ኤርምያስ
3 “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ሰዲድዋ፡ ንሳ እውን ንዕኡ ሓዲጋ ናይ ካልእ ሰብኣይ እንተ ዀይና፡ ከም ብሓድሽዶ ናብኣ ይምለስ እዩ፧” ይብሃል እዩ።
እታ ምድሪ እቲኣስ ጠሪሳዶ ኣይተበከለትን፧+
“ምስ ብዙሓት ብጾትኪ መንዚርኪ ኢኺ፣+
እሞኸ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ፧” ይብል የሆዋ።
2 “ኣዒንትኺ ናብ መላጥ ኵርባታት ኣልዒልኪ ርኣዪ።
ኣበይ እሞ ኢኺ ዘይተዓመጽኪ፧
ከም ዘላን* ኣብ በረኻ፡
ኣብ ጥቓ መገድታት ኮፍ ኢልክሎም።
ብምንዝርናኽን ብእከይክን
ነታ ምድሪ በኪልክያ።+
3 ስለዚ፡ ዝናም ተኸልኪሉ፣+
ዝናም ጽብሓት እውን የልቦን።
4 ሕጂ ግና ከምዚ ኢልኪ ትጽውዕኒ ኣለኺ፦
‘ኣቦየ፡ ንስኻ መሓዛ ንእስነተይ ኢኻ!+
5 ንዘለኣለምዶ ተቐይምካ ይንበር እዩ፧
ወይስ ንሓዋሩዶ ቒም ይትሓዝ እዩ፧’
ንስኽስ ከምኡ ትብሊ፣
ኵሉ እቲ ኽትገብርዮ እትኽእሊ ኽፉእ ግና ትገብሪ ኣለኺ።”+
6 ብዘመን ንጉስ ዮስያስ፡+ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “‘እዛ ዘይእምንቲ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ፧ ክትምንዝርሲ ናብ ኵሉ ነዋሕቲ ኣኽራንን ናብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን ደዪባ።+ 7 እዚ ዅሉ ምስ ገበረት እኳ፡ ናባይ ክትምለስ መመሊሰ ነጊረያ፣+ ንሳ ግና ኣይተመልሰትን፣ ይሁዳ ኸኣ ነታ ጠላሚት ሓብታ ትርኢ ነይራ።+ 8 እዚ ምስ ረኣኹ፡ ነታ ዘይእምንቲ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ዝሙታ፡+ ምሉእ ጽሑፍ መፍትሒኣ+ ሂበ ሰዲደያ። እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ግና ኣይፈርሀትን፣ ንሳ እውን ከይዳ መንዚራ።+ 9 ንምንዝርናኣ ኣቕሊላ ርእያቶ፣ ነታ ምድሪ ድማ በኪላታ፣ ምስ ኣእማንን ምስ ኣእዋምን ከኣ መንዚራ።+ 10 እዚ ዅሉ ዀይኑ ኽነሱ፡ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ፡ ከተምስል እምበር፡ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመልሰትን’ ይብል የሆዋ።”
11 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ እታ* ዘይእምንቲ እስራኤል ትጸድቕ።+ 12 ኪድ እሞ ነዚ ቓላት እዚ ናብ ሰሜን ኣውጆ፦+
“‘“ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ተመለሲ” ይብል የሆዋ።’+ ‘“ኣነ እሙን እየ እሞ፡ ብቝጥዓ ኣትሒተ ኣይክርእየኩምን* እየ”+ ይብል የሆዋ።’ ‘“ንዘለኣለም ኣይክቕየምን እየ። 13 ካብ የሆዋ ኣምላኽኪ ኢኺ ዓሊኺ እሞ፡ ጌጋኺ ጥራይ ተኣመኒ። ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦም፡ ምስ ጓኖት* ብስጋ ተራኺብኪ፣* ድምጸይ ግና ኣይተኣዘዝክን” ይብል የሆዋ።’”
14 “ኣቱም ከዳዓት ደቂ፡ ተመለሱ” ይብል የሆዋ። “ኣነስ ናይ ሓቂ ጐይታኹም* ኰይነ ኣለኹ፣ ሓደ ኻብ ከተማ፡ ክልተ ድማ ካብ ዓሌት ክወስደኩም፡ ናብ ጽዮን ከኣ ከምጽኣኩም እየ።+ 15 ከም ልበይ ዝዀኑ ጓሶት ክህበኩም እየ፣+ ንሳቶም ድማ ብፍልጠትን ብልቦናን ኪምግቡኹም እዮም። 16 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብታ ምድሪ ኽትበዝሑን ክትፋረዩን ኢኹም፡” ይብል የሆዋ።+ “ደጊም ‘ታቦት ኪዳን የሆዋ!’ ኣይኪብሉን እዮም። ኣብ ልቦም ኣይኪመጽእን፡ ኣይኪዝክርዎን እዮም፣ ኣይኬድልዮምን፡ ከም ብሓድሽ እውን ኣይኪግበርን እዩ። 17 ሽዑ፡ ንየሩሳሌም ዝፋን የሆዋ ኺብልዋ እዮም፣+ ኵሎም ኣህዛብ ናብ ስም የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ኪእከቡ እዮም፣+ ደጊም ከኣ ነቲ እኩይ ልቦም ብንቕጽና ኣይኪስዕቡን እዮም።”
18 “በተን መዓልትታት እቲአን፡ ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ብሓባር ኪመላለሱ እዮም፣+ ብሓባር ድማ ካብ ምድሪ ሰሜን ናብታ ንኣቦታቶም ርስቲ ገይረ ዝሃብክዎም ምድሪ ኺመጹ እዮም።+ 19 ኣነ ኸኣ፡ ‘ኣብ መንጎ ደቂ ዚብሃግ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝጸበቐ ርስቲ* ሂበ ኸመይ ኰን እየ ዘንበርኩኺ!’ ኢለ ሓሲበ።+ ‘ኣቦይ!’ ኢልኪ ኸም እትጽውዕኒ፡ ንዓይ ካብ ምስዓብ ድማ ከም ዘይትምለሲ እውን ሓሲበ። 20 ‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ* እትጠልሞ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ጠሊምኩምኒ’+ ይብል የሆዋ።”
22 “ኣቱም ከዳዓት ደቂ፡ ተመለሱ።
ካብ ክድዓትኩም ከሕውየኩም እየ።”+
“ንስኻ ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽና ኢኻ እሞ፡
እነና፡ ናባኻ መጺእና ኣለና።+
23 ኵርባታትን ኣብ ኣኽራን ዘሎ ህውከትንሲ ብሓቂ ናይ ሓሶት እዩ።+
ብሓቂ ኣብ የሆዋ ኣምላኽና እዩ ድሕነት እስራኤል ዘሎ።+