ” ኢሉ ገሊጹ እዩ። (ዳን. 8:19, 23, 24፡ እ.ጽ.) ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ልክዕ ከምኡ እዩ ዀይኑ። ነቲ ኣብ ፓሲፊክ ዝነበረ ውግእ ከም ዜብቅዕ ኣብ ምግባር ወሳኒ ግደ ዝነበሮ ክልተ ኣቶማዊ ቦምብ ብናይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ስነ ፍልጠተኛታት እዩ ተሰሪሑ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ‘ሓዊ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ’ ኺብሃል ይከኣል እዩ።
10. “ምስሊ እቲ ኣራዊት” ንመን የመልክት፧ (ራእይ 13:14, 15፣ 17:3, 8, 11)
10 ድሕርዚ፡ ካልእ ኣራዊት ተራእየ። እቲ ኣራዊት እቲ ብዘይካ እቲ ቐይሕ ዝሕብሩ ምዃኑ እተዋህበ መግለጺ፡ ምስቲ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ትርኢቱ ዳርጋ ሕደ እዩ። “ምስሊ እቲ ኣራዊት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ፣ “ሻምናይ” ንጉስ ምዃኑ እውን ተገሊጹ ኣሎ።c (ራእይ 13:14, 15፣ 17:3, 8, 11 ኣንብብ።) እዚ ንጉስ እዚ ኸኣ፡ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚህሉን ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ንረብሓታት ዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ ስርዓታት ዜደንፍዕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ። እዚ ውድብ እዚ፡ ኣብ ፈለማ እተኣሳሰራ መንግስትታት እዩ ዚብሃል ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከም ዘየሎ ዀይኑ። ድሕርዚ ኸኣ፡ ነዚ ናይ ሕጂ መልክዑ ሒዙ ዳግም ተቐልቂሉ።
11. እቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝዀኑ ኣራዊት እንታይ ኬለዓዕሉ እዮም፧ ንሕናኸ ንዓታቶም ክንፈርሆም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
11 እቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝዀኑ ኣራዊት ብፕሮፓጋንዳኦም ገይሮም ኣንጻር የሆዋን ህዝቡን ተቓውሞ ኼለዓዕሉ እዮም። ብምሳልያዊ መገዲ ኸኣ ን“ነገስታት ብዘላ ዓለም” ናብ ውግእ ኣርማጌዶን፡ ማለት “ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኪእክብዎም እዮም። (ራእ. 16:13, 14, 16) ንሕና ግና በዚ ኽንፈርህ የብልናን። እቲ ዓብዪ ኣምላኽና የሆዋ ንዅሎም እቶም ንግዝኣቱ ዚድግፉ ንምድሓን ቅልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ።—ህዝ. 38:21-23።
12. ኵሎም እቶም ኣራዊት እንታይ ኪዀኑ እዮም፧
12 ኵሎም እቶም ኣራዊት እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ራእይ 19:20 ከምዚ ኢላ ትምልሰልና፦ “እቲ ኣራዊት ድማ ተታሕዘ፣ እቲ ነቶም ምልክት እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዘስሓተሉ ትእምርትታት ኣብ ቅድሚኡ ዝገበረ ናይ ሓሶት ነብዪ እውን ምስኡ ተታሕዘ። ብህይወቶም ከለዉ፡ ክልቲኦም ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ተደርበዩ።” ስለዚ፡ እቶም ፖለቲካውያን ጸላእቲ ኣምላኽ እናገዝኡ ኸለዉ ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም።
13. ክርስትያናት ካብ መንግስትታት ዓለም እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧
13 እዚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ንኣምላኽን ንመንግስቱን እሙናት ክንከውን ኣሎና። (ዮሃ. 18:36) ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ገለልተኛታት ክንከውን ኣሎና። ገለልትነት ግና ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ መንግስትታት ዓለም ብቓልን ብግብርን ምሉእ ደገፍ ክንህቦም ይደልዩ እዮም። እቶም በዚ ጸቕጢ እዚ ዚስነፉ ኸኣ ምልክት እቲ ኣራዊት ይቕበሉ እዮም። (ራእ. 13:16, 17) ነቲ ምልክት እቲ ዚቕበል ዘበለ ግና፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ ኺወርድ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ኣይኪረክብን እዩ። (ራእ. 14:9, 10፣ 20:4) ስለዚ፡ ዜጋጥመና ጸቕጢ ብዘየገድስ፡ ነፍሲ ወከፍና ገለልትነትና ብጽኑዕ ኽንሕሉ ኣሎና!
