ዘዳግም 4:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ነዚ ተጠንቂቕኩም ስዓብዎ፣+ ከመይሲ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ብዛዕባ ዅሉ እዚ ስርዓታት ዝሰምዑ ህዝብታት፡ ጥበብኩምን+ ኣእምሮኹምን+ ኬርኢ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ፡ ‘እዚ ዓብዪ ህዝቢ እዚ፡ ብዘይ ጥርጥር ጥበበኛን ኣእምሮ ዘለዎን ህዝቢ እዩ’ ኺብሉ እዮም።+ ዘዳግም 8:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ነቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳኑ ምእንቲ ኺፍጽሞ፡+ ሃብቲ ኽትገብር ሓይሊ ዝሃበካ የሆዋ ኣምላኽካ ምዃኑ ዘክር።+ እያሱ 1:7, 8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 “ሓንትስ ትባዕ፡ ኣዚኻ በርትዕ፡ ብዘሎ እቲ ጊልያይ ሙሴ ዝኣዘዘካ ሕጊ ድማ ተጠንቂቕካ ሓሉ። ኣብ እትኸዶ ዘበለ ብጥበብ ምእንቲ ኽትመላለስ፡+ ካብኡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግስ።+ 8 ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ ኽትሕልዎስ፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይፈለ፡+ መዓልትን ለይትን ከኣ ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ።*+ ሽዑ፡ መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።+ 1 ነገስት 2:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ፡ ብመገድታቱ ብምምልላስ፡ ሕግታቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን መዘኻኸሪታቱን ከኣ ብምሕላው፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ግዴታ ሓሉ።+ ሽዑ፡ ኣብ እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ኪሰልጠካ እዩ።* መዝሙር 103:17, 18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ግና፡ኣብቶም ዚፈርህዎ ንዘለኣለመ ኣለም እዩ፣+ጽድቁ ድማ ንደቂ ደቆም እዩ፣+18 እወ፡ ኣብቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፡+ኣብቶም ንትእዛዛቱ ተጠንቂቖም ዚሕልዉ እዩ። ሉቃስ 11:28 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 28 ንሱ ግና፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” በላ።+
6 ነዚ ተጠንቂቕኩም ስዓብዎ፣+ ከመይሲ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ብዛዕባ ዅሉ እዚ ስርዓታት ዝሰምዑ ህዝብታት፡ ጥበብኩምን+ ኣእምሮኹምን+ ኬርኢ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ፡ ‘እዚ ዓብዪ ህዝቢ እዚ፡ ብዘይ ጥርጥር ጥበበኛን ኣእምሮ ዘለዎን ህዝቢ እዩ’ ኺብሉ እዮም።+
7 “ሓንትስ ትባዕ፡ ኣዚኻ በርትዕ፡ ብዘሎ እቲ ጊልያይ ሙሴ ዝኣዘዘካ ሕጊ ድማ ተጠንቂቕካ ሓሉ። ኣብ እትኸዶ ዘበለ ብጥበብ ምእንቲ ኽትመላለስ፡+ ካብኡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግስ።+ 8 ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ ኽትሕልዎስ፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይፈለ፡+ መዓልትን ለይትን ከኣ ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ።*+ ሽዑ፡ መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።+
3 ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ፡ ብመገድታቱ ብምምልላስ፡ ሕግታቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን መዘኻኸሪታቱን ከኣ ብምሕላው፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ግዴታ ሓሉ።+ ሽዑ፡ ኣብ እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ኪሰልጠካ እዩ።*
17 እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ግና፡ኣብቶም ዚፈርህዎ ንዘለኣለመ ኣለም እዩ፣+ጽድቁ ድማ ንደቂ ደቆም እዩ፣+18 እወ፡ ኣብቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፡+ኣብቶም ንትእዛዛቱ ተጠንቂቖም ዚሕልዉ እዩ።