2 ነገስት 18:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ንጉስ እስራኤል፡ ህዝቅያስ+ ወዲ ኣሓዝ+ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 2 ነገስት 18:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 እቲ ንበረኽቲ ዘወገዶን+ ንሓወልትታት ኣምልኾ ዝሰባበሮን ንዓንዲ ኣምልኾ* ዝቘረጾን+ ንሱ እዩ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ነሓሲ ድማ ድርቅምቅም ኣበሎ።+ ከመይሲ፡ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ህዝቢ እስራኤል ንዕኡ ይዓጥኑሉ ነበሩ፣ ናይ ነሓሲ ጣኦት ተመን* ኢሎም እውን ይጽውዕዎ ነበሩ። 2 ዜና መዋእል 31:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 31 እዚ ዅሉ ምስ ተወድአ፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤላውያን ናብ ከተማታት ይሁዳ ወጺኦም፡ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበሩ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ቘረጹ፡+ ኣብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን+ ድማ ጠሪሶም ክሳዕ ዜጥፍእዎ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፍረሱ።+ ድሕሪኡ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ናብ ከተማታቶም ተመልሱ፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ርስቱ ተመልሰ።
4 እቲ ንበረኽቲ ዘወገዶን+ ንሓወልትታት ኣምልኾ ዝሰባበሮን ንዓንዲ ኣምልኾ* ዝቘረጾን+ ንሱ እዩ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ነሓሲ ድማ ድርቅምቅም ኣበሎ።+ ከመይሲ፡ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ህዝቢ እስራኤል ንዕኡ ይዓጥኑሉ ነበሩ፣ ናይ ነሓሲ ጣኦት ተመን* ኢሎም እውን ይጽውዕዎ ነበሩ።
31 እዚ ዅሉ ምስ ተወድአ፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤላውያን ናብ ከተማታት ይሁዳ ወጺኦም፡ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበሩ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ቘረጹ፡+ ኣብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን+ ድማ ጠሪሶም ክሳዕ ዜጥፍእዎ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፍረሱ።+ ድሕሪኡ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ናብ ከተማታቶም ተመልሱ፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ርስቱ ተመልሰ።