እታ ዓባይ ኣመንዝራ ኣብ መወዳእታ ዜጋጥማ ውርደት
14. ኣብ ራእይ 17:3-5 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ቀጺሉ እንታይ ዜገርም ነገር እዩ ርእዩ፧
14 ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ስዒቡ ዝረኣዮ ነገር ዝፈጠረሉ ስምዒት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣዝየ ተገረምኩ” ኢሉ እዩ። እሞ ደኣ እንታይ እዩ ርእዩ፧ ኣብ ሓደ ኻብዞም ሕሱማት ኣራዊት እተወጥሐት ሰበይቲ እዩ ርእዩ። (ራእ. 17:1, 2, 6) ንሳ ኸኣ “ዓባይ ኣመንዝራ” ተባሂላ ኣላ፣ “ዓባይ ባቢሎን” ዚብል ስም እውን ተዋሂብዋ ኣሎ። ብዛዕባኣ ድማ “ነገስትታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።—ራእይ 17:3-5 ኣንብብ።
15-16. “ዓባይ ባቢሎን” መን እያ፧ እዚኸ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧
15 “ዓባይ ባቢሎን” መን እያ፧ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ምስ ፖለቲካውያን መራሕቲ እዛ ዓለም ከም እትምንዝር ጌርካ ተገሊጻ ስለ ዘላ፡ ፖለቲካዊት ውድብ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። (ራእ. 18:9) መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ነዞም ገዛእቲ ኸም እተወጥሓቶም ጌርካ ተገሊጹ ስለ ዘሎ፡ ክትቈጻጸሮም ትጽዕር እያ። ብተወሳኺ እውን፡ ነቲ ስሱዕ ባእታታት እዚ ናይ ሰይጣን ዓለም ከተመልክት ኣይትኽእልን እያ። ስለምንታይሲ፡ ንሳቶም “ነጋዶ ምድሪ” ተባሂሎም ንበይኖም ተጠቒሶም ኣለዉ።—ራእ. 18:11, 15, 16።
16 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ “ኣመንዝራ” እትብል ቃል፡ ነቶም ንኣምላኽ ነገልግል ኢና እናበሉ ኣብ ሓደ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ዚሳተፉ ወይ ብኻልእ መገዲ ፈተውቲ ዓለም ዚዀኑ ዘበሉ ኸተመልክት ትኽእል እያ። (1 ዜና 5:25፣ ያእ. 4:4) ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዜምልኽዎ ሰባት፡ ‘ንጹሃት’ ወይ “ደናግል” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። (2 ቈረ. 11:2፣ ራእ. 14:4) ጥንታዊት ባቢሎን ማእከል ናይ ሓሶት ኣምልኾ እያ ነይራ። እምበኣር፡ ዓባይ ባቢሎን ንዅሉ ዓይነት ናይ ሓሶት ኣምልኾ እተመልክት ክትከውን ኣለዋ። ከም ሓቂ ንሳ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እያ።—ራእ. 17:5, 18፣ ኣብ jw.org እትርከብ፡ “ዓባይ ባቢሎን እንታይ እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ወብ ርአ።
17. ዓባይ ባቢሎን እንታይ ክትከውን እያ፧
17 ዓባይ ባቢሎን እንታይ ክትከውን እያ፧ ራእይ 17:16, 17 ነዛ ሕቶ እዚኣ በዚ ዚስዕብ ትምልሰልና፦ “እቶም ዝረኣኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬጥፍእዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊ ኺህምኽዋን እዮም። ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩ . . . ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ።” እወ፡ የሆዋ ንኣህዛብ ኬለዓዕሎም እዩ፣ ንሳቶም ከኣ በቲ ቐይሕ ኣራዊት፡ ማለት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ገይሮም ነታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኬጥቅዕዋን ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍእዋን እዮም።—ራእ. 18:21-24።
18. ምስ ዓባይ ባቢሎን ዋላ ሓንቲ ርክብ ከም ዘይብልና ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧
18 እዚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ . . . ንጹህን ዘይረኸሰን ኣምልኾ” ኸነቕርብ ኣሎና። (ያእ. 1:27) በቲ ናይ ዓባይ ባቢሎን ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ኣረማዊ በዓላትን ፍኑው ስነ ምግባራዊ መለክዒታትን መናፍስታዊ ተግባራትን ከቶ ኽንጽሎ ኣይንደልን ኢና! ብተወሳኺ ድማ፡ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይጽምበሩ፡ ብቐጻሊ “ኻብኣ ውጹ” ኢልና ንእውጅ ኢና።—ራእ. 18:4።
ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ጸላኢ ኣምላኽ ዚወርድ ፍርዲ
19. እቲ “ዓብዪ ቐዪሕ ገበል” መን እዩ፧
19 ኣብ መጽሓፍ ራእይ ሓደ “ዓብዪ ቐይሕ ገበል” እውን ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 12:3) እዚ ገበል እዚ ኸኣ ምስ የሱስን መላእኽቱን ይዋጋእ እዩ። (ራእ. 12:7-9) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ይፍኑ፡ ነቲ ንፖለቲካውያን ሓይልታት ዜመልክት ኣራዊት እውን ስልጣን ይህቦ እዩ። (ራእ. 12:17፣ 13:4) እሞ ደኣ እዚ ገበል እዚ መን እዩ፧ ንሱ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል . . . ናይ ጥንቲ ተመን” እዩ። (ራእ. 12:9፣ 20:2) ንዅሎም እቶም ካልኦት ጸላእቲ የሆዋ ዚቈጻጸሮም እውን ንሱ እዩ።
20. እቲ ገበል እንታይ ኪኸውን እዩ፧
20 እቲ ገበል እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ኣብ ራእይ 20:1-3፡ ሓደ መልኣኽ ንሰይጣን ናብ መዓሙቝ ከም ዚድርብዮ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ድማ ከም ዚእሰር የመልክት። ሰይጣን ናብቲ ማእሰርቲ እቲ ዚድርበ ኸኣ፡ “እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም” ተባሂሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ሓንሳእን ንሓዋሩን ኪድምሰሱ እዮም፣ እዚ ድማ ናብ “ቀላይ ሓውን ዲንን” ከም ዚድርበዩ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 20:10) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዘይህልዉላ ዓለም እሞ ብኣእምሮኻ ስኣላ። እቲ ግዜ እቲ ዜደንቕ ኪኸውን እዩ!
21. ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘንበብናዮ ነገራት ሕጉሳት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧
21 ትርጉም እዚ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተመዝጊቡ ዘሎ ምልክታት ክንርዳእ ምኽኣልና፡ ኣዝዩ ዜተባብዕ እዩ። መንነት ጸላእቲ ኣምላኽ ኣብ ርእሲ ምፍላጥና፡ እንታይ ከም ዚዀኑ እውን ክንርኢ ኽኢልና ኢና። እወ፡ “እቲ ንቓል እዚ ትንቢት እዚ ዓው ኢሉ ዜንብቦን እቶም ዚሰምዕዎን . . . ሕጉሳት እዮም።” (ራእ. 1:3) ጸላእቲ ኣምላኽ ምስ ተወገዱ ግና፡ እሙናት ደቂ ሰብ እንታይ በረኸት እዮም ኪረኽቡ፧ ብዛዕባ እዚ ኣብታ ናይ መወዳእታ ኽፋል እዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ክንርኢ ኢና።
መዝሙር 23 የሆዋ ኺገዝእ ጀሚሩ
a መጽሓፍ ራእይ ንጸላእቲ ኣምላኽ ብምልክታት ገይራ እያ እትገልጾም። መጽሓፍ ዳንኤል ከኣ እቲ ምልክታት ንመነመን ከም ዜመልክት ክንርዳእ ትሕግዘና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገሊኡ ኣብ ዳንኤል ዚርከብ ትንቢታት ምስቲ ኣብ ራእይ ዚርከብ ተመሳሳሊ ትንቢታት ከነነጻጽሮ ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ መንነት ጸላእቲ ኣምላኽ ከነለሊ ኢና። ድሕሪኡ፡ እንታይ ከም ዚዀኑ ኽንርኢ ኢና።
b እቲ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ንዅሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ከም ዜመልክት ዚሕብር ካልእ ነገር ከኣ፡ “ዓሰርተ ቐርኒ” ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ቍጽሪ ዓሰርተ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእነት እዩ ዜመልክት።
c እዚ ምስሊ እዚ ዘይከምቲ ቐዳማይ ኣራዊት ኣብ ኣቕርንቱ “ዘውዲ” የብሉን። (ራእ. 13:1) ከምኡ ዝዀነ ኸኣ፡ “ካብቶም ሸውዓተ” ኻልኦት ነገስታት ስለ “ዚወጽእ፡” ስልጣኑ እውን ካባታቶም ስለ ዚረኽቦ እዩ።—ኣብ jw.org፡ “እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ተጠቒሱ ዘሎ ቐይሕ ኣራዊት እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ወብ ርአ።