ምዕራፍ 24
“ኣጆኻ!”
ጳውሎስ ካብቲ ኪቐትልዎ ኢሎም ዝኣለምዎ ውዲት ኣምለጠ፡ ኣብ ቅድሚ ፌሊክስ ከኣ ብዛዕባ ርእሱ ተማጐተ
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 23:11–24:27 እተመስረተ
1, 2. ጳውሎስ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘጋጠሞ መስጐጕቲ ተጸብይዎ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ የሩሳሌም፡ ወተሃደራት ንጳውሎስ ካብ ቍጡዓት ህዝቢ መንጢሎም ወሰድዎ፣ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ድማ ኣእተውዎ። እቲ ብቕንኣት ዚዓዪ ሃዋርያ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዜጋጥሞ መስጐጕቲ ተጸብይዎ ነይሩ እዩ። ኣብታ ኸተማ “ማእሰርትን ጸበባን” ከም ዚጽበዮ ተነጊርዎ ነይሩ እዩ። (ግብ. 20:22, 23) ድሕሪኡ እንታይ ከም ዜጋጥሞ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ምእንቲ ስም የሱስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚረክብ ግና ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ግብ. 9:16።
2 ክርስትያን ነብያት እውን ከይተረፉ ንጳውሎስ፡ ተኣሲሩ “ናብ ኢድ ኣህዛብ” ኣሕሊፍካ ኸም ዚውሃብ ኣጠንቂቖምዎ ነይሮም እዮም። (ግብ. 21:4, 10, 11) ኣቐድም ኣቢሎም ኣይሁድ ኪቐትልዎ ፈቲኖም ነይሮም እዮም፣ ቀጺሉ ድማ፡ ኣባላት እቲ ዋዕላ ንሓድሕዶም ኪከራኸሩ ኸለዉ፡ “ከይሰላልዕዎ” ዜፍርህ እዩ ነይሩ። ድሕርዚ፡ እቲ ሃዋርያ በቶም ወተሃደራት ሮሜ ተኣስረ፡ ገና እውን ብዙሕ ክስታት ቀሪቡሉ ነበረ። (ግብ. 21:31፣ 23:10) ብሓቂ እምበኣር፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ መተባብዒ የድልዮ ነይሩ እዩ።
3. ዕዮ ስብከትና ንምቕጻል መተባብዒ እንረክብ ካበይ ኢና፧
3 ኣብዚ ግዜ መወዳእታ፡ “ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ” ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። (2 ጢሞ. 3:12) ዕዮ ስብከትና ንምቕጻል፡ በብግዜኡ መተባብዒ የድልየና እዩ። “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ብዜዳልዎ ጽሑፋትን ኣኼባታትን ኣቢሉ ንዚውሃበና ዜበራትዕ ቃላት፡ ኣዚና ኢና እነማስወሉ። (ማቴ. 24:45) ጸላእቲ እቲ ብስራት ከም ዘይዕወቱ፡ የሆዋ ኣረጋጊጹልና እዩ። ንኣገልገልቱ ብደረጃ ጕጅለ ኼጥፍእዎም ኰነ ንዕዮ ስብከት ደው ኬብልዎ ኣይክእሉን እዮም። (ኢሳ. 54:17፣ ኤር. 1:19) ንሃዋርያ ጳውሎስከ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ ምጽራር እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ብቐጻሊ ኣጸቢቑ ንምምስካር መተባብዒ ረኺቡዶ፧ እንተ ረኺቡ፡ እንታይ መተባብዒ እዩ ተዋሂብዎ፧ ንሱኸ እንታይ እዩ ገይሩ፧
“ውዲት ገይሮም ብመርገም ተመሓሓሉ፡” ግናኸ ፈሸለ (ግብሪ ሃዋርያት 23:11-34)
4, 5. ንጳውሎስ እንታይ መተባብዒ እዩ እተዋህቦ፧ እዚ ኣብ ግዜኡ ተዋሂብዎ ኺብሃል ዚከኣልከ ስለምንታይ እዩ፧
4 ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ዋዕላ ብህይወት ምስ ወጸ፡ በታ ድሕሪኣ ዝነበረት ለይቲ መተባብዒ ተዋህቦ። እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ጐይታ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፡ ‘ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ኣጸቢቕካ ዝመስከርካ፡ ኣብ ሮሜ እውን ከምኡ ኽትምስክር ኣሎካ እሞ፡ ኣጆኻ!’ በሎ።” (ግብ. 23:11) የሱስ በዘን ዜተባብዓ ቓላት ገይሩ ንጳውሎስ ከም ዜናግፎ ኣረጋገጸሉ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኽሳዕ ዚበጽሕ ብህይወት ከም ዚጸንሕን ኣብኡ ድማ ንየሱስ ከም ዚምስክረሉን ፈለጠ።
