መዝሙር 20:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ገሊኦም ብሰረገላታት፡ ገሊኦም እውን ብኣፍራስ ይእመኑ፣+ንሕና ግና ስም የሆዋ ኣምላኽና ኢና እንጽውዕ።+ መዝሙር 33:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ፈረስ ናይ ሓሶት ተስፋ ድሕነት* እዩ፣+እቲ ዓብዪ ሓይሉ መምለጢ ኣይከውንን። ኢሳይያስ 31:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 እቶም ረድኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡+ኣብ ኣፍራስ ዚውከሉ፡+ብዙሓት ብምዃነን ኣብ ሰረገላታት፡ሓያላት ብምዃኖም ከኣ ኣብ ኣፍራስ ውግእ* ዚእመኑ፡ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ንየሆዋ ድማ ኣይደልይዎን።
31 እቶም ረድኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡+ኣብ ኣፍራስ ዚውከሉ፡+ብዙሓት ብምዃነን ኣብ ሰረገላታት፡ሓያላት ብምዃኖም ከኣ ኣብ ኣፍራስ ውግእ* ዚእመኑ፡ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ንየሆዋ ድማ ኣይደልይዎን።