ሆሴእ 13:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ሰማርያ ኻብ ኣምላኻ ዓልያ እያ እሞ፡+ ብበደላ ተሓታቲት ክትከውን እያ።+ ብሰይፊ ኺወድቁ፡+ደቆም ከኣ ኪሕምሸሹ እዮም፣ጥኑሳቶም ድማ ኪቕደዳ እየን።” ኣሞጽ 3:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ተጻራሪ ነታ ምድሪ ኪኸብባ፡+ንሱ ንብርታዐኺ ኻባኺ ኪቕንጥጦ፡ንእተዓርደ ግምብታትኪ እውን ኪዘምቶ እዩ።’+ ሚክያስ 1:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ንሰማርያ ዅምራ ዑናታት መሮር፡ቦታ መትከሊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽገብራ እየ፣ንኣእማና ናብ ስንጭሮ ኽድርብዮ፡ንመሰረታታ ድማ ጥራዩ ኽገብሮ እየ።
11 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ተጻራሪ ነታ ምድሪ ኪኸብባ፡+ንሱ ንብርታዐኺ ኻባኺ ኪቕንጥጦ፡ንእተዓርደ ግምብታትኪ እውን ኪዘምቶ እዩ።’+