-
ማርቆስ 9:2-8መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
2 ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም እውን ትርኢቱ ተለወጠ፣+ 3 ክዳኑ ድማ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓጻባይ ኬጻዕድዎ ኻብ ዚኽእል ብዝበለጸ ጻዕድዩ ኣንጸባረቐ። 4 ኤልያስን ሙሴን ከኣ ተራእይዎም፣ ምስ የሱስ እውን ይዛራረቡ ነበሩ። 5 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “መምህር፡* ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። እምበኣር፡ ሰለስተ ድንኳን ንትከል፣ ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ ድማ ንኤልያስ” በሎ። 6 ኣዝዮም ፈሪሆም ስለ ዝነበሩ፡ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልስ ኣይፈልጥን ነበረ። 7 ደበና መጺኡ ኸኣ ኣጐልበቦም፣ ካብቲ ደበና ድማ፡ “ፍቑር ወደይ እዚ እዩ።+ ንዕኡ ስምዕዎ”+ ዚብል ድምጺ+ መጸ። 8 ብሃንደበት ግልጽ ግልጽ ኢሎም ምስ ጠመቱ ግና፡ ብዘይካ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።
-
-
ሉቃስ 9:28-36መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
28 ካብዚ ዘረባ እዚ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ንያእቆብን ወሲዱ፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ።+ 29 ኪጽሊ ኸሎ ኸኣ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳኑ እውን ብርቕርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። 30 እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት ምስኡ ይዛራረቡ ነበሩ፣ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን ነበሩ። 31 ንሳቶም ብኽብሪ ተራእዩ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጽሞ ዘለዎ ምኻዱ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ።+ 32 ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ድቃስ ከቢድዎም ነበረ፣ ምስ ተበራበሩ ግና፡ ክብሩን ምስኡ ደው ዝበሉ ኽልተ ሰብኡትን ረኣዩ።+ 33 እዚኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “መምህር፡ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። እምበኣር፡ ሰለስተ ድንኳን ንትከል። ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ ድማ ንኤልያስ” በሎ። ዚብሎ እውን ኣይፈልጥን ነበረ። 34 ንሱ ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብቲ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ፡ ፈርሁ። 35 ካብቲ ደበና ድማ፡ “እቲ እተሓርየ+ ወደይ እዚ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ”+ ዚብል ድምጺ መጸ።+ 36 እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ የሱስ በይኑ ተረኽበ። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ፣ በተን መዓልትታት እቲአን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ነገር፡ ንሓደ እኳ ኣይነገሩን።+
-