20 ኖህ ድማ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣+ ካብ ኵሉ ንጹህ እንስሳን ካብ ኵሉ ንጹህ በራሪ ፍጡርን+ ወሲዱ ኸኣ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ።+ 21 የሆዋ ድማ ነቲ ጥዑም ጨና ኣጫነዎ። ስለዚ፡ የሆዋ ብልቡ፡ “ዝንባለ ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ እሞ፡+ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ ኣይክረግማን እየ፣+ ድሕሪ ደጊም እውን ከምቲ ዝገበርክዎ፡ ህያው ንዘበለ ዅሉ መሊሰ ኣይክወቅዕን እየ።+