-
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
ትምህርቲ 31
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
ቀንዲ ፍረ ነገር እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተኣሳሰረ እዩ። የሆዋ በታ መንግስቲ እቲኣ ኣቢሉ እቲ ንምድሪ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ኺፍጽም እዩ። እሞ ደኣ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ትገዝእ ከም ዘላኸ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ገይራ ኣላ፧ ኣብ መጻኢኸ እንታይ ክትገብር እያ፧ ኣብዚ ትምህርቲ እዝን ኣብ ዚቕጽል ክልተ ትምህርትታትን፡ እዚ ሕቶታት እዚ ኺምለስ እዩ።
1. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ንጉሳኸ መን እዩ፧
መንግስቲ ኣምላኽ ብየሆዋ ኣምላኽ ዝቘመት መንግስቲ እያ። ንጉሳ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ሰማይ ኰይኑ እዩ ዚገዝእ። (ማቴዎስ 4:17፣ ዮሃንስ 18:36) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ” ይብል። (ሉቃስ 1:32, 33) የሱስ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪገዝእ እዩ።
2. ምስ የሱስ ኰይኖም ዚገዝኡ መን እዮም፧
የሱስ በይኑ ኣይኰነን ዚገዝእ። “ካብ ብዘሎ ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኣህዛብን . . . ኣብ ልዕሊ ምድሪ . . . ኺነግሱ እዮም።” (ራእይ 5:9, 10) እሞ ደኣ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ዚገዝኡ ሰባት ክንደይ እዮም፧ የሱስ ናብ ምድሪ ኻብ ዚመጽእ ኣትሒዙ፡ ሚልዮናት ክርስትያናት ሰዓብቱ ዀይኖም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ካባታቶም 144,000 ጥራይ እዮም ምስ የሱስ ኰይኖም ንምግዛእ ናብ ሰማይ ዚኸዱ። (ራእይ 14:1-4 ኣንብብ።) ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚተርፉ ክርስትያናት ተገዛእቲ እታ መንግስቲ እዮም ዚዀኑ።—መዝሙር 37:29።
3. መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት እትበልጽ ብኸመይ እያ፧
ሰብኣውያን ገዛእቲ ጽቡቕ ኪገብሩ ኣብ ዚፍትኑሉ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ዝደለይዎ ዅሉ ንምግባር ዓቕሚ የብሎምን። ውዒሎም ሓዲሮም እውን፡ ንተገዛእቶም ዘይሓልዩ ኻልኦት ገዛእቲ ንዓታቶም ይትክእዎም እዮም። እቲ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ግና፡ ብኻልእ ኣይትካእን እዩ። ኣምላኽ፡ “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ” ኣቚሙ ኣሎ። (ዳንኤል 2:44) የሱስ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ኺገዝእ እዩ፣ ኣድልዎ ድማ የብሉን። ፈቃርን ለዋህን ፍትሓውን እዩ፣ ንሰባት ድማ ኣብ መንጎኦም ፍቕርን ለውሃትን ፍትሕን ኬስፍኑ ኺምህሮም እዩ።—ኢሳይያስ 11:9 ኣንብብ።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ኵለን ሰብኣውያን መንግስትታት ስለምንታይ ከም እትበልጽ ርአ።
4. ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ሓያል መንግስቲ ኽትገዝእ እያ
የሱስ ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ካብ ዘለዉ ዅሎም ገዛእቲ ንላዕሊ ስልጣን ኣለዎ። ማቴዎስ 28:18 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ስልጣን የሱስ ካብ ናይ ዝዀነ ሰብኣዊ ገዛኢ ዚበልጽ ብኸመይ እዩ፧
ሰብኣውያን መንግስትታት ብዙሕ ሳዕ ይቀያየራ እየን፣ ነፍሲ ወከፍ ገዛኢ እውን እተወሰነ ኽፋል ምድሪ እዩ ዚገዝእ። መንግስቲ ኣምላኽ ግና ከመይ እያ፧ ዳንኤል 7:14 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