5 እቲ ንጳውሎስ እተዋህቦ መተባብዒ ኣብ ግዜኡ እዩ ተዋሂብዎ። ንጽብሒቱ፡ ልዕሊ 40 ኣይሁድ፡ “ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ውዲት ገይሮም ብመርገም ተመሓሓሉ።” እቲ እተመሓሓልዎ ማሕላ፡ ንምቕታሉ ኽሳዕ ክንደይ ቈሪጾም ከም ዝነበሩ እዩ ዜርኢ። ነቲ ውዲቶም ኪፍጽምዎ እንተ ዘይክኢሎም፡ መርገም ከም ዚወርዶም እዮም ኣሚኖም። (ግብ. 23:12-15) ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ነቲ ውዲት ተቐቢሎምዎ ነይሮም እዮም። እቲ ውዲት ከኣ ንሳቶም ንጳውሎስ ተወሳኺ ሕቶታት ከም ዚሓትቱ መሲሎም ናብቲ ዋዕላ ኺመጸሎም ኪሓትቱ እሞ፡ ኣብ መገዲ ኸኣ እቶም እተመሓሓሉ ሰብኡት ሓደጋ ወዲቖም ንጳውሎስ ኪቐትልዎ እዩ ነይሩ።
6. ንጳውሎስ ንምቕታል እተኣልመ ውዲት እተቓልዐ ብኸመይ እዩ፧ መንእሰያትከ ኻብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ኣብነት እዮም ዚረኽቡ፧
6 ይኹን እምበር፡ ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ነዚ ውዲቶም ሰሚዑ፡ ንጳውሎስ ነገሮ። ጳውሎስ ድማ፡ እቲ ጐበዝ ነቲ ሮማዊ ሓለቓ ሽሕ ዝነበረ ቅላውዴዎስ ሊስያስ ከም ዚነገሮ ገበረ። (ግብ. 23:16-22) የሆዋ ነቶም ከም ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ዝኣመሰሉ ንድሕንነት ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ናይ ርእሶም ኣብሊጾም ዚርእዩ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ከኣ ብተኣማንነት ዚከኣሎም ዘበለ ዚገብሩ መንእሰያት ከም ዜፍቅሮም ኣየጠራጥርን እዩ።
7, 8. ቅላውዴዎስ ሊስያስ ንጳውሎስ ብደሓን ምእንቲ ኼብጽሖ ኢሉ እንታይ እዩ ገይሩ፧
7 እቲ ኣብ ትሕቲኡ 1,000 ወተሃደራት ዝነበርዎ ቅላውዴዎስ ሊስያስ ንጳውሎስ ውዲት ከም ዝኣለሙሉ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ 470 ወተሃደራትን ሰብ ኲናትን ፈረሰኛታትን ንጳውሎስ ሒዞም ካብ የሩሳሌም ብለይቲ ናብ ቂሳርያ ኬብጽሕዎ ኣዘዘ። ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ናብ ፌሊክስ እቲ ሹም ብደሓኑ ኼረክብዎ ነበሮም።a እታ ብግዜ ግዝኣት ሮሜ ርእሲ ኸተማ ይሁዳ ዝነበረት ቂሳርያ፡ ሓያሎ ኣይሁድ እኳ እንተ ነበርዋ፡ መብዛሕትኦም ተቐማጦኣ ግና ኣህዛብ እዮም ነይሮም። እቲ ኣብኣ ዝነበረ ስርዓት፡ ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ሃይማኖታዊ ጽልእን ናዕብን ዝሰፈኖ ዅነታት ይሓይሽ ነበረ። ቂሳርያ ማእከል እቲ ኣብ ይሁዳ ሰፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ሮሜ እውን እያ ነይራ።
8 ሊስያስ ብመሰረት ሕጊ ሮሜ፡ ንፌሊክስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዚገልጽ ደብዳበ ለኣኸሉ። ኣብታ ደብዳበኡ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ “ኪቐትልዎ” ኸም ዝደለዩ፡ ንሱ ግና ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ኸም ዘናገፎ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ንጳውሎስ “ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ” ገበን ከም ዘይረኸበሉ፡ ግናኸ ውዲት ምስ ኣለሙሉ፡ እቶም ከሰስቲ ጕዳዮም ኣብ ቅድሚ ፌሊክስ ምእንቲ ኬቕርቡን ኣብኡ ፍርዲ ምእንቲ ኺውሃብን ኢሉ፡ ናብኡ ኸም ዘመሓላለፎ ሓበረ።—ግብ. 23:25-30።
