ማቴዎስ 12:48-50 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 48 ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ “ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይከ መን እዮም፧” ኢሉ መለሰሉ። 49 ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ፡ እነዉ።+ 50 ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለስ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ።”+ ማርቆስ 3:33-35 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 33 ንሱ ግና፡ “ኣደይን ኣሕዋተይን መን እዮም፧” ኢሉ መለሰሎም። 34 ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዝነበሩ ጠሚቱ ኸኣ፡ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ፡ እነዉ!+ 35 ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” በለ።+ ዮሃንስ 15:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ንስኻትኩም፡ እዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።+
48 ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ “ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይከ መን እዮም፧” ኢሉ መለሰሉ። 49 ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ፡ እነዉ።+ 50 ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለስ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ።”+
33 ንሱ ግና፡ “ኣደይን ኣሕዋተይን መን እዮም፧” ኢሉ መለሰሎም። 34 ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዝነበሩ ጠሚቱ ኸኣ፡ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ፡ እነዉ!+ 35 ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” በለ።+