12 “‘ንመዓልቲ ሰንበት፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፡ ቅድስቲ ጌርካ ሓልዋ።+ 13 ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ዅሉ ዕዮኻን ተግባርካን ግበር፣+ 14 እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንየሆዋ ኣምላኽካ ሰንበት እያ።+ ብእኣ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየ፣+ ግዙእካን ግዝእትኻን ከማኻ ምእንቲ ኺዓርፉስ፡+ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ብዕራይካን ኣድግኻን እንስሳ ዘቤትካን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ዘሎ ጓናን እውን ከምኡ።+