-
ኤርምያስ 50:20መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
20 “በተን መዓልትታት እቲአንን በታ ግዜ እቲኣን፡
ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፡
በደል እስራኤል ኪድለ፡
ግናኸ ኣይኪህሉን እዩ፣
ሓጢኣት ይሁዳ ኸኣ ኣይኪርከብን እዩ” ይብል የሆዋ።+
-
-
እብራውያን 8:10-12መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
10 “‘ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳንሲ እዚ እዩ፡’ ይብል የሆዋ።* ‘ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፡ ኣብ ልቦም እውን ክጽሕፎ እየ።+ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።+
11 “‘ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ “ንየሆዋ* ፍለጦ” ኢሉ ኣይኪምህሮን እዩ። 12 ከመይሲ፡ ዓመጻኦም ክምሕር፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ።’”+
-
-
እብራውያን 10:17መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
17 “ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ” ይብል እዩ።+
-