ራእይ
ዓሰርተ ቐርንን ሸውዓተ ርእስን፡ ኣብ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብ ኣራእሱ እውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት+ ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ረኣኹ።+ 2 እቲ ዝረኣኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ ይመስል፡ ኣእጋሩ ግና ከም ናይ ድቢ፡ ኣፉ እውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል+ ድማ ነቲ ኣራዊት ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሃቦ።+
3 ሓደ ኻብቶም ኣራእሱ ኸኣ ናብ ሞት ዜብጽሕ ቍስሊ ነበሮ፣ እቲ ናብ ሞት ዜብጽሕ ቍስሉ ግና ሓወየ፣+ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት። 4 ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ ኸኣ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፣ ነቲ ኣራዊት እውን፡ “ነዚ ኣራዊት እዚ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧” እናበሉ ሰገዱሉ። 5 ዓብዪ ነገራትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፣ ብ42 ወርሒ ኺገብር እውን ስልጣን ተዋህቦ።+ 6 ንኣምላኽ ኪጸርፍ፡+ ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ+ እውን ኪጸርፍ ኣፉ ኸፈተ። 7 ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተፈቕደሉ፣+ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገድን ህዝብን ቋንቋን ኣህዛብን ድማ ስልጣን ተዋህቦ። 8 ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኸኣ ኪሰግዱሉ እዮም። ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ፡ ናይ ሓዲኦም ስም እኳ ኣብታ ናይቲ እተሓርደ ገንሸል*+ ዝዀነት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት ኣይተጻሕፈን።+
9 እዝኒ ዘለዎ እንተሎ፡ ይስማዕ።+ 10 ዚማረኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ኪኸይድ እዩ። ብሰይፊ ዚቐትል* እንተሎ፡ ብሰይፊ ኪቕተል ኣለዎ።+ ተጻዋርነትን+ እምነትን+ እቶም ቅዱሳት+ ኣብዚ እዩ።
11 ካልእ ኣራዊት እውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ረኣኹ፣ ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒ እውን ነበሮ፣ ግናኸ፡ ከም ገበል ይዛረብ ነበረ።+ 12 ብዅሉ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት+ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ዀይኑ ይገብር። ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከኣ ነቲ ናብ ሞት ዜብጽሕ ቍስሉ ዝሓወየሉ+ ቐዳማይ ኣራዊት ከም ዚሰግዱሉ ይገብር። 13 ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርትታት ይገብር።
14 ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ድማ፡ ነቲ ብሰይፊ እተወቕዐ፡ ግናኸ ዝሓወየ ኣራዊት፡+ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡+ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተፈቕደሉ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም። 15 ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን ንዅሎም እቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰግዱ ዘበሉ ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ፡ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ* ኪህብ ተፈቕደሉ።
16 ንዅሎም ድማ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን፡ ንሃብታማትን ንድኻታትን፡ ንጭዋታትን ንባሮትን፡ ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ምልክት ኪቕበሉ ገደዶም፣+ 17 እቲ ምልክት፡—ስም+ እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ፡+—ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ ድማ፡ ሓደ እኳ ኺዕድግ ወይ ኪሸይጥ ከም ዘይክእል ይገብር። 18 ጥበብ ኣብዚ እያ፦ ቍጽሪ እቲ ኣራዊት፡ ቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ልቦና ዘለዎ ይጸብጽቦ፣ ቍጽሩ ኸኣ 666 እዩ።+