-
ነህምያ 7:61-65መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
61 ካብ ቴል-ሜላሕን ቴል-ሓርሻን ከሩብን ኣዶንን ኢመርን ዝደየቡ፡ ግናኸ፡ እስራኤላውያን እንተ ዀይኖም፡ ማይ ቤቶምን ዘርኦምን ኬረጋግጹ ዘይከኣሉ ድማ እዚኣቶም እዮም፦+ 62 ደቂ ደላያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ፡ 642። 63 ካብ ካህናት ከኣ፦ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡+ ደቂ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚላይ+ እቲ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደን ብስሞም እተሰምየን ባርዚላይ። 64 እዚኣቶም ወለዶኦም ንምርግጋጽ መዛግብቶም ደለዩ፣ ግናኸ፡ ኪረኽቡ ኣይከኣሉን፣ ካብ ክህነት ድማ ተኸልከሉ።*+ 65 እቲ ሹም*+ ከኣ፡ ብኡሪምን ቱሚምን ኪሓትት ዚኽእል ካህን ክሳዕ ዚትንስእ+ ካብቲ ቕዱስ ቅዱሳን ከይበልዑ ኣዘዞም።+
-