መንግስቲ ኣምላኽ ‘ዘይትጠፍእ’ ምዃና ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ እትገዝእ ምዃና ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
5. ሰብኣዊ ግዝኣት ኪትካእ ኣለዎ
መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ክትትክአን ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሰብኣዊ ግዝኣት እንታይ ፍረ እዩ ኣፍርዩ፧
መክብብ 8:9 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ክትትክአን ዘለዋዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
6. መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንዓና ዚርድኡና ገዛእቲ ኣለውዋ
ንጉስና የሱስ፡ ሰብ ኰይኑ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ይኽእል እዩ። (እብራውያን 4:15) እቶም ምስ የሱስ ዚገዝኡ 144,000 እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ፡ የሆዋ “ኻብ ብዘሎ ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኣህዛብን” ዝሓረዮም እዮም።—ራእይ 5:9።
የሱስን ኵሎም እቶም መጋዝእቱን ንናብራ ሰብ ዚፈልጥዎ ምዃኖምሲ የጸናንዓካዶ፧ ስለምንታይ፧
7. መንግስቲ ኣምላኽ ብሉጽ ሕግታት ኣለዋ
መንግስትታት ንዜጋታተን ዚጠቅምን ዜዕቍብን ዚብላኦ ሕግታት የውጽኣ እየን። መንግስቲ ኣምላኽ እውን ዜጋታታ ኺሕልውዎ ዘለዎም ሕግታት ኣለዋ። 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኵሉ ሰብ ንሕግታት ኣምላኽ እንተ ዚስዕቦ፡ ዓለም ከመይ እትኸውን ይመስለካ፧a
የሆዋ ንዜጋታት መንግስቱ፡ ነዚ ሕግታት እዚ ኺሕልዉ ምጽባዩስ ግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
እቶም ነዚ ሕግታት እዚ ዘይሕልዉ ዘለዉ ሰባት ኪቕየሩ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ እንታይ እዩ፧—ፍቕዲ 11 ርአ።
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧”
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ጽማቝ
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ እትገዝእ ኣብ ሰማይ ዝቘመት ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ።
ክለሳ
ገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዮም፧
መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት እትበልጽ ብኸመይ እያ፧
ገለ ኻብቲ የሆዋ ኻብ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚጽበዮ ነገራት እንታይ እዩ፧
ዳህስስ
መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ከም ዘላ ብዚምልከት የሱስ እንታይ ከም ዝመሃረ ርአ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ንሰብኣውያን ገዛእቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ኪዀኑ ዚደልዩ ስለምንታይ እዮም፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ምስ የሱስ ኪገዝኡ ብየሆዋ እተሓርዩ 144,000 እንታይ ከም ዚብል መርምር።
ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸላ፡ ኣምላኽ ጥራይ ኣብ ዓለም ፍትሒ ኸም ዜስፍን ዘእመና እንታይ እዩ፧
-
-
መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝእ ኣላ!ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
ትምህርቲ 32
መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝእ ኣላ!
መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ክትገዝእ ጀሚራ ኣላ። ናይ ሰብኣዊ ግዝኣት ዳሕሮት መዓልትታት እውን ሽዑ እዩ ጀሚሩ። ከምኡ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ካብ 1914 ኣትሒዙ ዚርአ ዘሎ ዅነታትን ጠባያትን እስከ ንመርምር።
1. ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይሕብር፧
ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዳንኤል፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ “ሸውዓተ ግዜያት” ምግዛእ ከም እትጅምር ተገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 4:16, 17) ድሕሪ ዘመናት ከኣ፡ የሱስ ነቲ ግዜያት እቲ፡ “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ፣ ሽዑ ገና ዘይተወድአ ምንባሩ እውን ምሂሩ እዩ። (ሉቃስ 21:24) ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ እቲ ሸውዓተ ግዜያት ብ1914 እዩ ተወዲኡ።
2. ካብ 1914 ኣትሒዙ እንታይ ኵነታትን ጠባያትን እዩ ብግሁድ ዚርአ ዘሎ፧
ሓደ ግዜ፡ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ምልክት እቲ ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ እንታይ እዩ፧” ዚብል ሕቶ ቐረበሉ። (ማቴዎስ 24:3) ንሱ ድማ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ምግዛእ ድሕሪ ምጅማሩ ዚኸውን ብዙሕ ነገራት ነገሮም። ገለ ኻብኡ ውግእን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:7 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ጠባይ ሰባት ስለ ዚበላሾ፡ “ጽንኩር ግዜ” ኸም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እዚ ዅነታትን ጠባያትን፡ ምናዳ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ብግሁድ ይርአ ኣሎ።
3. መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ካብ እትጅምር ኣትሒዙ፡ ኵነታት ዓለም ኣመና ዚኸፍእ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ደድሕሪ ምዃኑ፡ ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ተዋግአ። ኣብቲ ውግእ ከኣ፡ ሰይጣን ተሳዕረ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “[ሰይጣን] ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ” ይብል። (ራእይ 12:9, 10, 12) ሰይጣን ከም ዚጠፍእ ስለ ዚፈልጥ፡ ኣመና ተቘጢዑ እዩ ዘሎ። ስለዚ፡ ኣብ ምድሪ ስቓይን መከራን ይወርድ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ዅነታት ዓለም ኣመና ኸፊኡ ዘሎ! መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ ጸገማት ከተዐርዮ እያ።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትገዝእ ምጅማራ ኸመይ ጌርና ኸም እንፈልጥን እዚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኪህልዎ ኸም ዚግባእን መርምር።
4. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መስርዕ ግዜ፡ ናብ 1914 የመልክተና
ኣምላኽ ንነቡካድነጻር ንጉስ ጥንታዊት ባቢሎን፡ ትንቢታዊ ሕልሚ ኣርኣዮ። እቲ ሕልምን ዳንኤል ዝሃቦ ትርጉምን ድማ፡ ንግዝኣት ነቡካድነጻርን ንመንግስቲ ኣምላኽን ዚምልከት ከም ዝዀነ ይሕብር እዩ።—ዳንኤል 4:17 ኣንብብ።a
ዳንኤል 4:20-26 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሰሌዳ ጌርካ ነዚ ሕቶታት መልስ፦
(ሀ) ነቡካድነጻር ኣብ ሕልሙ እንታይ እዩ ርእዩ፧—ፍቕዲ 20ን 21ን ርአ።
(ለ) ድሕሪኡ እታ ኦም እንታይ ኰይና፧—ፍቕዲ 23 ርአ።
(ሐ) ኣብ መወዳእታ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” እንታይ እዩ ዚኸውን፧—ፍቕዲ 26 ርአ።
እታ ብሕልሚ እተራእየት ኦም ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ትዛመድ፧
ትንቢት (ዳንኤል 4:20-36)
ግዝኣት
(ሀ) ነዋሕ ኦም
ግዝኣት ይቋረጽ
(ለ) “ነታ ኦም ቍረጽዋ፡” “ሸውዓተ ግዜያት” ይሕለፋ
ግዝኣት ይምለስ
(ሐ) “መንግስትኻ መሊሳ ናትካ ኽትከውን እያ”
ኣብ ቀዳማይ ፍጻመ እዚ ትንቢት . . .