9. (ሀ) ጳውሎስ ከም ሮማዊ መጠን ዝነበሮ መሰላት እተጋህሰ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ከም ዜጋታት ሓንቲ ሃገር መጠን ዘሎና መሰላት ክንጥቀመሉ ዜድልየና ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
9 እቲ ሊስያስ ዝጸሓፎ ነገር ሓቂ ድዩ ነይሩ፧ ብእተወሰነ ኣይነበረን። ኪፍቶ ዚፍትን ዝነበረ እዩ ዚመስል። ንጳውሎስ ዘናገፎ፡ ሮማዊ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ “ብኽልተ ሰንሰለት ኪእሰር፡” ጸኒሑ ኸኣ “ብመግረፍቲ ኺምርመር” ከም ዝኣዘዘ ኣይጠቐሰን። (ግብ. 21:30-34፣ 22:24-29) በዚ ኸምዚ፡ ሊስያስ ነቲ ጳውሎስ ከም ሮማዊ መጠን ዝነበሮ መሰላት ግሂሱ ነይሩ እዩ። ኣብዚ ግዜና፡ ሰይጣን ብሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ገይሩ መስጐጕቲ የጐሃህር እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሰብኣዊ መሰላትና ይገሃስ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ህዝቢ ኣምላኽ ከምቲ ጳውሎስ ዝገበሮ፡ ብዙሕ ግዜ ነቲ ኸም ዜጋታት ሓንቲ ሃገር መጠን እተዋህቦም መሰላት ኪጥቀሙሉን ካብቲ ሕጊ ዕቝባ ኺረኽቡን ይኽእሉ እዮም።
“ንርእሰይ ተሓጒሰ እማጐተላ ኣለኹ” (ግብሪ ሃዋርያት 23:35–24:21)
10. ጳውሎስ ብምንታይ ከቢድ ክስታት እዩ ተኸሲሱ፧
10 ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ምስ በጽሐ፡ ከሰስቱ ኻብ የሩሳሌም ክሳዕ ዚመጹ፡ “ኣብ ቤተ መንግስቲ ሄሮድስ” ይሕሎ ነበረ። (ግብ. 23:35) ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ሃናንያ እቲ ሊቀ ኻህናትን ጠርጠሎስ ዚብሃል ክኢላ ተዛራብን ብዙሓት ዓበይትን ናብ ቂሳርያ ወረዱ። ፈለማ፡ ጠርጠሎስ ንፌሊክስ፡ ስለቲ ንኣይሁድ ዝገበረሎም ነገር ወደሶ፣ ከምዚ ዝገበረ ኸኣ ንዕኡ ሽሒሩ፡ ሞገስ ኪረክብ ስለ ዝደለየ ኪኸውን ኣለዎ።b ድሕሪኡ፡ ጕዳዩ ኬቕርብ ከሎ፡ ብዛዕባ ጳውሎስ፡ “ንሕና ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ብዓለሙ ዘለዉ ኣይሁድ መትከርን መናዓብን መራሒ ኑፋቐ ናዝሬታውያንን ኰይኑ ረኺብናዮ፣ ቤተ መቕደስ ኬርክስ ምስ ፈተነ እውን ሒዝናዮ” ኢሉ ተዛረበ። እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ እውን፡ “ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እቲ ነገር ከምኡ ምዃኑ ገለጹ።” (ግብ. 24:5, 6, 9) መናዓቢ፡ መራሒ ሓደገኛ ኑፋቐን፡ ንቤተ መቕደስ ዘርከሰ ዚብል ክስታት፡ ብሞት ኬቕጽዕ ዚኽእል ከቢድ ክስታት እዩ ነይሩ።
11, 12. ጳውሎስ ነቲ ዝቐረበሉ ኽስታት ከም ዘይወዓሎ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧
11 ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ኪዛረብ ተፈቕደሉ። “ንርእሰይ ተሓጒሰ እማጐተላ ኣለኹ” ኢሉ ድማ ዘረባኡ ጀመረ። ንዝቐረበሉ ኽስታት፡ ከም ዘይወዓሎ ገለጸ። ንቤተ መቕደስ ኣየርከሰን፡ ናዕቢ ኼለዓዕል እውን ኣይፈተነን። ከም ሓቂ፡ “ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት” ናብ የሩሳሌም፡ “ምጽዋት፡” ማለት ነቶም ብጥሜትን መስጐጕትን ዝደኸዩ ክርስትያናት እተዋጽአ ገንዘብ፡ ኬብጽሕ ከም ዝመጸ ገለጸ። ናብ ቤተ መቕደስ ቅድሚ ምእታዉ ኸም ‘ዝነጽሀን’ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽሩይ ሕልና” ኺህልዎ ኸም ዝጸዓረን ሓበረ።—ግብ. 24:10-13, 16-18።
