ዘሌዋውያን 19:31 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 “‘ብኣታቶም ምእንቲ ኸይትረክስ፡ ናብ ጠየቕቲ መናፍስቲ ኣይትኺዱ፡+ ንጠንቈልቲ ድማ ኣይትሕተቱ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። ዘዳግም 18:10, 11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ፡+ ወይ ዚጥንቍል፡+ ወይ ስሒር ዚገብር፡+ ወይ ፋል ዚደሊ፡+ ወይ ኣስማተኛ፡+ 11 ወይ ስራይ ዚገብር፡ ወይ ንጠያቒ መናፍስቲ ዚሓትት፡+ ወይ ጠንቋሊ፡+ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ+ ኣባኻ ኣይረኸብ። 2 ነገስት 21:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ምናሴ+ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 12 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 55 ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ ሔፍጺባ እዩ። 2 ነገስት 21:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፣ ስሒር ገበረ፡ ፋል ደለየ፡+ ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ድማ ገበረ።+ ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ። ኢሳይያስ 8:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 “ነቶም ጭቝጭቝን ዕዝምዝምን ዚብሉ ጠየቕቲ መናፍስቲ ወይ ጠንቈልቲ ሕተቱ” እንተ ኢሎምኹም፡ ህዝቢ ንኣምላኹ ደይኰነን ዚሓትት፧ ምእንቲ ህያዋንሲ ንምዉታትዶ ይሕተት፧+
10 ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ፡+ ወይ ዚጥንቍል፡+ ወይ ስሒር ዚገብር፡+ ወይ ፋል ዚደሊ፡+ ወይ ኣስማተኛ፡+ 11 ወይ ስራይ ዚገብር፡ ወይ ንጠያቒ መናፍስቲ ዚሓትት፡+ ወይ ጠንቋሊ፡+ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ+ ኣባኻ ኣይረኸብ።
6 ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፣ ስሒር ገበረ፡ ፋል ደለየ፡+ ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ድማ ገበረ።+ ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ።
19 “ነቶም ጭቝጭቝን ዕዝምዝምን ዚብሉ ጠየቕቲ መናፍስቲ ወይ ጠንቈልቲ ሕተቱ” እንተ ኢሎምኹም፡ ህዝቢ ንኣምላኹ ደይኰነን ዚሓትት፧ ምእንቲ ህያዋንሲ ንምዉታትዶ ይሕተት፧+