(መ) እታ ኦም ንመን ተመልክት፧—ፍቕዲ 22 ርአ።
(ረ) ግዝኣቱ ብኸመይ ተቛሪጹ፧—ዳንኤል 4:29-33 ኣንብብ።
(ሰ) ኣብ መወዳእታ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት፡” ነቡካድነጻር እንታይ ኰይኑ፧—ዳንኤል 4:34-36 ኣንብብ።
ቀዳማይ ፍጻመ
ግዝኣት
(መ) ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን
ግዝኣት ይቋረጽ
(ረ) ድሕሪ 606 ቅ.ክ.፡ ነቡካድነጻር ኣእምሮኡ ይስሕት፣ በዚ ኸምዚ፡ ቃል ብቓሉ ንሸውዓተ ዓመት ኪገዝእ ኣይክእልን
ግዝኣት ይምለስ
(ሰ) ነቡካድነጻር ናብ ኣእምሮኡ ይምለስ፡ ዳግም እውን ኪገዝእ ይጅምር
ኣብ ካልኣይ ፍጻመ እዚ ትንቢት . . .
(ሸ) እታ ኦም ንመን ተመልክት፧—1 ዜና መዋእል 29:23 ኣንብብ።
(ቀ) ግዝኣቶም እተቛረጸ ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ገና ተቛሪጹ ምንባሩ ብኸመይ ንፈልጥ፧—ሉቃስ 21:24 ኣንብብ።
(በ) እቲ ግዝኣት መዓስን ኣበይን እዩ ተመሊሱ፧
ካልኣይ ፍጻመ
ግዝኣት
(ሸ) ንግዝኣት ኣምላኽ ዚውክሉ ነገስታት እስራኤል
ግዝኣት ይቋረጽ
(ቀ) የሩሳሌም ምስ ጠፍአት፡ እቲ መስመር ነገስታት እስራኤል ን2,520 ዓመት ተቛሪጹ
ግዝኣት ይምለስ
(በ) የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኺገዝእ ጀሚሩ
ንውሓት ሸውዓተ ግዜያት ክንደይ እዩ፧
ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልእ ክፋላት ክንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጽሓፍ ራእይ፡ ሰለስተ ግዜን ፈረቓን ምስ 1,260 መዓልቲ ማዕረ ምዃኑ ይሕብረና እዩ። (ራእይ 12:6, 14) ሸውዓተ ግዜያት ዕጽፉ፡ ማለት 2,520 መዓልቲ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዓልቲ ንዓመት ተመልክት እያ። (ህዝቅኤል 4:6) ስለዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ተጠቒሱ ዘሎ ሸውዓተ ግዜያት፡ 2,520 ዓመት የመልክት።
5. ካብ 1914 ንደሓር ዓለም ተለዊጣ
የሱስ፡ ንሱ ንጉስ ምስ ኰነ ኣብ ኵነታት ዓለም ብዛዕባ ዚርአ ነገራት ተነብዩ ነይሩ እዩ። ሉቃስ 21:9-11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ካብዚ ዅነታት ነየናይ ተዓዚብካ ወይ ብዛዕባ እንታይ ወረ ሰሚዕካ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ሰብኣዊ ግዝኣት፡ ሰባት እንታይ ጠባያት ከም ዚህልዎም ገሊጹ እዩ። 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ካብዚ ጠባያት እዚ ሎሚ ኣብ ሰባት ነየናይ ተዓዚብካ፧
6. ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ንተግባር ኬለዓዕለና ይግባእ
ማቴዎስ 24:3, 14 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ ዚሕብር እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ይዕየ ኣሎ፧
ንስኻ ኣብዚ ዕዮ እዚ ብኸመይ ክትሳተፍ ትኽእል፧
መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ፣ ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ እትቈጻጸረላ መዓልቲ እውን ቀሪባ ኣላ። እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
“እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ” ኽንርኢ ኸለና፡ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ 1914 ብዙሕ ዚዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧”
እንታይ ምበልካ፧
ጽማቝ
ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን መስርዕ ግዜን ኵነታት ዓለምን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝእ ከም ዘላ ይሕብር። ብዛዕባኣ ብምስባኽን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብምእካብን፡ ነዚ ኸም እንኣምነሉ ኸነርኢ ንኽእል።
ክለሳ
ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል እተጠቕሰ ሸውዓተ ግዜያት እንታይ እዩ ዀይኑ፧
መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትገዝእ ከም ዝጀመረት ዘእመነካ እንታይ እዩ፧
‘መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝእ ኣላ’ ኢልካ ኸም እትኣምን ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧
ዳህስስ
ጸሓፍቲ ታሪኽን ካልኦትን ብዛዕባ እቲ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ዝመጸ ለውጥታት እንታይ ከም ዝበሉ ርአ።
ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዚርከብ ትንቢት ንህይወት ሓደ ሰብኣይ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ኣንብብ።
ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ዚርከብ ትንቢት ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚምልከት ብኸመይ ንፈልጥ፧
“መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (1ይ ክፋል)” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ጥቅምቲ 2014)
እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 እተጠቕሰ “ሸውዓተ ግዜያት” ብ1914 ከም እተወድአ ዚሕብር እንታይ እዩ፧
“መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (2ይ ክፋል)” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሕዳር 2014)
-
-
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
ትምህርቲ 33
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧
መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ምድሪ ዓብዪ ለውጥታት ክትገብር እያ። ገለ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ጽቡቕ ነገራት እስከ ንርአ።
1. መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሰላምን ፍትሕን እተስፍን ብኸመይ እያ፧
እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ንእኩያት ሰባትን መንግስትታትን ኬጥፍኦም እዩ። (ራእይ 16:14, 16) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም” ዚብል ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ። (መዝሙር 37:10) የሱስ ብመንግስቱ ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ሰላምን ፍትሕን ኬስፍን እዩ።—ኢሳይያስ 11:4 ኣንብብ።
2. ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ኰነ፡ ህይወት ከመይ ክትመስል እያ፧
ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝሙር 37:29) ንየሆዋ ዜፍቅሩን ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን ጻድቃን ጥራይ ኣብ ዚነብርዋ ዓለም ምንባር እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! ሓደ እኳ ኣይኪሓምምን እዩ፣ ኵሉ እውን ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።
3. መንግስቲ ኣምላኽ ንእኩያት ምስ ኣጥፍአት፡ እንታይ ክትገብር እያ፧
እኩያት ምስ ጠፍኡ፡ የሱስ ን1,000 ዓመት ኪነግስ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሱን እቶም 144,000 መጋዝእቱን ንደቂ ሰብ ፍጹማትን ብዘይ ሓጢኣትን ኪዀኑ ኺሕግዝዎም እዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ እዋን ከኣ፡ ብዘላ ምድሪ ጽብቕቲ ገነት ክትከውን፡ ሕግታት የሆዋ ብዚሕልዉ ሕጉሳት ሰባት እውን ክትመልእ እያ። ሽዑ፡ የሱስ ግዝኣቱ ንኣቦኡ የሆዋ መሊሱ ኼረክቦ እዩ። ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ፡ ‘ስም የሆዋ ኪቕደስ እዩ።’ (ማቴዎስ 6:9, 10) የሆዋ ንተገዛእቱ ዚሓልየሎም ሕያዋይ ገዛኢ ምዃኑ ኺረጋገጽ እዩ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ነቶም ካብ ግዝኣቱ ዚዓልዉ ኻልኦትን ኬጥፍኦም እዩ። (ራእይ 20:7-10) እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ፍጹም ኵነታት ከኣ ንዘለኣለም ኪቕጽል እዩ።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ኣምላኽ ብመንግስቱ ገይሩ ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኪፍጽሞ ምዃኑ ስለምንታይ ከም እንኣምን ርአ።
4. መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ከተጥፍአን እያ
‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ይገዝኦ ኣሎ።’ (መክብብ 8:9) የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ ነዚ ዘይፍትሓውነት ኬዐርዮ እዩ።
ዳንኤል 2:44ን 2 ተሰሎንቄ 1:6-8ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
የሆዋን ወዱ የሱስን ንሰብኣውያን መንግስትታትን ንደገፍቶምን እንታይ ኪገብርዎም እዮም፧
እቲ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እተምሃርካዮ ነገራት፡ ተግባራቶም ፍትሓውን ቅኑዕን ከም ዚኸውን ብኸመይ የረጋግጸልካ፧
5. የሱስ ብሉጽ ንጉስ እዩ
የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንጥቕሚ ምድራውያን ተገዛእቱ ብዙሕ ነገራት ኪገብር እዩ። የሱስ ንሰባት ንምሕጋዝ ድሌትን ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ ሓይልን ከም ዘለዎ ንምርኣይ ቪድዮ ኣጻውት።
የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትገብር መርኣያ ሂቡ ነይሩ እዩ። ካብዚ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ በረኸት ብሕልፊ ነየናይ ኢኻ ተሃንጢኻ እትጽበዮ፧ ምስቲ በረኸት ዚዛመድ ጥቕስታት ኣንብብ።
የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ . . .
የሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ፡ . . .
ባህርያዊ ሓይልታት ምድሪ ተቘጻጺሩ።—ማርቆስ 4:36-41።
ኣከባብያዊ ጸገማት ኪፈትሕ እዩ።—ኢሳይያስ 35:1, 2።
ብተኣምር ኣሽሓት መጊቡ።—ማቴዎስ 14:17-21።
ጥሜት ካብ ዓለም ኬወግድ እዩ።—መዝሙር 72:16።
ብዙሓት ሕሙማት ኣሕውዩ።—ሉቃስ 18:35-43።
ኵሉ ሰብ ፍጹም ጥዕና ኸም ዚህልዎ ኺገብር እዩ።—ኢሳይያስ 33:24።
ምዉታት ኣተንሲኡ።—ሉቃስ 8:49-55።
ሞት ኬወግድ እዩ።—ራእይ 21:3, 4።
6. መንግስቲ ኣምላኽ ዜደንቕ ነገራት ከተምጽእ እያ
መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ክትፍጽሞ እያ። ደቂ ሰብ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኺነብሩ እዮም። የሆዋ ብወዱ የሱስ ኣቢሉ ዕላማኡ ንምፍጻም እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት።
መዝሙር 145:16 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
የሆዋ ‘ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ኸም ዜዕግብ’ ምፍላጥካ እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ኵላትና እንተ ንሓብር፡ ጸገማት ዓለም ምፈታሕናዮ።”
መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ኪፈትሕዎ ዘይክእሉ እንታይ ጸገማት እያ ኽትፈትሕ፧
ጽማቝ
መንግስቲ ኣምላኽ ሸቶኣ ኽትፍጽም እያ። ንምድሪ ናብ ገነት ክትቅይራ እያ፣ ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ንየሆዋ ብዜምልኹ ሕያዎት ሰባት ክትመልእ እያ።
ክለሳ
መንግስቲ ኣምላኽ ንስም የሆዋ እትቕድሶ ብኸመይ እያ፧
መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተተስፈወ ተስፋታት ከም እትፍጽሞ ኽንኣምን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትገብሮ ነገራት ምናዳ ነየናይ ኢኻ ብሃንቀውታ እትጽበዮ ዘለኻ፧
ዳህስስ
ኣርማጌዶን እንታይ ምዃኑ ፍለጥ።
ኣብቲ የሱስ “ብርቱዕ ጸበባ” ዝበሎ እዋን እንታይ ከም ዚኸውን መርምር።—ማቴዎስ 24:21።
ኣባላት ስድራ ቤት ከመይ ገይሮም ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚህሉ በረኸት ኬስተንትኑ ኸም ዚኽእሉ ርአ።
“ብዙሕ ሕቶታት የጨንቐኒ ነበረ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዓመጽ ዚካፈል ዝነበረ ሰብ ከመይ ገይሩ ነቲ ዚደልዮ ዝነበረ ፍታሕ ከም ዝረኸበ ኣንብብ።
-