ማቴዎስ 10:39 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 39 እቲ ንነፍሱ* ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፣ እቲ ንነፍሱ* ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ፡ ኪረኽባ እዩ።+ ማቴዎስ 16:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 ንህይወቱ* ኼድሕና ዚደሊ ዘበለስ፡ ኬጥፍኣ እዩ፣ ንህይወቱ* ምእንታይ ዜጥፍኣ ዘበለ ግና፡ ኪረኽባ እዩ።+ ሉቃስ 9:24 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 24 ንህይወቱ* ኼድሕና ዚደሊ ዘበለስ፡ ኬጥፍኣ እዩ፣ ንህይወቱ* ምእንታይ ዜጥፍኣ ዘበለ ግና፡ ንሱ ኺረኽባ እዩ።+ ዮሃንስ 12:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 እቲ ንህይወቱ* ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ፣ እቲ ንህይወቱ* ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ+ ግና ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።+ ራእይ 12:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ሳላ ደም እቲ ገንሸልን*+ ሳላ ቓል ምስክሮምን+ ድማ ስዒሮምዎ እዮም፣+ ኣብ ቅድሚ ሞት እኳ፡ ንነፍሶም* ኣየፍቀርዋን።+