-
ዘሁልቍ 32:20-22መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
20 ሙሴ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዚ ነገር እዚ እንተ ጌርኩም፡ ማለት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንውግእ ኣጽዋር እንተ ኣልዒልኩም፡+ 21 ጸላእቱ ኻብ ቅድሚኡ ኺሰጕጎም ከሎ፡ ኵላትኩም ኣጽዋር ኣልዒልኩም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊርኩም፡+ 22 እታ ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ እትግዛእ ከምኡ እንተ ጌርኩም፡+ ድሕሪኡ ኽትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋን እስራኤልን ድማ ብዘይ በደል ትዀኑ። ሽዑ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርስትኹም ክትከውን እያ።+
-
-
ዘሁልቍ 32:25-29መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
25 ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ከኣ ንሙሴ ኸምዚ በልዎ፦ “ገላዉኻ ኸምቲ ጐይታይ ዝኣዘዞ ኺገብሩ እዮም። 26 ቈልዑናን ኣንስትናን ማልናን ኵሉ እንስሳታት ዘቤትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ጊልዓድ ይኹኑ፣+ 27 ገላዉኻ ግና፡ ከምቲ ጐይታይ ዝበሎ፡ ንውግእ እተዓጥቁ ዘበሉ ዅሎም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዋግኡ ኺሳገሩ እዮም።”+
28 ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንእያሱ ወዲ ነዌን ንርእስታት ማይ ቤታት ነገዳት እስራኤልን ብዛዕባኦም ኣዘዘ። 29 ሙሴ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ኵላቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንውግእ ተዓጢቖም ምሳኻትኩም ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮም፡ እታ ምድሪ ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዚኣ፡ ሽዑ ምድሪ ጊልዓድ ርስቲ ጌርኩም ሃብዎም።+
-