12 ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ንኣምላኽ ኣቦታቱ፡ “በታ ንሳቶም ኑፋቐ ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ” ገይሩ ኸም ዜምልኾ ተኣመነ። ምስናይዚ ግና፡ “ንዅሉ እቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጻሒፉ ዘሎ” ኸም ዚኣምነሉ ገለጸ። ከምቲ ኸሰስቱ ዚኣምኑሉ ድማ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ከም ዚጽበ ሓበረ። ኣስዕብ ኣቢሉ ንኸሰስቱ፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ደው ኢለ ኸለኹ፡ ገለ በደል እንተ ረኺቦምለይ ይዛረቡ፣ ብዘይካ እታ ኣብ መንጎኦም ደው ኢለ ብዓውታ፡ ‘ሎሚ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ!’ ዝበልክዋ ሓንቲ ነገር፡ ካልእ ኣይረኽቡለይን እዮም” ብምባል ኪረትዕዎ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ሕቶ ኣቕረበሎም።—ግብ. 24:14, 15, 20, 21።
13-15. ኣብ ቅድሚ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ብትብዓት ብምምስካር ዝመጸ፡ ጳውሎስ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀነና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
13 ብምኽንያት ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን እንተ ቐሪብና፡ መናዓብቲ ወይ “ሓደገኛታት መናፍቓን” ተባሂልና ድማ እንተ ተኸሲስና፡ እንታይ ክንገብር ከም ዚግባእ፡ ጳውሎስ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ጳውሎስ ከምቲ ጠርጠሎስ ዝገበሮ፡ ነቲ ሹም ኣይሸሓሮን። የግዳስ፡ ብህድኣትን ብኣኽብሮትን ተዛረበ። ብሜላ ንጹርን ሓቀኛን ምስክርነቱ ሃበ። እቶም ንቤተ መቕደስ ከም ዘርከሰ ዝኸሰስዎ “ኻብ ኣውራጃ እስያ ዝመጹ ገለ ኣይሁድ፡” ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኸም ዘይቀረቡ፡ ብሕጋዊ ኣሰራርሓ ድማ ኣብኡ ቐሪቦም ኪኸስዎ ኸም ዚግባእ ጠቐሰ።—ግብ. 24:18, 19።
14 ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እምነቱ ምስክርነት ካብ ምሃብ ድሕር ኣይበለን። ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ቐሪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ትንሳኤ ኸም ዚኣምን ምስ ገለጸ ብዙሕ ጫውጫው ኰይኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዚ ዚኣምነሉ ነገር እንደገና ብትብዓት ገለጸ። (ግብ. 23:6-10) ኣብቲ መጐተኡ፡ ንተስፋ ትንሳኤ ኣጕልሐ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ የሱስን ትንሳኤኡን እዩ ዚምስክር ነይሩ፣ ነዚ ኸኣ እቶም ተጻረርቱ ኣይቅበልዎን እዮም ነይሮም። (ግብ. 26:6-8, 22, 23) እወ፡ ቀንዲ መከራኸሪ ዀይኑ ዝነበረ ነገር፡ ጕዳይ ትንሳኤ፡ ምናዳ ኸኣ ኣብ የሱስን ኣብ ትንሳኤኡን ዘተኰረ ጕዳይ እዩ ነይሩ።
15 ንሕና እውን ከም ጳውሎስ፡ ካብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ” ኢሉ ዝነገሮም ነገር ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም እንብል ክንጭነቕ ይግባእዶ፧ የሱስ፡ “ኣሕሊፎም ንምሃብ ኪወስዱኹም ከለዉ ድማ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፣ መንፈስ ቅዱስ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ በታ ሰዓት እቲኣ እተዋህበኩም ዘበለ ተዛረቡ” ኢሉ መረጋገጺ ስለ ዝሃበና፡ ዜጨንቕ የብልናን።—ማር. 13:9-13።
“ፌሊክስ ፈሪሁ” (ግብሪ ሃዋርያት 24:22-27)
