ናሆም
ነቲ ዕርድታት ሓልውዮ።
ነቲ መገዲ ተቛመትዮ።
ተዓጠቒ፡* ኵሉ ብርታዐኺ ኣክቢ።
2 እቶም መጥፋእቲ ኣጥፊኦምዎም፡+
ንጨናፍሮም ከኣ ኣብሪሶምዎ እዮም እሞ፡
የሆዋስ ንትምክሕቲ ያእቆብ፡
ምስ ትምክሕቲ እስራኤል ኪመልሶ እዩ፣
3 ዋላቱ ጀጋኑኡ ብቐይሕ እተኣጀለ እዩ፣
ተዋጋእቱ ድማ ድሙቕ ቀይሕ እተኸድኑ እዮም።
4 እተን ሰረገላታት በቲ ጐደናታት ከም ዕቡድ ይቀዳደማ።
ኣብ ኣደባባያት ናብዝን ናብትን ይወናጨፋ።
ከም ዚነድድ ፋናታት ይበርሃ፡ ከም በርቂ እውን ማሕማሕ ይብላ።
5 ንሰበ ስልጣኑ ኺጽውዖም እዩ።
ንሳቶም ኪቐርቡ ኸለዉ ኺዕንቀፉ እዮም።
ናብ መካበብያኣ ኺህንደዱ፡
መከላኸሊ ኸኣ ኪገብሩ እዮም።
8 ነነዌ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዛ፡+ ማያት ከም ዝመልአ ሓጽቢ እያ ነይራ፣
ሕጂ ግና ንሳቶም ይሃድሙ ኣለዉ።
“ደው በሉ! ደው በሉ!”
ገጹ ዚመልስ ግና የልቦን።+
9 ብሩር ዝመቱ፡ ወርቂ ዝመቱ!
እቲ መዛግብቲ መወዳእታ የብሉን።
ኵሉ ዓይነት ክቡር ነገራት ዝመልአ እዩ።
10 እታ ኸተማ ባዶ ዀይና፡ ባዲማ፡ ጠፊኣ!+
ልቦም ብፍርሂ መኺኹ፡ ኣብራኾም ተቘሊፉ፡ ሕቘኦም ራዕራዕ ኢሉ፣
ኵሉ ገጾም በርበረ መሲሉ።
12 ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዚኣኽሎም ግዳይ ይሰላልዓሎም፡
ንዋዕሮታቱ ድማ ይሓንቀለን።
ንመሕብኢኡ ብግዳይ፡
ንሰፈሩ ኸኣ ብእተሰላልዑ እንስሳታት ይመልኦ።
ንግዳይኪ ኻብ ምድሪ ኽምንቍሶ እየ፣
ደሃይ ልኡኻትኪ ኸኣ ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።”+