2 ነገስት 15:29 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 ብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ቲግላት-ጲሌሰር+ ንጉስ ኣሶር ወሪሩ ንዒዮንን ንኣቤል-ቤት-ማዓካን+ ንያኖኣን ንቀደሽን+ ንሓጾርን ንጊልዓድን+ ንገሊላን፡ ንዅላ ምድሪ ንፍታሌም፡+ ሓዘን፣ ነቶም ነበርተን ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም።+ 2 ነገስት 17:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ሆሼዓ፡ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ።+ ንህዝቢ እስራኤል ድማ ናብ ኣሶር ማሪኹ፡+ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦር ኣብ ፈለግ ጎዛንን+ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም።+ 2 ነገስት 18:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤል ናብ ኣሶር ማረኾም፣+ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦር ኣብ ፈለግ ጎዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ከኣ ኣስፈሮም።+ 1 ዜና መዋእል 5:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ኣምላኽ እስራኤል ድማ ንመንፈስ ጱል ንጉስ ኣሶር፡+ (ንሱ ቲልጋት-ጲልነሰር+ ንጉስ ኣሶር) ኣለዓዓሎ፣ ንሱ ኸኣ ነቶም ካብ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ዘበሉ ማሪኹ ወሰዶም፡ ናብቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘለውዎ ሓላሕን ሓቦርን ሃራእን ፈለግ ጎዛን ድማ ኣምጽኦም።+
29 ብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ቲግላት-ጲሌሰር+ ንጉስ ኣሶር ወሪሩ ንዒዮንን ንኣቤል-ቤት-ማዓካን+ ንያኖኣን ንቀደሽን+ ንሓጾርን ንጊልዓድን+ ንገሊላን፡ ንዅላ ምድሪ ንፍታሌም፡+ ሓዘን፣ ነቶም ነበርተን ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም።+
6 ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ሆሼዓ፡ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ።+ ንህዝቢ እስራኤል ድማ ናብ ኣሶር ማሪኹ፡+ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦር ኣብ ፈለግ ጎዛንን+ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም።+
26 ኣምላኽ እስራኤል ድማ ንመንፈስ ጱል ንጉስ ኣሶር፡+ (ንሱ ቲልጋት-ጲልነሰር+ ንጉስ ኣሶር) ኣለዓዓሎ፣ ንሱ ኸኣ ነቶም ካብ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ዘበሉ ማሪኹ ወሰዶም፡ ናብቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘለውዎ ሓላሕን ሓቦርን ሃራእን ፈለግ ጎዛን ድማ ኣምጽኦም።+