16, 17. (ሀ) ፌሊክስ ንጕዳይ ጳውሎስ ብኸመይ እዩ ሒዝዎ፧ (ለ) ፌሊክስ ዝፈርሀ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ስለምንታይ ግና እዩ ንጳውሎስ ለልኢኹ ዜምጽኦ ዝነበረ፧
16 ፌሊክስ እቲ ሹም ብዛዕባ እምነት ክርስትና ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ፌሊክስ ብዛዕባ እዛ መገዲ እዚኣ [ንክርስትና ንምግላጽ ዚዝውተር ዝነበረ መጸውዒ] ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ግና፡ ‘ሊስያስ እቲ ሓለቓ ሽሕ ምስ ወረደ፡ ብዛዕባ ነገርኩም ክውስን እየ’ ኢሉ ነቲ ነገር ወዘፎ። ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንጳውሎስ ኪሕልዎ፡ እተወሰነ ናጽነት ድማ ኪህቦ፡ ካብ ሰቡ ኼገልግሎ ንዚደሊ እውን ኪፈቕደሉ ኣዘዞ።”—ግብ. 24:22, 23።
17 ድሕሪ እተወሰነ መዓልቲ፡ ፌሊክስ ምስታ ኣይሁዳዊት ዝዀነት ድሩሲላ ዝስማ ሰበይቱ ዀይኑ፡ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ፡ “ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባ ምእማን፡ ካብኡ ሰምዐ።” (ግብ. 24:24) ጳውሎስ “ብዛዕባ ጽድቅን ርእሰ ግትኣትን እቲ ዚመጽእ ፍርድን ምስ ተዛረቦ ግና፡ ፌሊክስ ፈሪሁ” እዩ፣ ዝፈርሃሉ ምኽንያት ከኣ እከይ ይገብር ብምንባሩ፡ እቲ ዝሰምዖ ነገር ንሕልናኡ ስለ ዝረበሾ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ንሕጂ ኺድ፣ ዚጥዕመኒ ግዜ ምስ ረኸብኩ፡ ከም ብሓድሽ ክትመጸኒ ኽልእከልካ እየ” ኢሉ ንጳውሎስ መለሶ። ድሕሪኡ፡ ፌሊክስ ካብ ጳውሎስ ሓቂ ኺፍለጥ ደልዩ ዘይኰነስ፡ ጉቦ ኺረክብ ተስፋ ገይሩ ብዙሕ ሳዕ ለልኢኹ የምጽኦ ነይሩ እዩ።—ግብ. 24:25, 26።
18. ጳውሎስ ንፌሊክስን ንሰበይቱን “ብዛዕባ ጽድቅን ርእሰ ግትኣትን እቲ ዚመጽእ ፍርድን” ዝነገሮም ስለምንታይ እዩ፧
18 ጳውሎስ ንፌሊክስን ንሰበይቱን “ብዛዕባ ጽድቅን ርእሰ ግትኣትን እቲ ዚመጽእ ፍርድን” ዝነገሮም ስለምንታይ እዩ፧ ፌሊክስን ሰበይቱን “ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባ ምእማን” ኪፈልጡ ይደልዩ ነይሮም እዮም። ጳውሎስ ከኣ ነቲ ርኽሰቶምን ጭካነኦምን ግፍዖምን ይፈልጦ ስለ ዝነበረ፡ ሰዓቢ የሱስ ምዃን እንታይ ከም ዚሓትት ኣነጸረሎም። በቲ ዘረባኡ ኣቢሉ እውን ኣብ መንጎ እቲ ንጽድቂ ዚምልከት ስርዓታት ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ፌሊክስን ሰበይቱን ዚስዕብዎ ዓይነት ህይወትን ዘሎ ዓብዪ ፍልልይ ገለጸሎም። ፌሊክስን ሰበይቱን፡ ኵሎም ሰባት በቲ ዚሓስብዎን ዚዛረብዎን ዚገብርዎን ነገራት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ምዃኖም፡ ካብቲ ጳውሎስ ዚፍረዶ ፍርዲ ንላዕሊ ኸኣ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚፍረድዎ ፍርዲ ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ኺግንዘቡ ምተገብኦም ነይሩ። ፌሊክስ ‘ምፍራሁ’ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
19, 20. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎት፡ ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዎም ዚመስሉ ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩ ሰባት እንተ ኣጓኒፎምና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ፌሊክስ ንጳውሎስ ግዲ ኸም ዘይነበሮ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧
