መሃልየ መሃልይ
ስምካ ኸም ዝፈሰሰ ምዑዝ ዘይቲ እዩ።+
ስለዚ እየን ኣዋልድ ዜፍቅራኻ።
4 ምሳኻ ውሰደኒ፣* ንጕየ።
ንጉስ ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታቱ ኣምጺኡኒ!
ብኣኻ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን።
ሓለፋ ወይንስ መግለጺ ፍትወትካ ንወድስ።*
ንሳተን* ኬፍቅራኻስ ሓቀን እየን።
6 ጸሓይ ኣሕሪራትኒ እያ እሞ፡
ጸላም ስለ ዝዀንኩ፡ ኣይትጠምቱኒ።
ደቂ ኣደይ ተቘጢዖምኒ፣
ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሮምኒ፣
ናተይ ኣታኽልቲ ወይኒ ግና ኣይሓሎኹን።
ስለምንታይከ ኣብ መንጎ መጓሰ ብጾትካ
ብመጐልበቢ* ኸም እተጐልበበት ዝኸውን፧”
8 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡
ኪዲ ኣሰር መጓሰ ስዓቢ፣
መሓስእኪ ድማ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ጓስዪ።”
9 “ፍቕርተየ፡ ኣብ መንጎ ሰረገላታት ፈርኦን ብዘላ ባዝራ* እየ ዝምስለኪ።+
10 መዓጕርትኺ ምስ ስልማት* ምጩዋት እየን፣
ክሳድኪ ምስ ድሪ ኣዕናቝ እውን ከምኡ እዩ።
11 ጌጽ ብሩር ዘለዎ
ስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።”
13 ፍቱወይ ንዓይ ከም ምዑዝ ቍጻር ከርበ እዩ፣+
ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ድማ ይሓድር።
15 “እነኺ፡ ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ።
እነኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኸም ናይ ረገቢት እየን።”+
16 “እነኻ፡ ፍቱወየ፡ ጽቡቕን ደስ እተብልን ኢኻ።+
ዓራትና ኣብ መንጎ ለምለም እዩ።