2 ነገስት 6:17 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 17 ኤልሳእ ከኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ኺርእስ፡ በጃኻ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ጸለየ።+ ብኡብኡ፡ የሆዋ ኣዒንቲ እቲ ጊልያ ኸፈተ እሞ፡ ንሱ ረኣየ፣ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ፡ እቲ ኣኽራን ብኣፍራስን ሰረገላታትን ሓዊ መሊኡ ነበረ።+ ዳንኤል 7:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ውሒዝ ሓዊ ኸኣ ይውሕዝ፡ ካብ ቅድሚኡ እውን ይወጽእ ነበረ።+ ሽሕ ግዜ ሽሕ የገልግልዎ ነበሩ፣ እልፊ ግዜ እልፊ* ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ።+ እቲ ቤት ፍርዲ+ ንፍርዲ ተቐመጠ፣ መጻሕፍቲ እውን ተገንጸለ። ማቴዎስ 4:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ድሕርዚ፡ ድያብሎስ ሓደጎ፣+ እንሆ ድማ፡ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ።+
17 ኤልሳእ ከኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ኺርእስ፡ በጃኻ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ጸለየ።+ ብኡብኡ፡ የሆዋ ኣዒንቲ እቲ ጊልያ ኸፈተ እሞ፡ ንሱ ረኣየ፣ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ፡ እቲ ኣኽራን ብኣፍራስን ሰረገላታትን ሓዊ መሊኡ ነበረ።+
10 ውሒዝ ሓዊ ኸኣ ይውሕዝ፡ ካብ ቅድሚኡ እውን ይወጽእ ነበረ።+ ሽሕ ግዜ ሽሕ የገልግልዎ ነበሩ፣ እልፊ ግዜ እልፊ* ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ።+ እቲ ቤት ፍርዲ+ ንፍርዲ ተቐመጠ፣ መጻሕፍቲ እውን ተገንጸለ።