ሕቶታት ኣንበብትና
ምድሪ፡ ድሕሪ 2012 ክትቅጽል ድያ፧
▪ “ብኣቡቐለምሲስ ዚኣምኑ ሓያሎ ሰባት ኣብ ፈረንሳ ናብ እትርከብ ቝሸት ይውሕዙ ኣለዉ። . . . ብመሰረት ጥንታዊ ዓውደ ኣዋርሕ ማያ፡ ዓለም ብ21 ታሕሳስ 2012 ከም እትጠፍእ፡ እዚ ኸኣ መፈጸምታ እቲ 5,125 ዓመት ዝጸንሐ ዑደት ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ።”—ዜና ቢቢሲ።
መራሕቲ ሃይማኖት ኰኑ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ወይ ኣብ መበል 21 ዘመን ዚነብሩ ብዛዕባ ዚመጽእ ዚግመቱ ኻልኦት ሰባት ዝበሉ እኳ እንተ በሉ፡ ምድሪ ኣይክትጠፍእን እያ። እወ፡ ምድሪ፡ ድሕሪ 2012 እውን ክትቅጽል እያ። ንዘለኣለም ከም እትነብር ድማ እተረጋገጸ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም” ይብለና። (መክብብ 1:4) ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 45:18 ዘሎ ትሕዝቶ እውን ሕሰበሉ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ . . . ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ብጀካይውን ካልእ የልቦን።”
ሓደ ፋቃር ኣቦ፡ ንውሉዱ ምእንቲ ኼሐጕስ፡ ብዙሕ ሰዓታት ኣጥፊኡ፡ መጻወቲት ጃልባ ሰሪሑ ንበል፣ እዚ ኣቦ እዚ ነታ ጃልባ ንውሉዱ ሂብዎ ኼብቅዕ፡ ቍሩብ ጸኒሑ፡ ኣሕዲጉ ይሰባብራ ድዩ፧ ከምዚ ምግባር ሕሰም እዩ! ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ብቐዳምነት ንተድላ ደቅሰብ ኢሉ እዩ ፈጢርዋ። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” በሎም። ድሕሪ እዚ ድማ፡ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” በለ። (ዘፍጥረት 1:27, 28, 31) ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣይቀየሮን። ምድሪ ኽትጠፍእ ኣይኪፈቅድን እዩ። የሆዋ፡ ብዛዕባ እቲ ዅሉ እተመባጽዖ ነገራት፡ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ብምባል ኣትሪሩ ገሊጹ ኣሎ።—ኢሳይያስ 55:11።
ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍእ’ ዕላማ ኣለዎ። (ራእይ 11:18) ኣብ ቃሉ፡ “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ፡ ንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ። ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም” ብምባል ተመባጺዑ ኣሎ።—ምሳሌ 2:21, 22።
እዚ መዓስ እዩ ኺፍጸም፧ ብዛዕባ እዚ ዚፈልጥ ሰብ የለን። የሱስ፡ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” በለ። (ማርቆስ 13:32) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣምላኽ ንእኩያት መዓስ ከም ዜጥፍኦም ኪንበዩ ኣይፍትኑን እዮም። ነቲ ንመወዳእታ ዚሕብር ‘ትእምርቲ’ ወይ ምልክት ነቒሖም ዚከታተሉ፡ ከምኡውን ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚብሎ እዋን ንነብር ምህላውና ዚኣምኑሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ “መወዳእታ” መዓስ ከም ዚመጽእ ግና ብልክዕ ኪፈልጡ ኣይክእሉን እዮም። (ማርቆስ 13:4-8, 33፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) ነዚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ሰማያዊ ኣቦኦምን ኣብ ኢድ ወዱን እዮም ዚሓድግዎ።
ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኹ እዮም ዚጸንሑ። ከመይሲ፡ እዛ መንግስቲ እዚኣ ንምድሪ ናብ ገነት ክትቅይራ እያ። ሽዑ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፥ ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29፡ ትርጕም 1990።
[ኣብ ገጽ 10 ምንጪ ስእሊ]
Image Science and Analysis Laboratory, NASA-Johnson Space Center