19 ኣብ ኣገልግሎት፡ ከም ፌሊክስ ዝኣመሰሉ ሰባት የጓንፉና እዮም። ፈለማ፡ ንሓቂ ተገዳስነት ዘለዎም ዚመስሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩ ሰባት እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ክንጥንቀቐሎም ኣሎና። እንተዀነ ግና፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝገበሮ፡ ንጽድቂ ዚምልከት ስርዓታት ኣምላኽ ብሜላ ኽንነግሮም ንኽእል ኢና። ምናልባት ሓቂ ንልቦም ይትንክፎ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ሓጥእ መገዶም ከም ዘይምለሱ ንጹር እንተ ዀይኑ፡ ንዓታቶም ሓዲግና ነቶም ካብ ልቦም ንሓቂ ዚደልዩ ኸነናዲ ይግባእ።
20 ፌሊክስ ብሓቂ እንታይ ዓይነት ልቢ ኸም ዝነበሮ፡ ቀጺሉ ተገሊጹልና ኣሎ፦ “ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ፌሊክስ ብጶርቅዮስ ፌስጦስ ተተክአ፣ ፌሊክስ ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ስለ ዝደለየ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።” (ግብ. 24:27) ፌሊክስ ብዛዕባ ጳውሎስ ግዲ ኣይነበሮን። ሰዓብቲ እታ “መገዲ፡” መናዓብቲ ወይ መንግስቲ ኺግልብጡ ዚደልዩ ሰባት ከም ዘይነበሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ግብ. 19:23) ጳውሎስ ዋላ ሓንቲ ሕጊ ሮሜ ኸም ዘየፍረሰ እውን፡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ “ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ስለ ዝደለየ፡” ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።
21. ጶርቅዮስ ፌስጦስ ምስ ተሸመ፡ ንጳውሎስ እንታይ ኣጓነፎ፧ ጳውሎስከ ኻበይ እዩ ብርታዐ ዚረክብ ነይሩ፧
21 ኣብታ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 24 ዘላ ናይ መወዳእታ ፍቕዲ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ኣብ ክንዲ ፌሊክስ ኪሽየም ከሎ፡ ጳውሎስ ገና እሱር እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ካብቲ ሓደ ብዓል ስልጣን ናብቲ ኻልእ ተሰጋገረ፣ ከም ብሓድሽ ከኣ ጕዳዩ ኺስማዕ ጀመረ። እዚ ተባዕ ሃዋርያ እዚ፡ ብሓቂ “ናብ ነገስታትን ሹማምንትን” በጺሑ እዩ። (ሉቃ. 21:12) ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ገዛኢ እውን መስኪሩሉ እዩ። እዚ ዅሉ ኼሕልፍ ከሎ፡ ካብ እምነቱ ፈልከት ኣይበለን። ካብቲ የሱስ “ኣጆኻ” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ፡ ብርታዐ ይረክብ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ!
a “ፌሊክስ—ሹም ይሁዳ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
b ጠርጠሎስ ንፌሊክስ፡ ኣብቲ ህዝቢ “ብዙሕ ሰላም” ከም ዘምጽአ ገይሩ ኣመስገኖ። ይኹን እምበር፡ ክሳዕ እቲ ኣይሁድ ካብ ሮሜ ዝዓለዉሉ እዋን ምስ እንርኢ፡ እቲ ፌሊክስ ኣብ ይሁዳ ሹም ዝነበረሉ እዋን ምስ ናይ ካልእ ምምሕዳራት ኪወዳደር ከሎ ብዙሕ ሰላም ኣይነበሮን። ብዘይካዚ፡ ጠርጠሎስ ነቲ ኣይሁድ ብዛዕባ እቲ ፌሊክስ ዝገበሮ ለውጥታት ዚስምዖም ስምዒት ኣመልኪቱ፡ “ብዙሕ ምስጋና” ኸም ዘለዎም ምዝራቡ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ነይሩ። ከም ሓቂ ግና፡ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ፌሊክስ ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ብምንባሮምን ንዘለዓዓልዎ ናዕቢ ብሓይሊ ብምጭፍላቑን፡ ይጸልእዎ እዮም ነይሮም።—ግብ. 24:2, 3።