ዘሌዋውያን 26:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 ኪዳነይ ብምፍራስኩም ሕነ ዚፈዲ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኹም ኬምጽእ እየ።+ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተኣኪብኩም፡ ናብ ማእከልኩም ሕማም ክሰድድ እየ፡+ ናብ ኢድ ጸላኢ ድማ ክትውሃቡ ኢኹም።+ ኤርምያስ 25:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ንዅሎም ዓሌታት ሰሜን እልእከሎም ኣለኹ”+ ይብል የሆዋ፡ “ንጊልያይ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እውን እልእከሉ ኣለኹ፣+ ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣን+ ኣንጻር ነበርታን ኣንጻር ኵሎም እዞም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብን ከኣ ከምጽኦም እየ።+ ከጥፍኦም እየ፣ መሰክሕን መፋጸይን ናይ ሓዋሩ ዑናን ክገብሮም እየ። ህዝቅኤል 21:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ንምድሪ እስራኤል ከምዚ በላ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እነኹ ኣንጻርኪ እየ፣ ሰይፈይ ድማ ካብ ሰገባኣ ኽመልሓ፡+ ካባኺ ኸኣ ጻድቕን እኩይን ክቘርጽ እየ።
25 ኪዳነይ ብምፍራስኩም ሕነ ዚፈዲ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኹም ኬምጽእ እየ።+ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተኣኪብኩም፡ ናብ ማእከልኩም ሕማም ክሰድድ እየ፡+ ናብ ኢድ ጸላኢ ድማ ክትውሃቡ ኢኹም።+
9 ንዅሎም ዓሌታት ሰሜን እልእከሎም ኣለኹ”+ ይብል የሆዋ፡ “ንጊልያይ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እውን እልእከሉ ኣለኹ፣+ ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣን+ ኣንጻር ነበርታን ኣንጻር ኵሎም እዞም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብን ከኣ ከምጽኦም እየ።+ ከጥፍኦም እየ፣ መሰክሕን መፋጸይን ናይ ሓዋሩ ዑናን ክገብሮም እየ።